^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 97 guests and no members online

ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡን ማሕበራዊ መሰረቱን ኣነጺሩ ዘይቃለስ ፖለቲካዊ ውድብ ካብ ዘድመዖ ዘፍርሶ ከም ዝዓቢ ተገሊጹ።

ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰን እናተሓላለኸን ናይ ዝመጽእ ዘሎ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብቕረባ ዝከታተሉ ኣስማቶም ክግለጽ ዘይደለዩ ምሁራት ፖለቲካዊ ሳይንስ፡ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ማለት ንከመይነት ምሕደራ ህዝቢ ዝምልከት ጉዳይ’ዩ፡ ሕቶ ህዝቢ ክምልስ ተወዲቡ ዝቃለስ ውድብ ድማ፡ ናይ ግድን ንሱ ዝኽተሎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን ማሕበራዊ መሰረቱን ንፈታውን ጸላእን ብግልጺ ሓቢሩ ክቃለስ ይግባእ ክብሉ ሓቢሮም።

ናይ’ዚ ዝተጠቕሰ ክልተ ዞባታት ቀንዲ ጸገም፡ ናይ’ቶም ፖለቲካዊ ውድባት ስነ-ሓሳብን ማሕበራዊ ወገንነት ዘይንጹርነትን ምግልባጥን ምዃኑ፡ እቲ ካብ ጭቆና ነጻ ክወጽእ ዘለዎ ህዝቢ ቀልጢፉ መንነቶም ኣለልዩ ክጽንበሮም ከም ዝጽገም፡ እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣካይዳ ድማ ነቶም ገዛእቲ መንግስታት እፎይታ ዝህብ ግጉይ ኣገባብ ብምዃኑን ቀልጢፉ ክእረም ከም ዝግባእን መኺሮም።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮነ፡ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ኣንጸር ዘቤታውያን መለኽቲ ስርዓታት ካብ ዝቃለሱ ዘለው ፖለቲካዊ ውድባት፡ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ዝቃለሱ ዘለው ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ናይ ግድምና ብልጫ ኣለዎም ዝበሉ እቶም ምሁራት፡ ይኹን ግን መብዛሕቲኦም ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ካብ’ቲ ተራ ህዝቢ ዝዛረቦ ዘይፍለ፡ ስርዓት ኢሳያስ ጸላኢ ኩሉ’ዩ፡ ፈታዊ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ህዝቢ’ዩ ፍልልይ የብሉን። ስለዚ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ዝብል ጭርሖ ዓሲልና ምልኪ ንምልጋስ ንቃልስ ብዝብል ጥራሕ ስለዝጉስጉሱ፡ እንታይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ከም ዝኽተሉ ካብ’ቶም ማሕበራዊ ሓይልታት ናብ መን ከም ዝውግኑ ብሩህ ስለ ዘይኮነ፡ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ዕንኪሊል ኣትዮም ንህዝቢ ኣንፈቱ ክጠፍኦ ይገብሩ ኣለው ክብሉ ትዕዝብቶም ገሊጾም።

ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከሰላ ሱዳን ተቐቲሎም

መንግስቲ ሱዳን ካብ ሃገሩ ብመንገዲ ሊቢያን ግብጽን ናብ ምድሪ ኤውሮጳ ንዝፈልሱ ስደተኛታት ንምቁጽጻርን፡ ኣብ ንግዲ ደቂ-ሰባት ዝተዋፈሩ ገበነኛታት ሃዲኑ ኣብ ቀይዲ ንምእታውን ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ብዝገበሮ ስምምዕ መሰረት፡ ኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር ስደተኛታት ብጅሆ ሒዞም ምስ ዝነበሩ ነጋዶ ሰብ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ክልተ ኤርትራውያን ከም ዝተቐትሉ ሓላፊ ፖሊሲ ከሰላ ንዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምጥቃስ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ሱዳን ሓቢሮም።

ብመሰረት’ቲ ኣዛዚ ፖሊስ ዝሃቦ ወግዓዊ ሓበሬታ፡ እቲ ስርሒት ብ11 ጥቕምቲ 2017 ኤል ሳዋቒ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝተፈጸመ፡ በቲ ስርሒት 20 ሰባት ብዘይ ዝኾነ ጸገም ካብ ኢድ እቶም ሸፋቱ ነጻ ከም ዝወጽኡ፡ ሓደ ካብ’ቶም ገበነኛታት ድማ ቆጺሉ ከም ዝተታሕዘን ኣረዲኦም።

ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝዘተየ ዋዕላ ኣብ ብራስለስ ተቓኒዑ

ኣብ ድሕነት ስደተኛታት ዝግደሱ ኤርትራውያን፣ ኣህጉራውያን ማሕበራት፣ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ዝተሳተፍዎ ዓውደ ዘተ ብ19 ን 20 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ብራስለስ ከም ዝተኻየደ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝገጥሞም ዘሎ ብደሆታት፡ ኣብ’ታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ መሰረታዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝምልከት ኣብ ዝቐረበ መጽናዕታዊ ጽሑፋት መሰረት ገይሮም ከም ዝተመያየጡን ተፈሊጡ።

ኣብ’ቲ ኣስታት 100 ዝኾኑ ተሳተፍቲ ከም ዝነበርዎ ዝተገልጸ ዓውደ ዘተ፡ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ወ/ሮ ሺላ ቪ ኪታሩት መጽናዕታዊ ጽሑፍ ካብ ዘቕረቡ ሓንቲ ከም ዝነበረት፡ ኣብ ጸብጻባ ኣብ ኤርትራ ልጓሙ ዝበተኸ መሰረታዊ ጥሕሰት መሰላት ይቕጽል ከም ዘሎ ብመርተዖ ኣደጊፋ ከም ዘቕረበትን ኣብ ንሓርነት ኔት ዝተዘርገሐ ዜናዊ ሓበሬታ ሓቢሩ።

መራሕቲ ኣመሪካ ዝነበሩ ጆርጅ ደብልዩ ቡሽን ባራክ ኣባማን

ፖለቲካ ኣመሪካ ናብ ሕማቕ ኣንፈት የምርሕ ከም ዘሎ ገሊጾም።

ጆርጅ ዳብልዩ ቡሽ፡ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ኣመሪካውያን መንእሰያት ንደሞክራሲ ዘለዎም ደገፍን ተሓላቕነትን ይደክም ኣሎ፡ ኣብ ክንዲ ንሓድነት ንምፍልላይ ዝጉስጉሱ ሓይልታት ይበዝሑ ኣለው፡ ሃገራዊ ስምዒት ብጸቢብ ዓሌታዊ ስምዒት ይሽርሸር ኣሎ፡ ስደትን ስደተኛታትን ንኣመሪካ ዘለዎ ትርጉም ግቡእ ተረደኦ የለን ክብሉ ኣብ ፖለቲካ ሃገሮም ዝሓደሮም ስኽፍታ ከም ዝገለጹ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ጸብጺቡ።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ብወገኖም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቅልጽምካ ምርኣይ፣ ኣብ መንጎ ሰባት ጽልኢ ንምንጋስ ዝግበር ጎስጓሳት ብምንቃፍ፡ ኣመሪካውያን ነዚ ከምዚ ዝበለ ከፋፋሊ ፖለቲካዊ ርእይቶ ክኹንንዎ፡ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ዓሌታዊ ፍልልያት ዳግም ቦታ ክረክብ ዕድል ከምዘየለ፡ ፖለቲካዊ ምፍልላይን ፍርሕን ከምዘይቅበሉ ንዓለም ንጹር መልእኽቲ ከሕልፉ ከም ዝጸውዑ ገሊጹ።

መንግስቲ ዚምባብዌ ሰብ ዝሓንቁ ክኢላታት ንምቑጻር ወግዓዊ ምልክታ ኣውጺኡ።

መንግስቲ ዚምባብዌ ከቢድ ከበን ፈጺሞም ንዝበሎም ሰባት ብማዕነቕቲ ከም ዝቐትል፡ ስለዚ ከኣ፡ ኣብ ምሕናቕ ንሞት ዝተፈርዱ እሱራት ዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ንምቁጻር ወግዓዊ ምልክታ ከም ዘውጸአን 50 ሰባት ድማ ክውዳደሩ ከም ዝተመዝገቡን ንጋዜጣ ደይሊ ኒውስ ብምጥቃስ ረዲዮ ኤረና ብ19 ጥቕምቲ 2017 ጸብጺባ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደን ሙጋበ ኣብ ዝገበሮ ናይ ካቢነ ሚኒስትራት ምትዕርራይ ካብ ዝልጣኑ ዝወረደ ሚኒተር ፍትሒ እታ ሃገር ዝነበረ ኤመርሶን ምናንጋዋ ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ብሰንጠቕ ይቃወሞ ከም ዝነበረ ዝገለጸት ኤረና፡ ብኣንጻሩ ጸሓፊት ሚኒስትሪ ፍትሒ ዝኾነት ቨርጂንያ ማብሃዝያ፡ ድሮ ንሞት ዝተፈርዱ 92 ሰባት ከም ዘለው፡ ብሰንኪ ስእነት ናይ ማሕነቕቲ ክኢላታት እቲ ፍርዲ ግብራዊ ከምዘይኮነ ምግላጻን ሓቢራ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 23-10-2017

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox