^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 75 guests and no members online

ሰላም ደቂ ኤረይ ደለይቲ ሰናይ,, መርገም ወላዲ እንተ ዘይቀተለስ የዕወንወን, ደም ንጹሃት ኤርትራዊያን, ብላሽ ፈሲሱ ኣይተረፈን, ህግደፋዊያን ንመራሒኹም ኣረቂ ኣናዚዝዎ, ማይ ገርኩም ኣውርድዎ ሕጂ ግርም ድንቂ, ገንፊሉ ወጺኡ እቲ ሐቂ,,,

ዓባይ ትግራይ ዝሐልሙ,,ንህዝቢ ኤርትራ ከዳኽሙ, ለይትን መዓልትን ተንኮል ዝኣልሙ,,ትኽስ ድሙ መዘንግዒ ኣናጹ, ቅንዕና ዘይብሉ ኩሉ መጺጹ,ብቅንዕና ወሲና, ናብ ስራሕ ከይንሰግር, ንሐቂ ደፊንካ ምኻድ, ነዓይ ጥራይ ስምዑ ዘብሉ በዚሖምና, ማዓስ ኢና ወሲና,ናብ ስራሕ ንበገስ እሞ እንድዒ,,

መንዩ ቁኑዕ ብኸመይ ክንመዝኖ

ንቃልስና ካብ ሰኣነ ዘሕንኖ

ንዝሐለፈን ዘሎን ብኸምዚ ክመዝኖ,,

መምርሒ ተ,ሐ,ኤ ኣይኮነን ተቐያሪ, ናይ ሰማእታትና ሕድሪ, ብሩህዩ ከም ጸሐይ ቀትሪ,, ንልእላውነትና, ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእቱ,ዝተሰደደ ህዝብና ንዓዱ ከኣቱ,,ጉጅለ ህግደፍ ክፈርስ, ህዝቢ ኤርትራ, ካብ ራስ ቄሳር ካሳብ ራስ ዲመራ ክሕጎስ፡፡

ወዲ ሃገር, ተባራበር, ብፍሑኽ ፍሑኽ, ከይኣትዉና ገለ ንግበር, ገረብ ብሐኽላ, ኤርትራ ተእዊላ, ኢደይ ኢድካ ንበል ሃገርና ክውግሐላ, መወዳእታ ዘይብሉ ቃልሲ,ፍረ ኣልቦ ኩሉ ምስ ዋጠየ ደሞራሲ,ንመን ከም ንኣምኖ ጠፊኡና ሎምሲ,,

ጸረ ጃንዳ ተዃሉ, ብቅንዕና እንተ ዝቃለስ ኩሉ,ንህዝቢ ኤርትራ ምወግሐሉ, ያኣክል ብኣኼባታት ቃልሲ ንድሕሪት ምምጣጥ, ንግደፎ ምዕባጥ, ወሲንካ ይበልጽ ስራሕ ምስላጥ,, ኩሉ ንዘረባታት ወሲድዎ ንቅሐት, ኣቱም ሰባት, ተዛረብቲ ኢና ኣይኮናን ዉፉያት,,ገለ ጅቡኡ ገንዘብ ዝመልኤ,ገለን ካብ ኣባላቱ ገንዘብ ምስ ኣዋጸኤ,ዕንቅፋት ይበዝሖ ኣብ ኩሉ ከይበጽሔ,,

ኣብ ዓዲ ዕዉራት ሐደ ዓይኑ ይነግስ,ብኸምዚ ዲና ገዝኣተ ሕጊ ክነንግስ, እቕሬታ ከይሐተቱ ስለ ዝተዘርግሑ,ፍረ ዘይብሉ ኣኼባታት ኣብዚሑ, ኣርባዕተ ነጥቢ ዘይብሉ,, ኩሉ ኣብ ዘረባ ነቒሑ..

ንድሕነት ህዝቢ እንተ ኮይኑ ጥርናፌኹም, ንህዝቢ እቕሬታ ሕተቱ፡ እቕረ እቕረ, ዘይብሉ ዋዕላታት, ንህዝብና ኣየድሕኖን ካብ ጸልማት,ካብ ናይ ጃንዳ ህግደፍ, ባርነት, ኩልና ንኹን ቁኑዓት, ናይ ሕልና ንጹሃት፡፡

ህዝብን ሃገርን መድሕን እንዳ ደለየ

ቅንዕና ዘለዎ ካባይ ጀሚርኩም ሃየ

ካብ ኣብ ዝነበርካ ነርካ ተቓዋሚ እየ

ኩልና ንህዝቢ እቕሬታ ክንሐትት ንጓየ,

ሳኣን ኣሜን ምርቓ ይጎድለካ,, ዘይስኒትና ንፍለጦ ጠንቃ, ቅድም እቕረ እቕረ ንበሃሃል, እንተሎና ጣቋ, ቂምን ቅርሕንትን ሒዝካ, ኣይትበቕዕን ናይ ህዝቢ ጠበቓ,, ምስ ቂምካ, ከላእ እዚኣቶም ካኣ እንዳበካ, ከይነጻህካ እንተ ሰራሕካ, እቕሬታ ዘይመሕተቲኻ, ኣበር ኣለካ፡፡

እቶም ንባይቶ ንድሕሪት ዝጎተቱ

ንህዝቢ ኤርትራ እቕሬታ ይተቱ

ወይ ዓበይቲ ይኹኑ ናእሽቱ

ድልዋት ኣይኮኑን ንኣርዮስ ክምክቱ,,

ኤርትራዊት ኣደ ጸምይዋ, ዘዝተወልደ ንሳዋ, ኤርትራ ሲኢና ራህዋ, ዓቢ ኑኡስ ንሱዳን ንኢትዮጵያ, ንሊብያ ራሕሪሕዋ, ንስደት ከይዱ, ህዝቢ ብምሉኡ እንተ ገድፈ ዓዱ, ንጉሒላ እንታይ ግዱ,, ካብ ተታሐሒዝና ዕውንውን, መድሕን ህዝብና ክንከውን,, ግብራዊያን ይኹን,,

ህዝቢ ይደሊ, ሎ መርሃዊ, እንታይ እሞ, ቃልስና ከይቀደመትኪ ሐባል በልያ ኮይኑ,ዝቀደሙ ዝደሐሩ እቅረ እቅረ ተበሃሃሉ, ክትተኣማመኑ, እቅረ ከይተበሃሃልኩም, ዘበትዩ ብሐደ ክትሰርሑ, ንህዝቢ ክተድሕኑ,,

ቅንዕና ዘለዎ, ንህዝቢ እቕሬታ እነተ ሐተተ እንታይ ይጐድሎ,እቕሬታ ከይሐተተ, ኣብ ዝጸንሔ ጸኒሑ ክመጽእ ከሎ,ስለምንታይ መርሐባ ንብሎ,,መውጺኢኡ ዝረሰዔ,ፍትወት ነብሱ ሐዲርዎ ዝሰሰዔ, ብጎቦ ዓይኑ ምስ ረኣዮ ዝተገፍዔ, እዩ, ቃልስና ክሳብ ሎሚ ከየድመዔ,,

ጉጅለ ኢሰያስ ብውሽጥን ብደገን,

ጭፍራ ህግደፍ ንዕቀት ተዓዛዚርዎም

ጽባሕ ንርኢ ህዝቢ እንተ ምሒርዎም

ጃንዳ ህግደፍ ነበርቲ ከይመስለኩም

ብእዋኑ ግዳ ምንዛዝ ዘይምሐሸኩም,,

ዓወት ነት ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ, ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር

እዩ ብ.በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን፡ ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፡፡

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox