^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 32 guests and no members online

ጠንቂ ስደት ህዝብታት ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ

ኣዕናዊ ፖሊስኡ ደኣምበር፡ ቁጠባዊ ድኽነት ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ቅኒያት ናይ’ቲ መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ (ሃማመተኤ) ላዕለዎት ሓለፍቲ ምዃኖም ዝገለጹ፡ ናብ ኣመሪካ ከይዶም ኔሮም። እዚ ውዳበ’ዚ ገለ ብፍላጥ ገለ ብዘይፍላጥ ኣተግባሪ ናይ ጥፍኣት ፖሊሲ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦን ዝሰማማዓሉን ይመስለኒ። ስለዝኾነ ድማ እዞም ሓለፍቲ ናይ’ዚ ንመጋበርያነት ዝተጠፍጠፈ ስማዊ ማሕበር ኣብ’ቲ ዋዕላ ተረኾቦም ከም ዘለዎ ቃል ጎይታኦም ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ብድምጺ ኣመሪካ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ክደግሙ ተዓዚበ። ኣይግረምኩም ተገሪመ ድማ። ከመይ ተወዲቦም ንመን የገልግሉ ኣለው ኣቐዲመ ስለ ዝፈልጥ በበሃህላኦም ሓፊረ። ከም’ቲ “ዓሻ ደሓን ኣሎ ሓው ዓሻ ከፊእዎ ኣሎ” ዝበሃል ምስላ ምኳኑ’ዩ።

ብሕጽር ዝበለ ወይ ቃል ብቃሉ ምኽንያት ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ተሓቲቶም ክምልሱ እንከለው፡ መላኺ ኢሳያስ ‘ምበር ንሓደ ማሕበር መንእሰይ ዝውክሉ ምዃኖም ዘእምን ምኽንያት ኣይሰማዕኩሎምን። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ስደትን መንእሰያትን እንታይ መደብን ርድኢት ከምዘለዎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ብወግዒ ዝሃቦ ሓላፍነት ዝጎደሎ ዓኾ መግለጺታቱ ምዝካር እኹል ይመስለኒ። እዞም መጋበርያታት ድማ ጠንቂ ስደት ህዝቢ ኤርትራ ከም’ቲ ኣብ ማንም ሃገር ዝረአ ድኽነት ዝፈጠሮ’ዩ። ናብራኡ ንምምሕያሽ ድማ’ዩ እዚ ህዝቢ ዝስደድ ዘሎ ዝብል መልሲ’ዮም ሂቦም። ኣዝዩ ዘሕንኽ መልሲ’ዩ። ብስም ኤርትራዊ መንእሰይ ምልጋጾም ተቖጢዐ፡ በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ፖለቲካዊ መንነት ዘይብሎም ዝባኖም ዝቐልዑ መጋበርያታት ብምዃኖም፡ ኣብ ክንደኦም ሓፊረ።

ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ ብመንጽር ብዝሒ ህዝብና ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ኣፍሪቃ መዳርግቲ ዘይተረኽቦ ብዝሒ ስደተኛታት ናትና ናይ ኤርትራውያን’ዩ። ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጃምላ ዝሓልቁ ዘለው ሰባት ናትና፡ ናይ ኤርትራውያን’ዮም። ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራ ብጽምእ ማይን ካልእ ዝረግፉ ዘለው፡ ብግብረ ሽበራውያን ዝሕረዱ ወይ ዝጉይሑ ዘለው ዝበዝሑ ናትና ናይ ኤርትራውያን’ዮም። ብሕጽር ዝበለ ኣብ ወርሒ ልዕሊ 5 ሽሕ ዜጋታታ ዝስደዱላ ሃገር ኤርትራ ኮይና ኮይና ከም ዘላ ማዕከናት ዜና ዓለም፣ ኣህጉራውያን ተጠበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ መንግስታት፣ ዘረጋግጽዎ ሓቂ’ዩ። እሞ እዞም መጋበርያታት ውልቀ መላኺ ዝኾኑ ሓላፍቲ ሃማመተኤ ደኣ ከመይ ጌሮም፡ ንስደት ኤርትራውያን ከም ባህሪያውን ቁጠባ ዝጠንቁን’ዩ ኢሎም ሰብ ከእምኑ ዝመጣጠሩ? ዋላ በቲ ዝብልዎ ዘለው ምኽንያት ቁጠባ እንተኾይኑ እቲ መንግስቲ እንታይ’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ? እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ፖሊሲ ስለዝተኸተለዩ ከምኡ ክኸውን ዝኸኣለ? ሃገር ብዘይ ዜጋታት ክሳብ ትተርፍ ዝገብር ድኽነት ዘይንቡር፡ ዘየተለምደ ተርእዮ’ዩ። እቲ ዝወጽእ ወይ ዝስደድ ዘሎ መሃዚ ኣእምሮ ዘለዎ፡ ጎቦ ከፍርስ ዝኽእል ውዑይ ጉልበት ዘለዎ ማሕበራዊ ሓይሊ’ዩ። ደሓር ከኣ ገንዘብ ከፊሉ’ዩ ዝስደድ ዘሎ። ገንዘብ ከፊሉ ካብ ሃገሩ ዝሃድም ከኣ ጥዑይ ፖለቲካዊ ምሕደራ ሰላም ደሞክራስ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ከም ዝሰኣነ ምስክርነት ዘድልዮ ኣይመስለንን። ብመሰረቱ’ኸ ክንዲ’ዚ ዝኣክል ሰብ ናብ ስደት ዝወጽእ እንተኾይኑ መጻኢ ዕድል ናይ’ዛ ሃገር እንታይ’ዩ ክኸውን? ኩነታት ናይ’ቲ ንሳቶም ዝብልዎ ዘለው ግልባጥ ብምዃኑ ዘባህርር’ዩ።

ጠንቂ ስደት ህዝብታት ኤርትራ ህግደፋውያን ዝብልዎ ዘይኮነስ፡ ጸረ- ህዝብን ጸረ- ደሞክራስን ባህርን ተግባሮምን ዝፈጠሮ ስእነተ ሰላም’ዩ። ህዝቢ ሰሪሑ ከይልወጥ ጅሆ ሒዘሞ፡ ናይ ልምዓት ፖሊሲ ሓንጺጾም ብተግባር ከይዋስኡ ባህሪኦም ጸረ-ልምዓት’ዩ። ህዝቢ ብሰላም ቀሲኑ ከይነብር ኣብ ኲናት ወረ ኲናት ይነብሩ። ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ዜጋታትን ህዝብታትን ከም ቃሕታኦም ይግህሱ። እንተ ደልዮም ይኣስሩ፡ ይቕጥቅጡ፡ ይዕምጹ፡ ይዘርፉ፡ ይርሽኑ … ከልካሊ የብሎምን። ህግደፋውያን ዝምርሕሉን ዝመርሕሉን ሕጊ ዘይብሎም ፋሉላት’ዮም። ስለዚ ከኣ’ዮም ዜጋታት እዛ ህይወቶም ከድሕኑ እንተስ ዝነበሮም ሸይጦም ለውጦም፡ እንተሰ ተልቂሖም ተሓሪጾም ክስደዱ ዝግደዱ ዘለው። ኣብ ሃገሩ ዘተኣማምን ሰላም፣ ርትዓውዊ ምምቕራሕ ፖለቲካዊ ስልጣንን ሃብትን ዘለው ዜጋ ኣይስደድን ጥራሕ ዘይኮነ ኣይሓስብን።

ኣብ’ዚ ኩሉ መሰሉን ጠቕሙን ብሕጋውን ወግዓውን ኣገባብ ከኽብር ድልዊ ዝኾነ ዜጋ ወይ ማሕበራዊ ሓይሊ ልቢ ኢሉ ክርደኦ ዘለዎ፡ ስርዓት ህግደፍ ብዝተፈላለዩ ኣስማት ዘጠምቖም መጋበርያታት ወዲቡ ብምውፋር ህዝቢ ክብትን ድግድጊት ተዓጢቑ ክሰርሕ ዝጸንሐን ዛጊት’ውን ዝሰርሕ ዘሎን ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ምዃኑ’ዩ።   ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ኣብ ሕቶ ምልክት’ያ ኣእትያ ትርከብ። ናይ’ዚ ተሓታቲ ድማ ንሱን ንሱን ጥራሕ’ዩ። ህግደፍ ብባህሪኡ ትምክሕተኛ ስለዝኾነ ድማ ሓቂ ኣይቅበልን ካብ ሕሉፍ ጉድለቱ ኣይመሃርን። ሓንሳብ ብግጉይ መንገዲ ጉዕዞ ምስጀመረ እነሆ ብጎደና ጥፍኣት ይሕንበብ ኣሎ። ካብ’ቲ ዝገርም ከኣ ዓለም ካባና ክትመሃር ኣለዋ ኢሎም ኣብ መድረኽ ወጺኦም ክምድሩ ምስማዕ’ዩ። በቲ ኮነ በቲ ግን ጠንቂ ስደት ህዝብታት ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ደኣምበር ድኽነት ኣይኮነን። ስደትና ከብቅዕ ቀጻልነትና ከነውሕስ እንተደኣ ኮይና ድማ፡ ስርዓት ህግደፍን ፋሽሽታዊ ኣተሓሳስባኡን ጠቕሊሎም ክሳብ ዝውገዱ ብንቕሓት፡ ብውህደትን ተወፋይነት ክንረባረብ ይግባእ እብል።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ኣሕመድ ኢብራሂም

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 12-10 2016

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox