^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 35 guests and no members online

ኣቐዲመ ናይ እግዝኣብሄር ሰላምታ የቕርበልኩም  ዝኸበርኩም ኣሕዋት ኣዳለውትን ኣቕረብትን መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ ናይ ኣንበብቲ ዓምዲ።

ኣብ’ዚ  ኣይ ብዓዲ ኣይ ብበረኻ ብኩለንተናኡ ዝደንዘዘ ፖለቲካ ሃገርና፡ ውልቃውነት ወጊድ ኢልኩም፡ ኒሕ ዓጢቕኩም፡ ሃገራዊ ሰላም፡ ደሞክራስን ፍትሕን ንምምጻእ እንተካይድዎ ዘለኹም ቃልሲ ዘለኒ ኣድናቖት ክገልጸልኩም እፈቱ።
ኣሕዋት፡  ኣብ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ  ሕታም ቁጽሪ 8 ሓምለ 2015   “ካብተን ክልተ ሰንደቕ ዓላማታት መነአን’የን ሕጋውያን?” ዝብል ብሰላማዊት ፍሳሃየ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝቐረበ ሕቶ ኣንቢበ። ምዝርራብ ዘድልዮ  ዓቢ ዛዕባ ኮይኑ ድማ ረኺበዮ።  ሰላማዊት ኣብ ሕጋውነት ናይ’ዘን ክልተ ሰንደቕ ዓላማታት መልሲ ንምርካብ ሓቲታ። ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም የለን። ብህዝቢ ዝተወከለ ባይቶ የለን። ህዝባዊ መንግስትን መራሒ መንግስትን የለን። ኩሉ  ሕጋውን ትካላውን ኣሰራርሓ ዝበሃል ጠፊኡ፡ ኣብ ምሕረት ሓደ ሰብ ኣብ ዝወደቐሉ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ክሕተት ዘለዎ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ።  ሰንደቕ ዓላማ ድማ ካብ’ቲ ዘዛርብ ሓደ’ዩ። ገለ ወገናት፡ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ወጺኦም ስርዓት ኢሳያስ ኣይውክለናን’ዩ ክወርድ ኣለዎ፡ ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ  ብዝብል ጭርሖ እናተመርሑ ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ክልተ ሰንደቕ ዓላማ ከንበልብላ ትርኢ። ኣብ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ሓንቲ ምልክት ሃገር’ያ ክትህሉ ዘለዋ። ፖለቲካዊ ሕማምና ካብ መሰረቱ ስለዘይተፈወሰ ግን፡ ከም ዜጋታት ክልተ ሃገር፡ ክልተ ሰንደቕ ዓላማ ሒዝና ክንወጽእ ግድን ኮይኑ ኣሎ። ብፍላይ ድሕረ ባይታኦም ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ዝኾኑ ወገናት፡ ምልክት ኤርትራ እዛ ስርዓት ኢሳያስ ዝጥቀመላ ዘሎ ሰንደቕ ዓላማ’ያ። እታ ናይ ፈዴረሸን ኣብ ናይ ሓባር መድረኻት ክትረአ የብላን ኢሎም ብዓይኒ ዕሙት ክከራኸሩ፡ ክሳብ’ውን ክተሃራረሙ ዝደናደኑ ንዓይ’ውን ብተግባር ኣጋጢሙኒ’ዩ።
 ቅድመይ ሓው ባይረ ሰረቐ ርእይቶይ ኣብ ሕቶ ሰላማዊት ፍሳሃየ ብዝብል  ብ21 ነሓሰ 2015 ኣብ መርበብ ኢንተርኔት  ዝዘርገሖ ጽሑፍ ኣንቢበ። ሓው ባይረ ሰረቐ ብሰላማዊት ዝቐረበ ሕቶ ንጹር ስለ ዝኾነ ንጹ መልሲ’ውን የድልዩ ኢሉ ብምጅማር፡ ናይ ኤርትራ ባንዴራ (ምልክት ሃገር) ኣየነይተን’ያ ሕጋዊት ንዝብል ሕቶኣ፡ ኣብ ክንዲ ውዱእ መልሲ ርእይቶይ ክህብ መሪጸ፡ ምስ በለ ብቀጥታ ሕጋውነት እንታይ ማለት’ዩ? ኣብ ዝብል መሰረት ጌሩ ዓሚቕ መብርሂ ሂቡ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብሕጋዊ መስርሕ ከምዘይመጸ ዘተሓትት ክሳብ ዘይኮነ፡ እቶም ነዚ ዝቕበሉ ናቱ ምስሊ፡ ናቱ ሕግን መምርሕን ምስ ዝኽተሉ ዘገርም ዘይኮነስ ባህርያዊ። እቶም ነዚ ዘይቅበሉ ከኣ፡ ንመላእ ህዝብን ሃገርን ዘካትት ብፍትሓውን ድሌት ህዝብን ዝቖመ ሕጋዊ መወከሲ ሰነድ ክሳብ ዘይሃለወ ብዝነበሮም መለልዪ ክኸዱ ግድነት ይገብሮ ኢሉ።
ኣብ 1991 መሬት ኤርትራ ሓራ ምስ ኮነ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ካብ ዘመነ ገድሊ ናብ ዘመነ መንግስቲ ከም ዘላቶ’ያ ተቐይራ። እቲ ሕግታት ናይ ዘመነ ገድሊ ብመልክዑን ትሕቶኡን ምንም ለውጢ ኣይነበሮን።እታ መለለይት ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበረት ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ መልከዓ እናቀያየርዋ ዝመጹ ዝነበሩ ኣብ ግዜ ነጻነት ከም ዘላታ’ያ መለለይት ሃገር ገይሮማ ይብል። ሓው ባይረ ሰረቐ ሕግን ሕጋውነት መሰረት ጌሩ ዘቕረቦ  ሰፊሕን ሃናጽን ርእይቶ ካብ መርበብ ቶጎርባ ንምርካብ ይከኣል።
ንሕቶ ሰላማዊት ንምምላስ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ዘመልክት’ኳ እንተዘይብሉ፡ ብሓፍትና ኣራራት ኢዮብ  ንእንታይነት ሰንደቕ ዓላማን ሕጋዊ ኣመጻጽኣኡን፣ ከምኡ’ውን ካብ’ዛ ሕጂ መንግስቲ ህግደፍ ብሓይሉ ንባህርያዊ ሓምላይ ሕብሪ ቆጽሊ ኣውሊዑ ናብ ዝሓረረት ቆጽሊ ኣውሊዕ ቀይሩ፡ ምልክት ሃገር ጌሩ ዝጠቀመላ ዘሎ  ሰንደቕ ዕላማ፡ እታ ናይ ግዜ ፈደሬሽን ብብዙሕ መዕቀኒታት ናብ ሕጋውነት ዝቐረበት ከም ዝኾነት፡ ሰነዳዊ መርተዖታት እናጠቐሰት ዘዳላወቶ ሰፊሕ ጽሑፍ’ውን ኣብ መርበብ ኢንተርኔት ኣንቢበ። ብክልቲኦም ጸሓፍቲ ካብ ዝተዋህበ ርእይቶ ድማ ብዙሕ ተማሂረ።


 ብወገነይ ነቲ ሓው ባይረ ዝበሎ፡ ሕግን ሕጋውነት ኣብ ዝጠፍአላ ሃገር ቀዳምነት ክመጽእ ዘለዎ፡ ጸረ-ሰላም ኣሊኻ፡ ሰላም ምስፋንን ሕጋዊ ቅዋማዊ ህዝባዊ መንግስቲ ምትካልን ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ እሰማማዓሉ።ክሳብ ሽዑ ግን እታ ናብ ሕጋውነት ዝቐረበት ናይ ፈደሬሽን ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ምንቅስቃሳትና ከንበልብላ ኣለና። ነቶም  ኣርማ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ሕጋዊት ምልክት ሃገር’ያ ዝብሉ ወገናት ግን፡ ኣብ ጌጋ መንገዲ ከም ዘለው ሓላፍነታዊ ምኽሪ ክልገሰሎም ይግባእ። ኣይንሰምዕን ኢሎም ብጎነጽ ናትና ተቐበሉ ኣብ ዝብል እንተደሪቖም ድማ ዘይዳግም መልሲ ክወሃቦም ኣለው ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። ብዝበለጸ ግን ሕጂ’ውን ሰብ ሞያ ሕግ ናይ ፖለቲካ ሰባትን ሰፊሕ መብርሂ እንተዝህብሉ ዝሓሸ ኮይኑ ይረኣየኒ።
                                                       ብመንግስ ኣፈወርቂ
ካብ ወግዓዊ ልሳን ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ ሕዳር 2015 ዝተወሰደ
ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 02-12-2015

ኣቐዲመ ናይ እግዝኣብሄር ሰላምታ የቕርበልኩም  ዝኸበርኩም ኣሕዋት ኣዳለውትን ኣቕረብትን መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ ናይ ኣንበብቲ ዓምዲ። ኣብ’ዚ  ኣይ ብዓዲ ኣይ ብበረኻ ብኩለንተናኡ ዝደንዘዘ ፖለቲካ ሃገርና፡ ውልቃውነት ወጊድ ኢልኩም፡ ኒሕ ዓጢቕኩም፡ ሃገራዊ ሰላም፡ ደሞክራስን ፍትሕን ንምምጻእ እንተካይድዎ ዘለኹም ቃልሲ ዘለኒ ኣድናቖት ክገልጸልኩም እፈቱ።

ኣሕዋት፡  ኣብ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ  ሕታም ቁጽሪ 8 ሓምለ 2015   “ካብተን ክልተ ሰንደቕ ዓላማታት መነአን’የን ሕጋውያን?” ዝብል ብሰላማዊት ፍሳሃየ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝቐረበ ሕቶ ኣንቢበ። ምዝርራብ ዘድልዮ  ዓቢ ዛዕባ ኮይኑ ድማ ረኺበዮ።  ሰላማዊት ኣብ ሕጋውነት ናይ’ዘን ክልተ ሰንደቕ ዓላማታት መልሲ ንምርካብ ሓቲታ። ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም የለን። ብህዝቢ ዝተወከለ ባይቶ የለን። ህዝባዊ መንግስትን መራሒ መንግስትን የለን። ኩሉ  ሕጋውን ትካላውን ኣሰራርሓ ዝበሃል ጠፊኡ፡ ኣብ ምሕረት ሓደ ሰብ ኣብ ዝወደቐሉ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ክሕተት ዘለዎ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ።  ሰንደቕ ዓላማ ድማ ካብ’ቲ ዘዛርብ ሓደ’ዩ። ገለ ወገናት፡ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ወጺኦም ስርዓት ኢሳያስ ኣይውክለናን’ዩ ክወርድ ኣለዎ፡ ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ  ብዝብል ጭርሖ እናተመርሑ ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ክልተ ሰንደቕ ዓላማ ከንበልብላ ትርኢ። ኣብ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ሓንቲ ምልክት ሃገር’ያ ክትህሉ ዘለዋ። ፖለቲካዊ ሕማምና ካብ መሰረቱ ስለዘይተፈወሰ ግን፡ ከም ዜጋታት ክልተ ሃገር፡ ክልተ ሰንደቕ ዓላማ ሒዝና ክንወጽእ ግድን ኮይኑ ኣሎ። ብፍላይ ድሕረ ባይታኦም ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ዝኾኑ ወገናት፡ ምልክት ኤርትራ እዛ ስርዓት ኢሳያስ ዝጥቀመላ ዘሎ ሰንደቕ ዓላማ’ያ። እታ ናይ ፈዴረሸን ኣብ ናይ ሓባር መድረኻት ክትረአ የብላን ኢሎም ብዓይኒ ዕሙት ክከራኸሩ፡ ክሳብ’ውን ክተሃራረሙ ዝደናደኑ ንዓይ’ውን ብተግባር ኣጋጢሙኒ’ዩ።

ቅድመይ ሓው ባይረ ሰረቐ ርእይቶይ ኣብ ሕቶ ሰላማዊት ፍሳሃየ ብዝብል  21 ነሓሰ 2015 ኣብ መርበብ ኢንተርኔት  ዝዘርገሖ ጽሑፍ ኣንቢበ። ሓው ባይረ ሰረቐ ብሰላማዊት ዝቐረበ ሕቶ ንጹር ስለ ዝኾነ ንጹ መልሲ’ውን የድልዩ ኢሉ ብምጅማር፡ ናይ ኤርትራ ባንዴራ (ምልክት ሃገር) ኣየነይተን’ያ ሕጋዊት ንዝብል ሕቶኣ፡ ኣብ ክንዲ ውዱእ መልሲ ርእይቶይ ክህብ መሪጸ፡ ምስ በለ ብቀጥታ ሕጋውነት እንታይ ማለት’ዩ? ኣብ ዝብል መሰረት ጌሩ ዓሚቕ መብርሂ ሂቡ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብሕጋዊ መስርሕ ከምዘይመጸ ዘተሓትት ክሳብ ዘይኮነ፡ እቶም ነዚ ዝቕበሉ ናቱ ምስሊ፡ ናቱ ሕግን መምርሕን ምስ ዝኽተሉ ዘገርም ዘይኮነስ ባህርያዊ። እቶም ነዚ ዘይቅበሉ ከኣ፡ ንመላእ ህዝብን ሃገርን ዘካትት ብፍትሓውን ድሌት ህዝብን ዝቖመ ሕጋዊ መወከሲ ሰነድ ክሳብ ዘይሃለወ ብዝነበሮም መለልዪ ክኸዱ ግድነት ይገብሮ ኢሉ።

ኣብ 1991 መሬት ኤርትራ ሓራ ምስ ኮነ፡ .... ካብ ዘመነ ገድሊ ናብ ዘመነ መንግስቲ ከም ዘላቶ’ያ ተቐይራ። እቲ ሕግታት ናይ ዘመነ ገድሊ ብመልክዑን ትሕቶኡን ምንም ለውጢ ኣይነበሮን።እታ መለለይት ውድብ ... ዝነበረት ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ መልከዓ እናቀያየርዋ ዝመጹ ዝነበሩ ኣብ ግዜ ነጻነት ከም ዘላታ’ያ መለለይት ሃገር ገይሮማ ይብል። ሓው ባይረ ሰረቐ ሕግን ሕጋውነት መሰረት ጌሩ ዘቕረቦ  ሰፊሕን ሃናጽን ርእይቶ ካብ መርበብ ቶጎርባ ንምርካብ ይከኣል።

ንሕቶ ሰላማዊት ንምምላስ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ዘመልክት’ኳ እንተዘይብሉ፡ ብሓፍትና ኣራራት ኢዮብ  ንእንታይነት ሰንደቕ ዓላማን ሕጋዊ ኣመጻጽኣኡን፣ ከምኡ’ውን ካብ’ዛ ሕጂ መንግስቲ ህግደፍ ብሓይሉ ንባህርያዊ ሓምላይ ሕብሪ ቆጽሊ ኣውሊዑ ናብ ዝሓረረት ቆጽሊ ኣውሊዕ ቀይሩ፡ ምልክት ሃገር ጌሩ ዝጠቀመላ ዘሎ  ሰንደቕ ዕላማ፡ እታ ናይ ግዜ ፈደሬሽን ብብዙሕ መዕቀኒታት ናብ ሕጋውነት ዝቐረበት ከም ዝኾነት፡ ሰነዳዊ መርተዖታት እናጠቐሰት ዘዳላወቶ ሰፊሕ ጽሑፍ’ውን ኣብ መርበብ ኢንተርኔት ኣንቢበ። ብክልቲኦም ጸሓፍቲ ካብ ዝተዋህበ ርእይቶ ድማ ብዙሕ ተማሂረ።

ብወገነይ ነቲ ሓው ባይረ ዝበሎ፡ ሕግን ሕጋውነት ኣብ ዝጠፍአላ ሃገር ቀዳምነት ክመጽእ ዘለዎ፡ ጸረ-ሰላም ኣሊኻ፡ ሰላም ምስፋንን ሕጋዊ ቅዋማዊ ህዝባዊ መንግስቲ ምትካልን ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ እሰማማዓሉ። ክሳብ ሽዑ ግን እታ ናብ ሕጋውነት ዝቐረበት ናይ ፈደሬሽን ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ምንቅስቃሳትና ከንበልብላ ኣለና። ነቶም  ኣርማ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ሕጋዊት ምልክት ሃገር’ያ ዝብሉ ወገናት ግን፡ ኣብ ጌጋ መንገዲ ከም ዘለው ሓላፍነታዊ ምኽሪ ክልገሰሎም ይግባእ። ኣይንሰምዕን ኢሎም ብጎነጽ ናትና ተቐበሉ ኣብ ዝብል እንተደሪቖም ድማ ዘይዳግም መልሲ ክወሃቦም ኣለው ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። ብዝበለጸ ግን ሕጂ’ውን ሰብ ሞያ ሕግ ናይ ፖለቲካ ሰባትን ሰፊሕ መብርሂ እንተዝህብሉ ዝሓሸ ኮይኑ ይረኣየኒ።

                                                       ብመንግስ ኣፈወርቂ

ካብ ወግዓዊ ልሳን ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ ሕዳር 2015 ዝተወሰደ

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 02-12-2015

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox