^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 31 guests and no members online

ታሪኽ ሓደ ህዝቢ ብዛዕባ ፈተነን መኸተ ፈተነን’ዩ።ፈተነ ሰብ ዘምጸኦ ወይ ባህሪ ዘውርዶ ክኸውን ይኽእል። ግን ኣብ መወዳእታኡ ብዛዕባ ብደሆን መኸተን’ዩ።

ብኣድማዕነት ኣብ ዝምከተሉ ግዜ ከኣ ታሪኽ ብዛዕባ ዓወት ነዚ ስዒቡ ከኣ ብዛዕባ ሰላምን ገስጋስ ምዕባለን ይኸውን። ታሪኽ ሓደ ህዝቢ ግን ካብ’ቲ ሓደ መድረኽ ኣብ’ቲ ካልእ መድረኽ ምስ ሰገረ ከምኡ ኢሉ ጋም-ማን እናበለ ንደውታን ድስካለን ተኾኒኑ ክነብር ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ፈጺሙ ከምኡ ክኸውን ኣይግባእን።

ኣሜሪካውያን ንኣብነት ኣብ መፈለምታ 1770ታት ንገዛእቶም ዝነበሩ እንግሊዛውያን ተቓሊሶም ምስ ሰዓርዎም፡ በቲ ዝረኸብዎ ዓወት ኣይዓገቡን። እንታይ ደኣ ነቲ ወተሃደራዊ ዓወት ከም መንጠሪ ባይታ ተጠቒሞም ኣብ’ታ ዓባይ ሃገር ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ ኮነ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ’ዮም ተጓይዮም። ከምኡ’ውን ሩስያውያን ኣብ ጽባሕ ናይ’ቲ ኣብ 1917 ዝተወለዐ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰውራ ከም’ዚ ናይ ኣሜሪካ ተመሳሳሊ ስጉምቲ’ዮም ወሲዶም። ቻይናውያን ድሕሪ’ቲ ኣብ ምዝዛም 1940ታት ብመሪሕነት ዴሳዊ ሰልፊ እታ ሃገር ዝተረኽበ ህዝባዊ ዓወት ከምኡ’ዮም ጌሮም። ሰውራታት ግን ኣብ’ዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ጥራሕ ኣይኮኑን ተኻይዶም። ብሕልፊ ንምኽታም ካልኣይ ኲናት ዓለም ተኸቲሎም፡ ሰውራ ኣልጀርያ፣ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ግብጺ፣ ህዝባዊ ቃልሲ ህንዲ፣ ጸረ ዓሌታዊ ቃልሲ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ሞዛምቢክ፣ ኣንጎላ፣ ኬፕ ኼርድ፣ ህዝብታት ኢትዮጵያ፣ ፍልስጤም ….ወዘተ።

ኤርትራ ኣብ’ዚ ዓንኬል ከም እትሕቆፍ ንኹልና ብሩህ’ዩ። ዋላ’ኳ እቲ ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይነት እንተሃለዎ። ሰውራ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኩሉ ሰውራታት ነናቱ ፍሉይነታትን ተመሳሳልነት ከም ዘለዎ ኣፍካ መሊእካ ንምዝራብ ይከኣል። ኣብ’ዚ ብልክዕ ክፍለጥ ክጭበጥ ዘለዎ ነገር ግን፡ ወተሃደራዊ ዓወት መንጠሪ ባይታ ንዝዓበየን ዝበረኸን ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ሸቶ ደኣምበር ገዛእ ርእሱ ዕላማ ዘይምዃኑ’ዩ።

እስከ ነዚ ሓሳብ ዝያዳ ብተመክሮኣዊ ምዕባሌታት ከነጽሮ ክፍትን። ኣሜሪካውያን ድሕሪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ገዛእቶም ዝነበሩ እንግሊዛውያን ዘመዝገብዎ ወተሃደራዊ ዓወት፡ መጻኢ ዕድሎም ናበይን ብኸመይ ብዝብል ቃኒዮም ክሕዝዎ ከም ዘለዎም ብምግንዛብ፡ ዝረኸብናዮ ዓወት ዕለታዊ ህይወትና ዘውሕስ፡ ካብ መድረኽ ነጻነት ናብ ምዕራፍ ሓርነት ዘሰጋግር፡ ብጎደና ልምዓትን ዕቤትን ኣቢልና ከኣ፡ ባህታን ሓጎስን ዝመለለይኡ ሕብረተ-ሰብ ንምፍጣር ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ቅዱስ ዕላማ ክንጭብጦ እንተኾይና ከኣ፡ ብቕጽበት ቅዋም ነዲፍና ህዝቢ ከም ዝዛተየሉ ጌርና፡ ኣጽዲቕና ብተግባር ክንሰርሓሉ ኣለና ኣብ ዝብል ተረዳዲኦም። ኣብ ፈረንሳ’ውን እንተተመልኪትና፡ እቶም ብናይ ህዝቢ ፈረንሳ ህዝባዊ ናዕቢ ተደጊፎም ነቲ ብእዋኑ ዝሓለፎ ስርዓተ ንግስነት ዝፍለጥ ዝነበረ መንግስቲ ምስ ዓለውዎ፡ ሃገርና ደጊም ናይ ውሑዳት ኮይና ክትቅጽል የብላን፡ ንዕውት ህዝቢ ፈረንሳ ዝተማለአ ሓርነት ሕውነት ዝብሉ ሓረጋት ዝመለለይኣ ሓዳስ ሃገር ንምህናጽ ተመባጺዖም። ምርቃቕ ቅዋም፣ ምቛም ሃገራዊ ባይቶ፣ ክብረት ሰብኣዊ መሰላት ድማ ብተግባር ክስረሓሎም ተጌሩ። ኣብ ሃገረ ቱኒዝያ ኣብ 2011 ዝተራእየ ምዕባሌ’ውን ነዞም ዝጠቕሱ ተመክሮታት ዘዘኻኽር’ዩ።

ኤርትራ ግን ነዛን ዝተጠቓሳ ሃገራትን ብዙሓት ካልኦት ዝኸምአንን ክትመስል ድሕሪ’ቲ ብ1991 ዝተመዝገበ ወተሃደራዊ ዓወት ፖለቲካውን ቁጠባውን ምዕባለ ከተረጋግጽ ዝግበኣ ክንሳ ከም ሽንቲ ገመል ድሕሪት ተመሊሳ ኣብ ክትወጽኦ ዘይትኽእል ረግረግ ተሸኺላ። ሎሚ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኩልና ከም እንዕዘቦ ኣሎ ዝበሃል ነገረ ንስለ ጃህራ ጥራሕ’ዩ። ነዛ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ውልቀ ሰብ ኣብ 1971 ኣብ ሓደ ውሑዳት ተጋደልቲ ዝተረኽብሉ ኣኼባ ግህተብ ዝተባህለ ሕሉም ሰሜናዊ ጫፍ ሳሕል ብግዝያውነት ተመሪጹ እነሆ ን45 ዓመታት መመላእታ ብዘይ ዝኾነ መብረ ናይ ጥልመት መሓውራቱ ዘርጊሑ ኣብ ዝባን ህዝቢ ወጺኡ ሸይሸይ ይብል ኣሎ። ኤርትራ ሎሚ ኣብ ደሓን እንተዘየላ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ረግረግ ተሸኺላ እንተላ፡ ነቲ ከም መስተንክራዊ ዝግለጽ ወተሃደራዊ ጸብለልተኣ መንጠሪ ክኾና ዝኽእል ባይታ ኣቐዲማ ክትምድምድ ብዘይ ምኽኣላ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባኣና።

ኣብ ታሪኽ ናይ ሓደስ ኣፍሪቃ ዋላ’ውን ሳልሳይ ዓለም ከም’ዚ ኣብ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ምድንጋር ዛጊት ኣይተራእየን። ሕስብ’ሞ ነብል፡ ሓደ ሰብ ትርጉም ዘለዎ ሞያን ክእለትን ዘይብሉ እናሃለወ ኣነ ከምዚ እናበለ እንተፈከረ እንታይ ዋጋ ኣለዎ። ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ መንግስታዊ ስልጣን ዝተቖጻጸረ ኣነ ከም’ዚ ባህሪየይ፣ ክእለተይ፣ ተወፋይነተይ፣ ብቕዓተይ እናበለ እንተገዓረ ብግብሪ እኮዩ ዝርታዕ። ህዝቢ ኤርትራ ዘርኣዮ ትዕግስቲ፡ ጽንዓት፡ ተጻዋርነት ዝድነቕ’ዩ። እንዳ ህግደፍ ግን ነዚ ዝኸውን ሞሳ ኣብ ክንዲ ምሃብ፡ ከም’ዚ ኔርና ሰሪሕና ክንድዚ ኣሽሓት መስዋእቲ ከፊልና ጥራሕ ይዝምሩ። ንስዋኣት ኣብ ክንዲ ብልምዓት ደቆምን ደቂ-ደቆምን ኣብ ትርጉም ኣልቦ ኲናት ኣእትዮም ያኢ ካሕሳን ሞሳን ተረኺቡለይ ኣቦኡ ዝወደቐሉ ዕላማ ኣጽኒዑ ዋጋ ይኸፍል ኣሎ እናበሉ የሽካዕልሉ። እዞም ምስሉያት ጃንዳ ነዚ ክብሉ እንታይ ኣድከሞም። ነቲ ዝተፈጸመ ጀግንነት መን ኣሉ ዝብሎ ኣሎ። እወ መን ዘይፈልጥ ኣሎ። ህዝብን ደቂ ህዝብን ደይኮኑን ነቲ ጉዳይ ውዒለሞን ዓሚመሞን?

ንህግደፍ ዝምልከት ሓያሎ ዘይተመለሰ ሕቶታት ኣሎ’ዩ። ንሳቶም ማለት ህግደፋውያን ዝበሉ እስከ ይበሉ፡ ፈጣርሪኦም መራሒኦምን ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ’ውን ዝበለ እስከ ይብል፡ ብተግባር ግን ኣብ ውሽጢ’ዚ ርብዒ ዘመን ናይ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ኤርትራ፡ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፣ ቁጠባዊ ገስጋስ ኣረጋጊጻ ዲያ? እንተረጋጊጻ ኣበይ ኣሎ? መልሱ የለን’ዩ። ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተሃንጸን ዝህነጽ ዘሎን መንበሪ ኣባይቲ፣ ጽርግያታት፣ ዲጋታት፣ ማሕበራዊ ትካላት፣ መራኸቢታት …ወዘተ እሞ ንተዓዘብ ንበሃህላን ተግባርን ህግደፋውያን ከኣ ምልስ ኢልና ንተዓዘብ እንታይ ኢና ንርኢ? እንታይ ኢና ክንሰምዕ ብኣንጻር’ቲ ዘስምዕዎ ጃህራን ፈኸራን። ዳህሲስካ ዘጭበጥ ናይ ሕልሚ ልምዓት። በቃ ካልእ ማልእ የለን። ብግምታት እዚ ውልቀ መላኽን ንሱ ዝመርሖ ስማዊ መንግስቱን ኢትዮጵያውያን ኣብ ዓወት ዓድዋ ኣላጃ፣ ሱዳናውያን ኣብ ናይ ማህዲ ኲናት፣ ኣልጀርያውያን ኣብ ኲናት ስቲፍ፣ ቬትናማውያን ኣብ ዓወታት ዲየን-ብየንፉ ህወ ሰይጎን እናዘከሩ ነበርና እናበሉ ክነብሩ ኔርዎም። ንሳቶም ግን ኣይገበርዎን። ምኽንያት ወተሃደራዊ ተልእኾን ዓወትን ኣብ ሓደ ዝዓበየ ሸቶ መብጽሒ ደኣምበር ገዛእ ርእሱ ዕላማ ከምዘይኮነ ስለዝፈልጡ።

ካብ ዘቢብ ሓሺም

ብሓልዮ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 02-03-2016

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox