እቲ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ሰብኣዊ ፍጡር፡ ንክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ሕቖኡ ሂቡ፡ ኣንፈት ሰሜን ተኸቲሉ፡ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ፡ ናብ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ምስ ሰገረ፡ ምስጋም ቀቢላታትን ህዝብታትን ኣሃዱ ከም ዝበለ ይትረኽ። በዚ መንጽር ምስጋም ሓያሎ መዋእል ዘቑጸረ ተርእዮ’ዩ። ኣብ’ዚ ዝዝረበሉ ዘሎ መዋእል ኣፍሪቃውያን ሰገምቲ፡ ኣውራ ዝሽገርሉ ዝነበሩ ሓደ ነገር ኩነታት ኣየር ጥራሕ’ዩ። ምኽንያቱ ኩነታት ኣየር ምስ ምስጋም ቀጥታዊ ምትእስሳር ስለ ዝነበሮ። እወ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ እንተመይቁ ቀቢላታት ኣፍሪቃ ተር ኢሎም መስርዖም ሒዞም ናብ ኣንፈት ሰሜን ክሳግሙ፡ ብኣንጻሩ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ እንተዝሒሉ ከኣ ኣየር ክሞቖሎም ክጽበዩ ይግደዱ ብምንባሮም።

መዛግብቲ ታሪኽ ከም ዘዘንትውዎ ‘ምበኣር፡ ንምስጋም ኪኒዮ ተፈጥሮኣዊ ጂኦግራፊያዊ ተጻብኦታት ዝኸይድ ጸገም የጋጥሞ ኣይነበረን። ክስገሩ ዝነበሮም ወሓይዝ፡ ኣፍላጋት፡ እምባታት፡ ሕሉማት፡ ስንጭሮታት፡ ልዑል ጥንቃቔ ክገበረሎም ዝነበሮም ንወዲ ሰብ ዝጻብኡ ኣራዊት ‘ምበር፡ ኣብ’ቲ እዋን ዘይከም’ዚ መዋእል’ዚ ፓስፖርት፡ ቪዛ፡ ለሰ ፓሸ ዝበሃል ነገር ይፍለጥ ኣይነበረን። ዘይከም ሎሚ ምስ ምሉእ ዕጥቁ ኣብ ዶብ ጸኒሑ መን ኢኻ ካበይን ናበይን ኢኻ? ኢሉ ዘሰራጢ፡ ኣገዲዱ ናብ ዝመጻኣካሉ ዝመልስ፡ ዕድል እንተዘይገበርካ ከኣ ተኲሱ ዝቐትል ዋዲያ ኣይነበረን። ድሕሪ ነዊሕ ግዜን ደረጃ ብደረጃ ዝመጸ ምዕባለን ግን፡ ናተይ ናትካ ዝበሃል መጺኡ። ሃገራት ተመስሪተን። ዶብካን ዘይዶብካ ዘነጽር ሕጊ ተደንጊጉ። ሃገርካ መርቕ ሃገርካ ርገም ኮይኑ።

ናይ እዋና ስደት ምስ ምስጋም ናይ ቀደም መዋእል ኣብ ገለ ሸነኻቱ ክመሳሰል እንከሎ፡ ኣብ ገለ ሸነኻቱ ከኣ ይፈላለ። ክሌማዊ ለውጢ፡ ብዝሒ ወይ ዋሕዲ ማይ፡ ገለ ካብ’ቶም ንክልቲኦም ዘመሳስሉ ረቛሒታት ክኾኑ እንከለው፡ ኲናት ሕድሕድ፡ ኲናት ብምኽንያት ዶባት፡ ወራራት፡ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ጭቆና ከኣ፡ ገለ ካብ’ቶም ዘየመሳስሉ ረቛሒታት’ዮም። ብሓፈሻ እዛ ዓለም ትህወኽ ምህላዋን ምዝንባል ህዝብታት ከኣ ዕለታዊ የጋጥም ምህላውን ኣየዛርብን። ካብኡ ናብኡ በዚ ምዝንባላት ብከቢድ ዝተጠቕዓ ሃገራት ምህላወን’ውን ኣየዛርብን። ገለ ሃገራት ብዓቐን ክብደት ወይ ርዝነት እዚ ምዝንባላትን ንሱ ዝፈጥሮ ስደትን ተርታ ተዋሂብወን ይርከብ። ንኣብነት ሶርያ፣ ኤርትራ፣ ሶማሊያ፣ ዒራቕ፣ ኣፍጋኒስታን ዝብል ዝርዝራት ተዘርጊሑይርከብ። እዚ ከቢድ ሽግር፡ ስርዓታት ናይ’ዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ቀጻልነት ስልጣኖምን ረብሓታቶምን ከረጋግጹ ክብሉ ኮነ ኢሎም ዝፈጥርዎን ዘሳስይዎን ዘለው ደኣምበር፡ ፈጣሪ ካብ’ዘን ነዛ ዓለምና ኣቚመናኣ ዘለዋ ኣስታት 200 ዝኾና ሃገራት፡ ኣለልዩን ነጺሉን መዓት ዘውረደለን ኣይኮናን። እቲ ሰሪ ናይ’ዞም ጨፍለቕቲ ውልቀ መለኽቲ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ክሌማዊ ለውጢ ተፈጢሩ ዋሕዲ ማይ እንተጋጠመ፡ ህዝቢ እዛ ሃገር ንበይኑ ተዓፊኑ ዝነበረሉ  ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብሕሱም ዝሳቐየሉ ምኽንያት ኣይምነበረን። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ሕማቕ ሃለዋት ግን፡ ካብ ብንግሆኡ ከመይነት ምሕደራ እዛ ሃገር ንጹርን ተሓታትነት ብዘለዎ ኣገባብ ሒዙ ስለ ዘይተበገሰ’ዩ። ገዛኢ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይ ንሕስያ ንክንዲ ዓመታት ከላግጸላ ስለ ዝደለየን ስለ ዝኸኣለን ጥራሕ’ዩ። ብዘይካ ዘቤታዊ ጨፍጫፍ፡ ኣብ ዓበይቲ ቃላያት፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ የመንን፣ ዝገበሮ ኢድ ምትእትታው፡ ከምኡ’ውን ዶባዊ ኲናት ምስ ኢትዮጵያን ብሳዕበኑ ዝወረደ ክሳራን ተነጽሎን ናይ’ዚ ጉጅለ ምርጫን ፖሊስን ውጽኢት’ዩ። እዚ ጠብሎቕሎቕ ዝኣመሉ ፋሽስታዊ በትሪ ኣብ’ዚ እዋን ዝያዳ ከፊኡን ገሊሁን ይርከብ።

ስለዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ቅሳነት ተሓሪምዎ፡ ትዕግስቱ ወዲኡ፡ ክንገላታዕ ከመዛበል ክስደድ ክንዕዘብ ጸኒሕና ኣለናን። እዚ እንታይ ዝወለዶ ድዩ ክሌማዊ ለውጢ ዝወለዶ ሕጽረት ዝናብ ኣይኮነን። ሱር ሰራውር ናይ’ዚ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝሳቐየሉ ዝዋረደሉ ዘሎ ተርእዮ ሕሱም መቕዘፍቲ ነጸብራቕ መላኺ ስርዓትን ፖሊስታቱን ዝኾነ ማሕበረ ፖለቲካዊ ጭቆና’ዩ። ኣብ እንዳ ህግደፍ ኣሉ ምባል ሓሶት ከም መንፈዓት’ዩ ዝውሰድን ኮነ ኢልካ ዝስረሓሉን። ኣብ እንዳ ህግደፍ ሓሶት ከም ስነ-ሓሳብ’ዩ ዘገልግል እኳ እንተዘይተባህለ ከም ባህሊ ዝተወርሰ ምዃኑ ግን ኣፍካ መሊእካ ንምዝራብ ይከኣል። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ 2000 ዓ.ም ኣብ ካርቱም ሱዳን ወያነ ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ኲናት ሓደ ኤርትራዊ ቀቲለ እንተደኣ ኢሉ ሓሳዊ’ዩ ክብል መዲሩ። ኣምባሳደራቱን ኣብ ኩሉ ክርነዓት ዝርከቡ ኣመለኽቱን ድማ ከም ዘለዎ ተቐቢሎም ይደጋግምዎ ኔሮም። እነሆ ድማ ሎሚ በቲ ዘዕበዮምን ዝለመድዎን ሕንከት ዘይስመዖ ዘይውርዙይ ልሳኖም፡ ሓንሳብ ኤርትራዊ ስደተኛ የለን ጸኒሖም ከኣ፡ ግዳማዊ ሓይሊ ብዝተወደበ መንገዲ የካይዶ ናይ ዘሎ ጎስጓስ ይውጽኢት ዝኾኑ ሓተላ ግለት’ዮም እናበሉ ክሕስው ንሰምዕ ኣለና። ኢሳያስ ድሕሪ ናይ ካርቱም መደረኡ ቅኒይ ኢሉ ድማ፡ ነዚ ዝቐደመ ጻዕዳ ሓሶት ዘንጊዑ፡ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዶብ ኲናት ኣስታት 19 ሽሕ ዜጋታት ከፊልና ብምባል መንነቱ ኣቃሊዑ። እቶም ብሓሶትን በላበሎን ዝዓበዩ ደገፍቱ ድማ ሎሚ፡ ውሑዳት ደኣዮም’ምበር እወ ስደተኛታት’ሲ ይህልውና’ዮም ዝብል ሓቅታት ክጎስሙ ጀሚሮም ኣለው። ካብኡ ሓሊፎም’ውን ነቲ ስቓይን መከራን ዜጋታት ኤርትራ ምንጪ ገንዘባዊ እቶት ክገብርዎ ያኢ፡ ገለ ገንዘባዊ ሓገዛት እንተለጊስክሙልና ከኣ ከነዕግሶ ንክእል ኢና ብምባል ጭርጭር ዓበደ ይጻወቱ ኣለው።

ኣብ’ዚ ሓደ ነገር ክዝከር ኣለዎ። ስርዓት ህግደፍ ገለ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ክህልው ይኽእሉ’ዮም ኢሉ ክኣምን እንከሎ፡ እዚ ኑዛዜ’ዚ ንገዛእ ርእሱ ኣትኮሮ ዝሓትት’ዩ። ነዚ ድሕሪ ክንደይ ልዕሊ ጉጭ ትሕቲ ጉጭን ሸንኮለልን ከም ዝበጽሖ’ውን ክዝከር ኣለዎ። ካብ ኣትይዎ ዘሎ ተነጽሎን ወሪድቆ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላውን ከም መዋጽኦ ክጥቀመሉ ብምሕላን ዝዛረቦ ዘሎ ስዑር ሕልና ደኣምበር ልባዊ ናይ ለውጢ ኣረኣእያ ኣይኮነን። ኣብ እንዳ ህግደፍ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ዝበሃል ቦታ የብሉን። ስለምንታይ’ሲ ንዓኣቶም ቀታሊ ስለ ዝኾነ። ግን ከኣ ክንዲ ዝደለይዎ ገልበጥበጥ ይበሉ ካብ ክውንነት ከቶ ከምልጡ ኣይክእሉን’ዮም። ህግደፍ ክንዲ ዝኾነ ይሓሱ የስተማስል፡ ጨፍላቒ ባህሪኡን ፋሽስታዊ ተግባሩን ክሳብ ብህዝባዊ ቃልሲ ዘይተሳዕረ፡ ደሞክራስያዊ ሕቶታትን ስደትን ዜጋታት ኤርትራ ምስ ኩሉ ብደሆታቱ ኣይግታእን’ዩ።

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 23-12-2015