^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ
እቲ ጭርሖ ሸቶኡ ከይሃርመ፡-
ግዳማዊ መግዛእቲ ስዒርና ሃገር ተረኪብና
ኣብ ክንዲ ንላዘብ ንተሓላለ መሊስና ተበቲና
ካብ ዝሓለፈ ብዝኸፍአ ብኹሉ ተጎዲእና
እንተ ብልቦና እንተ ብግርህና ነዊሕ ተጸሚምና
ግን ኣብ ክንዲ ዝሕሸና መሊሱ ገዲዱና።
ናይ ኩሉ ጠንቂ ሃገራዊ ሕሰም ምዃኑ ህግደፍ
ኣሚና ወጺእና ካብ ፖለቲካዊ ደርገፍገፍ
ኣጠማምታና ኣስሚርና ኣብ ክንዲ ንተሓቋቖፍ
ከም ዘለና ዘይላገብ ክንብል ኮልተፍተፍ
ሓቂ ከይንዛረብ ገለ ነጉባዕብዕ ገለ ንስከፍ።
ህዝቢ ተጠሊሙ ተስፋኡ ማህሚኑ
ዘቤታዊ መግዛእቲ መሪርዎ ተበቲኑ
ብኣካል መሊኡ ከይግዕዝ በተሓሳስባ ከይዓኑ
ምረት ሓደጋኡ ብኹሉ ተኣሚኑ
ጭርሖ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ተወሲኑ።
እቲ ጭርሖ ኣብ ባይታ ውሪዱ ክትግበር ምስተፈተነ
እቲ ናይ ብሓቂ ህዝባዊ ሓላፍነት ዝተሰከመ ዝኣመነ
ንምትርጓሙ ክረባረብ እንከሎ ብጽንዓት ብወነ
እቲ ኣብ ድሕረት ዝጠሓለ ብተራ ጽልኢ ዝቐርዓነ
ናይ ድሕረት ድፋዕ ሰሪሑ ኣብኡ ክሕባእ ስለ ዝወሰነ
እቲ ጭርሖ ዘረባ ጥራሕ ኮይኑ ጉልበት ምስ ሰኣነ።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ
መድረኻዊ ጭርሖ’ዩ ብዙሓት ዝዓግብሉ
ጭርሖ ግን ቀላሲ መራሒ እንተዘይብሉ
መዓስ በዕሉ ይሰርሕ ኢድ የብሉ እግሪ’ሉ።
ኩነታት ከፊኡ ልኡላውነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ምሉእ ንምሉእ ተጨፍሊቑ ፖለቲካዊ መንነት፡ ባህላውን ሃይማኖታውን መንነት ኩሉ ተዳቒቑ ሃገር ምስ ካልኦት ትራኸበሉ መስመራት ኩሉ ተሓኒቑ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ክንዲ ኣለኹ ኢሉ ዝንቁ ጭርሖኡ ከም ዝተርጎመ ይፍሳሕ ብዕርቑ።
ከም ዝተባህለ በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ ኣግርኻ
ንስለ ሓርነት ክብረት ህዝቢ ክትውፈ ወሲንካ
ህዝቢ ዝቕበሎ መድረኻዊ ቴማ ጨሪሕካ
ጭርሖ ከተትግብር ስጉሚ ከይከድካ
ዘዐውት ገዲፍካ ኣብ ዘዕንቅፍ ተጸሚድካ
ናተይ ካብና ክስቶ እንተበልካ
ውድብ ኣፍሪስካ ውድብ እንተሰራሕካ
ዝሰፍሐ ግንባር ኣደስኪልካ ኣብ ዝጸበበ ግንባር እንተኣተኻ
ዘሪግካ ‘ምበር መዓስ ለውጢ ኣምጺእካ።
ኣብ ክንዲ ፖለቲካዊ መሪሕነት
ተቐይሩ ናብ ማሕበር መሪሕነት
ገሊኡ መንፈሱ ሰቢሑ ብኣጉል ኣንነት
ገሊኡ ብበሉና ገበሩና ቀርዒኑ ብጽበት ኣብ ድሕረት ተኣሊኹ ምውጻእ ስኢኑ ዓቐበት
ካብ ዛራ ማና
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 07-03-2018
ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ
ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ
ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን
ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን
ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ