^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 34 guests and no members online

“ሓበሬታ” ክበሃል እንከሎ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ፣ ተርእዮ፣ ምዕባለ፣ ሓፈሻዊ ወይ ከኣ ዝርዝራዊ ኣፍልጦ ንተጠቃሚ ምቕራብ ማለት’ዩ።

ሓበሬታ ከም ዓውዲ ስነ-ፍልጠት’ዩ። መለለይኡ ከኣ፡ ብዛዕባ ሓደ ሓድሽ ኣገዳሲ ክበሃል ዝከኣል ነገር ዝርዝራዊ ሓፍልጦ ምእካብ፡ ምኽዛንን ምምማይን ኣድላዪ ኮይኑ ኣብ ዝተራእየሉ ግዚ ከኣ፡ ናብ ዝምልከቶ ምዝርጋሕ’ዩ። ኣብ እዋና ብዛዕባ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ብዙሕ ክዝረብ ንሰምዕ ኢና። እዚ ሓበሬታ፡ ኣብ ምእካብ ምኽዛንን ምስልሳሉን ጉዳይ ሓያልን ኣገዳስን ነገር ምዃኑ ንምብራህ’ዩ።

ሓበሬታ ከም ዕዮ ወይ ንጥፈት ዕለታዊ ክካየድ ዘለዎ’ዩ። ጉዳይ ህዝብን ሃገርን፣ ጉዳይ ሰላምን ኲናትን፣ ስነ-ፍልጠት፡ ባህልን ልምድን፣ ጉዳይት ፍርያት ዓዳጋን ስፖርትን …ወዘተ ዝምልከት ዕለታዊ ህይወትና ብሓበሬታ ክርበብ ከም ዘለዎ፡ ብዘይካ’ዚ ንምንባር ከም ዘሸግረናን ክንርዳእ ይግበኣና። ሓደ ሓኪም ንሓደ ሕሙም መርሚሩ ኣብ ዝውደኣሉ ግዜ፡ ንተመርማሪ ምኽንያት ወይ ጠንቂ ሕማሙ ከም ዝገልጸሉ ፍሉጥ’ዩ። ስለምንታይ መታን ካብ ሕማሙ ክፍወስ። ንቕድሚት እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ክፈልጥ፡ ሞያዊ ምኽርን መምርሕን ክህቦ። ምኽንያቱ ናይ መወዳእታ ዕላማ ናይ ሓበሬታን ምርመራን ፍወሳ ስለ ዝኾነ። ጉዳይ ህዝብን ሃገርን’ውን ምስ’ዚ ዝመሳሰል’ዩ። ፖለቲካ ማለት ምሕደራ ህዝቢ፣ ምንብባር ህዝቢ፣ ዕቤት ህዝቢ፣ ምንጋስ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝምልከት ስለዝኾነ፡ ፖለቲካ ብከፊል ድዩ ብምሉእ ክበላሾ ስለዝኽእል፡ እቲ ዘይቅኑዕ ምዕደራ ከይሳዕረረ፡ እንተሳዕሪሩ ድማ ለኪሙካ ከይወደቐ፡ ኩነታቱ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ። ከም’ዚ ዓይነት ብልሽውናታት ንምፍላጥ ድማ ትርጉም ሓበሬታ ብግቡእ ምርዳእ፡ ምሃብን ምስማዕን ዘይስገር ይኸውን። ብፍላይ መራኸቢ ብዙሓን ዝተቖጻጸረ ተሓታትነት ድማ ዘለዎ መንግስቲ ከለ-መዳያዊ ንጥፈታት ሃገር ንነበርቲ ወይ ዜጋታት ከከታትል ፍታው ዘይኮነ ግዴታኡ’ዩ። መንግስቲ ግቡኡ ኣብ ዘይገበረሉ ኣብ ምዕፋን ሓበሬታ ኣብ ዝተጸመደሉ ኣጋጣሚ ከኣ፡ ህዝቢ፡ ናብ ፖለቲካዊ ውድባቱ፣ በርገስ ማሕበራቱ፣ ድምጺ ውጹዓት ናብ ዘቃልሓ መራኸቢታት ገጹ ክጥም እዝኑ ኩር ኣቢሉ ክሰምዕ ኩነታት ክከታተል፡ ተሳትፎኡ ድማ ብተግባር ከረጋግጽ ኣለዎን ይግባእን።

ትርጉም ሓበሬታ ምፍላጥን ብግቡእ ምጥቃምን ኣብ ኩሉ ማለት ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ጸጥታዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ፣ ታሪኻዊ፣ ስነ-ጥበባዊ መዳያት ንቑሕ ተሳትፎ ክህልወካ ዝድርኽ መሳርሒ’ዩ። ሓበሬታ ዘይብሉ ሰብ ወይ ሰባት መብራህቲ ከም ዘይብሉ ገዛ’ዩ ዝቑጸር። ብፍላይ ኣብ’ከምዚ ንዓና ንኤርትራውያን ኣጋጢሙና ዘሎ፡ ፍጹም መላኺ ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ሓቀኛ፣ ሓሳዊ፣ በዳሊ፣ ተበዳሊ፣ ክትፈልጥ፡ ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ነብስኻ ከባቢኻን ሃገርን ተዋሳእን ወሳንን ክትከውን ሓበሬታ መተካእታ ኣልቦ መሳርሒ’ዩ።

እሞ ንሕና ኣብ ቀጽሪ ደምበ ተቓውሞ እንርከብ ኤርትራውያን ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ናይ ሓበሬታ ምእካብ ምልውዋጥ ወይ ምምማይ ዘለና ልምዲ ከመይ’ዩ። ብዘየካትዕ ደለይቲ ፍትሒ ብተዓጻጻፊ ቁጽሪ ንበዝሕ ካብ በደልቲ ዓመጽቲ ህግደፋውያን። ኣብ ሓበሬታ ዘለና ርድኢት፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ሓበሬታን መሳርሒ ሓበሬታን ዘለና ቅርበት፡ ነዚ ዓውዲ’ዚ ንገብረሉ ገንዘባውን ነዋታውን ወጻኢታት፡ ብኡ መጠን ምትእስሳርና እስከ ነመዛዝን? ብወገነይ ገና ብዙሕ ዝተርፈና ከም ዘሎ’የ ዝርዳእ። ንሕና ብዙሓትን ውጹዓትን፡ ሰብ ሓቅን ፍትሕን ክነስና፡ ንውሑዳት ብገንዘብና፣ ብፍልጠትና፣ ብግዜና፣ ብህይወትና ዝጣልዑ ትምክሕተኛታት፣ ጸበብትን ሰብ ፍሉይ ረብሓን መሊእና ምቅላዕ ምንጻል ክእግመና፡ እዚ ተገላቢጦሽ’ዩ። እዚ ብዙሕ ወጻኢታት ዘይሓትት ግን ከኣ ግቡእ ትኹረት ዘይተዋህቦ ገዚፍ መሳርሒ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግበኣና።

ኣርሒቕና ንድሕሪት ከይተመለስና፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመተ 2015 ብዝተወሰኑ ወገናት ግን ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታት፣ ኣስተምህሮታት ሓዘል ብዝተፈላለዩ መሳለጥያታት ተቓሊሑ’ዩ። ነዚ ሰነዳትናን ኣርካይቫትናን ዘረጋግጽዎ ሓቂ’ዩ። እሞ ክሳብ ክንደይ ተጠቒምናሉ፡ ተሳትፎና ከመይ ኔሩ፡ ገዛእ ርእስና ብምፍታሽ ንረኽቦ መልሲ ይመስለኒ። ናይ ሎሚ ቀዳማይ ጸላኢ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምፍሳስ ሓበሬታ ዘለዎ ተመክሮ ድሕሪት

ተመሊስና ምስ እንፍትሽ፡ ግሉጽነትን ጭብጥን ዘይብሉ ብምስጢራውነቱ ሓሶቱን ዝልለን’ዩ። ናትና ናይ’ዞም ደለይቲ ፍትሒ ግን ግሉጽን ኣብ ሓቂ ዝተመሰረተን ሓበሬታ’ዩ። ህግደፋዊ ሓበሬታ ንገበነኛታት ዝሓብእ ዘይእምነቶምን ተግባሮም ሂቡ ዘቆናጁ’ዩ። ሓበሬታ ደለይቲ ፍትሒ ግን ገበነኛታት ዘቃልዕ ናይ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ዕቤት ራእይ ዘለዎ መቓልሕ ውጹዓትን ግፉዓትን’ዩ። ብካልእ መልክዑ ምስ እንምልከት ከኣ፡ ሎሚ መድረኽ 70ታትን 80ታትን ኣይኮነን። ካብ’ቲ መድረኽ’ቲ ነዊሕ ሰጒምና ኢና። መራኸቢታት ማዕቢሎምን ተራቒቖምን’ዮም። ንሕና ድማ ከም ህዝቢ ብዙሕ ተማሂርናን ፈሊጥናን ኢና። ኣብ ኣድላይነት ሓበሬታ ዘለና ተረድኦ፡ ኣጠቓቕማን ሕድሕድ ምልውዋጥን ግን ኣይግድን።

ኣድላይነት ኣዐዋታይነት ሓበሬታ ኣብ 2015 ብደለይቲ ለውጢ ካብ ዝተሳለጡ ዕዮታት ገለ ኣብነታት ምጥቃስ ኣገዳሲ ይመስለኒ። ኣብ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ መሰረታዊ ጥሕሰት ክብረት ደቂ-ሰባት፡ ኣብ ጠመተ ክገብሩ ግዴታን ሓይልን ዘለዎም መንግስታትን ኣህጉራውያን ውድባትን ክበጽሕ ብውሑዳትን ክዱሳትን ተጻዒርሉ ተዓዊቱ። እቲ ዝለዓለ ዓለማዊ ውድብ ማለት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ብመንገዲ ንኽብረት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝከታተል ኣካሉ ኣቢሉ፡ ቀዳማይን ካልኣይን ሽማግለታት መዚዙ፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ጥሕሰታት ከጽንዕ፡ ኣጽኒዑ ዝረኽቦ ውጽኢት ክሕብር ኣሃዱ ኢሉ ክነጥፍ ደሪኹ። ጸብጻብ ድማ ቀሪቡ። እቲ ጭቡጥ ሓቂ ንደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብሩህ ኮይኑ። ነዚ ብምድጋፍ ድማ ድሙቕ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ። ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ስሕበት ኣርእዩ። ህግደፋውያን ተቓሊዖም ተዋሪዶም። ተኾርምዮም ድማ። እቲ ፍርያት ዘመዝገበ ሓበሬታዊ መትእስሳር በቲ ዝጀመሮ ረስኒ ዘይምቕጻሉ ግን፡ ኣብ ሓበሬታ ዘለና ተረድኦ ድኹም ምዃኑ የመልክት።

ጸላኢ ኣብ 2016 ከም ኣመሉ ኣብ መዳይ ዜናን ሓበሬታ ሓኾት ክብል ክፍትን’ዩ። ቀጽሪ ደለይቲ ፖለቲካዊ ለውጢ ድማ ዝነበረ ድኽመታት ብምፍታሽን ብምእራምን፡ ሓሶታት ጸላኢ፡ ዓጀውጀው ኣምለኽቱን ገልበጥበጥ ወድዓውያን ተሓባበርቱን ከቃልዕ ከምክን ግዴታኡ’ዩ።

ሙሳ ዓብደል ከሪም

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 13-01-2016

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox