^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 64 guests and no members online

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዳርጋ መዓልታዊ መዘራቢ ዛዕባ ማዕከናት ዜና ዓለም ኮይኑ ዝርከብ ጉዳይ ስደትን ስደተኛታትን’ዩ  እንተበልኩ ምግናን ኣይመስለንን። ከመይ’ሲ ኩነታት ዓለም ተኸታቲልካ ንኽትፈልጥ ኣብ ዝኸፈትካዮ መራኸቢታት ክንድ’ዚ ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ኤስያ ነዊሕ፡ ኣድካምን ሓደገኛ ቦታ ሰጊሮም ናብ ምድሪ ኤውሮጳ ኣትዮም። ብተመሳሳሊ ካብ ሞት ንስክላ ዘምለጡ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ኣትዮም።

ብኻልእ ወገን ድማ ብኣማኢት ዝቑጸርሩ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም። ካብ’ዚ ኣሰቃቒ ተርእዮ ተበጊሶም፡ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ተኣኪቦም ዘትዮም። ህይወት ስደተኛታት ብኸመይ ካብ ሞት ነድሕን፡ ኣብ ምድሪ ኤውሮጳ ንዝኣተው’ኸ ብኸመይ ንቕበሎምን ነጣይሶምን ኣብ ዝብል ዛዕባ፡ ርሱን ክትዓት ኣካይዶም፡ ገለ ሃገራት ስደተኛታት ኣይንቕበልን ኢለን ተቓዊመናኦ ዝብል ዜና ከይሰማዕካ  ዘይወዓለሉ ግዜ ኢና ዘለና።
ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብፍላይ ከኣ ሕጋዊ ትካሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ህይወት ስደተኛታት ካብ ሞት ኣብ ምድሓንን ምውሓስን እንታይ ይገብር ኣሎ ንዝብል ሕቶ፡ ኣዕጋቢ መልሲ ኣይትረኽበሉን። ስደተኛታት ኣብ ምድረ-በዳ ድዩ ኣብ ባሕሪ ብጃምላ ሃሊቖም ዘስቅቅ ሓደጋ ኣጋጢምዎም እንክበሃል፡ ልክዕ ከም’ቲ ካልእ መግለጺታት ካብ ምስማዕን ደው ክብል ካብ ምምሕጻንን ዝሓለፈ፡ ትርጉም ዘለው ዝተወደበ፡ ብውጥን ዝምራሕ ግብራዊ ንጥፈታት ክገብር ኣይረአን።
  እቲ ጠንቂ ኣብ በብሃገሩ ዘለው ሓላፍነት ዘይስመዖም መንግስታት፡ እቲ ፍታሕ ከኣ እቶም ህዝብታት ኣንጸር መለኽቲ ዝገብርዎ ዝተወደበን ዝተወሃሃደን ቃልሲ ካብ  መሰረቱ ዝፍታሕ ምዃኑ’ኳ ርዱእ እንተኾነ፡ ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣህጉራዊ ውድባቱን ክግብርዎ ዝግበኦም ዘይምግባሮም ግን፡ ብእሩም ኣገባብ ክውቀሱ ካብ ድቃሶም ክበራበሩ ኣለዎም ዝብል እምነት ኣለኒ።
ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ከም’ቲ ገለ ገለ መንግስታትን ትካላት ሚዲያን ስደተኛታት ኣብ ጸጋታቶም መታን ከየቃጽጽዎም ካብ ዘለዎም ስግኣት ነቒሎም፡ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ስለ ዝኾኑ ብዝመጽእዎ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣለዎም ኢሎም ከም ዝገልጽዎ ዘይኮነ፡ ሽግሮም ፖለቲካዊ’ዩ። ስለዚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ሃገሮም ዘሎ ፖለቲካዊ ሽግር ንምፍታሕ ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ፡ ጎኒ ንጎኒ ምስ’ቲ ክግበር ዘለዎ ሰብኣዊ ምድንጋጻት፡ ብምኽሪ፣ ብገንዘብን ዓይነት ኣወንታዊ ደገፍ ክገብር ሓላፍነቱ’ዩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሰንኪ እብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ዝኽተሎ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲን ብቐጥታ ዘውርደሎ በርባራዊ ግፍዕታትን ተማሪሮም ህይወት ንምድሓን ብዙሕ ናይ ገንዘብን ሞራላን ዋጋ ከፊሎም ይስደዱ ከም ዘለው ንምርዳእ፡ ክፉት ሕልናን ቅሩብ ተበግሶን ደኣምበር ካልእ ድኻምን ወጻእን ዝሓተት ኣይኮነን።  
 እዞም ኣብ’ዚ ስልጡን መዋእል’ዚ ክነብሩ ዘይገበኦም ጨቆንቲ  መንግስታት ያዕ ኣይተድልዩን ክበሃሉ ይግባእ። ዜጋታት ኣብ ሃሃገሮም ንሰላም፣ ንደሞክራሲ፣ ንፍትሒ፣ ንመሰል ዘካይድዎ ቃልሲ ብምድጋፍ ድማ ክግለጽ ይግባእ። መለኽትን ፋሽስታውያንን ስርዓታት ብባህሪኦም ብምኽርን ምሕጽንታን ዝመሃሩ ዝዕረዩ ኣይኮኑን’ሞ ንስለ ዓለማዊ ጸጥታዊ ሰላም፡ ድሕነትን ሰብኣዊ ክብረትን መሳኪን ስደተኛታት ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ትካላቱን ካልኦት ዝምልከቶም መሻርኽቲ ወገናትን ንመሰረታዊ ፍታሕ ዘገልግል መደባት ሓንጺጾም ብተግባር ኣብ ባይታ ክዋስኡ ይግባእ።
                                                              ኣሕመድ ኢብራሂም

 

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox