^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 64 guests and no members online

ሃገራት ብመንገዲ መንግስታተን ወይ መራሕተን ኣቢለን ብደረጃ ፖለቲካውን ስነ-ሓሳባውን ራኢአን ኣብ ዝተፈላለየ ብሓንሳብ የኺደናን የርበሐናን’ዩ ዝበላኦ ነጥብታትን ስምምዓትን ግሉጽ ዝኾነ ምሕዝነታት ይገብራ’የን። ኣብ መንጎ ሃገራትን ዞባውን ኣህጉራውን ውድባትን ብተመሳሳሊ፡ ብናይ ቀረባን ርሑቕን ግዜ ዝዕቀን ዝተፈላለየ ዝመበገሲኡ ስምምዓትን ምትሕግጋዝን ይግበር’ዩ። እቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ኮነ ዞባውን ኣህጉራውን ውድባት ዝግበር ምሕዝነታት፣ ስምምዓትን ምትሕግጋዝን ሜላዊ ማለት ታክቲካዊ ወይ ስትራተጂካዊ ክኸውን ይኽእል። እንታይ ዓይነት ዝምድናን ምድግጋፍን ባህሪ ናይ’ቶም መንግስታትን   ኣህጉራውያን ውድባትን’ዩ ዝውስኖ። እቲ ዝግበር ምሕዝነትን ምድግጋፍን ብመንጽር ረብሓ ህዝብታት፡ ዝህልዎ ኣወንታውን ኣሉታውን ጎኒታት ምርኣይ ኣገዳሲ’ዩ። ገለ ብግሉጽ ኣገባብ ጸገማት ህዝቢ ምቅላል ማእከሉ ጌሩ ዝግበር ዝተቐደሰ ምሕዝነት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልእ ከኣ ብኣንጻሩ ህዝቢ ዝጎድእ፡ መንግስቲ ንመንግስቲ ወይ ኣህጉራዊ ውድብ ንመንግስቲ ዝግበር ኣይትሙተኒ ዝብል ምክንኻንን ዘይተኣደነ ገንዘባዊ፣ ዓይነታውን ዲፕሎማስያውን ደገፋት ክግበር ይረአ።

ኣሕጽር ኣቢልካ ክረአ እንከሎ፡ ቅኑዕ ሜላዊ ወይ ታክቲካዊ ምሕዝነታት፡ ግዝያዊ ጸገማት ብምፍታሕ ረብሓታትካ ድማ ንምሕላው ዝእቶ ወይ ዝግበር ስምምዕ’ዩ። ቅኑዕ ስትራተጂካዊ ምሕዝነታት’ውን ከምኡ ናይ ነዊሕ ሓባራዊ ረብሓታት ምርግጋጽ ኣመት ጌሩ’ዩ ዝቕረጽ። እቲ ግሉጽነትን ሕጋውነት ዘይብሉ ዝግበር ሜላዊ ወይ ታክቲካዊ፡ ከምኡ’ውን ስትራተጂካዊ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘይቅኑዕ ዝምድናታትን ምሕዝነታትን ግን፡ ከም ንግዲ ኮትሮ-ባንድ ዝምጅረጥ መጅሪጥካ ንምፍታሕ ዝዓለመ ግዝያዊ ዕርክነት’ዩ። እዚ ዘይቅኑዕ ምሕዝነትን ስምምዓትን ብፍላይ ኣብ ግዜ ስርዓት ህግደፍ ብግሉጽ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ምስ ዝተፈላለዩ መንግስታትን ኣህጉራውያን ውድባትን ርክብ ከም ዝገበረ፡ ናይ ምድግጋፍ ስምምዓት ከም ዝተፈራረመ ይሕብር’ዩ። እቲ ስምምዓት ኣብ ምንታይ ዝተሰረተ፡ እንታይ ውሕስነት ዘለዎ ዝብል ግን ኣይምልስን። ኩሉ ግዜ ጌረዮ ዝብሎ ርክባት፡ ንሃልኪ ህዝባዊ ርክባት ዝዓለመ ስለ ዝኾነ ድሕሪ ክልተ ሰለስተ መቃልሕ ዜና ምስማዕ ሽዑ ንሽዑ’ዩ ዝበንን። ብኣንጻሩ እዃ-ደኣ ነቲ ጌርናዮ ዝተባህለ ዝምድና ተረሲዑ ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ኣብ ጸርፊ ምትፍናን ኲናት ክእቶ ህዝቢ ኤርትራ ብእዝኒ ጽሮት ጥራሕ ዘይኾነ ብተግባር ክከታተል ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ስርዓት ህግደፍን ስርዓት ሱዳንን ሓንሳብ ዝረስን ሓንሳብ ዝዝሕል እናኾነ ክመጽእ ዝጸንሐን ዘሎ ዝምድና ንኣብነት፡ ብዓይኒ ቅኑዕ ታክቲካዊ ይኹን ስትራተጂካዊ ዝምድና ክምዘን እንከሎ፡ ናብ መንኡ ከም ዝዝምብል፡ ኣብ ህዝብታት ክልቲኣቶም ሃገራት ከ እንታይ ለውጢ ኣምጺኡ ወይ ጠቒሙ ኢልካ ምስ እትግምግም፡ ኣብ “ግበረለይ ክገብረልካ”’ ዝተሰረተ ኮይኑ ትረኽቦ። ስርዓት ህግደፍ ነዚ ጥፍእ ውልዕ እናበለ ብሰንከልከል ዝቕጽል ዘሎ ዝምድና ተበሊጹ፡ ኣብ ሃገረ ሱዳን እንታይ ይገብር ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ። ሱዳን ከም ጎረቤት ሃገር መጠን ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ስርዓት ህግደፍ ኣምሊጦም ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝሰጋገሩላ ሃገር ምዃና ፍሉጥ’ዩ። ንኽበዶም ዝሓደሩ ኣባላት ጸጥታን ስለያን ድማ፡ ሱዳን ከም ልዑላዊት ሃገር፡ ንዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ከይተወከሱ፡ ብዙሕ ግዜ ብኢደ ወነኖም፡ ክሳብ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ናይ ስደተኛ ሕጋዊ መለለዪ ካርድ ዝሓዙ ኤርትራውያን ጨውዮም ከም ዝውሰዱ፡ ጭቡጥ ኣብነታት ምቕራብ ይከኣል። መንግስቲ ሱዳን ንልዑላዊ ክብሩ፣ ኣህጉራዊ ስምምዕ ንመሰል ስደተኛታት፣ ከምኡ’ውን ንስለ ነዊሕ ሰረት ዘለዎ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን ክብል፡ ዓገብ ኢሉ ኣብ ክንዲ ደው ዘብሎ፡ ገለ ግዜ ርእዩ ከም ዘረኣየ፡ ገለ ግዜ ድማ ክሳብ ብምትሕብባር ላዕለዎት ኣካላቱ ኣቢሉ

ኣብ’ቲ ጭውያ ኢዱ ከም ዝሕውስ ብዙሓት ረኸብቲ መከራን ማዕከናት ዜናን ክግልጽዎ ጸኒሖም’ዮም። እዚ ክሳብ ሕጂ ዝስረሓሉ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ’ዩ።

እዚ ኣይኮነን ንስትራተጂካዊ ምሕዝነት ንስልታዊ ምሕዝነት’ውን ዘይበቅዕ ዕርክነት ምዃኑ ዘማትእ የብሉን። ብወገን መንግስቲ ሱዳን ስልታውን ስትራተጂካውን ዝምድና ኣለና ኢሉ ክዛረብ ኣይሰማዕኩን። ኣምስሉ ጭፍራ ህግደፍ ግን፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን መንግስቲ ሪፓብሊክ ሱዳንን ዘሎ ነዊሕ ዝጠመተ፡ ስትራተጂካዊ ዝምድና እናበለ ክንበሕ ምስማዕ ግን፡ ንኹሉና ዘሰማምዕ ይመስለኒ። ስትራተጂካዊ ዝምድና ብመሰረቱ ምስ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ባህርን ሓቢርካን ተኸባቢርካን ምንባርን ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ደኣምበር፡ ብስምዒት ዝውነንን ዝምራሕን ብቐሊል ድማ ዝብረዝን ምሕዝነት ኣይኮነን። ረብሓን መሰልን ህዝብታት ዘቐድሙ ደሞክራስያውያን ሓይልታት ወይ መንግስታት ዝኣትውዎ ቃል ኪዳን፡ ቅኑዕን ተመራጽን’ዩ ዝበሃልን ብዙሓትን ውጹዓትን ከኣ ሃረር ዝብልዎን ዝዓስልዎን ፍትሓዊ ስለዝኾነ’ዩ።

ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት ኤውሮጳዊ ሕብረት ያኢ ጾር ናብ ሃገሩ ናይ ዝውሕዙ ዘለው ኤርትራውያን ክቃለሉ፡ ምስ ስርዓት ህግደፍ ክጫኖን ዘይግባእ ኣማኢት ሚሊዮናት ዩሮ ኣሕቊፉ ናይ ነብሰ ምድሕን ፖለቲካዊ ህይወት ክዘርኣዩ ዝግበሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ግን፡ ምስ ስልታዊ ድዩ ምስ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ዝምደብ ኣጊሙኒ ኣሎ። እቲ ክጫነው ዝግብር ዘሎ፡ ናይ ሓጺር ድዩ ናይ ርሑቕ ጠቕሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ንምግማት ይከኣል። ግን ብዋጋ መን? መን ምስ መን? ካን ኤውሮጳ ሕብረት ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ወሪዱን ፖለቲካዊ ምስሉን ክብሩን ኣዋሪዱ፡ ሓብሓብን ዓንጋል ሓደ ዝባኑ ዝቐልዐ መንግስታዊ ጉጅለ ክኸውን፡ ካብ ትጽቢተይ ወጻኢ’ዩ። እልቢ ዘይብሉ ገንዘብ ሂብካ መላኺ ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡ ክቕይር ኣበይ ተራእዩ። እወ ኣበይ ተሰሚዑ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘርእየናን ዘስመዕናን ዘሎ ልስሉስ ዲፕሎማሲ ዝጠመቖ ኣካይዳ ብርግጽ ስጊንጢር’ዩ። እዚ ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሞት ከድሕኖ’ኳ ዘይኽእል እንተኾነ፡ ሕማሙ ገንዘብን ነዋትን ስለዝኾነ ግዝያዊ ተስፋ ከም ዝህቦ ግን ኣየካትዕን። እንተ ነቲ ለጋሲ፡ ኣብ ክንዲ ወገን ውጹዓት ዝኸውን ዓርኪ መላኺ ስርዓት ክኸውን ዝመረጸ ኤውሮጳዊ ሕብረት ግን፡ ምስናይ ከቢድ ውርደቱ ፍረ ኣልቦ ክሳራ’ዩ ክብል እደፍር።

ኣብ ዲፕሎማስያዊ ከበባ ኣትዩ፡ ብተነጽሎ ተበሊዑ ኣብ ጎልጎል ከንገርግር ዝጸንሐ ጠላም ስርዓት ባዕሉ ኣሳሳይን ኣበጋስን ስደት ክነሱ ምስ’ቶም በዚ ዘሕፍር ተርእዮ ተሻቒሎም መፍትሒ ሃለው ክብሉ ናብ ላ ቫሌታ ወይ ሃገረ ደሴት ማልጣ ዘምርሑ ሰበ-ስልጣን ኣፍሪቃ ተሓዊሱ ክዋራዘ ተሰሚዑ። ኤውሮጳ ሕብረት ድማ ኣብ ክንዲ መን ኢኻ? ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን መን ምስ ኮነ ንስኻ ኣብ’ዚ መጺእካ ትዋረዛ ዝብሎ፡ በርትዕ ኣለኹ ኣብ ጎኒኻ፡ ብገንዘብን ነዋትን ኣይትሰከፍ ኢሉ ኣተባቢዕዎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ከኣ ብፍላይ ዝተፈጸመ ክሕደት ኮይኑ ይስመዓኒ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ፖለቲካዊ ባህርን ቁጠባዊ ጸገም ምምዝዛን ስኢኑስ፡ ነቲ መፋጥርቲ እቲ ስርዓት ዝኾነ ዓፋኒ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ብገንዘብ ማሕፉዳ ውልቀ-ሰባት መሊኡ፡ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ለውጢ ከምጽእ’የ ምባሉ፡ ኣንጻር ክብሩን ረብሓኡን’ዩ። ምኽንያቱ ህግደፍ ደኣ ከም ውድብ ገንዘብ ጸጊምዎ’ኮ ኣይፈልጥን። ብፍላይ ሕጂ መትንታት ቁጠባ ሃገር ምሉእ ንምሉእ ተቖጻጺሩ፡ ኣታዊታት ወርቂ ቢሻ፣ ነሓስ ድባርዋ፣ ድኹዒ ደንከል ….ወዘተ ረኺበ ኢሉ ኣብ ዝጀሃረሉ ዘሎ ብገንዘብ ክትጥብሮ ምፍታን ርኡይ ስሕታን’ዩ። ስሕታን ኤውሮጳዊ ሕብረት ግን ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ኣይኮነን። ኣንጻር ሰላምን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ምበር።  

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 25-11-2015

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox