^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 70 guests and no members online

ሰላም ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ ናይ ኣንበብቲ ዓምዲ፡ ከመይ ኣለኹም? ብወገነይ ሰላም። ሰላም ክትህልው ድማ ትምኒተይ’ዩ። ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ እዚ መደብ፡ ንሎሚ ክጽሕፈልኩም ዝደረኸኒ ኣብ ሕጋውነት ናይ’ዘን ንምስሊ ኤርትራ ከንጸባርቓ ተባሂለን ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ዝረኣያ ወይ ዘንበልብላ ሰንደቕ ዓላማታት ዘለኒ ሕቶ መልሲ ንምርካብ ዝዓለመ’ዩ። ኣነ’ኳ ሓቂ ይሓይሽ፡ ሰንደቕ ዓላማ፡ ሕጋውነቱን ዝውክሎ መልእኽትን እዚ ከም’ዚ’ዩ ኢለ ኣፈይ መሊአ ክዛረብ ዘኽእለኒ ኣፍልጦ የብለይን። ናይ ፖለቲካ ሰባት ግን፡ ንኹሎም ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ዝውክሉ ምልክታት፡ ሰንደቕ ዓላማ፡ ሃገራዊ መዝሙር፡ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ብዘፍቅዶ መሰረት ብህዝቢ ዝተመረጸ መራሒ ሃገርን’ዮም ክብሉ እሰምዕ’የ።

ከምኡ እንተደኣ ኮይኑ፡ እታ ናይ ግዜ ፈደረሽን ሰማያዊት ሰንደቕ ዓላማና፡ ኣይሕጋዊትን ድያ? እቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ንዓኣ ኣፍልጦ ዝሃበን እምነት ዘለዎን ክፍሊ ሕብረተ-ሰብ፡ ኣብ ኩሉ መድረኻት ከም ምልክቱ ክጥቀመላ እንታይ ሕጋዊ ሕቶ የልዕል? እታ ካብ ኣርማ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ካብ ሓምላይ ባህሪያዊ መልክዕ ቆጽሊ ኣውሊዕ፡ ናብ ዝሓረረ ቆጽለ ኣውሊዕ ተቐይራ፡ ምልክት ሃገር ተባሂላ፡ ኣብ ኤምባሲታትን ኣብያተ ጽሕፈታትን ናይ ስርዓት ኢሳያስ ተንበልብል ዘላ ሰንደቕ ዓላማኸ ንኹሉ ህዝብታት ኤርትራ ወኪላ ምልክት ሃገር ክትኸውን ዘኽእላ ሕጋዊ መደገፍታ ኣለዋ ዶ?

ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት፡ ህዝባዊ ከምዘይኮነ ርዱእ’ዩ። እኳ ደኣ ንጥፍኣትና ዝተዓጥቀ ፍጹም መላኺ’ዩ። እቲ ሓቂ ከም’ዚ እናሃለወ፡ ኣንጻር ምልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ዝግበረሉ ኣጋጣሚታት፡ ቅዋም የለን፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣይውክለናን ክወርድ ኣለዎ ዝብል ጭርሖ ኣብ ዝሰመዓሉ፡ ክልተ ሰንደቕ ዓላማ ከንበልብላ ትርኢ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ድሕረ ባይታኦም ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ዝኾኑ ወገናት፡ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ፖለቲካዊ ውድባት ክጽንበራኦ የብለንን። ምልክት ኤርትራ ድማ እዛ ስርዓት ኢሳያስ ዝጥቀመላ ዘሎ ሰንደቕ ዓላማ ’ያ። ስለዚ እታ ናይ ፈደረሸን ኣብ ናይ ሓባር ሰላማዊ ሰልፍታት ኮነ ካልእ መድረኻት ክትረአ የብላን ኢሎም ብዓይኒ ዕሙት ዝከራኸሩ፡ ክሳብ’ውን ክተሃራረሙ ዝደናደኑ ተዓዚበ። እሞ ናብ’ዚ ጉዳይ ቅርበትን ኣፍልጦን ዘለኩም ኣየነአን’የን ሕጋውያን ምልክት ሃገር? ንምዃኑ፡ ኸ ሰንደቕ ዓላማ ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ’ዩ ክሓልፍ ዘለዎ? መረዳእታ ክትህቡኒ ብትሕትና እሓትት።

                         ሰላማዊት ፍሳሃየ ካብ ኣዲስ ኣበባ

ካብ ወግዓዊ ልሳን ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ ሓምለ 2015 ዝተወስደ

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 19-08-2015

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox