^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ
ክተት ህግደፋዊ ጽባሕ ከይተኡዊ
Tesfamariam Wel
017/02/2018 Norway
oslo
ካብ ኣብ ስደት ኮነካ ኲናት ትጽውዕ
ባዕለኻ ክተት እቶዋ እታ እሳተ ባርዕ
ኣብዘየለኻሉ ውግእ ሓዊ ኣይትወልዕ
ብቲፎዞ ጥራይ ኣብዚ ኮንካ ከተጣቕዕ
ኣንታ ሕምቱል ህግደፋዊ ነገር መሳወሪ
ውግእ ትጸበለኻ ምስ ሰብ ስግረ ባሕሪ
ዘይ ተገብረ ሓሶት አቃሚምካ ከተውሪ
ሎሚኸ መንዩ ክጥበሰልካ ኣብቲ ጓህሪ?
ዞም ብድዐኛታት ብህዝቢ ዘሽካዕልሉ
ወግሐ ጸብሐ ብሰብ ከላግጹ ዝውዕሉ
ሱስዓት ፍጥረት ናይ ግዜና ጉሓላሉ
ነብሶም ዘይፍትሹ ሓንጎሎም ዝኣጎሉ
ኣድጊኳ ነቒሑ ንኩሉ ኣስተብሂሉሉ
ሕሱር የሕስረካ ዝተባህለ ቀደም
ብድዐ ንህዘቢ ሱዳን ድሮ ጀሚሮም
ባዕደል ፍጡር እናበሉ ከላግጽሎም
ብላዕ ስተ ተፈደል ሱዳንዶ ትጥለም
እዚ ብሩኽ ህዝቢ ደላይ ፍቕሪ ሰላም
ንሓላፍ መንገዲ ንቐደምበል ስለ ዝበሉ
ዚኦም ይኸብሩምበር ዚኦምዶ ይቃለሉ
ዔብዩ ንጽቡቕ ዝገበርልኩም ክትብድሉ
ብመርገም ናትኩመዩ ህዝብና ተበዲሉ
ሕያዋይ ህዝቢ ከሎ ዓሻ ቆጺርኩሞ
ዘሎ ንብረቱ ሰሪቕኩም ጓሕጒሕኩሞ
ብልሽውናእቲኹም ዓዱ ተቋጻጺርኩሞ
ቁዱስ ሰፈር ዝነበረ ሃገር ኣራኺስኩሞ
ዝለመድኩሞ ዝምታ ስለ ዝጎደለኩም
ዶበይ ክሕሉ ተበለ ዕብዳን ኣትይኩም
ምስ ዓለም ዘይቋዶ ስርዓት ተኺልኩም
ምስ መንግስቲ ሱዳን ካብ ተባተኽኩም
ሎምስ ሰሓንዋ ተገጢሙ ሽጣራኹም
ዓመጽን ሸፈጥን ካብ ዓቐኑ እንተበዚሑ
ብድዐን ንዕቀትን እንተተራእየ ጎሊሑ
ናይ ሓሶት ጃህራን ፈኸራን ምስተነዝሑ
ሎሚስ ይኣክል ኢሉ ህዝቢ ሱዳን ጎሪሒ
ዝስረቕ ምስ ሰኣንኩም ነገር ክትፍሕፍሑ
ብለን ዓይኑ ዝነበረት ሱዳን ሎሚዩ ዓዊሩ
ሕቡእ ዝኣቱ ኣቑሑ ኮንትሮቫንዳ ተሰዊሩ
ከፋራርሕ ክንደይ ጨዲሩ ዝኣኽሎ ፈኪሩ
ኣኽለክን ቀደም ከይመስለክን ንባዶ ጊዒሩ
ህግደፍ ወዲቑዩ ኣብ ኩሉ መዳያቱ ተሳዒሩ
ምሒር ጎሪሕና ክብል ተታሒዙ ብዓንቀሩ
ኣንታ ወረ ውግእ ትጽበ ዘለኻ ጸረ ሰላም
ጸሓይ ዕራርቦ ትጀሃር ትፍክር ትሓለም
ግጭትን ሁወከትን ገዲፍካ ተመነ ንሰላም
ብኲናት ዝተዓወተ ኣይተረአን ኣብ ዓለም
ንምኳኑኸ ተቐሪብካ ዲኻ ንስኻኸ ባዕልኻ
ዶስ ኣብዚ ኮንካ ኢኻ ከተጨርሽ ህዝብኻ
ሓቅኻኻ ሓቅኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ዘይስንኻ
ንሶም ክሞቱ ስኻ ከተጣቕዕ ኮቦሮ ሒዝካ
ብዓል ንሕና ንሱ ኣብዚ ነገር ካብ ተካውሱ
እንሆ ሜዳ እንሆ ፈረስ ሃየ ንቐሉ ተበገሱ
ጓይላ ኮቦሮ ገዲፍኩም ሃገርኩም ኣውሕሱ
ሃገር ኣማዕዲኹም ከይትሪኡዋ ከይትፍደሱ
ክተት ህግደፋዊ ድሓር ተጠሊዕካ ከይተእዊ
ስደት ኮንካ ዝይተባህለ ዘረባ ካብ ትጠዋዊ
ኣርኣያ ኩን ምራሕ ኣንታ ፎሽኳል ሓሳዊ
ክሳብ ምዓስ ክትከውን ኣባ ጓይላ ውልቃዊ
ሕልና ግበር ሕሰብ ንኽትከውን ፍትሓዊ፣
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ
ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ
ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ
ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን
ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን
ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ