^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 67 guests and no members online

ናብ ኣዳላውትን ኣቕረብትን ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ሰላምታ ኣቐዲመ፡ እዛ ዝሰደልኩም ዘለኹ ደብዳቤ፡ ዝስተኻኸል እንተለዋ ኣሪምኩም፡ ዝጎደለ ድማ መሊእኩም ናብ ሰማዕቲ ከተመሓላልፉለይ ይምሕጸን።
ኩሉ ህዝቢ ዓለም ኣብ ሃገሩ  ሰላምን ደሞክራስን ክሰፍነሉ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ክኽበረሉ፡ ኣንጻር ገዛእቱ ኩሉ ግዜ ምስተ ቃለሰ’ዩ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ደረጃታት ናይ’ቶም ወጻእቲ ስርዓታት ዘብጽሕዎ በደልን፡ ንቕሓትን መልክዕ ውደባን ናይ’ቶም ደለይቲ ሰላምን ደሞክራስን ከኣ ብፍላይ ይፈላለ እንተዘይኮኑ፡ ቃልሲ ንመሰል ንረብሓ ኩሉ ግዜ ኣብ ኩሉ ቦታ ዝነበረን ዘሎን’ዩ። በዚ ኣገባብ ገለ ህዝባዊ ሰውራታት ብውሑድ መስዋኣትን ሓጺር ግዜን ጸላእቶም ስዒሮም ዝተበገስሉ ሸቶታት ክሃርሙ እንከለው፡ ገለ ከኣ ብዙሕ ሰብኣውን ነዋታውን ዋጋን ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ቃልስን ኣካይዶም፡  ገና ንዝተበገስሉ ሸቶ ዘይሃረሙ ምህላዎም ዝፍለጥ’ዩ። ካብኡ ሓደ ሰውራ ኤርትራ’ዩ። ሰውራ ኤርትራ ብርግጽ ትማሊ ኣንጻር ግዳማውያን ገዛእቲ ደርብታት፡ ሎሚ ድማ ኣንጻር ዘቤታውያን ዕስለ በጋሚዶ ዝኾነ ስማዊ መንግስቲ ተቓሊሶምን ይቃለሱ ኣለውን’ዮም። ናይ’ቲ ትማሊ ማለት ኣንጻር ግዳማውያን ገዛእቲ ዝተኻየደ ቃልሲ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ከይዱ፡ መሬታዊ ልኡላውነት ኣረጋጊጹ ኣሎ። ግን ምሉእ ኣይኮነን። ዝተረፈን ዝዓበይን ዘቤታዊ  ጠለባት ንምምላስ ብዘይዕረፍቲ ዝቐጸለ ቃልሲ ድማ እነሆ 24 ዓመታት ኣሕሊፉ። ዛጊት ግን ዘሕወዮ ቁስልን ንቅድሚት ዝደፍኦ ዕማምን የለን። 20 ዓመት  ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ፣ 30 ዓመት ጽዑጹዕ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ፣ ልዕሊ 24 ዓመት ብተመሳሳሊ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ተኻየዱን ይካኣየድ ኣሎን። ውጽኢቱ ግን ኣዕጋቢ ኣይኮነን።
ስለምንታይ ኣዕጋቢ ዘይኮነ፡ ብዙሕ መልሲ ክህልዎ ይኽእል። ልዕሊ ኩሉ ግን ምስ ፖለቲካዊ ንቕሓትናን ብቕዓትናን ዝተኣሳሰር ኮይኑ ይስመዓኒ። ብዙሓት ሰባት 20 ዓመት፡ 30 ዓመት፡ ርብዒ ዘመን እናበሉ ብዘይስኽፍታ ብኣንጻሩ ‘ኳ ደኣ ብኹርዓት ዓመታት ክጽብጽቡ ይስምዑ’ዮም። እንታይ ለውጢ’ሞ መጺኡ፡ እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ’ሞ ኣማዕቢልና ኢልካ ምስ እትሓቶም ድማ ዝተቃወምካዮም ይመስሎምሞ ይኹር’ዩ። ፖለቲካ ትዛረብ ከምዘለኻ ይዝንግዕዎ’ሞ ኣብ ተራ ናይ ሰብ ብሰብ ባእሲ ይኣትው። ሰላምታ ይዓጽውኻ። ዘገርም’ዩ። ከም ህዝቢ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታኻ ምፍላጥ፡ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፍካዮን ዝኸፈልካዮን ምዝካር ሕማቕ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብግቡእ ተሰኒዱ ተካእቲ ወለዶታት ክመሃርሉ’ዩ ክግበር ዘለዎ። ታሪኽ’ካ ምንባብ ሕሉፍካ ምዝንታው ንበይኑ ግን ኣኻሊ ኣይኮነን። ነቲ ታርኻዊ ድሕረ ባይታን ናይ ቃልሲ ተመክሮን ብግቡእ ከይገምገምካ ነቲ ሕማቕ ሸነኹ ንጎኒ ገዲፋ ጸጽቡቕ ጥራሕ እና ደጋገምካ ምምኹሳዕ ንምዕባለ ረማሲ ደኣምበር ሓጋዚ ኣይኮነን።
እሞ ዝኸበርኩም ኣዳለውትን ኣቕረብትን እዚ መደብ ወጽዓና ኣብ’ቲ ዝለዓለ ጫፍ በጺሑ። ንደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም’ውን ኣገሪሙን ኣሸጊሩን። ቃልሲ ድማ ነካይድ ኣለና’ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ግን መራ ዘግምታዊ ኮይኑ። ኣይነፋዕናን ዝብል ገምጋም ኣለኒ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ገምጋም ናይ በይነይ ዘይኮነ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ’ውን እግምት። “ከም’ቲ በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን’ከ ኣብ እግርኻ” ዝተባህለ ምስላ ሓይሊ ኣብ ኢድና እናሃለወ ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ኣንፈቱ ዘይፍለጥ ዘርሚ ዘርሞ ክነብር ዝገበረና እንታይ’ዩ ዝብል ቀዳምነት ትኹረት ተዋሂብዎ እንተዝፍተሽ መድማዕና ኮይኑ ይስመዓኒ። ነዚ ድማ  ዘይተወደብ ሓፋሽ ዝምልሶ ኣይመስለንን። ይሕመቑ ይንፍዑ እቶም ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘለው ፖለቲካዊ ውድባት’ዮም ክሪእዎን ክምልስዎን ዘለዎም። እቲ ሓላፍነት ናቶም’ዩ። ሕድሕድ ዘይምንባብ ምትሕምማይ፡ ኣብ ነበርና ነበረ ጥራሕ ምንባር ኣብ ዘብጽሕ ከምዘይብሉ ርዱእ ብምግባር፡ ኣተሓሳስባ ናብ ዝልውጥ፡ ብዓይኒ ናብ ዝረኣ ግብራዊ ንጥፈታት ከሰጋግሩና ክበቕዑ ኣለዎም። ዜጋታትን ህዝብታት ከኣ ሓጋዚ ተራ ክጻወቱ ኣለዎምን ይግባእን። ሓጋዚ ተራ ማለት ነብስኻ ካብ ምሕጋዝ’ዩ ክጅምር ዘለዎ። እቲ ወጽዓ ሃገር ከደን ምዃኑ ካብ ምርዳእ ዝብገስ፡ ድሩት ኣፍልጦ ሒዝካ ኩሉ ንፈልጦ ንፈልጦም እንዲና እናበልካ ገዛእ ርእስኻ ካብ ምምጓስ ብዝደሓነ መንገዲ፡ ብሓቂ  ንለውጢ ዝኸውን ኩሉ-መዳያዊ ድልውነት ክህሉ ኣለዎን ይግባእን። ኣዚ ምስ እንገብር ክንዕረ፡ ክንስዕርን ክንልወጥ ኢና። ከምኡ ምስ ዘይንገብር ከኣ፡ ድሕሪት እናተመለስና ኣብ ድሕረት ተኣሊኽና “ መእሰሪ ከም ዘይብሉ መኣዶ” ክንበታተን ኢና። እሞ ዝኸበርኩም ኣሕዋት ንለውጢ ንለወጥ። ዝበሃለና ቅኑዕ ሓሳባት ንቅበል። በበይንኻ ጉያ ኣብዘብጽሕ የብሉን። እንታይ ከደሰኒ ብደውካ ሞት’ዩ። ይምልከተኒ’ዩ ናተይ’ዩ ብጻየይ መቓልስተይ’ዩ ዝብል ሕልና ሒዝና ክንቃለስ፡ ዝኸሰርናዮ ብነመዝግቦ ዓወት ከነከሓሕሶ ነብስና ንፍለጥ፡ ምስ ግጉይ ርእይቶና ኲናት ንግጠም።
ወደሓኩም  ካብ ማሕሙድ ስዒድ፡
 ዝኸበርካ ማሕሙ ስዒድ ዝሰደድካልና ደብዳቢ እነሆ መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ከይቀየርና፡ ዝነበረ ፈደላትን ቃላትን ጉድለታት ኣስተኻኺልና ናብ እዝኒ ሰማዕቲ ኣቢልናያ ኣለና። ተሳትፎኻ ቀጻሊ ክኸውን ከኣ ተስፋ ንገብር።
ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡11-11-2015

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox