^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 85 guests and no members online

ኣብ ዝኽሪ ቶጎሩባ, ኣብ ዝኽሪ 8 መጋቢት ክላቦ

ትም ኣይንበል ዓገብ ዝበለ ዓቕሉ እንዳ ጸበቦ,

ማፍያዊ ጉጅለ ኣይወድቕንዩ ባዕሉ,

ደቂ ኤረይ ኣብ ፍትሐዊ ቃልሲ ዕሰሉ,

ንእኽብካብ ኣዛብእ ፋሕ ክተብሉ,

ንባርነት ኣይኮነን መስዋእቲ ተኸፊሉ፡፡

ደቂ ሃገር,,እንታይ ዩ እቲ ምስጢር,ፋሕ ዘብል ዘየሕብር,ንደቀባት ትሕቲ ሜሬት ዘስፍር, መራሒ ህግደፍ ንስዉር ዕላሙኡ ኣግሂድዎ, ባንዴራ እንዳ ዓለቡኡ, ኣንበልቢሉዋ ረኣይዎ,ነዚ ዲኹም ከም ወደባት ትወስድዎ,ሃገራዊ ረሲዕካዮ ዲኻ እቲ ስቓይ,ኣብ ማሕዩር ዘእተወ ንመዓሮይ ነብሻይ ንሳንዳይ, ንይማ ንይባ,ነቦይ ነያይ, ብልማማ ዘጽንት ነስላማይ ንክስታናይ፡፡

ሐቂ መዓልታ ቆጺራ ትወጽእ,እንታይ ክደግሙና ካብዚ ዝኸፍእ, ኤርትራዊያን መዓስ ኢና ብስኒት ሐርነት ነምጽእ,ከም ሸኽ ካህን ጳጳስ ሙፍቲ,ከም ዓጣኒ ደብሪ, ኣብ መስጊድ ኣዛኒ, ኮይኑ ክንብለሉ ኢፍቲ, ንኹሉ ዘጽንቱ ንቆልዓ ሰብይቲ,ጉጅለ ፋሺሽቲ, በብሐደ ኣጽኒትዎም ንደቂ ርስቲ፡፡

ዉሽጡ ሑሩር ኣሎኒ ሕቶ

ንመጻኢ ዕድልና ዘጸልመቶ

ዘረባ ጥራይ ኮና ብቲ ቢቶ,

ምስ ሞተ ንመን ኢና ክንሐቶ,

64 ቶጎሩባ ናይ ቃልስና ሐበን

መንዩ ብዓወት ቶጎሩባ ዘይሕበን

ኤርትራዊያን ያኣክል ምትፍናን

ዝሐለፍስ ሐሊፉ ሕጂ ሐደ ምዃን

ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ዋላ ንሐንቲ እዋን,

ንጅግንነት ኣያታትኩም ኣይትጻቡኡ

ኣብ ፈንቅል እቶም መንነቶም ዝሐብኡ

ኢሰያስን ጉጅሉኡን ኣይወደቑን ኣብኡ,

(ተዘክሮ)ኣለም መስፍን ዋዕሮ ጥሒሻ, ኤርትራዊት ዋዕሮ ንድርብ ወጽዓ ተቃሊሳ, መሰላ ኣብ ቃልሲ ኣራጋጊጻቶ,በሳላ ኣሎ ዝሰንከልርቶ, በጃ ህዝባ መስዋእቲ ዝኸፈለቶ,ንህዝቢ ኤርትራዩ ክብር ሂወታ ዝወፈየቶ, ምስክር ዋዕሮታት እንሆ, ክርተት ክይኣክልን ንሕጊ ኣልቦ ኢለን በድሆ,ሂወተን ኣብ ማሕዩር ኣሕሊፈነኦ፡፡

እዘን ዋዕሮታት ኣለዋዶ

ዓገብ ዝበለ ዝወረዶ

ንፋሽሽታዊ ሲኢኑ ዝፈርዶ,

እኒ ሰናይት ኣስተር ምርያም ዋዕሮ

ንገር ክንደይ ተሪፎም ኣብ ዒራዒሮ

ብካብቲ ካብቲ ዝተኣኻኸቡ መንሽሮ

ሽማዊ ነጻነት 27 ዓመት ኮይኑ ድሮ,

ዝተወለደ ውላድ ብዘይ ኣደ ክዓቢ

ወለዶ ሎሚ ግብሪ ኣልቦ ተዛራቢ

ዘረባ ፍትሒ ኣይኮውንንዩ መግቢ

ዓጽሚ ጀጋኑ ከይወግኣና ኑኡስ ዓቢ

ሎምስ ያኣኽለና ንግበር ቅቀልቢ,

ህዝቢ ኣይነቕሔን ግርም እባ

ጀጋኑስ ወዲቖም ኣብ ቶጎሩባ

ሎሚ ግን 27 ዓመት ኣብ ዘረባ,

ንጭፍራ ህግደፍ ክተፍርሱ

ንሕን ሐባን ናይ ጀጋኑ ውረሱ

ከይሞተ ንኣርዮስ ክትሕብሱ,

ዝደፍኦ ሲኢኑ እንዳ ተባህለ

ሐይልና ስለ ዝተመቓቐለ

ንህዝቢ ኤርትራ የጽንቶ እነሆለ,

ኣየ ኤርትራዊያን ወትሩ ዓያሹ

ክሳብ ማዓስ ከላግጹልና ደቂ ገሹ

ቲፋኖስ ሂወት ደቀባት ከባላሹ,

ካብ ዉሽጡ ሕሩር ኣይትጸበዩ መጎስ

ክትፍቶ ሐቂ ምድፋን እንታይ ይዓብስ

ንሐቂ ደፊንካ ዶ ፍትሒ ቅሳነት ይነግስ

ሐቂ ንፍቶ ክንፍቶ ንጎሮቤት ኣይንወድስ,

(ክንምርዖ)

ገለ ካብ ኤርትራ ገለ ተጋሩ ክትምርዓዉ

ወይ ተጋሩ ኮይንኩም ኣድምጹ ክትፍተዉ

ንላንጋ ላንጋ ዘሎ ብተልእኾ ኣይተተዓሻሽዉ

ሐዲኡ ምረጹ ታሪኽ ኤርትራ ኣይተባላሽዉ,

ብኸምዚ ክዛዝሞ,ምስ ተጋሩ ኢትዮጵያ መን ከሊእኩም መውስቦ, ምስ ፍትሐዊ ቃልሲ መውስቦ, እንታይ የራኽቦ,መውስቦ ካብ ቀደም ጸኒሑ ብዓንተቦ,ኤርትራ ንኤርትራ ኢሎም እዮም ወዲቖም, ጀጋኑ ኣብቲ ናይ ቶጎሩባ ጎቦ,ብውዲት ዝኣኽሎም ጥሒኖም, ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ናበይ ጎቦ ጎቦ፡፡

ኤርትራዊያን ኣስላም ኣብ ቁርኣን,, ክስታን ኣብ መጽሐፍ ቁዱስ ንኣምን,, ካብ ውሽጡ ሑሩር, ንዓመታት ዝተዓዘበ, ዘይናቱ ክዘምት ፈረሱ ጽዒኑ ዝጋለበ, ንተቃውሞ ደንበ,ካብ እቶም ብውዲት, ፋሕ ዘበሉና ክጥርንፉና ኣይንጸበ,ንጽላእ ንፍቶ ብድሕሪ ጀብሃ ኩሉ ብላሽ, ንደመኛ ጉጅለ ኣብራኹ ክንዲ ምሕምሻሽ, ንሱ ትርፉ ኣርሒቕካ ምጋሽ፡፡

ኣብ ዓዓድና ሰናይ ጉርብትና,ንስኹም ኢትዮጵያዊያን ተጋሩ, ንሕና ኤርትራዊያን ኢና,ጭርሖኹም ዓሳ ከምዘይ መውት ባሕሪ ከምዘይ ነጽፍ,ንቃልስና ኣዳኺሙ, ንጭፍራ ህግደፍ ዝድግፍ,እዚ እተኮይኑ ሐገዝኩም ይትረፈና, ኣሐት ኢና እንዳበልኩም, ክሳብ ማዓስ ሑቖና ክትጎዝዩና፡፡

ዝኽሪ ቶጎሩባን ዝኽሪ 8መጋቢትን ንዘኣለም ክኽበርዩ, ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና, ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና, ስዕረት ንጃዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን,8 መጋቢት 2018,በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን፡፡

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox