^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 17 guests and no members online

መንግስቲ ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሞያ ስልጠና ዝረኽብሉ ዕድል ንምፍጣር ዝውዕል ገንዘባዊ ሓገዝ ሂቡ።

ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ተዓዊቶም

መንግስቲ ኢትዮጵያ 42 ብግዕዝያና ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ገሊጹ።

 

ዝምድና ሃገራት ኢትዮጵያን ጅቡትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተረረ ይኸይድ ኣሎ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፡ መንግስቲ እስራኤል ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ካብ ኣታዊኦም 20% ኣብ ዘይንቀሳቐስ ሕሳብ ባንክ ከቐምጡ ንዘውጽኡ ኣገዳዲ ሕጊ ኣመልኪቱ ተዘራሪቡ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ዜጋታት ዝተፈላለየ ሃገራት ዝገብሮ ተጽዕኖ ብምቕጻል፡ ብፍላይ ኤርትራውያንን ሱዳናውያን ስደተኛታት ካብ ኣታዊኦም 20% ኣብ ዘይንቀሳቐስ ሕሳብ ባንክ ከቐምጡ ዘገድድ ሕጊ ብምውጻኡ ብብዙሓት ወገናት ክኹነን ዝጸንሐ ኮይኑ፡  ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ድማ፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ንምዝታይ ብ26 ሓምለ 2017 ከም ዝተጋበኣ ረድዮ ኤረና ብ28 ሓምለ 2017 ገሊጻ።

እቲ መጋባእያ ብሰለስተ ደያኑ ተማእኪሉ ከም ዝተኻየደ፡ ካብ ጠበቃታት፣ ሓተቲ ዕቑባ፣ ኣኽበርቲ ሕጊ መንግስቲ እስራኤል ቃል ምስክርነት ከም ዝሰምዐ፡ 700 ዝኾኑ ወነንቲ ኣብያተ መግቢ፣ 11 ወከልቲ ማሕበራት፣ ደቂ-ኣንስትዮን ኣብ’ቲ መጋባእያ ተረኺቦም ከም ዝነበሩ፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ጉዳይ ኣብ’ዚ ቀረባ ውሳነ ክበሉ ምዃኑ ምግላጹን ሓቢራ።

መንግስቲ ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡

ሞያ ስልጠና ዝረኽብሉ ዕድል ንምፍጣር ዝውዕል ገንዘባዊ ሓገዝ ሂቡ።

መንግስቲ ጣልያን ኣካል ናይ’ቲ ኤውሮጳ ሕብረት ሒዝዎ ዘሎ መደበ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሞያዊ ስልጠና ረኺቦም ርእሶም ዝኽእልሉ ዕድል ኣብ ምፍጠር ዝውዕል ፍርቂ ሚሊዮን ዶላር ከም ዝለገሰ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም።

እቲ ገንዘባዊ ደገፍ፡ ብወኪል ኢጣልያ ንልምዓትን ምትሕግጋዝን ኣቢሉ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ 2017 ንትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝተዋህበ፡ እቲ ናይ ስልጠና መደባት ድማ በቶም ትካላት ኣቢሉ ዝሰላሰል ከም ዝኾነን ገሊጾም።

ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ተዓዊቶም

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፡ ብውልቀ ይኹን ብደረጃ ሃገር ከም ዝተዓወቱ፡ ብውልቀ ስፖተኛ ሜሮን ኣብራሃም ቀዳማይ ደረጃ ከም ዝሓዘ፡ ብደረጃ ሃገር ድማ ኤርትራ 1,645 ነጥቢ ብምምዝጋብ ቀዳመይቲ ከም ዝወጸት ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ኣብ ዘውጸኦ ደረጃታት ምሕባሩን ኣፍሊጡ።

ብውልቀ ደረጃ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዊለም ጃኩብስ ስሚትን ሞሮካዊ ኣሕመድ ኣሚን ጋልዶውን ደድሕሪ ኤርትራዊ ሜሮን ኣብራሃም ካልኣይን ሳልሳይ ኮይኖም ከም ዝተዓወቱ፡ ከምኡ’ውን ብደረጃ ሃገር፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሩዋንዳ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣልጀርያ፣ ናምቢያ፣ ኣይቨሪኮስት፣ ቡኪናፋሶ፣ ቱኒዝያን ብቐደም ሰዓብ ውድድረን ከም ዝዛዘማን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ 42 ብግዕዝያና ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ሓላፍነት ዝነበሩ 32 ሽሞኛታት መንግስቲ፡ 7 ኣውፈርትን ነጋዶን፣ 3 ድማ ደላሎን ስራሕ ኣፈጸምትን ብድምር 42 ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ግዕዝያና ጥሒሎም ጸኒሖም ኢሉ ዝጠርጠሮም ሰባት ቀይዱ፡ ጉዳዮም ብገበናዊ ሕጊ ይረአ ከም ዘሎን ናይ ፈደራል ጠቕላሊ ኣኽባሪ ሕጊ ኣቶ ጌታቸው እምባዬ ብ29 ሓምለ 2017 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ኣቶ ጌታቸው ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት እዞም 42 ጥርጡራት ካብ ሓሙሽተ ዝተፈላለየ ናይ ኣዲስ ኣበባን ፈደራልን ትካላት ዝተታሕዙ ምዃኖም፡ ብድምር ልዕሊ 3 ቢሊዮን ብር ከም ዘጠፋፍኡ፡ መስርሕ ምቕያድ ሕግን ጥንቁቕ መጽናዕትን ተኸቲሉ ብዘይርህራሀ ክቕጽል ምዃኑን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ገለ ኣካላት መንግስቲ ኣብ ግዕዝያና ጥሒሎም ስልጣኖም ንመርከቢ ውልቀ ጥቕሚ የውዕልዎ ከም ዘለው ናይ ስርዓቱ ቀዳማይ ሓደጋ ግዕዝያና ምዃኑ ኣሚኑ ኣትሪሩ ከም ዝቃለሶ ምግላጹ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ብዘይረሃጽዎ ዝጥቀሙ፡ ዜጋታት ፍትሒ ብገንዘብ ክገዝኡ ዘገድዱ ሓላፍቲ መንግስቲ ዘየላቡ ስጉምቲ ክወስድ ክጽውዕ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

ዝምድና ሃገራት ኢትዮጵያን ጅቡትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተረረ ይኸይድ ኣሎ

ዝምድና ክልተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማለት ኢትዮጵያን ጅቡትን ብፍላይ፡ ድሕሪ’ቲ ብዶብ ተመኽኒዩ ኣብ መንጎ መንግስቲ ህግደፍን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ኣብራሲ ኲናት፡ ኢትዮጵያ ኣታውን ወጻእን ንግዳዊ ንጥፋታታ ካብ ወደባት ኤርትራ ናብ ጅቡቲ ገጻ ካብ ዝመለሰትሉ እዋን፡ ብመዳይ ቁጠባ፣ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማስያውን ከምኡ’ውን ህዝቢ ንህዝቢ ደረጃ ብደረጃ እናዓሞቐን እንተረረን ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ።

ከም መርኣያ ናይ’ቲ ምትእምማን ፈጢሩ እናሰጠመ ዝኸይድ ዘሎ ዝምድና ድማ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ክልቲአን ሃገራት ዝመርሕዎ ሓባራዊ ኮሚቴ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2017 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ተኣኪቦም፡ ሓባራዊ ሓይሊ ምክልኻሎም ብኹሉ ሽነኹ ዘመናውነት ተላቢሱ ካብ ዘለዎ ዝዓብየሉ፡ ሰላም ዶባቶም ከኣ ተደጋጊፎም ዘውሕስሉ ዛዕባታት መሰረት ገይሮም ከም ዝተዘራረቡን እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 31-07-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox