^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 31 guests and no members online

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወት ስደተኛታት ኣብ ምድሓን ተዋፈረን ዝጸንሓ ትካላት ስራሓን ኣቋሪጸን

ኣብ ስያትል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣንጻር ፈስቲቫል ህግደፍ ዝተወደበ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ረዚን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ

ብምኽንያት ተመልኾ ሃይማኖት ተዳጒና ዝጸንሐት ኣደ ሰለስተ ቆልዑት ኤርትራዊት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይታ

ብስርቂ ኮነ ካልእ ገበን ዝተታሕዘ ሰብ ኣብ መደበራት ፖሊስ ንክእሰር ከሰስቲ ቀለብ እሱር ክኸፍሉ ይግደዱ

ኣብ ኤርትራ ስሩዕን ተሓታትነት ዘለዎን መንግስታዊ ኣሰራርሓ ካብ ዝጠፍእ ነዊሕ ገይሩ ዝበሉ እሙናት ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ናብ ሓደ መንግስታዊ ትካል ከይድካ ጉዳይካ ብኣፍልጦ ብዘመድ ኣዝማድ ወይ ድማ ብሓይሊ ገንዘብ ከተሳልጥ ተኣታትዩ ዝጸንሐ ብልሽውና ከይኣክል፡ ሕጂ ድማ ሓደ ዜጋ ተሰሪቐ ወይ ተበዲለ ኢሉ ኣብ ቀረባኡ ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ምስ ዘመልክት ኣብ ቀይዲ ከነውዕሎ ክትቅልቦ ትኽእል ዲኻ ዝብል ሕቶ ከም ዝቐርበሉ ሓቢሮም።

ሓለፍቲ መደባራት ፖሊስ ህግደፍ ክትቅልቦ ፍቓደኛ እንተደኣ ኮይንካ ክንሕዞ ጸገም የብልናን፡ ክትቅልቦ ፍቓደኛ እንተዘይኮይንካ ግን ኣይንሕዞን እንታይ ክንቅልቦ፡ መንግስቲ ዝሰለዐልና ባጀት የለን። ንገዛእ ርእስና ምስ ደቅና ኣብ ጸገም ወዲቕና ኣለና ዝብል ዘይንቡር ግን ከኣ ተስፋ ዝቐረጸ መልሲ ከም ዝህቡ፡ ነዚ ዝተዓዘበ ህዝቢ ድማ እሞ እዛ ሃገር ያዕ ዝብል መንግስቲ የብላን ኩሉ ሌባ ኮይኑ ኣሎ ማለት’ዩ እናበለ ከብዱ ሓቚፉ ይነብር ምህላውን ገሊጾም።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወት ስደተኛታት ኣብ ምድሓን ተዋፈረን ዝጸንሓ ትካላት ስራሓን ኣቋሪጸን

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ተበጊሶም ባሕሪ ሜዲትራኒያን ሰንጢቖም ናብ ምድሪ ኤውሮጳ ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ፡ ብማዕበልን ምብልሻው ጃላቡን ንዘጋጥሞም ሓደጋ ቅጽበታዊ ደገፍ ብምሃብ ካብ ሞት ኣብ ምድሓን ተዋፊረን ዝጸንሓ ሰለስተ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዝህባኦ ዝነበረ ሰናይ ተግባር ከም ዘቋረጻ ረድዮ ኤረና ብ15 ነሓሰ 2017 ሓቢራ።

እተን ትካላት፡ ብፈረንሳውያን ዝተመስረተ ሓካይም ብዘይ ዶብ፣ ኣብ ጀርመን ዝመደበሩ ዓይኒ ባሕሪ፣ ድሕነት ቆልዑ ዝተባህለን ከምዝኾኑ፡ መሳኪን ስደተኛታት ሃዲምካ ኣብ ዘይተምልጠሉ፡ ኣእዊኻ ኣብዘይትስመዓሉ ማእከል ባሕሪ ንዘጋጥሞም ፈተና፡ ኣብ ቀረባ ጸኒሐን ኣምድሓን ዝምስገን ተግባራት ከም ዝነበረን፡ ሕጂ ግን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ናብ’ቲ ንሳተን ዝንቀሳቐሳሉ ማያዊ ክሊ ክንቀሳቐስ ብምጅማሩ፡ ምኽንያት ንምቁራጸን ከም ዝኾነን ኣረዲኣ።

ኣብ ስያትል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣንጻር ፈስቲቫል ህግደፍ ዝተወደበ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ረዚን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ

ነቲ ህዝቢ ኣፈራሪሕካ ገንዘብ ንምቕራም ዝዕላማኡ ሰብኣዊ ክብሮም ንገንዘብ ብዝሸጡ ሰለይቲ ተወዲቡን ተመሪሑን ብ11 ነሓሰ 2017 ኣብ ስያትል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተኻየደ ስማዊ ፈስቲቫል ህግደፍ ንምቅላዕን ንምብርዓንን ብግዱሳትን ውፉያትን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተወደበ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብፖለቲካዊ ትርጉሙ ኣብ ቅድሚ ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሓንን ተዓዘብን ረዚን መልእኽቲ ብምምሕልላፍ መደቡ ከም ዝዐወተ ካብ’ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ንድግፍ፣ ፈስቲቫል ህግደፍ፡ ፈስቲቫል ጥልመትን ድኹማ`ት ሕልናን’ዩ፣ ዓድኻ ክዝመት’ዶ ዓይንኻ ይዕመት፣ ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታትን እናቃልሑ ከም ዘካየድዎ፡ ኣብ ልዕሊ ‘ቶም ስሉባት ሕልናን ድኹዒ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ርኡይ ተጽዕኖ ዝፈጠረ ምንባሩን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብምኽንያት ተመልኾ ሃይማኖት ተዳጒና ዝጸንሐት ኣደ ሰለስተ ቆልዑት ኤርትራዊት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይታ

እዛ ኣማኒት ጴንጠ ቆስጠ ከም ዝነበረት፡ በሰንኪ ነዚ እምነት’ዚ ምኽታላ ብትካል ጸጥታ ህግደፍ ከም ዝተኣስረት ዝተነግረላ ወ/ሮ ፍቓዱ ደበሳይ ዝተባህለት ኣደ ሰለስተ ቆልዑ፡ ብዝወረዳ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ግፍዒ ኣስታት ቅድሚ 10 መዓልቲ መትከል ኣብዮት ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ህይወታ ከም ዝሓለፈ፡ ክርስትያን ሶሊዳሪቲ ዎርልድ ዋይድ ንዝተባህለ ትካል ብምጥቃስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

እዛ ብሰንኪ ጨካን ተግባራት ህግደፍ ህይወታ ዝሓለፈት ኤርትራዊት ኣደ፡ ምስ በዓል ቤታን ካልኦት ደቂ ሃይማኖታን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2017 ኣብ ከባቢ ዓዲ ዃላ ኣብ ጸሎት እንከለው ብትካል ጸጥታ ጸላኢ ተሃዲኖም ካብ ዝተኣስሩ ሓንቲ ምንባራ፡ ኣብ’ቲ ኣብ መንጎ ጋሕተላይን ሽዕብን ኣብ ዝርከብ መትከል ኣብዮት ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ብኣረሜናዊ ኣተሓሓዛ ተሳቕያ ከም ዝሞተት ኣብ መንደፈራ ድማ ሓምድ ድበኣ ከም ዝተፈጸምን ጸብጺበን።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 18-08-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox