^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

ህልዊ ዜና Latest News

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 36 guests and no members online

ኣብ ሓደ ሃገር ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊ ብደሆታት ከጋጥም እንከሎ፡ ግደ ብቑዕን ሓላፍነታውን መሪሕነት ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ኤርትራ ግን ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኩለ መዳያዊ ብደሆታት’ዩ ከጋጥማ ጸኒሑን ዘሎን። ጠንቂ ናይ’ቲ ኹሉ ጸገማት ድማ ዘይቅርዑይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ ንሱ ዝወለዶ ፖሊስን ኣፈጻጽማኡን ምዃኑ ኣሉ ዝበሃሎ ኣይኮነን። መሰረት ጥዕና ዘለዎ ፖለቲካዊ ምሕደራን ኣመራርሓን ድማ ኣብ ዘቤታዊ ኩነታት’ዩ ዝፍተንን ዝምዘንን። ግዳማዊ ወይ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት መንጸብረቕታ ናይ ውሽጣዊ ኩነታት’ዩ። ነዚ ድማ’ዩ ሕጋውያንን ሓላፍነታውያንን መንግስታት መጀመርያ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያቶም ዕዮ ገዛኦም ከጻፍፉ ዝረኣዩ። ምኽንያቱ ጽፉፍ ብህዝቢ ቅቡል ዝኾነ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ባይታ ዝፈጠረ መንግስቲ፡ ደገ ወጺኡ ኣብ ዓለማዊ ጉዳያት ዘቕርቦ ሓሳባት ቅቡል ክኸውን፡ ኣብ ክልተኣዊ ረብሓታት ዝተሰረተ ዘተኣማምን ዝምድና ክፈጥር፡ ኮታ ከስምዕን ከድምዕ ከም ዝኽእል ውሁብ ጌርካ ክውሰድ ይከኣል።

ኤርትራ ብሰሪ ክወርዳ ዝጸንሐን ገና ዝቕጽል ዘሎን ካብ ኢድ ህዝቢ ዝወጸ ጨፍላቒ ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ኣዝያ ድኻን ዝደኸመትን ሃገር ምዃና ብሩህ’ዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ምሕደራኣ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ’ውን ህስይቲ’ያ። እዚ ድማ እኩብ ድምር ናይ ኩሉ ዓይነት ድኻማት ውጽኢት’ዩ። እቲ ናይ ትማሊ ነቶም ናይ ትማሊ ገዛእቲ ገዲፍና ድሕሪ 1991 ናይ ዘሎ ሃገር ከደን ፖለቲካዊ ሕምስማሶ፣ ጸጥታዊ ዝርገት፣ ማሕበራዊ ቅልውላው፣ ቁጠባዊ ውድቀት፣ በዓል ቤቱ ስርዓት ህግደፍ’ዩ። ብሕግን ብታሪኽን ዝሕተተሉ ድማ ንሱ’ዩ። ህግደፍ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣብ ከም’ዚ ሕጂ ዘለዎ ኩነታት ክወድቕ ዝገበረሉ ምኽንያት መደብ ደኣምበር ናይ ኣጋጣሚ ስለዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ ሕግን ህዝብን ቀሪቡ ብገበን ዝሕተተሉ፡ ናይ ሓደ ህዝቢ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተወ ኣዕናዊ ምሕደራ’ዩ።

እወ ብርግጽ ህግደፍ’ዩ ነዚ ህልዊ ጸገም ኣምጺእዎ። ንሱ ድማ ይሕተተሉ ክብል እንከለኹ፡ ካብ ስምዒት ኣይተበገስኩን። ዘይኮነ ጠቐነ’ውን የቕርብ የለኹን። ብጭብጢ ንሱ’ዩ ፈጢርዎ። ከምኡ እንተዘይኸውን ወይ ብካልእ ዝተፈጥረ ኔሩ እንተዝኸውን፡ መሪሕነት ህግደፍ ብፍላይ ከኣ ገባርን ሓዳግን ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ ባዶ መብጸዓ ዝሓለፈ ብተግባር ንምፍትሑ ዘኽእል ፖሊሲታት ክሕንጽጽን ምስ ህዝቢ ኮይኑ ላዕሊ ታሕቲ ክብልን ምተራእየ። ህዝቢ ብኩለ-መዳያዊ ቅልውላው ክደሃኽ’ሞ ዕምሪ ጉጅላዊ ስልጣኑ ከናውሕ ዓሊሙ ዝፈጠሮ መደብ ስለ ዝኾነ ግን፡ ሽግሮም ንምፍታሕ ካብ ድኽነት ንምውጻእ ፋሕተርተር ንዝብሉ ዜጋታት ምስምስ እናፈጠረ እነሆ ክደቑሶም ከድክዮም ተስፋ ከቑርጾም ይረኣ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምሕደራ’ኮ ዘደንጹ’ዩ። ዝርካቡ ኣብ ትሕትን ልዕል መሬታ ዝርከብ ህዝባዊ ወይ ሃገራዊ ሃብቲ፡ ህዝቢ ኣይፈልጦን። ዝፈልጠሉ ሕጋዊ መንገዲ የብሉን። ዓመታዊ ሃገራዊ ባጀት ክንደይ ምዃኑን ምንጩ ካበይ ከምዝኾነን ፈጺሙ ኣይፈልጥን። ፍርያት መዓድናት ኣለና ተባሂሉ ክዝረብ ይስማዕ’ዩ፡ ካብ ወርቂ፣ ፖታሽ፣ ነሓስ፣ ጨው ዝርከብ ኣታዊታት ክንደይ’ዩ? ካበይ ቦታ ክንደይ ተረኺቡ? ኣብ ምንታይ መዓላኸ ውዒሉ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን። ብዛዕባ’ቲ ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታት፣ ማሕበራት …ወዘተ ንልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዛት እናተባህለ ዝወሃብ ገንዘብ ኣበይ መዓላ ውዒሉ ህዝቢ ኣይፈልጥን። ኣይፈልጥን ጥራሕ ዘይኮነ ክፈልጥ’ውን ኣይሓትትን። ስለምንታይ ኢሳያስ ኣብ ዝመርሖ መንግስቲ ንመሰልካ ምሕታት ብህይወት ዘሕትት ከቢድ ገበን ስለዝኾነ። ህግደፋዊ ልምዓት ፈጢርካ ሰባትን መንግስታት ምጽላምን ምጽራፍን’ዩ። መብጸዓ ምእታውን ኣስካሪ ቃላት ምምራጽን በዚ ዝተነድቀ ሓሳባት ብመራኸቢ ብዙሓን ምዝርጋሕን’ዩ። ህግደፋዊ ልምዓት ሓሶትን ደም ምፍሳስን’ዩ። ኣበይ ዘሎ ወያነ፣ ኣበይ ዘሎ ኣሜሪካ፣ ኣበይ ዘላ ዓለም እናብልካ ምቁንጻብ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዕደጋ ንዝነበረ ኣረጊት ናቕፋ፡ ብሓድሽ ባጢራ ናቕፋ ቀይር ተባሂሉ። ሃገራዊ ባጀቱ ኣይፈልጥ ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ ባጢራ ንምንታይ ብሓድሽ ይትካእ ኣሎ ኣይፈልጥ፡ መንግስቲ መምርሒ ኣውሪዱ ኣሎ ተግብር እምቢ እንተበልካ ግን ኣብኣ ትረኽባ ተባሂሉ። ዕረ እናጠዓሞ ካብ ምትግባር ወጻኢ ካልእ ምርጫን ሓይልን የብሉን። ኤርትራ ቅዋም ኣልቦ ባይቶ ኣልቦ ብምልኪ እትመሓደር ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ ነቲ ጨቆኒ መንግስታዊ ጉጅለ ጽባሕ ኣብ እዋን ምርጫ የራኽበና ኢልካ ትሕንሕነሉን ሕነኻ ትፈድየሉን ዕድል የለን። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ናይ ፍጹም ምልክነት ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ኣገዳስነት ሞራላዊ ሓላፍነት ኣዝዩ ዕዙዝ’ዩ። ሞራላዊ ሓላፍነት ኣብነት፡ ከም ውሩይ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ፖለቲከኛ ኔንሰል ማንዴላ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ-ርስትያን ፍራንቼስኮስ፣ መራሒት ሃገረ ጀርመን ቻንሴለር ኣንጂላ ሜርክልን ..ወዘተ ማለት’ዩ። ህዝብና ህዝቢ ኤርትራ’ኸ ምጽባይስ ይጽበ ኣሎ ግን ክሳብ መዓስ?

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 30-12-2015

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox