^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 103 guests and no members online

ንገዛእ ርእስኻ ኣዕጊቡ ንካልኦት ኣብነት ኮይኑ ዝማርኽ ሃገራዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፣ ቅኑዕ ፖሊስን ስትራተጂን ሃልዩኳ፡ ወጻእተኛታት እንተስ ተመክሮ ክወስዱ ወይ ኣብ ዝተፈላለያ ዓውድታት፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ምክብባርን ዝተሰረተ ውዑላትን ስምምዓትን ተሻሪኾም ክሰርሑ ብወግዒ ምስ ዝመጽኡኻ፡ ክትሕጎስ ገጽካ ኣብሪህካ ኣጋይሽካ ክትቅበል፡ ቅቡልን ንዝያዳ ውሽጣዊ ሓድነትካ ክትሰርሕ ዘተባብዕን’ዩ።

ዓዳሚ ኣረኣእያን ኣሰርራሓን ኣብዘይብልካ ዝፍጠር ዝምድናታት ግን፡ ሩፍታ ዝህብ ዘይኮነስ፡ ዘሻቕል ዘተሓትት’ዩ።

ምኽንያቱ ሓንቲ ሃገር ክትምዕብል ከይትምዕብል፡ ማራኺ ግዳማዊ ምስሊ ክህልዋ ዘይክህልዋ ዝውስን ውሽጣዊ ኩነታታ’ዩ፡፡ ኣብ ውሽጣ ብዘረጋገጸቶ ሰላም፣ ትምረሓሉ ሕገ-መንግስቲ (ቅዋም)፣ ኣብ መዳይ ፖለቲካዊ ምሕደራ፣ ቁጠባ፣ ማሕበራዊ፣ ዝምድናታት ወጻኢ፣ ትኽተሎ ግሉጽ ፖሊስን ስትራተጂን፣ ክብረት ሰብኣዊ መሰል ዜጋታትን ህዝብታትን፣ ንኹሎም ዜጋታት ተነጻጻሪ ዕግበት ዝህብ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ተሓታትነት ብዘለዎ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝምራሕ፡ ምምቕራሕ ፖለቲካዊ ስልጣንን ተጠቃምነት ሃገራዊ ሃብትን መሰረት ጌራ ትሰርሕ ምስ እትኸውን’ዩ። ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፡ ዜጋታትን ማሕበራዊ ክፍልታትን ከይተሸቑረሩ ብነጻነት፡ ብዝተወደበን ዘይተወደበን ኣገባብ ሓሳባቶም ዘፍስስሉ፡ ዝቃወምሉ፡ ዝድግፍሉ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐስሉ፡ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምስ ዝህሉ’ዩ። ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም (ሕገ-መንግስቲ) ብዝእዝዞ መሰረት ብድሌት ህዝቢ ብምርጫ ኣብ ስልጣን ዝድይብን ካብ ስልጣን ዝወርድን መንግስቲ ምስ ዝህልዋ’ዩ።

ንከም’ዚኦም ዝበሉ ሃገራዊ፣ ዞባዊ፣ ዓለም ለኻዊ ሚዛንን ቅቡልነትን ዘለዎም መሰረታዊ ነጥብታት ዝኸውን ጥጡሕ ፖለቲካዊ ባይታ ፈጢርካ፡ ኣቓልቦ ዓለም ክትስሕብ፡ መራሕቲ መንግስታትን ኣህጉራዊ ትካላትን ክበጽሑኻ፡ ኣብ ህዝባውን መሬታውን ልኡላውነትካ ዝኾነ ኣሉታዊ ተጽዕኖ ዘይብሉ፡ ግሉጽ ገንዘባውን ነገራውን ሓገዛት ክገብሩልካ ሕማቕ ኣይኮነን። እቶም ኣጋይሽ ናብ ሃገር ክበጽሑ፡ ተመክሮ ክለዋወጡ ድዩ ብግሉጽ ተሻሪኾም ክሰርሑ፡ ብዘለዎም ገንዘባውን ነገራውን ብልጫታት መሰጋገሪ ዝኸውን ግዝያዊ ደገፋት ክግብሩ ዝዓደመን ዝደረኸን ትኽተሎ ፖሊስን ኣብ ህዝብኻ ዝፈጠርካዮ ዕግበት ዝሰሓቦም ስለዝኾኑ ዘሕብን ደኣምበር ዘንቅፍ የብሉን።

ኣብ ናይ ሎሚ ፖለቲካ ኤርትራ ግን፡ ህዝቢ ዝምረሓሉ፡ መንግስቲ ዝውከሰሉ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም የለን። ብነጻን ደሞክራስያውን ኣገባብ ብህዝቢ ዝተወከለ፡ ስሩዕ ኣኼባታት ዘካይድ፡ ንጹር ፖሊስን ምምቕራሕ ስልጣንን ሃገራዊ ሃብትን ዘለዎ ተሓታቲ መንግስቲ የለን። እቲ መንግስቲ ስማዊ፣ እቲ ባይቶ ስማዊ፣ እቲ ውድብ ስማዊ፣ ብድሌትን ትእዛዝን ሓደ ሰብ ዝድስክልን ዝበራበርን ስሩዕ ህይወት ዘይብሉ ድስኩል ፖለቲካዊ ምሕደራ’ዩ ዘሎ። እተን ትካላት ወይ ሚኒስትሪታት መንግስቲ ዝበሃላ፡ መጸውዒ ስመንን ዕለታዊ ተግባረንን በበይኑ’ዩ። ናትና ዝብላኦ ፖሊስን ወግዓዊ ባጀትን የብለንን። እቶም ሚኒስተራት፣ ጀነራላት፣ ኣማሓደርቲ ዝበሃሉ፡ በየናይ ሕጋውን ፖለቲካውን መዕቀኒታት ስልጣን ይወሃቡ፡ እንታይ ምስ ገበሩ’ኸ ይወርዱ ዘይፍለጠላ ሃገር’ያ ሃገረ ኤርትራ ሎሚ። ጸላኢ ካልእ ዘይኮነ ጸላኢ ህዝቡ ዝኾነ እኽብካብ ጉጅለ’ዩ መንግስታዊ ስልጣን ተቖጻጺሩ ዝርከብ። ስለዚ በዚ እኽብካብ መንግታዊ ጉጅለ ትምራሕ ዘላ ኤርትራ፡ ካብ ቅዋም፡ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም የብላን። ካብ ፖሊሲ፡ ሰሓቢ ፖሊሲ የብላን። ካብ ሰላም፡ ሰላም የብላን። ካብ ስራሕ ዕድላት ስራሕ የብላን። ካብ ትሕተ ቅርጻ፡ ትሕተ ቅርጻ የብላን። ንመሻርኽቲ ዝዕድም ናይ ወጻኢ ፖሊሲ የብላን። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ብሞራልን ብተግባርን ሰብኣዊ ዓቕማ ትስእን ዘላ ሃገር’ያ። ስደትን ሞትን ኤርትራውያን ጭቡጥ መርተዖ’ዩ።

ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝበለ ምድራዊ ሲኦል ክኣትው ዝገበረ፡ እዚ እኽብካብ መንግስታዊ ጉጅለ ብመደብ ዝተኸተሎን ዝኸተሎ ዘሎን ጸረ-ህዝቢ ዘቤታዊ ፖሊሲ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ንዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው፡ ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ምስ ኢትዮጵያ ከተተኣሳስሮ መሰረት የብሉን። ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ምስ ኣሜሪካ ከተተኣሳስሮ ዝኾነ መእመኒ ጭብጢ የብሉን። ኤርትራ ካብ ዓለም ክትንጸል ዝገበረ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ’ዩ። ዜጋታት ኤርትራ ክስደዱ፡ ክዋረዱ፡ ክሞቱ ዝገበረ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ። ስለዚ ከኣ ስርዓት ህግደፍ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ’ዩ። ከም ልኡላዊ ህዝብን ልኡላዊት ሃገርን ክንቅጽል እንተደኣ ኮይና፡ ብዘይዝኾነ እንተታት እዚ ጸላኢ ክለግስ ኣለዎ። ኣይኮነን ከም ዘለዎ ዘቃኒ ዕምሪ ክረክብ፡ ክጽገን’ውን ክፍቀደሉ የብሉን። ካብ ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህሪኡን ፋሽሽታዊ ተግባሩን፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ህዝብታትን ኤርትራ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎ ገበንን ብሃገር ደረጃ ኣውሪድዎ ዘሎ ሰለሎን ኣብ ጸብጻብ ኣእቲኻ፡ ብቃልሲ ታሪኽ ክኸውን ደኣምበር፡ መናውሒ ዕድመ ክረክብ ክትምነየሉ’ሲ ልክዕ ኣይኮነን።

ገለ ውሑዳት፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ፖለቲካዊ መንነት ዘይብሎም በሃማት፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብያ ተራኺቡ፡ ብዙሕ ገንዘብ ድማ ረኺቡ፣ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንመንግስቲ ኤርትራ ኣማኢት ሚሊዮናት ሂብዎ። ወከልቲ ባይቶ እከለ ዝተባህለት ሃገር ኣብ ኤርትራ ዑደት ጌሮም። ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ገለ ኣምባሳደራት ኣብ ዞባታት ኤርትራ በጺሖም። ወኪል ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ንኢዳ፣ ብፍቕዲ ክንዲ ዝኾና ናይ ዕደና ኩባኒያታት ኣብ ኤርትራ ይነጥፋ ኣለዋ። ብሚንስተር፡ ሚኒስትሪ ልምዓትን ምትሕግጋዝን ዝተመርሓ ላዕለዋይ ልኡኽ ሃገረ ጀርመን ምስ ኢሳያስ ተራኺቡ እናበሉ፡ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ሰላምን ጽጋብን ከም ዘለው፡ እቲ መንግስትና ዝብልዎ ዘለው ድማ ከም መንግስቲ ዘግልጾ ሕጋዊ ሩሕ ከም ዘለዎ፡ ሳላ ሓያልነቱን ቅኑዕ ፖሊሲኡን ወጻእተኛታት ይስሕብ ከም ዘሎን ብታሕጓስ ጫውጫው ክብሉ ክንሰምዕ ጸኒሕና ኣለና።

እዞም ናይ ፖለቲካ በሃማት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላም ዘይሃበን ዘየዕገበን ባህሪ፡ ፖሊስን ተግባርን ጉጅለ ህግደፍ ንወጻእተኛታት ክማርኽ ከምዘይኽእል፡ ወጻእተኛታት ካብ ጉጅለ ህግደፍ ተመክሮ ክረኽቡ ወይ ተሻሪኾም   ብሕግን ብግልጽን ንክልተኣዊ ረብሓታት ክሰርሑ መዲቦም ኣብ ኤርትራ ይኣትው ከም ዘየለው ክስቖሮም ኣይከኣለን። ናይ ቀረባ ኣብነታት ክንጠቅስ፡ መንግስቲ ኢራን ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝምድና ኔርዎ፡ ኣብ ክልተኣዊ ረብሓታት ዝተመሰረተ ግን ኣይነበረን። ኣብ መንጎ ለኣኽን መዋልን ተለኣኽን ተቐባልነት ዝተመስረተ ‘ምበር። ዝምድና ንግስነት ስዑዲ ዓረብን መንግስቲ ህግደፍ ተሓዲሱ ተባሂሉ፡ ቅኑዕ ፖሊሲ ህግደፍ ዝሰሓቦ ዘይኮነስ፡ ፖለቲካዊ ምንዝርና ህግደፍ ብግህዶ ዝተቓላዓሉ፡ ልዑላዊ ማያትን መሬትን ኤርትራ ዝተደፍረሉ፡ ኣብ ወሃብን ለእኽን፣ ተቐባልን ተለኣኽን ዝተመስረተ ዝምድና’ዩ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ብጉልባብ ልምዓት ኣማኢት ሚሊዮናት ገንዘብ ከም ዝለገሰ ተገሊጹ፡ ብሓያልነትን ቅኑዕ ፖሊስን ስርዓት ህግደፍ ስለ ዝተመሰጠ ግን ኣይኮነን። ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ፡ ብኤርትራውያን ስደተኛታት ስለዝተሸገረ፡ ክንድ’ዚ ገንዘብ ክበካ’ሞ ዜጋታትካ ኣዕግሰለይ ክብል ዝሃቦ’ዩ። እዚ ዘነይት ተሓንበለ ዘብል ዘይኮነስ ናይ ሕፍረት ሕፍረት ናይ ውርደት ድማ ውርደት’ዩ። ጀርመናዊ ሚኒስተር’ውን በጃኻ ብዜጋታትካ ተሸጊርና’ሞ ፍታሕ ግበር፡ ውጽኢት እንተደኣ ኣምጺእካ ድማ መንግስትና መቕሽሽ ክኸፍለካዩ ዝብል መልእኽቲ ከብጽሕ’ዩ ከይዱ። እዚ’ውን ከም ህዝብን ሃገርን ውርደት ደኣምበር ዘጃህር ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ’ዚ መድረኽ ገለ መንግስታትን ኣህጉራዊ ውድባትን ንኤርትራ ዝህብዎ ገንዘባዊ ሓገዝን ናብ ኤርትራ ዝገብርዎ ዑደትን፡ ካብ ክልተኣዊ ረብሓታት ዝብገስ ዘይኮነ፡ ህዝብኻ ብግቡእ ክትመርሕ ስለዘይከኣልካ፡ በኣኻን ብዜጋታትካ ስለ ዝተሸገርና፡ ክንድዚ ዝኸውን ገንዘብ ክንሕግዘካ ህዝብኻ ኣመሓድረልና ነብስኻ ከኣለልና ዝብል፡ ንክብሪ ህዝብታት ኤርትራ ዘዋርድ፡ ከቢድ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዝሓዘ’ዩ። እዚ ከኣ ንለባማትን ሓላፍነታውያንን ኤርትራውያን ዘየቕስን ርእሲ ዘድንን ውርደት’ዩ። “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ከም ዝበሃል ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዝወረደና መዓት’ዩ።

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 18-12-2015 

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox