^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 38 guests and no members online

ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ግሪንላንድ ዘስልጥን ዝነበረ ኤርትራዊ

ብዓሊታዊ ኣድልዎ ምኽንያት ካብ ስራሑ ከም ዝተሰጎጎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።

ኣብ ስዑዲያ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነበሩ ኤርትራውያን እታ ሃገር ብዘውጸኣቶ ሕጊ ኣብ ሽግር ወዲቖም ኣለው።

ቻይና ኣብ ጅቡቲ ዝሃነጸቶ ወተሃደራዊ መደበር ብ1 ነሓሰ 2017 ኣመሪቓ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 4 ሰባት መይቶም።

ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ግሪንላንድ ዘስልጥን ዝነበረ ኤርትራዊ

ብዓሊታዊ ኣድልዎ ምኽንያት ካብ ስራሑ ከም ዝተሰጎጎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።

እቲ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ግሪንላንድ ዝነበረ ተኽለ ገብረልኡል ዝተባህለ በዓል ሞያ፡ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ካልእ ምስ ጉድለት ኣብ ስራሕ ዝምልከት ዝጭበጥ ምኽንያት ዘይብሉ ካብ’ቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ሒዝዎ ዝጸንሐ ስራሕ ብዓሌታዊ ኣድልዎ ከም ዝሰጎጎ ሓቢረን።

እዚ ብዓሌታዊ ኣድልዎ ከም ዝተሰጎጕ ዝዝረበሉ ዘሎ ኣሰልጣኒ ተኽለ ገብረልኡል ወዲ 14 ዓመት ትሕቲ ዕድመ እንከሎ ናብታ ሃገር ከም ዝኣተወ ብዙሕ ግዜ ሰባት ብሕብሪ ቆርበቱ የናሽውዎ ከም ዝነበሩ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ከም ትካል ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ካብ ዓሌታውያነት ተበጊሱ ከም ዝሰጎጎን ኣፍሊጠን።

ብሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዳለወ ፈስቲቫል ካብ 4 ነሓሰ 2017 ጀሚሩ ክካየድ ቀኒዩ።

ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ዝተዳለወ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017 ብዕለት 04. ነሓሰ 2017 ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ከም ዝጀመረ፡ ክሳብ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ግዱሳት ዝተሳተፍዎ ምዃኑ፡ ኣቦ መንበር ኣሳናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል ሓው ተስፋማርያም ክብራኣብ ሓጺር ናይ ምስጋናን ሌላን ቃል ከም ዘቕረበን ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ብ5 ነሓሰ 2017 ዝወጸ ዜና ኣረጋጊጹ።

ብዙሕ ምድላዋት ዝተገረሉ ሕብስቲ ደሞክራሲ ዘርእስቱ ኣስተምህሮ ብክልተ ኣባላት’ቲ ፈስቲቫል ከም ዝቐረበ፡ ቀጺሉ ብጉጅለታት ዝተኸፋፈለ ተግባር ዝተሓወሶ ኣብ ታሪኻዊ ዛንታ ዝተመስረተ ኣስተምህሮ ከም ዝተዋህበ፡ እቲ ኣርእስቲ ቀጺሉ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ኣብ ምህናጽ ክስርዑ ዘለዎም ኣዕኑድ ደሞክራስያዊ ትካላት፡ መሰልን ግቡእን ዜጋታት ዝብል ኣስተምህሮ’ውን ከም ዝተዋህበን ኣብ ንሓርነት ኦርግ ዝረኸብናዮ ዜና ኣረዲኡ።

ኣብ ስዑዲያ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነበሩ ኤርትራውያን እታ ሃገር ብዘውጸኣቶ ሕጊ ኣብ ሽግር ወዲቖም ኣለው።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ብፍቓዶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብዘውጸኣቶ ሕጊ መሰረት፡ ካብ’ቶም ኣብ ስዑዲያ ዝነብሩ ኣስታት 90 ሽሕ ኤርትራውያን እቶም 10 ሽሕ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ስለዘይብሎም ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቖም ኣለው ትብል ረዲዮ ኤረና ብ2 ነሓሰ 2017 ኣብ ዝዘርገሓቶ ዜና።

ከም በዓል ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝበሉ መንግስታት ምስ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብምርድዳእ ዜጋታቶም ከይተኸላበቱ ንኽወጽኡ ብወግዕን ብዘተወደበ ኣገባብን ኣብ ዝረባረብሉ ዘለው ወቕቲ፡ መንግስቲ ህግደፍን ኣብ ስዑዲያ ዝርከቡ ወከልቱን ግን ዜጋታቶም ካብ ጸገም ንምውጻእ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከምዘየለ፡ ካብ ሪያድ ሓቢሮም ትብል ረድዮ ኤረና።

እዞም ኣብ ጸገም ወዲቖም ዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ እንተተመሊሶም ንህይወቶም ሓደጋ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ከስጋግሮም ይሓቱ ከም ዘለው፡ ገለ ድማ ናብ ሱዳን፡ ፓኪስታን ቱርኪን ንምኻድ ዘሎ ተኽእሎታት ሃስስ ይብሉ ከም ዘለውን ኣረዲኣ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣስታት ንሓደ ዓመት ጸኒዑ ዝነበረ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣልዒልዎ።

ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ካብ 8 ጥቅምቲ 2016 (28 መስከረም 2009) ክሳብ 4 ነሓሰ 2017 ( 28 ሓምለ 2009) ጸኒዑ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ንኽለዓል ንዝቐረበሉ ናይ ውሳነ ሓሳብ ተቐቢሉ ከም ዘጽደቐ ተሌቭዥን ኢትዮጵያ ጸብጺባ።

ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረት ጉድኣት ኣብጺሖም ብዝብል ጥርጠራ በቲ ኣዋጅ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ካብ ዝነበሩ ኣስታት ናብ ሳላሳ ሽሕ ዝጽግዑ ሰባት፡ ልዕሊ 21 ሽሕ ኣድላዪ ትምሀርቲ ተዋሂብዎም ናብ ባህሪያዊ ቦታኡም ከም ዝተመልሱ፡ ብገበን ዝተጠርጠሩ፡ ካብ ክልል ኦሮሚያ 4136፣ ካብ ክልል ኣምሓራ 1888፣ ካብ ክልል ደቡብ 1166፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ 547 ብድምር 7737 ሰባት ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ጉዳዮም ብሕጋዊ መንገዲ ይከታተሉ ከም ዘለውን ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኮማንድ ፖስት ብዕ ብዕለት 4 ነሓሰ 2017 ( 28 ሓምለ 2009) ናብ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።

ቻይና ኣብ ጅቡቲ ዝሃነጸቶ ወተሃደራዊ መደበር ብ1 ነሓሰ 2017 ኣመሪቓ።

ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃገረ ጅቡቲ ገዚፍ ወተሃደራዊ መደበር ትሃንጽ ምህላዋ ክግለጽ ምጽናሑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ምስ ምጽንባል መበል 90 ዓመት ምምስራት ሰራዊት እታ ሃገር፡ ብ1 ነሓሰ 2017 ብወግዒ ከም ዝመረቐቶ ካብ ጅቡቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ’ቲ ብ1 ነሓሰ 2017 ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት ምክትል ሓይሊ ባሕሪ ቻይናን ሚኒስተር ምክልኻል ጅቡትን ዝርከብዎ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራውያን ሓለፍትን ካልኦት ዕዱማትን ተረኺቦም ምንባሮም’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ጅቡቲ ቀስ ብቀስ ናብ ወተሃደራዊ መደበር ተነሓናሕቲ መንግስታት ዓለምና ትቕየር ከም ዘላ፡ እዚ ኣብ ጅቡቲ ዝምስረት ዘሎ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ወተሃደራዊ መደበራት፡ ኣብ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናቱ ኣሉታዊ ጽልዋታት ከምጽእ ከም ዝኽእል፡ ክሳብ’ውን ኣንፈት ቀጻልነቱ ናበይ ዝብል ሻቕሎት ዝፈጥርን ምዃኑን ተንተንቲ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክገልጹ ምጽናሖም ይዝከር።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 4 ሰባት መይቶም።

ካብ ጁባ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን ናብቲ ምስ ኡጋንዳ ዘራኽብ ዶብ ኒሙለ እትጓዓዝ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብ2 ነሓሰ 2017 ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዛጊት መንነቶም ዘይተነጸረ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝመቱ ረድዮ ኣረና ብ4 ነሓሰ 2017 ገሊጻ።

ፈጸምቲ መጥቃዕቲ መን’ዮም ግዳያት ከ? ዛጊት ከምዘይተነጸረ፡ ምስ’ቶም 4 ሰላማውያን ሰባት፡ ክልተ ወተሃደራት ደቡብ ሱዳን’ውን ከም ዝመቱ ምንጭታት ካብ ጁባ ሓቢሮም ዝበለት ረድዮ ኤረና፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ንደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ዘራኽብ መስመር፡ ዕሙር ንግዳዊ ንጥፈታት ዝካየደሉን ሓደጋታት ድማ ዘይፍለዮን’ዩ ኢላ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 07-08-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox