^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ
ዓመት ተጸቢኻ እንደሞ ኮይኑ፡-
ተበግሶኽን ጽቡቕ ጭርሖኽን ጥዑም
ሕብረትክን ተስፋ ትብዓትክን ግርም
ካብ ዝኸውን ናይ በይንኽን ንደቂ-ተባዕትዮ ልክም
ወርሓዊ ይኹን ካብ ኣብ ዓመት ቅልቅል።
ኩነታትና ዕድል ዘይህብ ይሕንበብ ስጋኣት ሓዚሉ
ሓሳብና ብዙሕ ዘቑጸልጸለ ተግባር ዘይብሉ
ዘየጨነቕ ዘቕስን ነዞም ገበርቲ እከይ ጎሓሉ
ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ተራኺብና እንተ ጨራሕናሉ
ንመትከላት 8 መጋቢት ዘኪርናዮ ‘ምበር መዓስ ሰሪሕናሉ።
8 መጋቢት መትከላታ’ዩ መሓውራ
ስእነት ጾታዊ ማዕርነትዩ እቲ ኣውራ
ተዛሪበን ከየስመዓ ከም ሰብ ከይኸብራ
ከይሰርሓ ከይፍርያ በረኻ ከይወፍራ
ጎደሎነት ክስመዐን ተረጊጸን ክነብራ
ምስ ፈረደን’ቲ ባህሊ ግድን ኮነ ቀላጽመን ከሕብራ።
እንተኾነ ኣይመስልን ሓሳብን ተግባርን ዝሰመረ
ገና ኣሎ እቲ ድሑር ባህሊ ምስተኾመረ
ሕልና ኣደ ዘቑረረ ምዓንጣ ከብዳ ዘሕረረ
ኮነ ኢሉ ክትለምስ ክትርመስ ዝገበረ
መብጸዓ ዝፖሊሲኡ ዝኸፍአ ኣድልዎ ዝኸረረ።
ነዚ ንምውጋድ ማዕርነት ንምንጋስ
እኹል ኣይኮነን ሓደ ዓመታዊ ምእካብ ምጉስጓስ
መሓውር ህግደፍ ንምሽምራር ዝወደቐ መነፍስ ንምሕዳስ
ብሰሙናውን ወርሓውን ተወዲቡ ከርኢ ኣለዎ ገስጋስ
ከብቅዕ ኣለዎ ምጽማም ኣብ ካልኦት ምሕንጋር ምክሳስ።
ስለዚ 8 መጋቢት ኣብ ክንዲ ስሩዕ ሓደ ዓመታዊ
ዕለታዊ መደባት ወጺእሉ ክግምገም ሰሙናዊ ወርሓዊ
ኣብ ሕልና ጓል ኣንስይተይቲ ዘሎ ቁስሊ መታን ክሓዊ
ኩሉ ሕብረተ-ሰብ መታን ብሰላም ብማዕርነት ክረዊ
ዓመት መጽአ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ብጭርሖ ካብ ዘእዊ
ቀጻልነት ዘለዎ መደባት ተሰሪዑ ኩሉ ይኹን መርሃዊ።
ካብ ዛራ ማና
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 14-03 -2018
ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ
ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ
ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን
ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን
ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ