^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 48 guests and no members online

ናይ ምስጋና መግለጺ

ማሕበር ረዲኤትን ምዕባሌ ኤርትራ፡ ኣብ ኵለን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ መዓስከር ስደተኛታትን፡ ኣብተን ምስ ኢትዮጵያ ዝዳወባ ኪኒንን ቅኒቶን ዝበሃላ ክልተ ኤርትራውያን ዓድታት፡ ዘካየደቶ ስርሓትን፡ ዝተበቶ ሓገዛትን ብሰፊሑ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን፡ ብቃለ መጠይቕን፡ ብቪደዮታትን፡ በኣሳእልን ተገሊጹ ኢዩ። ካብ መቕድም መን ይቕድም ከም ዝበሃል ከኣ፡ ሽግር ስደተኛታት ኣሕዋትና ንምቅላል ንኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ህዝብና፡ ሓገዙ ከበርክት ... ንኣባላትን፡ ናይ ፓልቶክ ስመር .1 ተኸታተልትን፡ ጻዊዒት ምስ ኣቕረበት፡ ኣወንታውን፡ ኣተባባዕን መልሲ ረኺባ።

ኣባላትን፡ ተኸታተልትን ፓልቶክ ስመር .1 ንምቅላል ሽግር ህዝባና ዓቕምና ዘፍቅዶ ከነወፍን፡ ንህዝብና ሓገዝ ከነበርክት ክንጉስጉስ ኢና ብምባል፡ ብኤርትራዊ ኒሕን፡ ሓልዮትን ተሰንዮም መደባቶም ሰሪዖም፡ ቀሊል ዘይበሃል ሓገዝ ኣኪቦም ኣሎዉ።

ፓልቶክ ስመር .1 ኣብ ፖሊቲካዊ ክትዓት ከይተሓጽረ፡ ብተግባር ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ናይ ወፈያ መደባት እናሰርዐ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ሲናይ፡ ኣብ ሊብያ፡ ንመደባት ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ንምሕጋዝ ዝምስገን ኣበርክቶ ክህብ ጸኒሑን ዝቕጽል ዘሎን ናይ ክትዕ መድረኽ እዩ።

ሕጂ ድማ ብመንገዲ ማሕበር ረዲኤትን ምዕባሌ ኤርትራ፡ ነተን ነበርተን ብብርቱዕ ናይ ዝስተ ማይ ሽግር ስለ ዘለወን፡ ኤርትራውያን ዓድታት ኪኒንን ቅኒቶን፡ ክልተ ዒላ ክኰዓትለንን፡ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ንኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያን፡ ሱዳንን፡ ዝርከብ ህዝብና ንምሕጋዝ ፓልቶክ ስመር .1 መደባት ይሰርዕ ኣሎ። ኣጋጣሚ እዚ ድማ ነታ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ኣብ ኵሉ ስርሓትና ዘታተየትና መሓዛ ... ዝዀነት ዩናይትድ ፎር ኤርትረያ (United 4 Eritrea) እትበሃል ማሕበር መንእሰይ ሎሚውን ኣብ ኵሉ መደባትና ብእትገብሮ ናይ ደገፍ ተሳትፎ ከየመስገንና ክንሓልፍ ኣይንደልን።

ማሕበር ረዲኤትን ምዕባሌ ኤርትራ፡ ምዕባሌ ኤርትራ ክሳብ ብቐጻሊ ንሽግር ህዝብኹም ንምቅላል እትገብርዎ ዘሎኹም ሓገዛት በብሞዕባሌኡ ከተካታትልኩም ኢያ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ድማ ማሕበር ረዲኤትን ምዕባሌ ኤርትራ፡ ምስ ብኤርትራውንያን ኣሜሪካያንን ሓኻይም ዝምራሕ (Star for Star - S4AS) ዝተባህለ መሓዛ ማሕበርን ከምኡውን ብምትሕብባር ኢትዮጵያውያን ሓኻይም ናይ ዩኒቨርስቲ ከተማ መቐለ ዘለይዎ ናይ ስንን፡ ካልእ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ጉጅለ ብሓባር ናይ ጥዕና መደባት ከካይዱ ስለ ዝዀኑ፡ .... ኩሉ ዘድሊ ናይ ምስላጥን፡ ምትሕብባራትን ስራሕቲ ትገብር ከም ዘላ ንሕብርኩም።

ኣብ መደምደምታ ከኣ .... በዛ ሓጻር መግለጺ ንኣባላታን፡ ንተኸታተልቲ ስመር .1 ንዅላቶም እቶም ንምዕዋት መደባታ ብገንዘብ ብንዋት ይኹን ብኻልእ ኣካላውን ስነ ኣእምራውን ሕክምናውን ደገፋት ዝወፈዩ ማሕበራትን ውልቀሰባትን፡ ብስም እቲ ዝሕገዝ ዘሎና ህዝብና ከተመስግን እንከላ፡ ንመላኣ ኤርትራዊ ኣሰራ ክኽተል ጻዊዒት ነቕርብ።

ሓበሬታ፥ ስርሓት ... ንምፍላጥ ኣብ Youtube ERDA ተዘርጊሑ ኣሎ።

ወፈያ፥ በዚ ሕሳብ ባንክ ክላኣኽ ይከኣል፡  Bank Sparkasse Karlsruhe Ettlingen

ERDA e.V. IBAN DE08 6605 0101 0108 1032 27 Swift-BIC KARSDE66XXX

ማሕበር ረድኤትን ምዕባሌን ኤርትራ ዝተ..

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox