^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 27 guests and no members online

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መንግስቲ ጅቡቲ ግዛኣተይ ብወተሃደራት ኤርትራ ተወሪሩ ክብል ንዘቕረቦ ክሲ ከጻሪ ንዝመዘዞ ኣካል፡ መንግስቲ ህግደፍ ኣይቅበልን ክብል ከም ዝነጸጎ ተፈሊጢ።

ኣብ’ቲ ዘሰሓሕብ ቦታ ወተሃደራት ብምስፋር፡ መስርሕ ሽምግልና ሒዛ ዝነበረት ሃገረ ቀጠር፡ ወተሃደራታ ኣውጺኣ መስርሕ ሽምግልና ምስ ኣቋረጸቶ፡ መንግስቲ ህግደፍ ከም ኣመሉ፡ ንልኡላዊ ግዝኣት ጅቡቲ ወሪሩ ከም ዝሓዘ፡ መንግስቲ ጅቡቲ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ተወሪረ ክሲ ከም ዘቕረበ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ክሲ መሰረት ገይሩ ኣብ’ቲ ብዕለት 5-6 ሰነ 2017 ዘካየዶ መበል 29 ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት፡ ምስ ክልቲኣቶም መንግስታት ዝዘራረብ፡ ነቲ ቦታ ድማ ብኣካል ዝዕዘብ ልኡኽ ክሰድድ ብዘመሓላለፎ ውሳነ መሰረት ንዝመዘዞ ኣካል፡ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ሃገረይ ኣየእትዎን ኣይቅበሎን ክብል ከም ዝነጸጎ ማዕከን ዜና ፈረሳ ኤ ኤፍ ፒ ሓቢሩ።

መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ቦታ ብቐረባ ምክትታል ክግበረሉ፡ ናይ’ቲ ሕብረት ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ድማ ነቲ ድሕሪ ወተሃደራት ቀጠር ዝተፈጠረ ሃጓፍ መሊኡ ክሰርሕ ዝብል መደብ ከም ዝነበሮ፡ ይኹን ‘ምበር ገልበጥበጥ ዘይሕፍሮ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንንግስነት ቀጠር ሕጂ’ውን ከም መንጎኛ’የ ዝፈልጦ ብዝብል ስንኩል ምኽንያት ንልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ስለ ዝነጸጎ ንካልእ ግዜ ከም ዝተመሓለለፈ ኣረዲኡ።

ብሰንኪ ዝኣምንዎ ሃይማኖት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለው ዜጋታት፡

ንኽትልቀቑ እወ በዲልና ኢልኩም ኣብ ዝተዳለወልኩም ፎርም ፈርሙ ንዝብል ትእዛዝ ነጺጎም።

    Print     
  Email

ንነዊሕ ዓመታት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝማስኑ ዘለው፡ ቀሺ ዶክተር ፍጹም ገብረን፤ ዶክተር ተኽላኣብ መንግስተኣብን ዝተባህሉ ዜጋታት፡ ካብ’ቲ ተኣሲረምሉ ዘለው ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ዝርከብ ካርቸሊ ክትልቀቑ እንተደሊኹም፡ ንህዝብናን መንግስትናን ብምብዳልና ይቕረታ ንሓትት ኣብ ዝብል ተዳልዩ ዘሎ ፎርም ክታምኩም ኣንብሩ ዝብል ብኣባላት ጸጥታ ንዝቐረበሎም ትእዛዝ ዝበደልናዮ ወገን ስለ ዘየለ ንሓቶ ይቕረታ የለን ኢሎም ከም ዝነጸግዎ እሪ መድረኽ 14 ሓምለ 2017 ሓቢራ።

ኮለነል ሶኮሎቭን ኮለነል ራሻይዳን ብዝብል ኣስማት ዝጽውዑ መኮነናት ስርዓት ኢሳያስ፡ ብ8 ሓምለ 2017 ናብ’ቲ እሱራት ዘለውዎ ቦታ ብምኻድ፡ እወ በዲልና ኢልኩም ኣብ’ቲ ተዳልዩ ዘሎ ፎርም ወይ ክጥዒ እንተፈሪምኩም ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ንሓሙሽተ ደቂቕ ኣይትጸንሑን ኢኹም ከምዝበልዎም፡ እቶም እሱራት ግን ንሕና ዘጣዕስ በደል ይኹን ታሪኽ የብልናን። ሕጂ እውን ኣብቲ ንስኹም ገበን እትሓስብዎ እምነትና ኢና ዘሎና። እምነት ናይ ግሊ ሃገር ናይ ሓባር ኢዩ ብምባል ኣትሪሮም ከም ዝመለስሎምን ኣፍሊጣ።  

እዞም ከይፈለጡ ብሳጓ ዝጽውዑ ኮለነል ሶኮሎቭን ኮለነል ራሻይዳን ዝተባህሉ ዕሉላት ገበነኛታት፡ ኣብ ልዕሊ እሱራት ከቢድ ስቅያታዊ መግረፍቲ ብምፍጻም ዝምርምሩ፡ ኣብ ልዕሊ እሱራት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤት እሱራትን ናይ ውልቀ ቂም ዝሓዙሎም ሰባትን ተመሳሳሊ ግፍዓዊ ተግባራት ብምፍጻምን ንብረት ብምርሳይን ህዝቢ ዘሰክሑ ምዃኖምን ኣረዲኣ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ሃገሩ ንዘለው ስደተኛታት ውሕስነቶም ከረጋግጽ፡

ዘድልዮም ኣገልግሎት ድማ ከማልእ’የ ኢሉ።

ኣብ ሃገረ ሱዳን ልዕሊ 40 ዓመት ዝገበሩ መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ከም ዘለው፡ እንተኾነ ናይ ጸጥታን ቀረብ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ውሕስነት ስኢኖም መጻወቲ ሸፋቱ፡ ነጋዶ ሰብን ክብሪ መነባብሮን ኮይኖም፡ ይሳቐዩ ምህላዎምን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሃገረይ ዝርከቡ ሕጋውያን ስደተኛታት ጸጥታዊ ውሕስነት ከረጋግጽ፡ ዘድሊ ቀረብ ኣገልግሎታት ድማ ከቕርብ ድልዊ’የ ከም ዝበለ፡ ንኣገልግሎ ዜና ሱዳን ሱና ብምጥቃስ ረድዮ ኤረና ብ13 ሓምለ 2017 ጸብጺባ።

እንተኾነ መንግስቲ ሱዳን፣ ውሕስነትን ቀረብ ኣገልግሎትን ናይ’ቶም ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ክሕሉ'የ ይበል ‘ምበር፡ ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ’ቲ ዝወሃቦ ዘሎ ንላዕሊ ተወሳኺ ሓገዝ ገንዘብ ንምርካብ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ስደተኛታት ክግደስ ስለዝጀመረ ኣይኮነን ብዝብል፡ ነቲ መግለጺ ብዓይኒ ጥርጣረ ዝሪእዎ ወገናት ምህላዎምን ሓቢራ።

ብዝሒ ኣብ ሃገረ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ኣስታት 3 ሚሊዮን ከም ዝበጽሕ፡ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ምዃኖም፡ ኣብ ልዕሊኦም ብዝተፈላሉ ወገናት ጭውያ፣ ዓመጽ፣ ቅትለት፣ ከም ዝፍጸም፡ ብሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይን መሰረታዊ ቀረብ መግብን ብሕማም ሸሮኽ፡ ዓባይ ሰዓልን ካልኦት ተላገብቲ ሕማማትን ኣብ ከቢድ ስቓይ ከም ዝርከቡን ኣረጋጊጻ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 17-07-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox