^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 72 guests and no members online

ኣብ ለንደን ሕድሕድ ምትእምማን ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ንምፍጣር ዝዓለመ ኮንፈረንስ ተኻይዱ።

ብሃንደበት ሞይቱ ዝብል ዜናዊ መርድእ ብምድግጋሙ ኣብ ዜጋታት ስኽፍታ ይፈጥር ኣሎ

ኣብ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ስልጣን ዝጸንሑ ሰባት፡ ሓሚሞም ከም ዝነበሩ ኮነ ዘጋጠሞም ጭቡጥ ምኽንያት ከይተገልጸ፡ ኣቶ እከለ ወይ ኮሌኔል እከለ ዝተባህለ ካብ ክሳብ ብተወፋይነት ዝሰርሐ ገዲም ተጋዳላይ ብሃንደበት ተሰዊኡ ዝብል ዝደጋገም ዜናዊ መርድእ ብማዕከናት ዜና ህግደፍ ዝሰምዑ ዜጋታት፡ ብሓላፍነታዊ ስምዒት ሻቕሎት ከም ዝሓደሮም ገሊጾም።

ከም’ዚ ዓይነት ኣማውታ ናይ ሓደ መንግስቲ ውሽጣዊ ቅልውላውን ውድቀትን ዘመልክት፡ ኣብ መለኽትን ፈራሓትን ስርዓታት ዝርአ ክስተት’ዩ ዝበሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ እዚ ብማዕከናት ዜና ህግደፍ ብሃንደበት ተሰዊኡ ንስምዖ ዘለና መርድእ ግን ኣብ ሓደ ዓመት ክልተ ዓመት ዘይኮነስ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዝደጋገም ዘሎ ብምዃኑ ምልክቱ ከቢድ’ዩ ኢሎም።

ኣብ ዕዳጋታት ኤርትራ ዝዝርጋሕ ብቕዓቱ ዘይተሓለወ ዓይነታት መግቢ ጠንቂ ዝተፈላለየ ሕማማት ይኸውን ኣሎ

ኣብ ኤርትራ ፈቐድኡ ተዘርጊሑ ዘሎ ግዜኡ ዝሓለፈን ብቕዓቱ ዘይተረጋገጸን ዓይነታት መግቢ ጠንቂ ዝተፈላለየ ሕማማት ይኸውን ምህላዉ፡ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዑደት ዘካየድ ዘሎ በዓል ሞያ ሕክምና ኣረጋጊጹ ክትብል ረድዮ ኤረና ብ4 መስከረም 2017 ሓቢራ።

እቲ ናብ’ቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎ በዓል ሞያ፡ ህዝቢ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዝጥቀመሎም፡ ከም ዘይቲ፣ ጠስሚ፣ ጸባ፣ ማልማላታ፣ ጽማቕን ዝተፈላለዩ ከም ብሽኮቲ ዝኣመሰሉ ምቁራት መግብን ብብዝሒ ኣብ ጎደናታት ተዘርጊሖም ከም ዘለው፡ ኣብ ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ኣብ ቆልዑ ከኣ ብፍላይ ቅድሚ ሕጂ ዝውቱራት ዘይነበሩ ውሽጣዊ ረኽስን ከም ኣለርጂን ዝኣመሰለ ርኡይ ጥዕናዊ ጸገማት ይፈጥር ምህላዉ ምርግጋጹን ገሊጻ።

ብካልእ ዜና፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ ካብ ሰራዊት ህግደፍ ብወግዒ ዝተሰናበቱ’ሞ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ብሰላምን ንምንባር ጸገም ስለዘይብሎም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣለዎም ክብል ብ31 ነሓሰ 2017 ከም ዝወሰነ፡ እቲ ውሳነ ነቶም ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ናብ’ታ ሃገር ዝኣተው’ሞ 2% ዘይሕጋዊ ክብሪ ንስርዓት ህግደፍ ክኸፍሉ ዝጸንሑ ኮነ፡ ነቶም ሓደስቲ ዝኣትው ዘለው ዝምልከት ምዃኑ፡ ክሳብ ወርሒ ሓምለ 2017 ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ዝኣተው ኤርትራውያን ቁጽሪ 14,500 ከም ዝበጽሐ፡ ካብ’ዚኣቶም 9000 ግዝያዊ መንበሪ ወረቐት ከም ዝተዋህቦምን ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ብምጥቃስ ረዲዮ ኤረና ወሲኻ ሓቢራ።

ኣብ ለንደን ሕድሕድ ምትእምማን ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ንምፍጣር ዝዓለመ ኮንፈረንስ ተኻይዱ።

ብሓው በረኸት ካሕሳይ ተወዲቡ፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ዓለም ተዓዲሞም ዝመጽኡ ኤርትራውያን ዝተረኽብሉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ሕድሕድ ምትእምማን ዘለዎ ሓያል ሕብረተ-ሰብ ንምህናጽ ዝዓለመ ሰፊሕ ኮንፈረንስ ብ2-3 መስከረም 2017 ከም ዝተኻየደ መርበብ ኣሰና ብ4 መስከረም 2017 ኣፍሊጣ።

ኣብ’ቲ ኮንፈረንስ ንሕሉፍ ተመክሮ ብምግምጋም ነቲ ኣወንታዊ ሽነኹ ብምውሳድን ብከመይ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከም ዝኽእል ተዛትዮም ክውሰድ ብዛዕባ ዝከኣል ስጉምቲ ከም ዝኣመተ፡ ኣብ ኮንፈረስን ዝተዓደመ ሚስተር ጂም በርናንድ-ስሚዝ ዝተባህለ ወጻእተኛ ብወገኑ ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነቱ ሓርነታዊ መሰላቱን ክብል እዚ ኩሉ ዋጋ ከፊሉ ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ደልሃመት ምውዳቑ ዘይሕዝን’ዩ ከም ዝበለን ጸብጺባ።

ዝተፈላለዩ ኣባላት’ቲ ኮንፈረንስ ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ሕድሕድ ምትእምማን ንምፍጣር ዝተገበረ ተመክሮን ዝተረኽበ ኣወንታዊ ውጽኢትን ናይ ካልኦት ሃገራትን ሕብረተ-ሰባት ብሰንዳት ብምቕራብ ከም ዘሀብተምዎ፡ ነዚ ዛዕባ’ዚ ኣብ ምስፋሕ ግደ መራኸቢ ብዙሓንን መንእሰያትን እንታይ ክኸውን ከም ዝግባእ’ውን ብፍሉይ ኣርእሲ ቀሪቡ ከም ዝተዘርበሉን ኣረዲኣ።

Loading...

You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራብብብBብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 08-09-2

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox