^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 101 guests and no members online

ኣብ ሊብያ ዕጡቓት ሰብ ብረት ኣብ ሕድሕዶም ብዝፈጠርዎ ግጭትን ዝማዕበለ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥን ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ግዳይ ከም ዝኾኑ ተገሊጹ።

መዓልታዊ ስራሖምን ምንጪ ኣታዊኦምን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝገበሩ፡ መንግስቲ ዘይቆጻጸሮም ብዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዝተወደቡ ዕጡቓት ሊቢያውያን ኣብ ሕድሕዶም ብዝፈጠርዎ ናይ ተኹሲ ምልውዋት ኣብ ትሕቲኦም ዝነበሩ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ተሰናቢዶም ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ ግዳይ ሞትን መቑሰልትን ከም ዝኾኑ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ከቃልሓ ቀኒየን ኣለዋ።

ጠንቂ ባእሲ ናይ’ቶም ዕጡቓት በቶም ብጀሆ ዝሓዝዎም መሳኪን ስደተኛታት ዝተበገሰ ከም ዝኾነ፡ ምኽንያት ናተይ’ዮም ናተይ’ባ ብዝብል ከም ዝጀመረ፡ ዕጡቓት ገበኛታት ሊቢያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ በበይኑ መዳጎኒታት ሒዞም፡ ገንዘብ ከም ዘኽፍሉ፡ ሰባት ከም ዝሸጡ፡ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝዕምጹ ዝገለጻ እተን ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ምህላዎምን ኣረጋጊጸን። 

ናይ ቀደም ከንቲቫ ላምፓዱሳ ዝነበራ ወ/ሮ ጊዩሲ ኒኮሊኒ

ነቶም ኣብ 2013 ብጃምላ ዝተቐዝፉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘኪረን።

ከንቲቫ ላምፓዱሳ ነበር ወ/ሮ ጊዩሲ ኒኮሊኒ ብዩኒቨሪስቲ ጀኔቫ “ላምፓዱሳ ማእከል ቅልውላው ስደተኛታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ተዳልዩ ኣብ ዝነበረ ልዕሊ 600 ተሳተፍቲ ኣብ ዝተረኽብሉ መድረኽ ተረኺበን ኣብ ዘስመዓኦ ቃል፡ ነቲ ህይወት ልዕሊ 360 ዝበልዐ ኣቐንዛውን ኤውሮጳ ስጉምቲ ክትወስድ ዘበራበረን ኣሰቃቒ  ተረኽቦ  ላምፓዱሳ “ኣይርሰዖን እየ” ከም ዝበላ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ12 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ።

ንሰን ኣተሓሒዘን ቤት ጽሕፈተን ንዝኽሪቶ’ም ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ዝኾኑ ግዳያት 366 ፈልሲ ኣእዋም ከም ዝተኸለ፡ ዕላማ ናይዚ ኣእዋም ምትካል ከኣ ነባሪ እታ ከተማ ነቶም ግዳያት ምእንቲ ክዝክሮም ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ካልእ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ኣተሓሓዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝሓደረን ስኽፍታ ከም ዝገለጻን ኣረጋጊጹ።

ድሕሪ ከንቲቫ ኒኮሊኒ መደረ ዘስምዑ ናይ’ቲ ዩኒቨሪሲቲ ዲን ፕሮፈሶር ይቨስ ፍሉቺንገር፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ካንቶን ኣቶ ሎንግቻሞን ድማ፡ ጀኔቭ ብዛዕባ ህልዊ ጸገም ስደተኛታት ኣተሓሓዛ ሰብኣዊ መሰላትን ኣመልኪቶም ኣገዳሲ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን ኣረዲኡ።

Loading...

You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ቆንስል ህግደፍ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዘይምከቶ ጉዳያት ይኣቱ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

መንግስቲ ህግደፍ ብመንገድቲ ኣብ ጀኔቭ ዝርከብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈቱ ኣቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ’ታ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን ጸቕቲ ይገብር ከይህሉ ዝምልከቶ ኣካል እታ ሃገር ምጽራይ ክገብር ከም ዝተሓተተ ረድዮ ኤረና ብ16 ጥቅምቲ 2017 ኣቃሊሓ።

ቆንስል ህግደፍ ፕረ ኢን ቡለ (Pré en Bulle) ብዝተባህለ ማሕበር ተዳልዩ ካብ 22 ክሳብ 24 መስከረም ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝተኻየደ ባህላዊ ፌስቲቫል፣ ኤርትራውያን ከይሳተፉ ተጽዕኖ ክገብር ፈቲኑ ከም ዝነበረ፡ እቲ ፈስቲቫል ዘዳለወ ማሕበር ካብ 2002 ዓመታዊ ፈስቲቫል ከካይድ ምጽንሑ፡ እንተኾነ ግን ካብ ዝኾነ ኤምባሲ ይኹን ቆንስላ ከም’ዚ ዓይነት ተጻብኦ ገጢምዎ ከም ዘይፈልጥ ምግላጹ ሓቢራ።

እቲ ማሕበር ኣነ ኣብ ዘዳለኽዎ ሕጋውን ወግዓውን ፈስቲቫል እከለ ይሳተፍ እከለ ኣይሳተፍ ዝብል ጸቕጢ ምግባር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እቲ ማሕበር ኢድ ምትእትታው’ዩ ክብል ከም ዝወቐሰ፡ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ፡ ብዘይኣፍልጦን ደገፍን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝካየድ ፈስቲቫል ዝሳተፍ ኤርትራዊ ተሓታቲ’ዩ ክብል ኣቐዲሙ ከፈራርሕ ፈቲኑ ከም ዝነበረን ኣፍሊጣ።

ብካልእ ዜና፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 600 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣጋጢምዎም ካብ ዝነበረ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ድሒኖም ጣልያን ከም ዝኣተው ኤረና ወሲካ ኣረዲኣ።

ኣብ ሃገረ ሶማል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣስታት 300 ሰባት ከም ዝተቐዝፉ ተፈሊጡ።

ኣብ መቛድሾ ርእሰ ከተማ ሃገረ ሶማል ብ14 ጥቕምቲ 2017 ብክልተ መካይን ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ መብዛሕቲኦም ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ኣስታት 300 ዝኾኑ ሰባት ከም ዝሃለቑ፡ ልዕሊኡ ቁጽሪ ዘለዎም ድማ ከም ዝቖሰሉን ካብ መቖድሾ ዝተቓለሐ ብምስልን ድምጽን ዝተሰነየ ዘሰቅቅ ዜና ኣረጋጊጹ።

እቲ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ’ታ ሃገር ካብ ዝተኻየዱ ተመሳሳሊ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብብዝሒ ግዳያቱን ኣሰቃቕነቱ ዝኸበደ ከምዝኾነ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ መሓመድ ፎርማጆ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ብምእዋጅ በዚ ናይ ድኹማት በትሪ ኣይንምብርከኽን እዚ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ምልክት’ዩ ከም ዝበለን መራሕቲ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ነቲ ተግባር ብምኹናን ሓዘኖም ይገልጹ ከም ዘለውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቅድሚ’ዚ ዘሕዝን ናይ ፈራሓት መጥቃዕቲ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ሓላቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገርን ምኽንያቱ ብሩህ ብዘይኮነ ስልጣኖም ብድሌቶም ከም ዝገደፉ፡ ፈጻሚ ናይ’ቲ መጥቃዕቲ ዛጊት ካብ ግምት ዝረሓቐ ብጭብጢ ኣነየ ዝብል ከም ዘይተረኽበን እቲ ዜና ኣረዲኡ።

መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ኬኒያ ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ዝመጽእ 26 ጥቅምቲ 2017 ዳግም ክካየድ ተታሒዙ ኣብ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከምዘይሳተፍ ምሕባሩ ኣብ’ታ ሃገረ ግጭት ከይፍጠር ስግኣት ኣሕዲሩ።

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሃገረ ከኒያ ብ8 ነሓሰ 2017 ተኻየዱ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኡሁሩ ኬንያታ ብዝለዓለ ድምጺ ከም ዝተዓወተ፡ ምስተገልጸ ራይላ ኦዲንጋ መስርሕ ምርጫ ደሞክራስያዊ ፍትሓውን ኣይነበረን ኣሻጥር ነይርዎ ክብል ብምቅዋሙን ደገፍቱ ናብ ጎደናታት ወጺኦም ብዘስምዕዎ ተቓውሞን ኣብ መንጎ ፖሊስን ሰላማዊ ሰልፈኛታትን ብዝተፈጥረ ግጭት ብዙሓት ካብ ተቓወምቲ ህይወቶም ምስ ሰኣኑ፡ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ነዚ ዝቕረበ ቅሬታ ፈትሹ መስርሕ ምርጫ ጸገም ከም ዝነበሮ ተቐቢሉ ዳግመ ምርጫ ክካይድ ብምውሳኑ ብዙሓት ናበይ ክምዕብል’ዩ ካብ ዝብል ሓላፍነታዊ ስምዒት ኣብ ትጽቢት ጸኒሖም፡፡

ሕጂ ድማ ተፈኻኻሪ ኡሁሩ ኬንያታ ዝኾነ ራይላ ኦዲንጋ ኣባላት ምርጫ ቦርድ ክሳብ ብካልእ ዘይተቐየሩ እቲ ዝካየድ ዳግመ ምርጫ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ዝተፈልየ ውጽኢት ከምጽእ ኣይክእልን ካብ ዝብል ስግኣት ነቒሉ፡ ንዘይምስታፍ ምውሳኑ፡ ኣብ ህዝቢ ኬኒያ፡ ዞባዊ ውድብ ኢጋድን ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ደም ዘፋስስ ግጭት ከይለዓል ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ምህላው ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ካልኦት ተወዳደርቲ ውድባት ስለ ዘለው መስርሕ ምርጫ ኣብ’ቲ ዝተመደበሉ ዕለት ክካየድ ከም ዝኾነ’ኳ ይግለጽ እንተሃለወ፡ ክስዕብ ይኽእል ተባሂሉ ተፈጢሩ ዘሎ ስኽፍታ ዝኸበደ ምዃኑ ግን ዝተፈላለዩ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 18-10-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox