^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 30 guests and no members online

ሓንቲ ሃገር ከም ሃገር፡ ርእሰ ክኢላ ተባሂላ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ክትረክብ፡ ከተማልኦም ዘለዋ ረቛሒታትን ግዴታትን ኣለውዋ’ዮም። ነዞም ረቛሒታት ከየማለአት ግን ነጻ ሃገር ምዃና ተፈላጥነት ክትረክብ ትጽገም። ብኹሉ ኣፍልጦ ረኺባ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኮነት ድማ፡ ንህዝባን ብዝኣተወቶ ውዑል መሰረት ንኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብን ተሓታቲ’ያ።

እታ ሃገር ኣብ ነጻን ደሞክራስያውን መድረኽ፡ ብነበርታ ብክትዕን ዘተን በሲሉ ዝጸደቐ፡ ናይ ኩሎም ኣብ’ታ ሃገር ዘለዎ ሕግታት ገዛኢ ዝኾነ ሃገራዊ ቅዋም ክህልዋ ኣለዎ። ብደሞክራስያዊ ምርጫ ዝደየበ ሃገራዊ ባይቶ ክህልዋ ኣለዎ። ሃገራዊ፣ ዞባዊ፣ ኣህጉራዊ፣ ዓለም ለኻዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ንመሰረታዊ ክብረት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት፡ ነጻ ፕሬስ፣ ማሕበራዊ ፍትሕን ልምዓትን ዝምልከቱ ፖሊሲታት ክህልውዋ ኣለዎም። ብሓጺሩ እቲ ትምረሓሉ ቅዋም ህዝባዊ ኮይኑ ተደፊኑ ዝቕመጥ ዘይኮነ ዝሰርሕ ክኸውን ይግባእ። እቲ ሃገራዊ ባይቶ ብተመሳሳሊ ልዑላዊ ህዝባዊ ስልጣን ብውሽጢ ኮነ ብደገ ከይጠሓስ ብኣትኩሮ ዝከታተል ዘውሕስን ክኸውን ይህልዎ። ካብ’ዚ ብዝተረፈ ሃገራት ኣበይን ኣብ ከመይ ኣለዋ ንምፍላጥ፡ ኣበየና ክፍለ ዓለም፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ፡ ባህሪያዊ ጸጋታት፣ ብዝሒ ህዝቢ ….ወዘተ ጥራሕ ምፍላጥ እኹል ኣይኮነን። እዚ ቀዳምነት ዝወሃቦ’ውን ኣይኮነን። እታ ሃገር ኣብ ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ ትሃሉ ኣብ ኤስያ፣ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ትሃሉ ኣብ ኤውሮጳ ንበይኑ ፖለቲካዊ መምዘኒኣ ክኸውን ኣይክእልን።

መምዘኒኣ ዝኸውን ሕጋዊ ፖለቲካዊ ስልጣን፣ ብቑዕ ትካላዊ ኣገልግሎት፣ ዝሰልጠነ ዓቕሚ ሰብ፣ ዜጋታት ኣብ መንግስቶም ዘለዎም እምነት፡ ከምኡ’ውን መንግስቲ ኣብ ምርግጋጽን ምውሓስን መሰል ዜጋታቱ ዘርእዮ ጻዕርን ትዕግስትን ..ወዘተ’ዩ። እታ ሃገር ብግሁድን ስውርን ካብ ዝካየድ ግዕዝይና፡ ሰበይ ሰበይ ሰብካን ግበረለይ ክገብረልካን ነጻ ድያ ኣይኮነትን? መንግስቲ ዝፍጥሮ ዕድላት ስራሕን ዘመዝግቦ ቁጠባዊ ዕቤትን፣ ዘረጋገጾ ዘቤታዊ ሰላም፣ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፣ ግልጽነትን ተሓታትነትን ዝኽተሎ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ካልእ መምዘኒታትን’ዩ እቲ ክብርን ኣፍልጦ ከውህብ ዝኽእልን ዘይኽእልን።

ተዛሪብካ እንታይ ኣመጻእካ ድዩ፡ ሕጂ ናብ’ቲ ቀንዲ መበገሲ ሓሳበይ ዝኾነ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን፡ ብሓደ ሰብ ዝዝወር ብኣጉል ትምክሕቲ ዝሓበጠ መንግስታዊ ጉጅለን ከብለኩም። ህግደፍ ነዞም ኩሎም ሓደ ድሕሪ ሓደ ልዕል ክብል ዝተጠቅሱ ረቛሒታት ወይ ኣመልከትቲ ጎስዩ፡ መራሒ’የ ወኪል ህዝቢ’የ ክብል ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ትሕዝቶን ትርጉምን ልዑላዊ ህዝብን ልዑላዊት ሃገርን ምዝባዕ’ዩ። ብተግባር ህዝቢ ይዕዘቦን ይነብረሉ ስለ ዘሎ ህግደፋውያን ወከልቲ ህዝቢ ኣይኮኑን። መንገዶም መንገዲ ዓፈናን ቅንጸላን’ዩ። ራኢኦም ኣድላውን ስሱዑን’ዩ። ናይ ህግደፋውያን ፍታውን ቀዳምነታትን እንታይ ከም ዝመስሉ ኣብ ናይ ርብዒ ዘመን ተመክሮና ኩሉና ጽቡቕ ተገንዚብናዮ ክንከውን እተኣማመን። ብዘይካ’ቶም እግሪ ኢድ ልሳንን ገንዘብን ኮይኖም ዘገልግልዎ ዘለዎ ውሑዳት ዕሩባት ሕልና ማለተይ’የ። እዚ ጉጀለ ኣብ ውሽጢ’ዚ ርብዒ ዘመን ንዘቤታዊ ጉዳያት ዝምልከት ጸርፊ፡ ንጎረባብቲ ምቁንጻብ፡ ንምዕራባዊ ዓለም ዘይለኣኽኩምኒ ብሓለፈ ዘየሐንቀቕኩሙኒ ኢሉ ሸራእራእ ምባል፡ ሓሶትን መብጸዓን’ዩ ከስመዐና ጸኒሑ። ለኪሙና ደኣ ምበር ዝዘርኦ ክሓፍስ ከኣ ንዕዘቦ ኣለና።

ክብደት ዘይብሉ ዘረባ፡ ምውርዛይ፡ ንካልኦት ምንእኣስ፡ ንህዝቢ ብራዕድን ሽበራን ሰጥ ኣቢልካ ክትገዝኦ ምፍታን ስራሐይ ኢሉ ተታሓሒዝዎ ይርከብ፡፡ ሕሱር ለማኒ ክነሱ ኣንጻር ኣመሪካን ምዕራባውያን ሃገራት ዘነጻጸረ ቁዘማ ከስምዕ፡ መሲሉ ክረአ ምድላዪ መግለጺ ብቕዓቱ ጌሩ ዝተቐበለ’ዩ ክብል እደፍር። ብተግባር ግን ኣይኮነን ህዝቢ ከመሓድር ነታ ጸባብ ህጋደፋዊት ማይ ቤቱ’ውን ከመሓድራ ከነባብራ ኣይከኣለን። ምሕደራኡ ቅንጸላ’ዩ። ዝተበሃልካዮ ስማዕን ግበርን’ዩ። ብተግባር ሕድሕድ ምብላዕ’ዩ። እዚ ኢና ርኢና፡ እዚ’ዩ ዝፈልጥ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን። እዚ’ዩ ብቕዓት መራሕቲ ህግደፍ። እዚ ኣይወርድ ወሪዱና፡ ብሓይሊ ተጻዒኑና ደኣምበር ደሊናዮን ተመኒናዮን ዝመጸ ኣይኮነን። ዜጋታት በዝን ብወዲ ከምዝን ምንባር ምስ ጸገሞም ይሃድሙ ይስደዱ። ዝኸድዎም ህዝብታትን መንግስታት ካብ ዘለዎም ሰብኣዊ ክብረትን ኣህጉራዊ ሞራላዊ ሓላፍነትን ከከም ዓቕሞም ይቕበልዎም የዕንግልዎም የጣይስዎም፡ ዓለም ክትደጋገፍ ይጽውዑ ይምሕጸኑ፡ ዝተረፉ ከይስዕቡ ኣብ ሃገሮም ብሰላም ክነብሩ ጻዕርታቶም የሐይሉ።

ጉጅለ ህግደፍ ግን ኣብ ክንዲ ካብ ግጉይ ባህሪኡ ክእረም ዝፍትን መሊሱ ነቲ ግጉይ ጠባያቱ ይውስኸሉ። ካብ ካልኦት ኣብ ክንዲ ዝመሃር ዓይኑ ብጨው ተሓጺጽቡ መመሊሱ ኣነ ይፈልጥ፡ ኣነ ኣብ ጽቡቕ ኣለኹ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰላም፡ ኣብ ደሞክራሲ፡ ኣብ ልምዓት ይነብር ኣሎ። ኣነ ዝብለኩም ጥራሕ ስምዑ ይብል። ኣብ ፈቖዶ ዝሳቐዩን ዝሃልቁን ዘለው ዜጋታቱ ኣብ ምድሓን ኣብ ምዕንጋል ኣብ ክንዲ ዝረባረብ፡ ጉዳይ ሰማል፣ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን፣ ጉዳይ ዳርፉር፣ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን፣ ጉዳይ ፍስጤም፣ ጉዳይ የመን፣ ጉዳይ ዒራቕ ሶርያ ….ወዘተ ኣበይ ተተኮሰ ክንደይ ሞተ ቆሰለ ክጽብጽብን ክቑዝምን ውዒሉ ይሓድር ኣሎ። ንከም’ዚ ዝበለ መንግስታዊ ጉጅለ ሓዊስካ ኣነ ኤርትራዊ’የ ኤርትራውያን ኢና ኢልካ ክትዛረብ ሕፍረትን ውርደትን’ዩ። ንሱ ኣንጻር ዜጋታቱ፡ ካልኦት ንድሕነት ዜጋታቱ ክረባረቡ ምርኣይን ምስማዕን እወ ክንደይ’ኳ ሕፍረትን ውርደትን።

ሪሞም ኣለም ሰገድ

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡- 07-10-2015

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox