^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 92 guests and no members online

መንግስቲ ህግደፍን ካልኦት ንዕኡ ዝመስሉን፡ ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓያል ታህዲድን ዘለፋን ከም ዘካየዱ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩ።

 

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ልኡኻት ህግደፍን ካልኦት ክልተ መንግስታትን ኣብ ልዕሊ’ቲ 47 ኣባላት ሓቒፉ ዝዋሳእ ዘሎ ትካል፡ ዘቆናጽብ ዝህድድ ንጥፈታት ክግበሩ ከም ምርግጋጹ፡ ብ21 ሕዳር 2017 “ መጥቃዕትን ምፍርራሕን ኣብ ልዕሊ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ መድረኽ ናይ’ቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ተሳቲፉ ዝነበረ ልኡኽ ህግደፍ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ንፍልይቲ ልእኽቲ ናይ’ቲ ውድብ ብቐጥታ ከም ዝጸረፋ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ ወ/ሮ ሺላ ብወገና እዚ ከም’ዚ ዓይነት ጸርፍን ታህዲድን ካብ ኣምባሳደራት ህግደፍን ደገፍቶምን ክቐርበለይ መቐጸልታ ደኣምበር ናይ መጀመርያ ኣይኮነን ክትብል ምግላጻን ተፈሊጡ ኣሎ።

 

መንግስቲ ሩዋንዳ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ክቕበል፡

ምስ መንግስቲ እስራኤል ይዘራረብ ኣሎ።

መንግስቲ እስራኤል ንመሰል ስደተኛታት ዝምልከት ኣብ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሩ ዘሎ ዓንቀጽን፡ ምሕጽንታ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ሸለል ብምባል፡ ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ንምብራር ብስውሩን ቅሉዕን ጸቕጢ ክገብር ምጽንሑ፡ ሕጂ ግን ምስ መንግስቲ ሩዋንዳ ተሰማሚዑ 10 ሽሕ ስደተኛታት ክሰጉግ ኣብ መወዳእታ በጺሑ ከም ዘሎ ማዕከናት ዜና ይጽብጽባ ኣለዋ።

መንግስቲ ናታንያሁ ስለምንታይ ከም’ዚ ዝበለ ዘይቅቡል ተግባራት ይፍጽም ኣሎ፡ መንግስቲ ሩዋንዳኸ እንታይ ንምርካብ ስደተኛታት ብዘይድሌቶም ይቕበል ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑና ኣሎ ዝበሉ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉ ወገናት፡ ብመሰረት ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝእዝዞ፡ ስደተኛ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰሉ ኣኽቢርካ ትቕበሎ ደኣምበር፡ ብዘይድሌት ናይ’ቶም ስደተኛታት፡ ብዘይ ኣፍሊጦ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ መንጎ ክልተ መንግስታት ዝግበር ግሉጽነት ዘይብሉ ስምምዕ፡ ነቲ ኣብ ሲናን ሊብያን ዝፍጸም ዘሎ መሰረታዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝመሳሰል’ዩ ክብሉ ትዕዝብቶም ምግላጾም ምንጭታትና ሓቢሮም።

መንግስቲ እስራኤል ነቶም ስደተኛታት ነመንግስቲ ሩዋንዳ ብሕሳብ ንሓደ ሰብ 5 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ከፊሉ ከባርሮም መደብ ሒዙ ይነጥፍ ከም ዘሎ’ዩ ዝሕበር።

 

ማእከላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ (ህወሓት) ህልዊ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጸገሙ ንምፍታሕ ዝጀመሮ ዕጹው ኣኼባ ይቕጽል ኣሎ።

 

ማእከላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ጉዕዞ 15 ዓመት ከመይ ኔርና? እንታይ ኣዐዊትና? እንታይ’ከ ይተርፈና? ብምንታይ ምኽንያት፡ ካበየናይ ኣረኣእያ ይብገስ? ነቲ ጉድለት’ከ መን ይሕተተሉ ዓሚቕን ግሉጽን ገምጋማት የካይድ ከም ዘሎ፡ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ ኣለው።

ኣስታት ወርሒ ገይሩ ገና ድማ ይቕጽል ኣሎ ዝተባህለ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ እንኮላይ ነቶም ብመደብ ምትኽኻእ ካብ’ቲ ውድብ ዝወጽኡ ነበራት ኣባላት ሓዊሱ ይካየድ ከም ዘሎ፡ ኣብ ብዙሕ መዳይ ናብ ካልእ ከየሳበብና ናይ ባዕልና ዝተፈላለየ ዝመንቀሊኡን መግለጺኡን ሕመቓት ጸኒሑና’ዩ። ንህዝቢ ብግቡእ ክንመርሖ ኣይበቓዕናን። ሕድሪ ስውኣትና ካብ ቃል ዝሓለፈ ብተግባር ኣየኽበርናን ዝብሉን ካልኦት ብገምጋም ዝተበጽሑ ምዃኖም፡ ከም ውጽኢት ናይ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ዕጹው ርሱን ዘተ ንፕረዚደንት ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ኣባይ ወልዱን በየነ መኩሩን ካብ ፈጻሚት ወሪዶም ማእከላይ ኮሚቴ ኮይኖም ክሰርሑ፡ ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ድማ ካብ መሪሕነት ወሪዳ ክትጸንሕ ከምኡ’ውን ክልተ ኣስማቶም ዘይተገልጸ ኣባላት ኣመራርሓ ክእገዱ ከም ዝወሰነሎምን ቴሌቭዥን ኢትዮጵያን ኣብ ናይ 27 ሕዳር 2017 ምሸት ዜና ፈነወኣ ሓቢራ።

 

ኣብ ሲናይ ግብጺ ብኣሽበርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 305 ሰባት ከም ዝሞቱ ልዕሊ 100 ድማ ብከቢድን ፈኪስን ቆሲሎም ሕክምናዊ ረዲአት ይግበረሎም ከም ዘሎን ካብ’ታ ሃገር ዝወጽኡ ዘለው ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሕጋዊ መንግስቲ መሓመድ ሙርሲ ብዝተዋደደ ዓመጻዊ ስጉምቲ ካብ ዝእለ ንነጀው ሃገረ ግብጺ ጸጸኒሑ ብዝገሃድ መጥቃዕቲ ሰላማ ተዘሪጉ ህይወት ንጹሃት ሰባት ንከንቱ ይቕዘፍ ምህላው፡ ከም መቐጸልታ ናይ’ዚ ብፍላይ ድማ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ክፍጸም ዝጸንሐ ፋሽሽታዊ ተግባር፡ ብ24 ሕዳር 2017 ኣብ ሲናይ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ዘስካሕክሕ ጨፍጫፍ ተፈጺሙ 305 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ፡ ልዕሊ 100 ድማ ከም ዝቖሰሉን መራኸቢ ብዙሓን ይገልጹ።

እቲ ጃምላዊ ህልቂት ምስተፈጸመ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ ንላዕለዎት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ከም ዝጸወዐ፡ መን ፈጻሚ ዛጊት’ኳ እንተዘይተነጸረ ፈጻሚ መን ምዃኑ ብጥርጥራ በጺሕዎ ከም ዘሎ፡ ኣብ ዝኣተወ ኣትዩ ሕነ ናይ’ዞም ግዳያት ክፈዲ ድልዊ ምህላውን ምግላጹን ዝጠቐሱ መራኸቢ ብዙሓን ህዝቢ ግብጺ ብስግኣት ተዋሒጡ ምህላው ወሲኾም ኣረዲኦም።

 

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 29-11-2017

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox