^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 49 guests and no members online

ኣብ ኣስመራ ሃገራዊ ቅዋምን ሃገራዊ ባይቶን ኣብ ዘይብሉ ዕውት ኣኼባ ዞባዊ ባይቶ ተኻይዱ ተባሂሉ።

ኣብ ደሞክራስያውያን ሃገራት ኣብ ኩሉ ደረጃታት ዝጣየሱ ወይ ዝምስረቱ ህዝባዊ ባይቶታት ሃገራዊ ቅዋም መሰረት ዝገበሩን ንፖሊሲታትን ኣዋጃትን ሕጋዊ ሃገራዊ ባይቶ ተኸቲሎም ዝኸዱ ከም ዝኾኑን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ’ዛ ብዘይንቡር ፖለቲካዊ ምሕደራ መጻወቲ ሓደ ሰብ ኮይና ትሕመስ ዘላ ሃገረ ኤርትራ ግን፡ ኣብዘይህላወ እዞም ዝተጠቕሱ ክልተ ወሰንቲ ባእታታት፡ ዕውት ዞባዊ ኣኼባ ተቓኒዑ ዝብል ዘደንጹ ሓበሬታ ተቓሊሑ።

ነገርቲ መርድእን ወደስቲ ሓለፍትን ዝኾና ብህግደፍ ዝዝወራት መራኸቢ ብዙሓን ብ29 ታሕሳስ 2017 ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ኣብ ዘቃለሓኦ ዜና፡ ናይ’ቲ ዞባ ማእከል ኢሉ ዝጽወዖ ከባቢ፡ ዝኾነ ሕጋውን ፖለቲካውን ህይወት ዘይብሎም ክንሶም፡ ዞባዊ ባይቶ ተኣኪቦም፡ ኣብ ጸገማት ህዝብን ፍታሑን ተመያየጦም ውሳኔታት ኣመሓላሊፎም ዝብል ዜና ዝሰምዑ ወገናት፡ ተገሪሞም ተኣከቡ ተባሂሎም ተገዲዶም ዝተኣከቡ ሰባት ህዝቢ ኣይውክሉን፡ ጸገም ህዝቢ ድማ ኣይፈትሑን ክብሉ ገሊጾም።

ካብ ኩሉ ዝገርም ግን ይብሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ እዞም ኣብ ዘህላወ ሃገራዊ ቅዋምን ሃገራዊ ባይቶን ተኣኪቦም ውሳኔታት ድማ ኣሕሊፎም ዝበሃሉ ዘለው እኩባት ሰባት፡ ከመይ ገይርና? ንመን ወኪልና? እንታይ መሳርሒ ኣለና? ዝብል ናይ ተቓውሞ ድምጺ ከየስምዑ፡ ከም እንስሳ ተኾብኲቦም ኣብ ኣደራሽ ኣትዮም ቀጣቕዑ ምርኣዩ ኢሎም።

 

ብኲናት ሕድሕድ ትሕመስ ኣብ ዘላ ሃገረ የመን ዝርከቡ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ዘድሕን ሓገዝ ይሓቱ ኣለው።

ኣስታት ንከባቢ 20 ዓመት ኣብ ሰንዓ ርእሰ ከተማ ሃገረ የመን ዝቕመጡ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን በቲ ኣብ’ታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ናይ ደገ ኢድ ምትእትታው ዘለዎ ኣንፈቱ ዘይፍለጥ ኣብ ራሲ ኲናት፡ ኣመቶም ዝግበር ወገን ስኢኖም ናብ ካልእ ዞባታት እታ ሃገር ከም ዝተፈናቐሉ፡ ይኹን ግን ብህይወት ንምንባር ዘድሊዮም ማሕበራዊ ቀረባት ብምስኣን ንከቢድ ሓደጋ ተቓሊዖም ሓገዝ ይሓቱ ከም ዘለው ተገሊጹ።

ኣብ የመን ሓደሽቲ ስደተኛታት ምምዝጋብ ካብ ዘቋርጽ ክልተ ዓመት ከም ዝገበረ፡ ስለዚ እቶም ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዓመታት ናብ’ታ ሃገር ዝኣተው ስደተኛታት ብውሕዱ መንነቶም ዝገልጽ ወረቐት ስለዘይብሎም ዝኾነ ሰብ ከም ዝጻወተሎም፡ እቶም ወረቐት ዘለዎም ነባራት’ውን ብሰንኪ’ቲ ቅልውላው ከሐድሱ ከምዘይኽእሉ፡ ገሊኦም ብጅሆ ተታሒዞም ካብ ስድራኦም ገንዘብ ከምጽኡ ከም ዝእዘዙ፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ውትህድርና ክኣትው ድፍኢት ከም ዝግበረሎም፡ ካብ’ታ ሃገር ናብ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራውያን ዝተላእከ ደብዳቤ ኣረጋጊጹ።

እዚ ምስ አካፍል

ኣብ ሆላንድ ዝነበሩ ኤርትራውያን ክዛናግዕሉ ኣብ ዝተኻረይዎ ኣደራሽ ተባኢሶም።

ዓመታዊ ናይ ፈረንጂ ልደት ወይ በዓል ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ተኣኻኺቦም ዝዛናግዑ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብመስተ ተደፋፊኦም ብዝፈጠርዎ ምስሕሓብ ናብ ኣካላዊ ጎንጺ ማዕቢሉ፡ ወናኒ ሆቴል ናይ ፖሊስ ሓገዝ ክሓትት ከም ዝተገደደ፡ ፖሊስ ብዝተፈላለየ ሜላታት ካብ’ቲ ሆቴል ክወጽኡ ከም ዝገበርዎም ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብምጥቃስ ረድዮ ኤረና ብ29 ታሕሳስ 2017 ጸብጺባ።

ብዝሒ ናይ’ቶም ኣብ ለይታዊ ትልሂት ዝነበሩ ኤርትራውያን 350 ከም ዝበጽሕ፡ ብብዝሒ መስተ ዝተጎሃሃረ ካብ ምባል ወጻኢ፡ ዛጊት መንቀሊ ናይ’ቲ ባእሲ ብጭቡጥ ከምዘይተፈልጠ፡ ክሳብ ጠራሙስን ኮራሱን ዳርባ ዝነበሮ ብምዃኑ ብዙሓት ካብ’ቶም ኤርትራውያንን ሰራሕተኛታት ናይ’ቲ ሆቴልን ተጎዲኦም ናብ ሕክምና ከም ዝተወስዱ፡ ነቲ ጉዳይ ኣበገስቲ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ኤርትራውያን ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎምን ኣፍሊጣ።

ብካልእ ዜና መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ኣብ ወሽጢ 90 መዓልታት ካብ ሃገሩ ከውጽኦም ምድላዋት የገብር ምህላው፡ ኣብ’ዚ ዝተባህለ ግዜ ንዘይወጽኡ ከኣ ኣብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ክኣትው ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ቤኒያሚን ናታንያሁ ትእዛዝ ከምዝተዋህበን ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከም ዝጸብጸባ ሬድዮ ኤረና ወሲኻ ሓቢራ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 01-01-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox