^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 81 guests and no members online

ካብ ተመኩረይ ከምዚ ክብል,

እቶም ሰብ ሕልና ዓበይቲ ናእሽቱ,

ካብ ሐዲሽ ውዲት ንጠንቀቕ,

ካብ ኢትዮጵያ ዝብገስ ኤርትራዊ ፍታሕ የለን ውዲት እንበር፡፡

ነዚ ስእልታት ሪኢኹም ፍረዱ

ብመን ተወኪሎም ዮም ንሽዋ ዝኸዱ

ደገፍ ንህግደፍ ዶ ንኣርዮስ ከውርዱ,

ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ በዓል መንዮም ዝጠለሙ

በዓል መንዮም ብልሳን ጎዶቦና ዝጓዝሙ

ዓዲ ዋዕሮታት ጀጋኑ ብተደጋጋሚ ከባደሙ

መራሒ ጭፍራ ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈቀርቂ ሽሙ,

ንኹሉ ተኻታቲለ ኣንቢበ

ንስእሊ ታቶም ኣኻኺበ

ንከማይ ሕሙማት ኣረኪበ,

ደቂ ኤረይ ዓገብ በሉ

ማዓስ ግበር ተባሂሉ

በርሀ ዝገጥሞ ንኹሉ

ዝጽሕፎ ንነብሱ ወኪሉ,

እዚ ኡኩይ ካሕዳይ

ንጥፍኣትና ንኹሉ ሕራይ

ውክልና ከይሃበካ ህዝበይ

ገበን ዩ ተሐሪኻ ምጉያይ,

ን27 ዓመት ዲሂኹ

ህዝቢ ከጥፍእ ኣስሊኹ

እነሆ ምስ ግብጺ ዓሪኹ,

ንደብሪ ካህን ዓጣኒኡ

ንቅሕት ኣብ ዘይ ቦቱኡ

ንልእላውነትና ዝጻቡኡ

ኣርዮስ ምስ ጉጅሉኡ,

ኤርትራ ን30 ዓመታት ደምያ

ህዝባ ፋሕ ይብል ኣሎ ብዝርያ

ብኢድ ኣዙር ን27 ዓመት በኽያ,

ክሳብ ማዓስ ክንዳናገር

ናዓና መስል ደቂ ሃገር

ከይብሉና ንሕበር

ሃገራዊያን ንባራበር,

ንሕና ክንዲ ንጥርነፍ ንራባሕ

ብውዲት ንብል ፋሕ ፋሕ

ንሱ ንዝኣመነ ኣሚኑ ይምካሕ

ሰብ ዶ ብዘይ ቅዋም ንምራሕ,

ጉጅለ ህግደፍ ምስ ኮነ ፈራዲ

መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዕርዲ

ወትሩ ኣብ ተጠንቀቕ ኣላ ዓዲ

የድልየናሎ ብልሐት

ካብ ክልተ ጎራሐት

ፍታሕ ኣይንጸበ ኣሐት,,

ውድቀት ንመዕነውቲ

ወትሩ ካብ ጥንቲ

ኤርትራ ዕይንቲ

ክብትኑኺ ብስልቲ,

ኤርትራ ኩሉ ጠማቲኣ

ኣርዮስ ስለ ዘይኮነ ዋናኣ

ሃየ ኣማሳሚሱ ከየጥፍኣ

ነድሕና ኣብዛ ዓመት እዚኣ,

ኤሊት በቋራጭ ሕልኮ ግደፍዎ

ነዚ ሕያዋይ ህዝቢ ኣይትበድልዎ

ኣብ ሐቀኛ ለውጢዩ ረብሐ ዘለዎ,

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ,ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብበርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን፡ስዕረት ንጉጅለ ህግደፍን ዓንገልቶምን፡

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox