You are here: Home
እዋናዊ ጉዳይ
ግጥምታት - Poems
መለቀብታ
ረክላም - Adverteisment
ዓደይ ዓዲ‘ጀጋኑ እንብዓል መን‘ዮም፡ ሕድሪ ስውኣት ዝጠለሙ?





^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ
ዝኸበርኩም ኣሕዋት፡ብቐዳምነት ሰላምታይ ይብጻሕኩም።ኣስዒበ ድማ ኣብ ጥዕናኹም ይኹን ናብራኹም ጽቡቕን ሰላምን ክትህልዉ ይምነየልኩም።ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት “ሰረት ታሪኽ ጥንታዊት ምድረ ባሕረ-ጋስ ኤርትራ“ እትብል መጽሓፍ ኣቕሪበልኩም ነይረ።
ሕጂ ድማ ሓዳሽ መጽሓፍ “ዓደይ ዓዲ ጀጋኑ እንብዓልመን‘ዮም ሕድሪ ስውኣት ዝጠለሙ እትብል መጽሓፍ ሒዘልኩም ቀሪበ ኣሎኹ።ዓደይ ዓዲ ጀጋኑ ....ኣስማት322 ብጣልያን ዝተቐትሉ ታሪኻውያን ኣቦ‘ሓጎታት ምስ ገለ ስእልታትን፡ጉዕዞ ብረታዊ ቃልስን፡ብወልቀ መላኺ ኣስመራን (ባሻይ ቢኢዱ) ዝተኻየደ ግዕዘይ ተግባራትን፡ኩነታት ኤርትራን ትገልጽ ኮይና ክሳብ 231 ኣርእስቲ ዘሓትን፡710 ገጻትን፡ልዕሊ 450 ስእልታትን ዝሓዘት ኢያ።ስለዚ መጽሓፈይ “ዓደይ ዓዲ‘ጀጋኑ እንብዓልመን‘ዮምሕድሪ ስውኣት ዝጠለሙ?“ሒዛቶ ዘላ ኣርእስትታት ንምፍላጡ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሰለስተ ክፋል ገይረ በብዕለቱ ከመሓላልፈልኩም ተዳልየ ኣለኹ።ሕቶ ይኹን ርእይቶ ዘለኩም ወይ ድማ መጽሓፍ ክትጠልቡ ምስ እትደልዩ ድማበዚ ዝስዕብ ኢሜይል መልእኽትኹም ክተቕርቡ ብትሕትና ይጽበ።E-mail:This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. 561815297 or Mobil.0049 170 311 9367.
ምስ ምሉእ ኣኽብሮት
ሓዉኹም ዶ/ርኣብርሃምጳውሎስ
ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ
ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ
ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን
ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን
ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ