ዓለምና ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ጥራሕ፡ ንመበል 70 ግዜ ባሕቲ ግንቦት ኣህጉራዊ በዓል ሰራሕተኛታት ኣኽቢራ ውዒላ።

እዚ ኣጋጣሚ ንኹለን ሃገራት ዓለም ብፍላይ ከኣ ንዓና ንኣፍሪቃውያን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ካብኡ ናብኡ ከኣ ንኤርትራውያን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ’ዩ። ሃገርና ኤርትራ ኣብ ጽባሕ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ማሕበረ ሰራሓተኛታት ካብ ዝመስረታ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ቅድሚት ትስራዕ ሃገር’ያ። ስለዚ ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ማለት ኩነታት ሰራሕተኛታት፡ ፍርያት ዕዮን መሰላትን ኣብ’ዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ እንታይ ይመስል ምርኣይን ምፍላጥን ብኡ ኣቢልካ ንዘይፈለጡ ምሕባርን ኣገዳሲ’ዩ።

ስራሕ ግቡእ ኮይኑ ናብ ፍርያት የምርሕ። ፍርያት ከኣ ናብ ርእስኻ ምኽኣልን ክብረትን የሰጋግር። ግን እዚ ከም’ዚ ዝበለ መስርሕ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይርከብ? መን’ዩ ኣስራሒ መን’ዩ’ኸ ሰራሕተኛ? ኣብ’ዛ ሃገር ዘሎ መንግስቲ ከመይ ዝበለ መንግስቲ’ዩ? ናይ ዕዮ ፖሊሲታቱ ኸ? ሓደ ዓይነት ኣስራሕን ሰራሕተኛን ድዩ ዘሎ፡ ወይስ ካብኡ ንላዕሊ? መልሱ፡

ሰራሕተኛ ክበሃል እንከሎ ኪኒዮ’ቲ ኣብ ዕዮን ዝረኽቦ ውጽኢት ረሃጹን ዘሎ ኣፈላላይ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ፣ ሰራሕተኛ ብሕታውያን ትካላት፣ ወናኒ ንኡስ ትካል ኮይኑ ባዕሉ ጉልበቱ ኣፍሲሱ ዝሰርሕ ክኸውን ይኽእል። ዕዮ ብሓንጎል፡ ብጉልበት፡ ዝሰላሰል ኮይኑ ፍርያቱ ከኣ ብኡ መጠን’ዩ። ዓየይቲ ድማ ብመሰረት ፍልጠቶምን ጉልበቶምን ስለዝፈላለዩ ሓደ ዓይነት ዕማም ክህልዎም ኣይክእልን። ዝተፈላለየ ክእለትን ጉልበትን ኣለዎም። ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎ ፍርያትን ክፍሊትን ከኣ ይህልዎም። ኣብ ናይ መንግስታዊ ትካላት ተቖጺሮም ብወሳኒ መልክዑ ናይ ኣእምሮ ስራሕ ዝሰርሑ ሰራሐታኛታት ኣለው። ኣብ ፋብሪካታት፣ ጋራጃት፣ ጽርበት ዕንጸይቲ ሓጺነ መጺን፣ ዕደና፣ ምግፋፍ ዓሳ፣ መፍረ እንስሳ፣ …ወዘተ ብጉልበቶም ተዋፊሮም ዕለታዊ መግቦም ዝምእርሩ ሰራሕተኛታት’ውን ኣለው። ካልኦት ደርብታት ርሂጸ በላዕ’ውን ኣለው’ዮም። እዞም ዓውደ ዕዮታት ነናቶም መፍለዪ ባህሪያት ዘለዎም ኮይኑ ግን ከኣ ንክልቲኡ ጾታ ዝሓቑፉ’ዮም። ንዕኡ ዘንጸባርቕ ነናቶም ውዳቤታት ክህልዎም ከኣ ናይ ግድን’ዩ።

ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ከም’ዚ ዝበለ መእተዊ ክንገብረሉ ዝደረኸ ቀንዲ ምኽንያት፡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ብዓይነቱ ዕዮ ሓደ፣ ፍርያት ዕዮ ሓደ፣ ዓያዪ ኣካል ሓደ፣ ማሕበር ዓየዪቲ ሓደ እናበለ ከይሓፈረ ዝነዝሖ ወረ ንዘይቅንዕናኡ ንምቅላዑን ንምፍሻሉን’ዩ። እዚ ጉጅለ ከም’ዚ ዝበለ ዘይወድዓውን መሰረት ዘይብሉን መበገሲ ምሓዙ ከባይ ይብግስ ዝብል’ውን ሕቶ ዘልዕልን መልሲ ክረክብ ዘለዎን ጉዳይ’ዩ። ከም ንቡር ዕዮ ንዓቕሚ ኣዳም ብዝበጽሑ ዜጋታት ክዕመም ስለ ዘለዎ፡ እዚ ሓጺር መበገሲ ሓሳብ’ዚ ብትሕቲ ዕድመ ንዝካየድ ንጥፈታት ስራሕ ዘጠቓልል ኣይኮነን። ግርም ንሓደ ሰብ ስራሕ፣ ኣፍሪ፣ ተዋሳእ ጥራሕ ኣይኮንካን እትብሎ። ኩሉ’ቲ ኣብ መንግስታውን ብሕታውን ኣብያተ ጽሕፈታት፣ ሕርሻ፣ ምግፋፍ ዓሳ፣ ኢንዳስትሪታት፣ ዕደና …ወዘተ ዝዋፈር ዜጋ መጀመርያ ከም ሰብ መሰሉ ክኽበር ኣለዎ። መሰል ብቑዕ ደሞዝ፣ መሰል ብሕጊ ዝተነጸረ ሰዓታት ስራሕ፣ ማለት ሰሙናዊ፡ ወርሓዊ፡ ዓመታዊ፡ ናይ ቅድምን ድሕርን ወሊድ ዕረፍቲ፣ መንበሪ ገዛ፣ ብቑዕ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፣ ሞያዊ ስልጠና፣ ብማሕበር ናይ ምውዳብን ምቅዋምን መሰላት ..ወዘተ ክረክብ ኣለዎ። እዚ ንስለ ዘረባ መሰል እናበልካ ዝሽቀጠሉ ክኸውን የብሉን። ኣብ ሕጊ ሃገርን ሕጊ ማሕበራት ዕዮን ሰፊሩ ብተግባር ክስረሓሉ ኣለዎ። ብተግባር ክስረሓሉ ድማ፡ ውዳቤታት ዕዮ ክህሉ ግድን ይኸውን። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ካብ ኢድ ኣእታውነት መንግስትን ኣስራሕትን ናይ ገዛእ ርእሱ ነጻነት ዘለዎ ውዳቤታት ክኸውን ኣለዎ ማለት’ዩ። ማለት ብመሰረት ንኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝምልከት ብመንፈስ ኣድማሳዊ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ዝሰፈረ ዓንቀጻት፡ ማሕበር ሰራሕተኛታት ብናይ ገዛእ ርእሶም ቅዋም ዝምርሑ ክኾኑ ኣለዎም።

ፍሉጥ’ዩ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ሃናጺ ሓሳብ ንገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ክወሓጠሉ ከምዘይኽእል። ንህግደፍ ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሎም ዓመጽቲ ስርዓታት እዚ ከም’ዚ ዝበለ ሓቀኛ፡ ፍቱን፡ ቅቡል፡ ተንታንን ኣስተምህሮን ኣይወሓጠሎምን’ዩ።ብመንጽር ናይ ስርዓት ህግደፍ ገባቲ ኣተሓሳስባ ሰራሕተኛታት ሓደ ጠለብ ደሞዝ ጥራሕ ክህልዎም ኣይክእልን። እዚ ቅቡጽ ስርዓት ንህዝቢ ከደናግረሉ ይፍትን ከም ዘሎ፡ “ምምሕያሽ መነባብሮ ሰራሓተኛታት ጠለብ ወርሓዊ ደሞዝ ጥራሕ ምምላስ’ዩ። እዚ ከኣ ኣብ ኤርትራ ንህዝቢ ዝሓሊ መንግስቲ ስለዘሎ ብዙሕ ዘዛረብ ኣይኮነን” እናበለ’ዩ ዝልፍልፍ ዘሎ። እዚ ጉጅለ ብባህሪኡ ናብ ሓቂ ቀሪቡ ኣይፈልጥን። ወትሩ ካብ ሓቂ ምስረሓቐን ኣብ ምድንጋር ምስተዋፈረን’ዩ። ልሳኑን ተግባሩን በበይኑ ምዃኑ ዘረጋግጸልና ድማ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ’ዩ።

ናይ መማህራን ስራሕን ጠለብን ካብ ሓካይም መሃንድሳትን ስራሕን ጠለብን ናይ ግድን ይፈለ’ዩ። ናይ ዓደንቲ ሓጓዶ ጠለባት ካብ ናይ ኣውቶ መካኒክ፡ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ነዳቖ፡ ፎርማናት፡ ናይ ግድን ክፍለ’ዩ። ጠለባት ናይ’ቶም ኣብ ወደባት ዝሰርሑ ሸቃሎ፡ ካብ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ወይ መዕረፊ ባቡራት ዝሰርሑ ሸቃሎ ዝተፈልየ’ዩ። ኩሎም እዚኦም በብሞያኦምን ማሕበሮምን ተወዳዲቦም ብነጻነት ተዛትዮም ተኻቲዖም ብዘጽደቕዎ ሕግታት እናተመርሑ፡ ናይ ቀረባን ርሑቕን መሰላቶም የረጋግጹ። እዚ ኣህጉራዊ ሕጊ ምዃኑ ምርዳእ’ውን ኣገዳሲ’ዩ።

ሃገራዊ ኮነ ኣህጉራዊ ሕጊ ዘይዓጦ ጉጅለ ህግደፍ ግን ከም’ዚ ዝበለ ርእሱ ዝኸኣለ ነጻ ማሕበር ሰራሕተኛታት ክህሉ ኣይፈቅድን። ብትሪ ይቃወሞ። በቲ ልሙድ ከፋፋሊ ስልቱ ሰራሕተኛታት ከይተኣማመኑ ጌሩ፡ ስማዊ ማሕበር ኣጣይሱ መሳርሒኡ ኮይኑ ተረሚሱ ክነብር ይገብሮ። እዚ ኣብ’ዛ ብመስዋእቲ ዝመጻት ሃገረ ኤርትራ ክውን ኮይኑ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕፍር’ዩ። ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ፡ እዚ ስሱዕ መንግስታዊ ጉጅለ ነቶም ባዕሉ ዝሰነዖም ማሕበራት “ሃገራዊ ኢሉ ኣጠሚቕዎም” “ ሃገራዊ ኮንፌደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ” “ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ” ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ” …ወዘተ። “ሃገራዊ” እዚ ኣተሓሳስባን ተግባርን’ዚ መስደመም’ዩ። እዚኦም ህዝባዊ ማሕበራት ዘይኮኑ፡ ብወተሃደራዊ ዲስፕሊን ዝግዝኡ ወተሃደራዊ ጥርናፌታት’ዮም። ክለሰ-ሓሳባዊ ጥራሕ ዘይኮነ ግብራዊ ተመክሮ ከምዘረጋግጾ፡ ህግደፍ ውደባ፣ ጥርናፌ፣ ማሕበር፣ትካል ክብል እንከሎ፡ ብግበር ኣይትግበር ቀጢን ትእዛዝ ዝኸይድ ናይ ገዛእ ርእሱ ነጻ ህላወ ዘይብሉ ስማዊ ምትእኽኻብ ፈጢርካ ምግባት ማለቱ’ዩ። ካልእ ኣይኮነን። ብዛዕባ መሰላትኩም ሕጂ ኣይትሕተቱ ይጽነሓልኩም። ንዓይ ስምዑኒ ተማእዘዙኒ።ኣብ ድሌተይ ረዓሙን ንበሩን’ዩ ዝብል ዘሎ። ኣብ ሓደ ተጠርነፉ ክብል እንከሎ መሰልኩም ኣኽብሩ ማለቱ ኣይኮነን። ሕቶ ርእይቶ ዘይብሉ ሕድሕድኩም እናተናኸስኩም ኣገልግሉኒ’ዩ ዝብል ዘሎ። ከም’ዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ሰላም ኣይህብን። ብተግባር ከኣ ኣይሃበን። ከም’ዚ ዝበለ ናይ ባርያን ጊላን ዝምድና ኢንዱስትሪያዊ ሰላም ክፈጥር? ኣይሕሰብን።

ብዛዕባቲ ኮንፈደረሽን እናበለ ዘላግጸሉ ምስ እንምልከት ድማ፡ ኮንፈደራላዊ ክበሃል እንከሎ፡ ንኣብነት ኣብ ተመሳሳሊ ፍርያት ዝሰርሑ ትካላት፡ ማለት ውጽኢት ሓጸነ መጺን ሰራሕቲ ጃላቡ ወይ ሻምብቆታት ፈሳሲ መታን ንክተሓጋገዙ ኢሎም፡ ብነጻ ምርጫኦም ኣብ ሓደ ክጥርነፉ ምስ ዝመርጹ’ዩ። ስለዚ ኣፍረይትን ለኣኽትን ጡጥ፣ ውጽኢት ቆረበት፣ ዓሳ ፣ ኣፍረይቲ፡ ዓሸግቲ፡ ለኣኽቲ ዘይቲ ብልዒ .. ንዕኡ ዝመስልን ካልእን …ወዘተ ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ኮንፈደራላዊ ህላወ ኣለዎም’ዶ የብሎምን ዘይኮነ፡ ከም ሰራሐተኛታት’ከ ኣለውዶ የለውን ዝብል ሕቶ ክቕርብ ዘለዎ።

ህላወ ከም’ዚ ዝበለ ማሕበራት ተደላዪ ዝገብሮ ድማ፡ ብዛዕባ ዕዮን ፍርያት ዕዮን ጥራሕ ኣይኮነን። ብዛዕባ ጥብቅና መሰልን ረብሓን ሰራሕተኛታት ብቐንዱ ‘ምበር። ኣባላት ኮንፌደራላዊ ማሕበር ብጻዕቂ ስራሕ ከይህሰዩ፣ ንህይወቶም ሓደጋ ኣብ ዘምጽእ ከሚካላዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ክሰርሑ ከይግደዱ፡ ካብ ግቡእ ወጻኢ ካብ ስራሕ ከይባረሩ፣ ብክብሪ መነባብሮ ከይሽገሩ ንክጣበቕ ንኽከላኸለሎም’ዩ። ነዚ ዘይገብር ማሕበር ድዮ ኮንፈደረሽን ግን ሃለወ ኣይሃለወ ንውጹዓት ርሂጸ በላዕ እንታዮም ኣይኮነን። ናይ ህግደፍ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኮነ ኮንፈደረሽን ድማ ንሰራሐተኛታቱ ዝስሊ ዘሳቒ ንጃንዳዊ መሪሕነት ህግደፍ ዘመጉስ ዘመላኽዕ ‘ምበር፡ ንኣድማሳዊ ስምምዕ ምኽባር መሰል ሰራሕተኛታት መሰረት ጌሩ ዝሰርሕ ኣይኮነን። እዚ ናይ ጥርናፌ ኮንፈደረሽን ይትረፍ ብነጸነት ንመሰል ሰራሕተኛታቱ ክጣበቕ፡ ኣድማ ክገብር፡ መምህር፣ ሓኪም፣ መካኒክ፣ ዓዳናይ፣ መሃንድስ፣ ኩሉ ባዕሉ ኣብ ዝጠፍጠፎ ቁራዕ ኣእትዩ፡ ኣሕሊፉ ንበላዒ ዝህብ፡ ነተራ ኩራን ክትዕን ዘይጻወር፡ ኣካል ኣምሳል ናይ’ቲ ሃገራዊ ድሕነት እናበለ ዝገልጾ ትካል ስለያ ኮይኑ መሰል ሰራሕተኛታት ዝግህስ ስማዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት’ዩ። በቲ ዓለም ትዛረበሉ ዘሎ፡ ጉጅለ ህግደፍ ጉልበት ኤርትራውያን ኣብ ውልቀ ሕርሻን ኣባይትን ካብ ምምዝማዙ ሓሊፉ፡ ምስ ናይ ደገ ኩባኒያታት ተሻሪኹ ደሞም ማጽዩ ዓጽሞም እናቖርጠመ እንከሎ ስኽፍ ዘይብሎ ልሙስ ስማዊ ኮንፈደረሽን’ዩ። ካብ ኩሉ ዘሕፍር ህይወት ዘለዎ ክመስል ዓመት መጸ ኣብ መድረኽ ወጺኡ ክምድር፡ ምስ ናይ ኣፍሪቃን ዓለምን ማሕበር ሰራሐተኛታትን ኮንፈደረሽናት ተራኺብና ተመክሮ ተለዋዊጥና ኢሉ ኣፍ ልቡ ነፊሑ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክምድር እንከሎ ምስማዕ’ዩ።

ካብ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ ወግዓዊት ልሳን ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ታሕም ሚያዝያ 2016 ዝተወስደ

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ፡ 13-05-2016