ወዲ-ሰብ ተፈጥሮ ናይ ምቁጽጻር፡ ካብ’ዚ ሓሊፉ ከኣ፡ ተፈጥሮ ንዝልግሶ ጸጋታት ኣብ ጠቕሙ ናይ ምውዓል ዓቕሚ ከም ዘለዎ ብተደጋጋሚ ኣመስኪሩ’ዩ።

እዚ ሓቂ’ዚ ከኣ፡ ኣብ ሓያሎ ማሕበራዊ ዓውድታት ከንጸባርቕ ንርእዮ ኣለና ጥራሕ ዘይኮነስ ተጠቀምቲ’ውን ንኸውን ኣለና። ካብ ዓውደ ትምህርቲ ጀሚርካ፡ ናብ እንሰትዮ ጽሩይ ማይ፣ ሕክምና፣ ሕርሻ፣ መጎዓዝያ ምድሪ፡ ኣየር፡ ባሕርን ካልእ ማሕበራዊ ቀረባትን ኣገልግሎታትን። እዚ ኩሉ ‘ምበኣር ወዲ-ሰብ፡ በዓል ዓቕሚ ምዃኑ ዘመልክት’ዩ። እንተኾነ ብካልእ ገጹ ካልእ ጸገማት ምህላው ምግንዛብ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓኒ። ስነ-ፍልጠታውያን ተመራመርቲ፡ ገና ክበጽሕዎን ክቆጻጸርዎን ዘይከኣሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዝገበሩ እንተገበሩ’ውን እዚ ከም’ዚ’ዩ፡ ወይ ካብ’ዚ ይብገስ ኢሎም መደምደምታ ክብሉ ዘይከኣሉ ምረሻ ናይ ግዜ’ዩ።

ሓደ እዋን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ፡ ኲናት ክህሉ ዘይትደሊ፡ ህልቂትን ዕንወትን ክትሪኢ ዘይትደሊ እንተደኣ ኮይንካ፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ ተገዛእ፡ ትርጉም ሕጊ ተረዳእ ምስተባህለ፡ እዚ ትብልዎ ዘለኹም ሕጊ ወዲ ሕጊ ዝበሃል ካብ ዝገብር፡ ዋላ ጸሓይ ኣይትብረቕ ክብል ንሰማዒ ዘስደምም መልሲ ሂቡ ኔሩ። እዚ ሕፍረት ዘይፈልጥ፡ መሕፈር ህዝቡ ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ’ቲ ዋላ ጸሓይ ኣይትብረቕ ኢሉ ዝፈከረሉ፡ ብለበማት ኤርትራውያን ኮነ ወጻእተኛታት ብዙሕ ተመኺሩ’ዩ። ግን ኣይተጠቕመሉን። በዚ ዝተገረሙ ጋዜጠኛታት ኣብ፡ ከም በዓል “ዘጋርዲያን” “ዘዋሽንግቶን ፖስት” ዝተባህላ ጋዜጣታት፡ ከምኡ’ውን ከም “ታይም” “ ኒውስ ዊክ” ዝኣመሰሉ ፍሉያትን ውሩያትን መጽሔታት፡ ነዚ ድርቡሽ ኣበሃህላ ኢሳያስ ኣብ ዓምዲታቶም ቦታ ሂቦም ናብ ህዝቢ ምስ ኣቕረብዎ ኣዝዩ ዘደንጹን ዘስሕቕን ኔሩ። ማዕከናት ዜና ረድዮን ተለቪዥንን’ውን ብተመሳሳሊ ነዚ ሚዛን ዘይብሉ ዘረባ ሸፈነ ሂበን ኣቃሊሐናኦ’የን።

ብርግጽ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ተመክሮኡ ዓቕሙ ክፍኣተ መጋብር’ዩ። ቅንዕናን ካብ ቅንዕና ተበጊስካ ዝግበር መጽናዕትን ምርምርን ኣብ ነገራት ኣይናቱን ኣይለይቱን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ’ዩ ክሳብ ሎሚ፡ ካብ ሕሉፍ ጉድለታት ከይተማህረ፡ ብመንገዲ ጥፍኣት ዝምርሽ ዘሎ። ዓሚ ኣብ መበል 23 ዓመት ጽንብል ነጻነት ኤርትራ፡ ኣብ መድረኽ ደይቡ እንታይ ቃል ወይ መብጸዓ ከም ዝኣተወ ኩልና ንዝክሮ ይመስለኒ። ቅዋም 1997 ዝበሃል ሞይቱ’ዩ ረስዕዎ፡ ሓድሽ ቅዋም ክነድፈልኩም ምዃናይ ፍለጡ ምስበለ፡ እቶም ናይ ምእዙዝነት፡ ጠቓዒትን ዕልልታን ሕማም ዘለዎም፡ ብዕልልታን ጣቕዒትን ነቲ መድረኽ ከድምቕዎ ተዓዚብና ኢና።ኢሳያስን ስርዓቱን ግን ዝበሉ እንተበሉ ሕጋውያን ኣይኮኑን ቅቡላት ኣይኮኑን። እቶም መጣቓዕቲ ግን በቲ ንሱ ዝሃቦም ዓጊቦም ሩፉታ ረኺቦም ይጽበዩ ኣለው። እዚ ከኣ ካልእ ኣግራሞት፡ ካልእ ሰሓቕ’ዩ። ምኽንያቱ ዛጊት ነብሶም ዘይፈልጡ ካብ ተመክሮኦም ዘይመሃሩ ሰባት ብምህላዎም።

ህዝቢ ብሕጊ፣ ብኣእምሮ ‘ምበር ብቕልጽም ኣይመሓደርን። ኣይነባበርን። ኣይከባበርን ድማ። ህዝቢ ህዝባዊ ቅዋም ብዝፈቕዶ መሰረት ደኣምበር፡ ብቕልጽምካ ከም ቃሕታኻ እናሰወርካ፣ እናኣሰርካ፣ እናቐተልካ ኣይምራሕን። ኢሳያስ ዋና ሃንዳሲ ናይ’ዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገማት ‘ኳ እንተኾነ፡ ብዙሓት ናይ ገዛእ ርእሶም ፖለቲካዊ መንነት ዘይብሎም ኣሳሰይቲ ከም ዘለውዎ ግን ኣይንዘንግዕ። ስለዚ ከኣ፡ ደምበኦምን ደንበናን በበይኑ ስለዝኾነ፡ ኣይቃዶን’ውን። ንሱ ብዘይካ እንኮ ሰልፊ ህግደፍ ምሕያል ካልእ መተካእታ ወይ ናይ ስልጣን ውሕስነት የለን ኢሉ ምንባሩ’ውን ንዘክር። እንተኾነ ንሱ ትማሊ ዝበሎን ሎሚ ዝብሎን በበይኑ እንተኾነ ኣይሰክፎን። ምኽንያቱ ምስ ስነ-ምግባር ዝተላተመ ሰብ ስለ ዝኾነ፡ ንግዝይኡ ዝጥቀመሉ ነገር እንተረኺቡ ናይ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ፡ ህዝብን ህዝባዊ ክብርን ዝበሃል እንታዩ ኣይኮነን። ከም በዓል ተስፋ-ማርያም ተኸስተ ( ቴል ኣቪቭ) ሳልሕ ዑመር ( ኬፕታውን) ሃና ስሞኦን (ፓሪስ) ፍሳሃ ጽዮን ጴጥሮስ ( ሮማ) ግርማ ኣስመሮም ( ኒዮርክ) ዝኣመሰሉን ካልኦትን ናይ ሓሶት ኣምባሳደራት ክሳብ ዝረኸበ ብጥልመት ክሕደትን እንተመረሸ ብርግጽ ኣይስከፍን።

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

17-06-2015