^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 33 guests and no members online

ዝኣኽለን ጥሒነን በዓለ ማርያም ይብላ፡

ኣብዚ ዘሎ ኩነታት ምርኩስ ብምግባር፡

ኣብ ፓልቶካትን ፊስቡክን ህግደፋዊያን ሕፍር ከይበሉ ከምዚ ይብሉ,

ወደባትና ኣታዊ ዘይብሉ ግረውሮው ክብል ጸኒሑ፡

መንግስትና እትዋት ክረኽበሉ ኢሉ ከካርዮ መሰል ኣለዎ ይብሉ፡፡

ዉሽጡ ሑሩር፡እወ መንግስትኹም ሕጊ ኣልቦ ጉጅለ ተዃሉ፡

መሰል ዝሐተቱ ትሕቲ መሬት ኣስፊሩ፡

ንህዝቢ ብገዛእ ሃብቱ ብጥምየት ጠሚሙ ከይዛረብ ብኣፉ ተታሒዙ፡

መሰል ህዝቢ ገፊፎም ንመንእሰይ ካብ ዓዱ ከም ዝባረር ገሮም፡

ተገምጢሎም ሃዲሙ ይብልዎ፡

ንጉሒላ ሳሕል ምስ ጭፍሩኡ ኑዑኡ መሰል መን ሂብዎ መሰሉዩ ትብሉ፡፡

 

ኣይኮነን ወደባትና ክሸይጥ ከካሪ

መን ሐርይዎ ክኸውን ኣማሐዳሪ

ንህዝቢ ኤርትራ ሐኒቑ ሕዝዎ ከየፍሪ

ብዓመጽ ማዕዳናትና ይፍሕር ዘይናቱ ምድሪ,

ገመል ሰሪቕካ ጉንብሕ ጉንብሕ

ወዲ ሰብ ዶ በዚኦም ይምራሕ

ሽግርና ዘይፈለ ብማዕዶ ይምካሕ,

ናብርኦም ብጺሊም ዕዳጋ ብሐዋላ

ሕጊ ኣልቦ እኽብካብ እኒ ጉሒላ

ሃገር ከትርፍዋ ደቀባት ዘይብላ,

ነዚ ድያብሎስ ምስ ጭፍሩኡ ለኹመኛ በልዎ

ናይ ወድኻ ጓልካ ሐምሳ ሽሕ ክፍል ይብልዎ

በቲ ሐደ ድማ ንሃገሩ ዋጋ ክፈለላ ይግድድዎ,

ብሐሶት ክንዲ ንጸሊም ዕዳጋ ሂወት ከኽፍልዎ፡

ማንኪ ንሐሶት ክሻ ተኸተል

ዘመደ መንእሰይ ይመሃር ኣሎ በል

ሻርሊ ውን መልሐስካ ሰሐሎ

ክትብል ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ኣሎ

ዝበሎም ዝደግሙ ከም ፓፓጋሎ

ህዝቢ ንውድቀትኩም ይቃለስ ይጽሊ ሎ፡

ትኽ እንተ በሉ ከም ማዕጽትድ

ሕጎም ዝበልናካ ተኣዚዝካ ኪድ

ንድሕነት ህዝቢ ስጉምቲ ንሰድ፡

ሕክምና እንተ በልካ ወይከ

መድሃኒት ሐተትካ ኪድ እስኸ

ዝውሰኽ የለን ብጀካ ዝንከ..

ኣጋፋርቲ ኣለዋ ኣብ ርእሰን መኾምብያ

ገለ ኣብ ጽላሎም ገለ ኣብ ስደት ዝዓበያ

ናበይ ከይበላ እግሪ እግሪ ጭፍራ ዝጎያ,

ሃብቲ ሃገር ዶብ ሰጊሩ

ባንክታት ዱባይ ዓሚሩ

ንባንክታት ሃገር ግረውሮው ኣቢሉ

ንኤርትራዊያን ክልተ ካብ ሜእቲ ክፈሉ፡

ንሱዳን ብጸሊም ዕዳጋ ኣጸሊልዋ

ምስ ኤርትራ ዶባታ ክትዓጹ ገሩዋ

ንስልጣኑ ሐለዋ ንግብጺ ዓዲምዋ,

ውዲት ዝኣልም ብተደጋጋሚ

ካብ 81 ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ

ህዝቢ ከጽንት ንውግእ ዓዳሚ

ንጉጅለ ህግደፋዊያን ዕረ ስሚ

መላዓዓሊ እንተኾነ ጠቓሚ

ነዚ ይመስል ናይ ሎሚ ግጥሚ,

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና, ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና,ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍ ዓንገልቶምን፡ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን፡

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox