^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 73 guests and no members online

መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣብ ሃገሩ ዝነብሩ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ክወጽኡ ዘቐመጦ ናይ 90 መዓልቲ ዕድል ብሓደ ወርሒ ኣናዊሕዎ

መንግስቲ ስዑዲያ ብዝሒ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝጠንቁ ኣብ’ታ ሃገር ዘንጸላሉ ዘሎ ጸጥታዊ ሓደጋን ስእነት ስራሕን ምኽንያት ብምግባር፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ ሕጋዊ መንበሪ ወረቐት ዘይብሎም ወጻእተኛታት፡ ካብ መጋቢት 29 ክሳብ 30 ሰነ 2017 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝህቦ ናይ ግዜ ገደብ ስለዝኣኸለ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜጋታተይ ከውጽእ ግዜ ስለዝሓጸረኒ ተወሳኺ ዕድል ይወሃባኒ ክብል ብዝገበሮ ምርድዳእ ንተወሳኺ ሓደ ወርሒ ከም ዝተናወሐ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያን ብ30 ሰነ 2017 ጸብጺበን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ መንግስቲ ስዑዲያ ንዝሃቦ ናይ እፎያታ ግዜ ተጠቒሙ ዜጋታቱ፡ ነቲ ዕድል ተጠቒሞም ከይተኸላበቱ ብሰላም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘኽእሎም ሓበሬታን ምኽርን መታን ክረኽቡ፡ ብደረጃ መንግስታዊ ትካላት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተ-ሰብ ወዲቡ፡ ብማዕከናት ዜናኡ፡ ዕለታዊ ሰፊሕ ጎስጓሳት ከካይድ ምጽንሑ፡ ኣስታት ናብ 120 ሽሕ ዝጽግዑ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምልላስ ድልውነቶም ከም ዘረጋገጹ፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ድማ ናብ ሃገሮም ከም ዝኣተውን ሓቢረን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዜጋታቱ ክበጽሕ ካብ ዝኽእል ዘይተደላዪ ከልበትበትን ምግፋዕን ንምድሓን ብዝተወደበን ቀጻልነት ብዘለዎን ኣገባብ ዝገብሮ ዘሎ ጎስጓስን ግብራዊ ተበግሶን ንግዳያት ካብ ምሕጋዝ ሓሊፉ ሃገራዊ ስምዒት ዘትርር ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ገሊጾም።

ኣብ መሬታዊ ልኡላውነትን ሕሉፍ ወተሃደራዊ ሓርበኝነትን ተሓቢኡ፡ ብዋጋ ህይወት ዜጋታት ኤርትራ ዝጣላዕ ጉጅላዊ መንግስቲ ህግደፍ ግን፡ ንውሱናትን እሙናትን መጋበርያታቱ ንምድሓን ካብ ዝገብሮ ዘይወግዓዊ ናይ ውሽጢ ውሽጢ ስራሕ ወጻኢ፡ ብወግዒ ነቲ ውሳነ መሰረት ገይሩ ኣብ’ታ ሃገር ንዝነብሩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኤርትራውያን ኣብ ምድሓን ዝኾነ ንጥፈታት ዘይምግባሩ ምስ ሃገራዊ ክድዓት ዝዳረግ ቅቡጽ ስርዓት ምዃኑ ዘነጽር’ዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከር ስደተኛታት የመን ተዓቚቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን

ብለበዳ ሕማም ሸሮኽ ከም ዝተጠቕዑ ተፈሊጡ።

እቶም ዱባብን ኾኻን ኣብ ዝተባህላ መዓስከራት ዝርከቡ ግዳይ ሕማም ሸሮኽ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ መሰረታዊ ሕጽረት ቀረብ መግብን ጽሩይ ዝስተ ማይን ከም ዘይረኽቡ፡ ተሓኪሞም ክፍወሱ ዘኽእሎም ምስ ደረጃን ዓይነትን ሕማሞም ዝኸይድ ቀረብ መድሓኒት’ውን ስለ ዘየለ ንከቢድ ሓደጋ ተቓሊዖም ከም ዝርከቡ ረድዮ ኤረና ብ30 ሰነ 2017 ሓቢራ።

መንግስቲ የመን ብምኽንያት ኣብ’ታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ሕማም ሾሮኽ ኣብ ሽውዓተ ዞባታት እታ ሃገር ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ብምውእዋጅ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ህጹጽ ናይ ህይወት ኣድሕን ረድኤት ሓቲቱ ከም ዘሎ፡ እንተኾነ ግን ብሰንኪ’ቲ ኣብ’ታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ እኹል ቀረብ መግብን መድሓኒት ክርከብ ስለዘይተኻኣለ፡ ቁጽሪ ግዳያት ይውስኽ ከም ዘሎን ገሊጻ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ኩነታት ዘጽንዕ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለውዎ ትካል ቆጺሩ ከም ዘሎ ኣረዲኣ ኣላ።

ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ 1.3 ሚሊዮን ስደተኛታት ከም ዘለው፡ ካብ’ዚኣቶም 4310 ኤርትራውያን ከም ዝኾኑን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ግንቦት 2017 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ኡጋንዳ ዘለው ስደተኛታት ሓፈሻዊ ብዝሕን ብሃገራት ደረጃ ከፋፊሉ ኣብ ዘቕረቦ ውጽኢት ምርምራዊ መጽናዕቲ ዝኾነ ጸብጻብ፡ ጠቕላላ ኣብ’ታ ሃገር ብናቱ ኣፍልጦ ረኺቦም ተዓቚቦም ዘለው ስደተኛታት ብዝሒ 1.3 ሚሊዮን ክኾኑ እንከለው ካብ’ዚኣቶም እቶም 4310 ኤርትራውያን ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ኣብ’ታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት፡ ደቡብ ሱዳን፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማሊያ፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ብሩንዲ፣ ሩዋንዳ፣ ከም ዝኾኑ፡ ዝበዝሐ ቁጽሪ ዝሓዙ ከኣ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ምዃኖምን ነቲ ጸብጻብ መሰረት ብምግባር ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 03-07-2017

Loading...

You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

Loading...

You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox