^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 36 guests and no members online

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገሩ ዝነብሩ ስደተኛታት ዝገብሮ ጸቕጢ ይቕጽል ኣሎ።

ኢትዮጵያን ጅቡቲን ንወራሪ ተግባር ኤርትራ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ክሓልፍ ምግባረን ሓላፍነታዊ ኣገባብ ‘ዩ ተባሂኣስታት ን11 ዓመት ተሓይሮም ዝጸንሑ

3ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ እንጠንዮስ ከም ዝተለቁ ተፈሊጡ።

ኣብ ሃገረ እስራኤል ኤርትራውያን ስደተኛታት ፈላልዩ ከሳቒ ዝጸንሐ

ተስፋማርያም (ወዲ-ባሻይ) ዝተባህለ ኣምባሳደር ህግደፍ ናይ ገዛ እሱር ኮይኑ ከም ዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ኢትዮጵያን ጅቡቲን ንወራሪ ተግባር ኤርትራ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ክሓልፍ ምግባረን ሓላፍነታዊ ኣገባብ ‘ዩ ተባሂሉ

መንግስቲ እስራኤል ብስደት ዝተጣየሰ መንግስቲ ክንሱ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብሓፈሻ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከኣ ብፍላይ ዘለዎ ጽላኣት ብወግዒ ክገልጽን ብዝተፈላለያ ጸቕጢ ካብ ሃገሩ ኣገዲዱ ከባርር፡ ክኣስር፡ ዜጋታቱ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ስደተኛታት ንዝወስዶ ካብ ዘርኣውነት ዝነቅል ዓመጽ ብሸለልታ ክሓልፎን ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕጂ ድማ እቶም ስደተኛታት ናብ ካልእ ሃገር ንምስጋር ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ንዝወስድሉ ቤት ጽሕፈት ከም ዝዓጸወን ይግለጽ ኣሎ።

ግዱሳትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እስራኤላውያን ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ውድባት መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝገብሮ ጸቕጢ ደው ኣቢሉ፡ ብመሰረት ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ መሰል ስደተኛታት ዝእዝዞ ኣኽቢሩ ክኸይድ ክገብርዎ ንዝጸንሑን ዘለውን ምሕጽንታ ጸማም እዝኒ ብምሃብ፡ መልከዓቱ እናቐያየረ ኢ-ሰብኣዊ ዝኾነ ስጉምቲ ይወስድ ከም ዘሎን ሓቢሮም።

ምዕጻው ስደተኛታት ዝተኣናገድሉ ቤት ጽሕፈት፡ ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንኮላይ መንበሪ ፍቃድ ዝሓደሰሉ ብምዃኑ፡ ኣብ እዋኑ መንበሪ ወረቐቶም ዘየሐደሱ ስደተኛታት ክበጽሖም ዝኽእል ከልበትበት ብዙሕ ምዃኑን ምንጭታትና ካብ ሃገረ እስራኤል ኣረጋጊጾም።

Loading...

You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ሃገረ እስራኤል ኤርትራውያን ስደተኛታት ፈላልዩ ከሳቒ ዝጸንሐ

ተስፋማርያም (ወዲ-ባሻይ) ዝተባህለ ኣምባሳደር ህግደፍ ናይ ገዛ እሱር ኮይኑ ከም ዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ዕሉል መጋበርያ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብምዃን፡ ናይ ኣምባሳደርነት መዓርግ ካባ ለቢሱ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገረ እስራኤል ብዓድን ከባብን ፈላሊዩ ዘይምትእምማን ብምፍጣር፡ ንገለ ኣቕሪቡ ንገለ ብምርሓቕ ከም ዝሰርሕ ብዙሓት ዝምስክርሉ ስማዊ ኣምባሳደር፡ ቅድሚ 9 ኣዋርሕ ን’ኣኼባ’ ተባሂሉ ናብ ኣስመራ ብሃንደበት ከምዝተጸወዐ፡ “ብልሽውና” ብዝብል ተኸሲሱ ክእሰርዩ ዝብል ሓበሬታት ከም ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ናይ ገዛ እሱር (ማሕዩር) ክኸውን ከም ዝተወሰነሉ እሪ መድረኽ ሓቢራ።

ስማዊ ኣምባሳደር ተስፋማርያን ተኸስተ፡ ካብ ሃገረ እስራኤል ተገዲዶም ካብ ዝተጠረዙ 3000 ስደተኛታት፡ ካብ ነፍስ ወከፎም 300 ዶላር ብድምር 900 ሽሕ ዶላር ወሲዱ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ድፍኢት ኣብ ዝገበረሉ ዝነበረ ግዜ ብሃንደበት ብትእዛዝ ኢሳያስ ናይ ገዛ ማሕዩር ክኽውን ኣለዎ ከም ዝተባህለን ኣረጋጊጻ።

ኣስታት ን11 ዓመት ተሓይሮም ዝጸንሑ

3ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ እንጠንዮስ ከም ዝተለቁ ተፈሊጡ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ካብ ትኽተሎ ስርዓት ወጻኢ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያ ኢዱ ብምእታው መንፈሳዊ መዓርጎም ቀንጢጡ ኣስታት ን11 ዓመታት ሓይርዎም ዝጸንሐ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብዘይወግዓዊ መንግስታዊ መግለጺ ከም ዝፈትሖም፡ መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ተጻሒፉ፡ ዓሰርተ ወከልቲ ድማ ዝፈረምሉ ዝበጽሓኒ ሰነድ የረጋግጽ ይብል ኣብ መርበብ ኣሰና ዝተዘርገሐ ሓበሬታ።

3ይ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተፈላለዩ ወገናት ብዝገበርዎ ጻዕርን ተጽዕኖን ተፈቲሖም፡ ብፈተውቶም ክብጽሑ ከም ዝቐነዩ፡ ብተግባር ድማ ኣብ ኣስመራ ቤተ-ክርስትያን እንዳ ማርያን ብ16 ሓምለ 2017 ከም ዝተራእዩን ይገልጽ እቲ ዜናዊ ሓበሬታ።

ኢትዮጵያን ጅቡቲን ንወራሪ ተግባር ኤርትራ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ክሓልፍ ምግባረን ሓላፍነታዊ ኣገባብ ‘ዩ ተባሂሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ጉዳይ ፈጻሚ ኤምባሲ ኣመሪካ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣቶ ፒተር ቪሮማን፡ ሰላምን ሰጥታን ናይ ምስፋን ጉዳይ ሓበራዊ መርገጽና ካብ ኮነ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ መንጎ ኤርትራ ጅቡትን ዝተፈጥረ ወተሃደራዊ ወጥሪ መርገጽ መንግስትኹም እንታይ’ዩ ዝብል፡ ብናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሪፖርተር ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ከምርሕ ምግባሮም ቅኑዕ’ዩ። ሓላፍነቶም ከም ዝተዋጽኡ ድማ የመልክት ክብል ከም ዝመለሰ፡ ሪፖተር ጋዜጣ ኣብ ናይ 16 ሓምለ 2017 ( 9 ሓምለ 2009 ግእዝ) ሕታማ ኣፍሊጣ።

ቀጠር ቅድም ክብል ኣብ መንጎ ዞም ክልተ ሃገራት ንዝነበረ ጎንጺ ንምፍታሕ ትገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ዝነኣድ’ዩ። ንሳ ምስ ወጽአት ግን ናብ ዳግማይ ምስሕሓብ ኣትዮም ኣለው። ኣነ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት በዚ ጉዳይ ተዘራሪበ ኣለኹ፡ ናብ ምሉእ ኲናት ክኣትዋ’የን ዝብል ግምት የብለይን። ኢትዮጵያን ጅቡትን ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክበጽሕ ምግባሮም፡ ጭቡጥ መረዳእታ ድማ ምቕራቦም ግን ኣዝዩ ጽቡቕ ነገር’ዩ። ግቡኦም ድማ’ዮም ገይሮም። ብርግጽ ኣካይዳ ኤርትራ ደስ ዝብል ኣይኮነን። ኩሉ ግዜ’ያ ኲናት ትጽሕትር። በሰሩ ድማ ዜጋታት እታ ሃገር ብማዕበል ይስደዱ ኣለው። እዚ ጉዳይ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ’ዩ። ቀልጢፉ ናብ’ቲ ክበጽሖ ዝግባእ ምብጻሑ ግን ሓደ ካብ’ቲ ቅኑዕ ኣገባብ’ዩ ከም ዝበለን ኣረዲኣ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 21-07-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox