^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 58 guests and no members online

ወቕቲ ጽድያ 2009 ዓ.ም ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ፍሉይ ጠመተ ክገብር ከም ዝጀመረ ብወግዒ ዝኣወጀሉ ኣጋጣሚ’ዩ ኔሩ። እቲ ብወግዒ ዝተመሓላለፈ ኣዋጅ፡ኣብ ልዕሊ ወሰንቲ ኣካላት ናይ’ቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ መንግስታዊ ጉጅለ ዘንበሮ እገዳ ወይ ማዕቀብ’ዩ።   እዚ ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ዝተመሓላለፈ ናይ እገዳ ውሳነ፡ ንህግደፋውያን ዘሰንበደን ዘገረመን ነቶም በቲ ስርዓት ዝተበደሉን፡ ብደሎም ንምቕንጣጥ ክቃለሱ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ኮነ፡ ፈተወትን ተደናገጽቲ ውጹዓት ህብዝታት ኤርትራ ከኣ ዘሐጎሰን ሞራል ዝሃበን’ዩ ምባሩ ዝዝከር’ዩ።

ኤርትራ ብመንጽር እተን ካልኦት ሃገራት ውልዶ ሃገር’ያ። ብናይ 30 ዓመታት መሪር ደማዊ ቃልሲ ኣቢላ ዝመጸት ሃገር’ያ። ብግስ ከይበለት ብኢድ ምትኣታታው፡ ሰላምን ጸጥታን ዞባ ኣብ ምዝራግ ስለ ዝተዋፈረትን ፖለቲካዊ ምስላ ክብከል ዝተዓዘበ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ፡ ኣይፋልካን ስርዓት ኤርትራ ኣደብ ግበር፡ ብሕጊ ተገዛእ ክብል ተመሕጺኑ፣ ኣተሓሳሲቡ፣ ኣጠንቂቑ። ሰማዒ ምስ ሰኣነ ግን ናይ እገዳ ውሳነ ከሕልፍ ተገዲዱ፡፡ እዚ ስጉምቲ ብምድንጓዩን ግዜ ብምብልዑን እንተዘይኮይኑ ቅኑዕ ውሳነ’ዩ። እዚ ነቶም ንኩነታት ኤርትራ ብናቶም ጸቢብ ረብሓታት ጥራሕ ዝዕቅኑ ወገናት ኣግሪምዎም ኣሰምቢድዎም ክኸውን ከም ዝኽእል ንምግማት ይከኣል። ግን ግድን ክውሰድ ዝገበኦ ውሳነ’ዩ ተወሲዱ። ሓንቲ ከም’ዚ ወዲ ከም’ዚ ክትርኢ ትጽቢት ዘየነበራ ሓዳስ፡ ድኻ፡ ንእሽቶ ሃገረ ኤርትራ፡ ብናይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተወስደ ውሳነ፡ ንደረት ኣልቦ ሃላሊ ዕንደራ ጉጅለ ህግደፍ ብንጹር ዘመልክት’ዩ። ኤርትራ ሃገራዊ ቅዋም፣ ሃገራዊ ባይቶ፣ ደሞክራስያዊ ትካላት፣ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ፣ ነጻ ፕሬስን ፈነወ ሓበሬታን፣ ነጻ ምንቅስቓስ ዜጋታት …ወዘተ ዝተሓረማ ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ ባይቶ ጸጥታ ዝተኸተሎ መስርሕን ውሳነ እገዳን ነቲ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዝኾነ ሓበሬታ ዘይጸንሖ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ኣነቓቒሕዎ’ዩ።

ብርግጽ ኣብ ኤርትራ ሓደ ሕጊ ምጥሓስ፣ ገበን ምፍጻም፣ መነፈዓትን ሓበንን ጌሩ ዝርኢ ዓፋን ጉጅለ፡ በተረ-ስልጣን ዓቲሩ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታት ካብ ነዊሕ ግዜ ህዝቢ ከእውየሉ ጸኒሑ’ዩ። እቲ ጉዳይ ካብ ውሽጥና ሓሊፉ ዓለም ብዓለሙ ዝሰምዖን ብደረጃ’ቲ ዝለዓለ ኣህጉራዊ ውድብ ትኹረት ረኺቡ ክሳብ እገዳ ምግባር ምብጽሑ ግን፡ ነቲ ደላዪ ለውጢ ዝኾነ ህዝብን ተቓለስቲ ሓይልታቱን በይንና ኣይኮነን፡ ጉዳይና ማሕበረ-ሰብ ዓለም’ውን ይከታተሎ ዝብል ሞራል ክሰንቕ ኣወንታዊ ተራ ተጻዊቱ’ዩ። ምኽንያቱ’ዚ ንሓንቲ ሓዳስ፡ ድኻ፡ ንእሽቶ ኤርትራ ዝሕምስ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ኣስተናዒቑን ጥሒሱን ብዛዕባ ዞባን ኪኒዮ ዞባን ከይዱ ዝገብሮ ህውከትን ኢድ ኣእታውነትን፡ እቲ ሓውሲ ቅዩድ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ሓበሬታ ኔርዎ’ዩ ከበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ2009 ዘሕለፎ ናይ እገዳ ውሳነ፡ ነዚ ክዕመትን ክጸምምን ዝተፈርደ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉእ ዓቕሙ ናብ ቃልሲ ገጹ ክጥምት ዘበራበረ’ዩ ክብል እደፍር።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ብ1862/1907 ዝፍለጥ ቀጻዒ ዓንቀጻት ከሕልፍ ዝተገደደ፡ ነዚ ዓፋኒ ጉጅለ ክእርም፡ መስመር ከትሕዝ ብምሕሳብ’ዩ። እንተኾነ እቲ ጸገም ካብ 2009 ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ መዕለቢ ስኢኑ ዕንክሊል’ዩ ዝብል ዘሎ። እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንኣርቀቕቲ ኮነ ኣርጋእቲ እቲ ውሳነ’ውን ከይገረሞም ዝተርፍ ኣይመስለንን። ምስ’ዚ ኣተሓሳሲረ ሓደ ነጥቢ ከልዕል። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያቱ ዝሓለፎ ዓፋኒ፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ዝምድናታቱ ከኣ ኣዕጣቒ፣ ኣስናቕን ኣዋፋርን ናይ ቀረባን ርሑቕን ኣሸበርቲ ክብል ይግለጾ ደኣምበር፡ ካብ ዘርእዮ ዘሎ ዕንደራታት ክእደብ ልክዑ ንምትሓዙ ተሪር ግብራዊ ስጉምቲ ክወስደሉ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ኣዝዩ ርሱንን ተኣፋፍን ዞባውን ኣህጉራውን ዝምድናታት፡ ግብራውነት ዘይብሉ ናይ ቃላት ምሕጽንታን ውሳነን ከኣ ንመለኽቲ ዘሻድኖም ደኣምበር ደው ኢሎም ክሓስቡ ክረሙ ዝገብሮም ኣይኮነን። ካብ 2009 ዓ.ም ክሳብ ሎሚ እነሆ እቲ ግዜ ብዘይፍረ ክበሃል ዝከኣል ሓሊፉ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣካይዳ ብፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መዳዩ ክምዘን ወይ ክግምገም እንከሎ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ’ዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ንባዕሉ ብዛዕባ’ዚ ዓመት መጸ እናተሓደሰ ዝቕጽል ዘሎ ማዕቀብ፡ ካብ ተራ ጸርፍን ተጻይ መልስን ሓሊፉ ብንጹር መረዳእታ ኣይፋል ኣብ ልዕለይ ጌጋ ይግበር ኣሎ ኢሉ ክምጉተሉ ዘኽእል ጭብጥን ሞራልን ስለ ዘይብሎ ወትሩ ምተጨነቐን ምስ ኣህተፍተፈን’ዩ። ብልሳኑን ነቶም ከም ደጋሚት ዑፍ ዘዝተባህሎም ጥራሕ ሰሚዖም ዝደግሙ ደገፍቱ ንምድዕዓስ እንታይ ይብልን ይሰብኽን ካልእ ነገር ኮይኑ፡ ንውሽጡ ግን ሓደ ካብ ዘሕፍሮን ኢሉ’ውን ዝድህሎን ክኸውን ከም ዝኽእል ንምግማቱ ኣየጸግምን። ካብ’ዚ ውሽጣዊ ዝስመዖ ሕፍረትን ውርደትን ዝብገስ’ዩ ድማ ሓንሳብ ንኮራኹሩ ኣኪቡ ኣብ ልዕለይ ዝተመሓላለፈ ማዕቀብ ብግስ ከይበለ ፈሽሉ’ዩ፡። እገዳ ካብ ተክኒካዊ ምዃኑ ሓሊፉ ኣብ ዝበጽሖ የብሉን። ተገልቢጡ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት ማዕቀብ ይሳቐ ስለ ዘሎ ማዕቀብ ይለዓለለይ ክብል ዝስማዕ። ኣብ ሓደ ነጥቢ ከም’ዚ ዝበለ ሕድሕዱ ዝተሃራረም መርገጻት ሒዙ ክቐርብ ፈትዩ ኣይኮነን። ውሽጣዊ ተርባጽ ዝደፍኦ’ዩ። ኣብ’ዞም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ተኸታተልቲ ዓመታት፡ ሓደ ዝተዓዘብናዮ ነገር እንተሃለወ፡ እቲ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ጸቕጢ ከም ዝገበረ’ዩ። ህግደፍ ድሕሪ ተኸታታሊ እገዳን ምሕዳስን ምቕጻልን ዓመት መጸአን ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራትን ገለ ሃገራት ምዕራብን ይገብሮን የስመዕን ካብ ዝነበረ ዘይእርኑብ ኣካይዳ፡ ኢዱን ልሳኑን ከይፈተወ ክስሕብ ምግዳዱ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ብባህሪኡን ተግባሩን ካብ ህዝቢታት ኤርትራ መሊኡ ዝተነጸለ ምስ ምኳኑ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝውሰድ ግብራዊ ስጉምቲ ብቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ክነውሕ ኣይነበሮን። ሕጅ’ውን ግን ህዝቢ ኤርትራ ይብደል ስለዘሎ ንስለ ድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ክበሃል ኣብ ልዕሊ መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ክወሰድ ዘለዎ ስጉምቲ ግዜ ክወስድ የብሉን።

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 18-11-2015

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox