^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 66 guests and no members online

ፍልጠት ኣብ ሓደ ሰብ፣ ሓደ ህዝቢ ወይ ከባብን ሃገርን ዝተሓዝአ ኣይኮነን። ፍልጠት ተመላላኢ’ዩ። እቲ ሓደ ዝውንኖ እቲ ካልእ ኣይውንኖን። ታሪኽ ናይ’ቲ ሓደ ህዝቢ ካብ ናይ’ቲ ካልእ ፍሉይነታት ኣለዎ። ኣብ ሓደ ሃገር ዝተኻየደ ነጻነታዊ ድዩ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ’ቲ ካልእ ካብ ዝተካየድ፡ ካብ መንቀሊ ናይ’ቲ ወጽዓ፡ ደርባዊ ባህሪ ናይ’ቶም ገዛእቲ፡ ፖለቲካዊ ብቕዓትን ኣመራርሓን ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ተሳትፎን ንቕሓትን ህዝቢ ...ወዘተ ነናይ ገዛእ ርእሱ፡ ብኣወንታን ብኣሉታን ዝግለጽ ብልጫታት ኣለዎ’ዩ። ብፍላይ ናይ ህዝብታት መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰላት ምሉእ ንምሉእ ኣብ ዝተዓፈነላ ሃገር ዝነብሩ ህዝብታትን ተቓለስቲ ሓይልታቶምን፡ ተጻዒንዎም ዘሎ ኣርዑት መግዛእቲ ሰቢሮም ነጻን ሓራን ክኾኑ፡ ኣብ ሃገሮም ቅድሚኦም ካብ ዝነበረ ወለዶ ተመክሮ ክፈልጡ ኣለዎም። ታሪኾም ክፈልጡ፡ ክስንዱን ክዕቅቡን ኣለዎምን ይግባእን። ኣብ’ዚ ከይተሓጽሩ፡ ጭቡጥ ዓቕሞም ክንዲ ዝፈቐደሎም፡ ኣብ ከባቢኦም ኮነ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝተካየዱ ሰውራዊ ምንቅስቓሳት፡ ዘጋጠሞም ዕንቅፋት፡ ንምስጋሩ ዝተጠቕምሉ ሜላ፡ ዘመዝገብዎ ዓወትን ዝበጽሕዎ ደረጃ ገስጋስ ምዕባለን፡ ብከም እንደነገሩ ዘይኮነ፡ ብቑም-ነገሩ ኣዳቒቖም ንክፈልጥዎ ግቡእ ትኹረት ሂቦም ከጽንዕዎ ይግባእ ዝብል እምነት ኣለኒ። እቲ ምንታይ ንናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓን ምዕባለን ንምቅልጣፍን ንምርግጋጽን መታን ክሕግዞም።

ኤርትራ ብሓደ ህዝቢ ዘይኮነ፡ ብህዝብታት ዝቖመት ሕብረ-ብሄራዊት ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ህዝብታት ኤርትራ ዝብል መግለጺ ከም ዝጥቀም ኣቐዲመ ክሕብር እፈቱ ዝኸበሩምን ዝኸበርክንን ተኸታተልቲ እዚ መደብ። ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ጉዕዞኦም ብዙሓት ኣሉታዊ ስንብራት ዝገደፉ፡ ከቢድ ዋጋ ዘኽፈሉ ተመክሮታት ዘለዎም ህዝብታት’ዮም። በቲ ካልእ ገጹ ከኣ ኣብ’ቲ ዝተናወሐ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ዘዋህለልዎ ሓባራዊ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት፣ ሕድሕድ ኣፍልጦ፣ ዝሰገርዎ መስገደል፡ ዘመዝገብዎ ዓወት፡ ሃብታም ተመክሮ ዝሓፍስሉን ንካልኦት ዘካፍልሉን መስርሕ ሰጊሮም’ዮም። ኣብ ጎረባብቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዞባና፣ ኣህጉርና ኮነ ዓለምና ዝነበሩ፡ ብቐንዱ ስእነት ማሕበራዊ ፍትሒ ዝመንቀሊኡ ደርባውን ብሄራውን ሕቶታትን ግጭታትን ከመይ ተበጊሶም ከመይከ ተፈቲሖም፡ እቶም ዝፈልጦ ኣቕዲሞም ይፈልጡ’ዮም። እቶም ዘይፈልጡ ድማ ክፈልጡ ኣለዎም ይግባእን። ሎሚ ኣብ ምድሪ ኤርትራን ህዝብታት ኤርትራን ዝግበር ዘሎ፡ ዝተሓዝ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣንፈት፣ ዝተደዋወሰ ኣረኣእያን ሕድሕድ ዘይምክብባርን ዘይምቅዳውን ልቢ ኢልካ ምስ እትዕዘብ ግን፡ ህዝብታት ኤርትራ ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ሕሉፍ ቃልሲ ኮነ፡ ኣብ ከባቢኦምን ዓለም ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ፖለቲካዊ ፍሕፍሕፍን ግርጭትን ከመይነት ኣፈታትሓኡን ተመክሮ ክቐስሙ ቅሩባት ኣይመስሉን። ብፍላይ ናይ ስርዓት ህግደፍ ጸግዒ ዝሓዙ ወገናት፡ ከም’ቲ ገለ ተዛረብቲ ዝብልዎ፡ ሓንቲ ግዜ ካብ ኢሳያስ ዝተዋህበት ቃል ሒዞም፡ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ፡ ኣይግዙ ኣይሕገዙ ኣኺልዎም ጠረው ምስ በሉ’ዮም።

ሃገራዊ ታሪኽካን ተሞክሮኻን ዘይምፍላጥን ካብ ካልኦት ክትመሃር ቅሩብ ዘይምዃንን ድማ እነሆ ነዚ ንሓልፎ ዘለና መርሆ ኣልቦ ጽልምትምት ፈጢሩ። ስማዊ መንግስቲ ንህዝቢታት ኤርትራ ንዒቑ፡ ኣብ ዓፍራ ረጊጹ ብዙሕ ግዜ ንሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኣምባሂቑ። መብጸዓ ኣትዩ። ፈኪሩ። ተጻሪፉ። ናይ ቃልሲ ተመክሮ ካብ ዘለዎም ኣብ ቀረባ ርሕቀትና ካብ ዝርከብ ኮነ፡ ካብ ኣብ ርሑቕ ርሕቀትና ዝርከቡ ህዝብታትን ቃልስታቶምን ገለ ሓጋዚ ትምህርቲ ክወስድ ቅሩብ ኣይኮነን። ሓይሊ ሓሳብ፡ ብስነ-መጎት ሓይሊ ንምቕታል፡ ንኺድ ጥራሕ ደኣምበር ካብ ሕሉፍ ክመሃር ቅሩብ ኣይኮነን። ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኮነ እቲ ዘይተወደበ ህዝቢ’ውን ብተመሳሳሊ ካብ ካልኦት ብፍላይ ካብ ከባቢና ገለ ክወስድ ድልውነት የብሉን ክብል እደፍር። እሞ ዝኸበርኩም ህዝብታት ኤርትራ ኣብ’ታ ዘይብልና መን ከማና መን ከም መንግስትና እናበልና፡ ናበይ ንኸይድ ኣለና? ኣበይ ኢና ክንበጽሕ? ሕሉፍ ተመክሮና ብግቡእ እተተ ማሃርናሉ፡ ካብ ናይ ካልኦት ልምዲ እንተወሰድና እንታይ ንጉዳእ? ንጥቀም ደኣምበር ዋላ ሓንቲ ጉድኣት የብልናን። ካብ ሕሉፍ ናይ ቃልሲ ጉዕዞ ኣይንመሃር፡ ኣብ ቀረባ ርሕቀትና ካብ ዝርከቡ ናይ ቃልሲ ተመክሮ ኣይንወስድ፡ ንኹሉ ንዒቕና ኣበይ ኢና ክንበጽሕ? ኣብ ንበጽሖ ከምዘይብልና ብተግባር ንነብረሉ ዘለና ኩነታት ሓባሪ ይመስለኒ። ስለዚ ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ነብስና ንፈትሽ፡ ምስ’ዚ ኣየውፍር ኣየእቱ ሒዝናዮ ዘለና ዓይኒ መርፍኡ ዝጠፍኦ ኣነ ንሕና መን ከማና ዝብል ባዶ ጃህራን ፈኸራን ብንቕሓት ንፋታሕ። ካብ ናትናን ናይ ካልኦትን ተመክሮ ብኽፉት ኣእምሮ ንመሃር። ንፍለጥ፡ ንንቃሕ፡ ንብቃዕ.....

ፍረ-ህይወት ካብ ኡጋንዳ

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡21-10-2015

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox