^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 28 guests and no members online

ኣብ ካርቱም ሱዳን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣባል ናይ’ቲ ማሕበረ ኮም ተባሂሉ ዝጽዋዕ መጋበርያኡ ዝኾነ ማሕበር ንዘይኮነ ኤርትራዊ ዝኾነ ኣገልግሎት ከም ዘይህብ ገሊጹ።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ነጻ ተመክሮኡ መንነቱ ዝፈለጠ ሰብ እናራሕረሖ ኣብ ዝኸደሉ፡ ዝለመዶ ጸጥታዊ ሓበሬታ ዘስንቖ፡ ዘጣቐዓሉን ገንዘብ ዘዋጸኣሉን እናሰሓወ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ኣብ ካርቱም ሱዳን ዝርከብ ቆስላዊ ቤት ጽሕፈቱ ኣባል ናይ’ቲ መጋበርያኡ ዝኾነ ማሕበረ ኮም ንዘይኮነን፡ ካብኡ መሰነይታ ወረቐት ሒዙ ንዘይመጽአን ኤርትራዊ፡ ዝኾነ ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ከምዘይህቦ ብወግዒ መምርሒ ከም ዘውረደ እሙናት ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ሓቢሮም።

ቅድም ክብል ንነዊሕ ዓመታት በብግዜኡ ዝቀያየር ደስ ከም ዝበሎ ብዝሰለዖ ገንዘብ እናኽፈለ፡ ናይ ዜግነት ፎርምን ታሴራን፣ ፓስፖርት፣ ቪዛን መሰነይታ ደብዳቤን ካልኦትን ክህብ ምጽንሑ ዝሓበሩ ምንጭታትና፡ ሎሚ ከምዚ ዝበለ መምርሒ ከውርድ ዝተገደደሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እሙናት ኣገልገልቱ ዝነበሩ ከይተረፈ ሕቖኦም ይብዎን ማይ ቤቱ ይሃምም ስለዘሎን፡ ጸቕቲ ገይሩ ከም መወደቢ መታን ከገልግሎ ዝመሃዞ ፍሹል ውጥን ኮይኑ፡ ኣብ’ታ ዘላታ ተወሰኸታ ከም ዝበሃል ኣባል ማሕበረ ኮም ዘይኮነ ኤርትራዊ ኣይኮነን ማለት’ዩ ዝብል ኣብ ህዝቢ ርሱን መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ምህላዎን ብ7 ጥቕምቲ 2017 ብኢሜይል ኣድራሻና ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ኤርትራ ዝበጽሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣብያተ ክርስትያናት ዓለም

ምስ ኣብ ማሕዩር ዘለው ኣቡነ እንጠንዮስ ከይራኸብ ተኸልኪሉ።

ፓርትርያርክ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ እንጠንዮስ ንልዕሊ 11 ዓመት ኣብ ማሕዩር ከም ዘለው፡ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝፈጸመ ላዕለዋይ ልኡኽ ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያናት ዓለም ድማ፡ ሃለዋቶም ንምፍላጥን ኣብታ ቤተ ክርስትያን ተፈጢሩ ንዘሎ ምምቕቓል ኣመልኪቱ ምስ ገለ ኣቡናት ከም ዝተዘራረበ፡ ይኹን ግን ነቶም ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ሕጋዊ ፓትሪያርክ ብኣካል ረኺቡ ከዘራርቦም ዘቕረቦ ጠለብ ተቐባልነት ከም ዝሰኣነን ረድዮ ኤረና ብ5 ጥቕምቲ 2017 ሓቢራ።

እቲ ልኡኽ ዓለማዊ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ብሓላፊ ክፍሊ ዞባ ኣፍሪቃ ዶክተር ንጉሱ ለገሰን ኣወሃሃዲ ጉዳያት'ቲ ማሕበር ዶክተር ዳኒኤል ቡዳን ተመሪሑ፡ ካብ 22 ክሳብ 28 መስከረም 2017 ኣብ ኤርትራ ከም ዝጸንሐ፡ ምስ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣባ ሉቃስን ኣማሓዳሪ ኣቡነ ባሲልዮስን ተራኺቡ፡ ምስ ኣቡነ እንጠንዮስ ንምርኻብ ዝነበሮ መደብ ከየዐወተ ከም ዝተመልሰን ኣረጋጊጻ።

 ዶክተር ንጉሱ ለገሰ ኣቐዲሞም ኤርትራ ቅድሚ ምእታዎም ካብዚ ናይ ኤርትራ ዑደትና ሃናጺ ዘተ ኢና ንጽበ ኢሎም ከም ዝነበሩ፡ እንተኾነ ድሕሪ ዑደት ክሳብ ሕጂ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ከምዘየለን ወሲኻ ኣፍሊጣ።

Loading...

You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ህግደፍ ብወግዓዊ ኣገባብ ኣብ ምስግጋር ሰባት ከም ዝዋፈር ተፈሊጡ።

    Print       Email

ብ17 መስከረም 2017 ዋንነተን ናይ ሰራዊት ህግደፍ ዝኾና መካይን ካብ ኤርትራ ንስደት ዝኸዱ 21 ሰባት ሒዘን ኣብ ከባቢታት ሃይኮታ ከም ዝተታሓዛ፡ ብዘይካ’ቶም 21 ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሰባት’ውን ኣብ’ቲ ዝተታሕዝሉ ቦታ ተኣኪቦም ከም ዝነበሩ፡ ነቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዝሓዙ ወተሃደራት፡ ኣብዘይምልከተኩም ኢድኩም ኣይተእትው ቀልጢፍኩም ትፈትሕዎም ዝብል ትእዛዝ ካብ ላዕሊ ከም ዝመጽኦምን ረድዮ መድረኽ ሓቢራ።

እቶም ብመካይን መንግስቲ ካብ ሃገር ንምውጻእ ዝጎዓዙ ዝነበሩ 21 ሰባት ነብስ ወከፎም 8 ሽሕ ዶላር ከም ዝኸፈሉ፡ ንሓጺር ግዜ ድማ ኣብ ከባቢ ዓዲ ቀሺ ከም ዝነበሩ፡ እሙናት ምንጭታት ኣረጋጊጾም ክትብል ረዲዮ መድረኽ ኣረዲኣ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 09-10-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox