^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 61 guests and no members online

ህዝቢ ኤርትራን ንሕስያ ዘይፈልጥ መቋሒኡ ጉጅለ ህግደፍን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ኣብ ምትሕንናቕ ምጽናሖም፡ ካብ ኣፍልጦ ዓለም ዝተኸወለ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዘድምዮ ዘሎ ተሪር መቑሕ ሰይሩ ሰባቢሩ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓርነታዊ መሰላቱ ንከረጋግጽ፡ መቋሒ ጉጅለ ህግደፍ ከኣ እዚ ናይ መቑሕ ሰንሰለት ብገለ ከም ገለ ንከይፈኩስ፡ ኣማራጺ ኣብ ዘይብሉ ኲነተ ሞት ወይ ሕየት ይርከቡ።

እዚ ኣብ መንጎ ተበዳልን ደማይን ህዝቢ በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ከኣ በዳልን ኣድማይን ጉጅለ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብውሽጥን ብደገን’ዩ። ዝለዓለ ዝግኣትን ምድላዋትን ናይ መቋሒ ጉጅለ ከኣ ነቲ ግዳማዊ ዘይኮነ ዘቤታዊ ናዕቢ ከይለዓል’ዩ። ነዚ ድማ’ዩ ብድፍረት ዓው ኢሉ ናይ ተቓውሞ ምልክት ንዘስመዐ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክሳብ እንታይ ደኣ ዝን ኢሉ ገለ ይሓስብ ኣሎ ማለት’ዩ ብዝብል፡ ሰባት ክኣስርን ከበሳብስን ዝረአ። መበገሲ ናይ’ዚ ከም’ዚ ዝበለ ፋሽስታዊ ተግባር ጉድለት ርእሰ ምትእምማን’ዩ። ስግኣት’ዩ። ሸቶኡ ከኣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝቀላቐል ስምዒታት እንተደቚሰዮ ብኡ ንብኡ እቲ ናይ ደገ ክደሃልዩ ኣብ ዝበጽሖ የብሉን ዝብል ስዑር ግምትን መደብን’ዩ።

መቋሒ ጉጅለ ህግደፍ ዝበለ ይበል ዝገበረ’ውን ይግበር ኣብ ዘቤታዊ መዳይ ካብ ህዝቢ ተነጺሉ’ዩ ተፈንፊኑ’ዩ። ኣብ ደገ’ውን ከምኡ ዓለም ዝምስክሮ ናይ ምትግባር ዓቕሙ ተዳኺሙን ተሸምሪሩን’ዩ። እንተኾነ ግን ብኾን ደኾን ይምሰለለይ’ሞ ይሰምረለይ ኢሉ ንሃሱሳቱ ናይ ሓሶት ሞራል ብምስናቕን፡ ዳግማይ ብምውዳብን ናይ ጥፋእት መደባት ሰሪዑ ኣብ ምንቅስቓሶም ይርከብ። እዚ ግን ናይ ሕሹኽሹኽ መደብ ስለ ዝኾነ ዝፍይዶ ነገር የለን። ስማዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይ’ቲ ጉጅለ ዝኾነ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2015 ኣብ መበል 70 ዓመት፡ ምምስራት ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘስመዖ መደረ ምስ’ቲ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ዘሎ ኩነታት ጨሪሱ ዘይቃዶ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብሰማዕቲ’ውን ተኻዒቡ’ዩ። እንታይ ዓይነት መልእኽቲ፣ እንታይ ዘይስከፍ ልኡኽ፣ እንታይ ወረዶ እዚ ህዝቢ ዝብል ሕቶን ኣግራሞትን’ዩ ፈጢሩ።

ብዝኾነ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኮነ፡ ቁጠባዊ ቅልውላው ኤርትራ፡ እቲ ጠንቂ መቋሒ ጉጅለ ካብ ትዕዝብትን ኣቓልቦን ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክኽውሎ ‘ኳ እንተፈተነ፡ ዘቤታዊ ተቓውሞታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከም ባርዕ ጫካ’ዩ ዝላባዕ ዘሎ። ሃልሃልታኡ ከኣ እነሆ ኤርትራዊ ደጋዊ ምንትእኽኻብ ፈጢሩ፡ “ እምቢ ንምልኪ ሕራይ ንፍትሒ” ብዓውታ ብምጽዋዕ፡ ንሰላም፡ ፍትሒ፡ ሓርነት፡ ደሞክራሲ ዝግብሮ ገስጋስ ብናህሪ ይምርሽ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2015 ኣብ ጀኔቭን ካልኦት ሃገራትን ዝተኻየደ ብዓይነቱ ኮነ ብዓቐኑ ፍልይ ዝበለ ውደባን ሰላማዊ ሰልፍን በሪ ናይ’ቲ እንጽበዮ ዘለና ዓቢ ዓወት ኣርሕዩ ክብል እደፍር። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ’ቲ ኣብ ታሪኽ ሕቡራት ሃገራት፡ ቤት ምኽሪ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት’ውን ብኹሉ መዕቀኒታት ፍሉይ ቦታ ዝሕዝ’ዩ።

መቋሒ ጉጅለን መጋበርያታቱን ክሳብ ዕለተ ምሉእ ስዕረቶም ካብ ምሕሳው፡ ምድንጋር፡ ፈተነታት ካብ ምግባር ከም ዘይቑጠቡ ግን ክዝንጋዕ የብሉን። ታሪኽ መለኽትን ፋሽስታውያንን ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ክሳብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ኣለኹ ኣይሞትኩ ከስምዕ ባህሪያዊ’ዩ። እቲ ኣብ ዝዓለፈ ዕለታት 9 ን 10ን ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ኣብ ጀርመን መጋበርያታቱ ኣኪቡ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ከኣ ሓደ ኣብነት’ዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ 28 ጥቕምቲ 2015 ብመሰረት’ቲ ዝጸንሐ ኣጀንዳኡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣመልኪቱ ከመያየጥ ሒዝዎ ንዘሎ መደብ ብኣሉታ ንምጽላው፡ ነቲ ክቡር ኣህጉራዊ ባይቶ ንምርባሽን በጋሚዶታት ኣኻኺቡ ይዳሎ ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ ኣለዎ’ዮም።

እሞ ኣሕዋት ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ንሕና ኸ፡ ተሳትፎና ኣብ’ዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምናልባት’ውን ወሳኒ ኣህጉራዊ መድረኽ ከመይ ክኸውን ኣለዎ? ከመይ ተዳሊና ኣለና? ከም’ቲ ሓያሎ ተቓለስቲ ብተደጋጋሚ ከዘኻኽሩና ዝጸንሑ፡ ብግምታት ዓዳምን ተዓዳምን ክረአ የብሉን። እንታይ ደኣ ናብ ከተማ ኒዮርክ ኩላትና ዓደምትን ገያሾን ኢና። ኣብ ጀኔቫ ድምጺ ውጹዓት ብብዝሕን ብሓይልን ምስ ኣንጎድጎደ፡ ኣብ ሓጺር እዋን መቓልሕ ሰብኣውን ደሞክራስያውን ጠለባት ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ። እቲ ሽዑ ዘመስገብናዮ ዓወት ከኣ እነሆ ክሳብ’ዛ ዕለት የሰንየና። መቋሒ ጉጅለ ድማ ብፍላይ ካብ’ቲ እዋን’ቲ ንነጀው ብስንባደ ተዋሒጡ ይርከብ። ኩሎም ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ግዳያት ወጻኢኡ መሬት ዝዘበጠ ሞራል ናይ’ቶም ከም ደጋሚ ዑፍ ሆ ጥራሕ ዝፈልጡ ዕላማ ኣልቦ ደገፍቶም ብምብርባር፡ ኣለና ንማለት ጥራሕ ፈተነ ረብሻ ክገብሩ መምርሒ ወሪድሎም ከም ዘሎ ዘይወግዓዊ ሓበሬታ የመላኽት ኣሎ። ከም ናይ ጀኔቭ ክሳብ ኣካላዊ ጎነጽ ንምግባር ክኸዱ ይኽእሉ’ዮም። እሞ ንሕና ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ’ኸ ናይ ጀኔቭ ወርቃዊ ተመክሮናን ዓወትናን ጨቢጥናን ዳግማይ ስዕረትን ሕፍረትን ከነጎብቦም ክንዕጠቕ ኣለና። ደጊም ኣይንጋየሽ። ቃልሲ ቃልሲ ቀደምና’ዩ። ፍትሒ ኣብ ኢድና’ዩ። ሓይሊ’ውን ምሳና’ዩ። ስለዚ ረዚን መልእኽቲ ሒዝና ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ኒዮርክ ንዕሰል።

                                                           ብጆርጅ ማሕራይ

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 21-10-2015

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox