^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 96 guests and no members online

ሰላም ደለይቲ ሰናይ ደቂ ኤርትራ

ደቂ ኤረይ ከስዔ ኣደ ጉራ ምራ

ስዩም ዘብሎም ዶ ሰኣኑ ጭፍራ,

ኣቲ ለተሪና እዛ ቆልዓ ንበይና

ድሕሪ ነጻነት ቤት ትምህርቲ ሲኢና

ኤርትራ ዓዲ ጀጋኑ ኣልቦ ሕጊ ኮይና,

ለተሪና መንገድኺ ተዛናቢሉ

ቀደም መዓስ ከምኡ ነሩ

ብኣርዮስ እኩይ ተግባሩ

ነጻነት ናብ ባርነት ተቐይሩ,

መንእሰይ ክንዲ ንትምህርቲ ምስ ላቢሽ

ብጥሙይ ከብዱ ናብ ዝበልናካ መርሽ

መሰለይ ዝበለ በትርን ጥይትን ምቑሽሽ

ለተሪና ንገርና እባ እንታይ ከም ዝሐይሽ,

ለተሪና ኣታ ኣነስ ከምዚ ምበልኩ

ካብ ብማዕዶ ንውሽጢ ዘይትልሕኹ

ስለኹ ንጉጅለ ኣርዮስ ክተንበርክኹ,

ሃገርና መድሕን ህዝባ ሲኢና

ምኽሪ ናይ ለተሪና ተኸቲልና

ኢደይ ኢድካ ኢልና ነድሕን ህዝብና

ጣፍ ስርናይ ክሐፍ ሐረስታይ ሃገርና,

ካብ መግዛእቲ ክከውን ነጻ

ኤርትራ ንመስዋእቲ ደቃ መሪጻ

ካሳብ ዓንቀሮም ዝዓጠቑ ኣናዊጻ

ጉሒላ ንደቀባት ኣጽኒቱ ብቓጻ

ዳግማይ ብስዉር ብደቆም ተረጊጻ,

ብስዉእ ጅግና ወደባት ዩ ሰውራ ተጀሚሩ

ዓዋተ ብኢድ ኣዙር ክንግዛእ መዓስ ወፍሩ

ኢደይ ኢድካ ኢልና ክንዲ ነሕጽሮ ዕምሩ

ቃልስና ናብ ዝበረቐ ጸሐይና ዶ ተቐይሩ,

ሕድሪ ጅግና ስዉእ ሐምድ እድሪ ዓዋተ

ኤርትራ መኻን ኣይኮነትን ዘበትዩ ዘበተ

ሕድሪ ኣሎና ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታተ,

ኤርትራ ምስ ዴሴታታ

ከይተቆርመመታ ምስ ወደባታ

ኣብ መወእታ ሃገር ናብ ደቀባታ

ሹዑ ይኽበር መሰል ህዝብታታ,

እቶም ሰብ መትከል ዉሑድት እዮም እሞ

ንትምኒት ህግደፍ ክንገሮ ዘርሞ ዘርሞ

ኦ ረቢ ኦ ኣምላኻ ሐይሊ ሃበና ክንዛዝሞ

ዕንቅፋት እንተ ዘይህሉ ጉሒላ ምተባረረ

ህዝቢ ምስ ጎራባብቱ እንዳ ተኻባበረ

ኤርትራዊ ሕጊ ተኺሉ ኣብ ዓዱ መኽበረ,

ብዋጋ ደምና ምስ ጭፍሩኡ

ብደመኛ ኣርዮስ ተተኪኡ

ምስ ብኽድዓት ዝሕተቱ ምሱኡ

ይሐልም ኣሎ ንወዱ ክህቦ ቦቱኡ,

ኩላ ብድቁሳ ክሞተላ ጥራይ ትጸበ

ኣብ ዘረባ ተዋፊሩ ኤርትራዊ ወርጠበ

እንታይ ኣሎ ድዩ መተካእታ ዝተቀረበ,

ብክልተ ጎራሕት ዝተዘወረ

ተዓዲሙ ዞኽ ዛኽ ምስ ጀመረ

ንድሐነት ህዝቢ ዶ ንውዲት እንበረ,

ህዝቢ ንዳግማይ ትንሳኤ

ክዛተ ንሐርነ ምስ ተንሰኤ

ንባይቶ በቲንካ እቲ ዝኸፍኤ

ብመዝሙር ሰላም ምስ ተተከኤ,

ንባይቶ ክብትኑ ዝተጓየዩ

ዮስየፍ ገብሪሂወት ንህዝቢ ዶ ሕልዩ

ንመን ወኪሉ ብልሳን መን ክዛረብዩ,

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘለዉ ዋርዲያ

ብስዉር ደገፍቲ ህግደፍ ኢትዮኦያ

ሐርነት ዕንቅፋት በዚሕዋ ደንጉያ,

ተንቤናይ ኣለዋሃ ምላሽ ጨሪሑ

ዕላም ኣምሐሩን ተጋሩን ኣንጊሁ

ተበግሱ ኢሰያሳዊያንን ሕጂ በሪሁ,

ህግደፍን ተጋሩን ዝሃንደስዎ

ተዳቐሉ ንኤርትራዊ ሐንስፍጽዎ

መንነት ደቀባት ኤርትራ ከተህስስዎ,

ንኤርትራ ዩንቨርስቲ ሐሪምዋ

ንህዝባ ኣደንቊሮም ከህስስዋ

ህዝቢ ኤርትራ ኣይረኸብን ራህዋ,

ብወለዶኦም ዝብሉ ዘርባዕ ባዕ

ንደቀባት ዘጽነቱ እንዳበሉ መንካዕ

ብወዱ ዶ ዳግማይ ክንነብዕ

ውዲት በዓል መዘንግዕ የብቅዕ,

ኤርትራ ጀጋኑ ወሊዳ ጀጋኑ ምስ ሰኣነት

ን27 ዓመት ኣደዳ ማእሰርት ሞት ባርነት

ኣብ 2018 ንበል ሐዲኡሎ ሎሚ ዓመት,,

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ,ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብበርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን፡ስዕረት ንጉጅለ ህግደፍን ዓንገልቶምን፡

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox