^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 35 guests and no members online

ሃገራት ዓለምና ብዙሓት’የን። ብመጠን ብዝሐን ከኣ፡ ገለ ብሕግን ስርዓት ዝመርሑን ዝሰርሑን ገለ ከኣ ብኢደ-ወነኖም ዝኸዱ፡ ብዓፈናን ጭፍጨፋን ዝመርሑን ዘመሓድሩን መንግስታት ድማ ኣለው። ኣብ ክፍሊ ዓለም ኣፍሪቃ ጥራሕ 54 ሃገራትን መንግስታትን ምህላዎም ይፍለጥ። ኣብ’ዘን ልዑላውያን ሃገራት፡ ውሑስ ሰላም፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል፣ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ኣውጺኡ ናብ ብልጽግና ዘሰጋግር ተሓታትነት ዘለዎ ቅኑዕ ስርዓተ ምሕደራ ዝጠልቡ ህዝብታት ኣለው። እንተኾነ ኣብ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት፡ ሓደ ኣዛማዲ/ኣነጻጻሪ/ ዝበሃል ኣርእስቲ ኣሎ። ስለዚ ከኣ ነቶም መንግስታት ኣብ ነንሕድሕዶም ከተወዳድሮም እንከለኻ፡ በረኣእያኦም፣ ህዝባዊ ወገንነቶም፣ ብቕዓቶም፣ ተግባሮም፣ ተወፋይነቶም …ወዘተ ከም ዝፈላለዩ ትርዳእ። መንኦም ፈኮስቲ መንኦም ረዘንቲ ከምኡ’ውን መንኦም ሓያላት መነኦም’ከ ድኹማት ጎሊሁ ዝረአ ፍልልይ ኣለዎም። ከምኡ ክኸውን ከኣ ባህሪያዊ’ዩ።

ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት፡ “ኣዛማዲ/ኣነጻጻሪ/ ፖለቲካ ንኣካይዳ መንግስታት ብነቐፌታ ዓይኒ ርእዩ፡ ኣጽኒዑ፡ ገምጋም ዝገብር፡ ኩነታት ሃገራት/መንግስታት ከፋፊሉ ዝመዝን ኣርእስቲ’ዩ። ብመሰረት ዝግበር መጽናዕትን ውጽኢቱን ከኣ፡ ክኢላታት ንከመይነት ምሕደራ ሃገራት ኣመልኪቶም ነጥብታት ይህቡ። በዚ መሰረት ከኣ፡ “ንኡድ” “ጽቡቕ” “ደሓን” “ኣይግድን” “ሕማቕ” ዝብል መለለዪ ይቕመጥ።

ኣዛማዲ/ኣነጻጻሪ ፖለቲካ ከድህበሎም ዝኽእል ረቋሒታት ብርክት ዝበሉ ክኾኑ እንከለው፡ ከም ሰላም፣ ኲናት፣ ብቕዓት ምምሕዳር፣ ቁጠባዊ ዕቤት፣ ኣሳታፊ ደሞክራሲ፣ ናይ ህዝቢ ተቐባልነት፣ ትምህርቲ፣ መሰረታውያን ሓርነታውያን መሰላት፣ ኣወዳድባን ኣወሃህባን ስርዓተ ፍትሕን ዳንነትን፣ ምምቕራሕ ጸጋታት፣ ሳይንስን ተክኖሎጂን፣ ግሉጽነት፣ ተሓታትነት፣ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና …ወዘተ ዝኣመሰሉ ይርከብዎም።

ኤርትራ ሓንቲ ካብ’ተን ኣዝየን ድሒረን ነጻነተን ዝረኸባ ሃገራት ከም ምዃና መጠን፡ ኣብ መጀመርያ ዓመታት ናይ’ቲ ልኡላውነታ ዘረጋገጸትሉ ወቕቲ፡ ሓበን ብኣብነት እትግለጽ ሃገር’ያ ኔራ። ያኢ ቅቡላትን ምኩራትን መራሕቲ ከም ዝረኸበት፡ እቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ዝተራእየ ናይ ምሕደራ ጌጋታት ኣብ ኤርትራ ኣይድገምን ኣይረአን’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ብሓርነታዊ ቃልሲ ኣቢሉ ዝመጸ መሪሕነት ካብ’ቲ ኣብ ካልኦት ዝተራእየ ይቕረ ዘይበሃሎ ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን ምሕደራ ተማሂሩ ብቕኑዕ ኣገባብ ክኸይድ’ዩ ዝብል ግምታት ስለ ዝነበረ። እንተኾነ እቲ ግምት ጭቡጥ ክውንነትን በበይኑ’ዩ ኮይኑ።

እዚ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ መንግስታዊ ጉጅለ ትዕቢተኛን ተጀሃርን’ዩ። ኣብ ፍቶት ህዝብን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ዘይኮነ፡ ኣርዒድካን ኣድኪኻን ግዛእ ዝብል ድሑር ዘመን ዝሰገሮ ኣተሓሳስባ ዝውንን’ዩ። ኣቦ-መንበር ናይ’ዚ ጉጅለ ንኣብነት ከም’ዚ ይብል። ሃገረ ኤርትራ ዕድለኛ’ያ። ናብ ከባቢና’ሞ ንጠምት። ዘስክሕ ኩነታት’ዩ ዘሎ። ኣነ ብሓጺሩ እንቋዕ ከም ኢትዮጵያ ከም ሱዳን ከም ጅቡቲ ወይ ካልኦት ኣይኮና’የ ዝብል ክብል ተሰሚዑ’ዩ። ሎሚ እቲ ብፕሮፖጋንዳዊ ደሮና ተዓብሊኹ ዝነበረ ኤርትራዊ ኣተሓሳስባ ክሕደስ፡ ሓቂ እናተኾለዐ ክኸይድ ንዕዘብ ኣለና። እቶም ብልሳን ናይ’ዚ ዘውርዙይ መራሒ ዝተጸርፉ ህዝብታት፡ እንቋዕ ደኣ ፖለቲካዊ ምሕደራና ከም ናይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣይኮነ፡ ዝብልሉ ዘለው ወቕቲ’ዩ። ምኽንያቱ ብኣንጻር ናይ’ዚ ብባዳ ጃህራን ፈኸራን ክነብር ዝፍትን መራሕን ጉጅለኡን ኣብ ትሕቲ ቅዋም፣ ብሰላም፣ ተነጻጻሪ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፣ ክብረት ሰብኣዊ መሰል፣ ተስፋታት ልምዓታዊ ዕቤት ዝነብሩ ዘለዎ ህዝብታት’ዮም።

እቲ ጉዳይ መታን ክዛመድን ክነጻጻርን ናብ ዘልዓልክዎ ነጥቢ ክምለስ። እስከ ከም ኣብነት ሓፈሻዊ ኩነታት ስርዓት ትምህርቲ ስርዓት ህግደፍ ንተዓዘብ። ገና ኣስታት 10 ዓመታት ይገብር ሓደ መምህር ኣብ ሓደ ክፍሊ 60 ዝኣኽሉ ተማሃሮ ከስተምህር ይግደድ ኔሩ። እዚ መቸም ዘይትጽበዮ ኣደራዕ’ዩ። ግን ከኣ ኣጋጢሙ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ ስርዓት ህግደፍ ቅሩብ ግዜ ጥራሕ ይወሃበኒ ‘ምበር፡ ነዚ ጉዳይ ምሉእ ንምሉእ ክፈትሖ’የ ኢሉ ክገልጽ ይስማዕ ኔሩ። ሎሚ ግን ኣብ ኤርትራ ብቑም-ነገሩ ክልቲኦም የለውን። መምህርን ተመሃራይን።

ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ሓደ ዩ ኤን ዲ ፒ ዝተባህለ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንትምህርታዊ ምዕባሌታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ዳርጋ፡ ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እንዳ ሻዕቢያ ሓዲካ ማለት’ዩ፡ ሓደ መምህር ኣብ ሓደ ክፍሊ ን30 ተመሃሮ ጥራሕ ከስተምህር ንዝብል መምርሒ ብተግባር ይስረሓሉ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ። በዓል ወረጃታት ማዕዶ ግን በዚ ኣይግደሱን። ኣይሰከፉን።

ነቲ ኣብ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት እዋን ንርከብ ኢሉ ብሓውሲ ጭርቃንን ምትላልን መሕብኢ ንኽኾኖ፡ ዝጀመሮ ፕሮፖጋንዳ፡ እነሆ ሎሚ ናይ ልቡ ሰሚርሉ፡ ኤርትራውያን መሬት ኣሽዂዎምን ኣንዲድዎምን ናብ’ተን ውልቀ መላኺ ወትሩ ዘቆናጽበንን ዝዝልፈንን ጎረባብቲ ሃገራት ይውሕዙ ኣለው። እዚ ስርዓት ነቲ ህዝበይ ዝብሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምጭፍላቑን ምብታኑን ተጸሚዱ ይርከብ።

ሓደ ምስ ሕቶ ቅዋም፡ ሕቶ ሃገራዊ ባይቶ፡ ሕቶ ደሞክራስያዊ ውክልና፡ ክብረት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ኣገዳስነት ዘይብሎም’ዮም ኢሉ ወትሩ ከነኣእስ ዝስማዕ ጉጅለ፡ ካብ ምጭፍላቕን ምብታንን ህዝቡ ሓሊፉ ካልእ ከምጽእን ክገብር ትጽበዮ ኣይኮነን። ኣብ 2010 ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ናብ ኣሜሪካ ተጓዒዙ ኔሩ። ኣብ’ቲ ዘዕረፈሉ ሆቴል ምስ ኣምለኽቱ ተራኺቡ ኔሩ። ከምዚ ድማ ኢልዎም፡ ኣብ ኤርትራ ወርቂ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣዋርቕ ኣለና። ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገለጽክዎ ኣብ ዝሓጸር እዋን ምስ ሲንጋፖር ታይዋን፡ ማሊዥያ ክንስራዕ ኢና። እዞም ወረጃታት ማዕዶ ግን ርብዒ ዘመን ብኸምዚ ወዲ ከም’ዚ ናይ መብጸዓ ቃላት እናተመገቡ ተጓዒዞም ክነሶም፡ ካብ ተመክሮም ግን ኣይተማህሩን። ንሱ ኣተሓሳስባኦም ተቖጻጺሩ ኣብ መጻኢ ዕድሎም የሽካዕልል፡ ንሳቶም ኢሱ “ ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ” ይጭርሑ።

ህዝቢ ኤርትራ ግን ከምቲ “ዩኔስኮ” ዝተባህለ ኣብ ማሕበራዊ ኮነ ስነ-ፍልጠታዊ ዓውድታት ዝግደስ፡ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝበሎ፡ ብኩለንተናኡ ኣብ ጸላም’ዩ ዝነብር ዘሎ። ዓለምና ኣብ ኩሉ ዓውድታት፡ ኣብ ሕቶ ደሞክራስያዊ መሰላት፣ ኣጠቃቕማ ቴክኖሎጂ ንቕድሚት ኣብ እትሕንበበሉ ዘላ ታሪኻዊ እዋን፡ ጉጅለ ህግደፍ ዝመርሓ ኤርትራ ኣብ ጸልማት ትነብር ኣላ። እዚ ግን ንወረጃታት ማዕዶ ዘቐንዝዎም ኣይኮነን።

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 16-12-2015

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox