^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 72 guests and no members online

ሰላም ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ ናይ ኣንበብቲ ዓምዲ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስን ውሑዳት ደቂ-ጃንድኡን ኣንጊሆም ብዝተለምዎ መንገዲ ጥፍኣት፡ ፖለቲካ ሃገርና ርግኣት ስኢኑ ተዘሪጉ፡ ህዝብና ድማ ኣብ ዝብተነሉ ዘሎ ክፉእ ወቕቲ ከም እንርከብ ዘሰማማዓና ሓቂ ይመስለኒ።

ከምኡ’ውን ነቲ ብናይ ነዊሕ መደብ ዝተዘርገ ፖለቲካ ሃገርና ክጸሪ፡ ሰላም ሰፊኑ ዝበታተን ዘሎ ህዝብና ኣብ ባህሪያዊ ቦትኡ ክምለስ፡ ህዝባዊ ልዑላውነት ግቡእ ቦታ ረኺቡ፡ ብሓሳብን ብተግባርን ገዛኢ ክኸውን፡ ኣንጻር እንኮ-ሰባዊ መላኺ ስርዓት ተሰሊፉ፡ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዝጠልብ ኣተሓሳስባ ይምዕብል ምህላው ብሩህ መንገዲ ዓወትን ለውጥን’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ካብ ዓጽሮሞታዊ ተርባጽ ጸላኢ ንምርዳእ ይከኣል።

ኢሳያስን ጃንዳኡን ብየዋህነትን ልዑል ሃገርዊ ፍቕርን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብተጋደልትን ሓፋሽ ውድባትን ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ከኣ ብፍላይ ኣላጊጾም’ዮም። ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ሜላታት እንዳቐያየሩ ከም ቃሕታኦም ረጊጾም ገዚኦምና’ዮም። ሎሚ ግን ኩነታት ይቕየር ኣሎ። ናይ ምትላል ሜላታቱ ከም ዝበለየ ህግደፍ ባዕሉ “ትማሊ ሻዕብያ ሎሚ ሻዕብያ ጽባሕ ሻዕብያ ብዝብል ናይ ቅብጸት ቴማ ኣመት ይህብ ኣሎ።

እዚ ቴማ’ዚ ብዝኾነ መምዘኒ ናይ ሓደ ኣብ ርጉእ ኩነታት ዝርከብ መንግስቲ ቴማ ኣይኮነን። እዚ ቴማ’ዚ ናይ ሓያልነት ምልክት ኣይኮነን። እዚ ቴማ’ዚ፡ መግለጺ ውሽጣዊ ውህደት፡ ስጥመት ውደባን ሓድነትን ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ኣይኮነን። “ትማሊ ሻዕብያ ሎሚ ሻዕብያ ጽባሕ ሻዕብያ” ሰሓቢ መድረኻዊ ጭርሖ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ መርኣያ መንግስታዊ ፖለቲካዊ ቅብጸት’ዩ። መሊእና ንምቅባጹ ድማ ዓቕሚታትና ኣላፊና ንረባረብ!

             ኣማኒኤል ጸጋይ ኣባል ህግደፍ ነበር ዓዲ-እንግሊዝ

 

ካብ ወግዓዊ ልሳን ደግሓኤ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ

ሕታም 02 ነሓሰ 2014 ዝተወስደ’ዩ።

ድ,ሰ,ደ,ኤ, 17-09-2014

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox