^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 41 guests and no members online

ብዞባን ዓለምን ደረጃ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝረአ ዘሎ ምፍኽኻር፡

ንፍትሓዊ ቃልሲ ናይ ህዝብታት ይጎድእ ኣሎ ክብል ፈጻሚ ኣካል ደግሓኤ ገሊጹ።

ካብ 30 ታሕሳስ 2017 ክሳብ 2 ጥሪ 2018 ኣብ ዝነበረ መዓልታት ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ዘሰላሰለ ፈጻሚ ኣካል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ብደረጃ ዞባ ኮነ ብደረጃ ዓለም ላዕለዋይ ኢድ ዝሓዙ ሃገራት ኣብ ዝገብርዎ ዘለው ውድድር፡ ኣብ’ዚ ከባቢ ንዝካየድ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ናይ ህዝብታት ይጎድእ ምህላው ከም ዝተገንዘብ ኣብ ዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ፈጻሚ ኣካል ደግሓኤ፡ ናይ’ቲ ብደረጃ ዞባውን ዓለማውን ሓይልታት ዝካየድ ዘሎ ምንሕናሕ ኣብነት ኣብ ሶርያን የመንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብኡ ዝሳተፉ ዘለው ሓይልታት፡ ብዞባ ደረጃ ፈጢረሞ ዘለው ቅልውላው፡ ኣብ ህዝብታት እተን ሃገራት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ምንባብ ኣገዳሲ’ዩ ክብል ኣስሚርሉ።

ከም ትካል መጥፍኢ ሓዊ ኣብ ዘዝተኣጉደ ኲናት እናተረኽበ ብዋጋ ህይወት ህዝብታት ኤርትራን ልኡላዊ መሬት ኤርትራን ጉጅላዊ ረብሓኡ ከረጋግጽ ጠብሎቕሎቕ ክብል ዝጸንሐን ዘሎን ህግደፍ፡ ብሕጅን መጻእን ንህዝብታት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ፍጹም ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ምዃኑ ከም ዝተገንዘበ ኣብ’ቲ ብ2 ጥሪ 2018 ዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ኣብሪሁ።

ብሓይሊ ጀራዲኖም ዝተሓድጉ ዜጋታት፡ ተመሊሶም ብስማዊ ክፍሊት

ኣብ’ቲ ዝተመንዘዐ ዋንነቶም ክሰርሑ ይግደዱ ኣለው።

ኣብ ከባቢ’ቲ ጉጅለ ህግደፍ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ ዝጀሃረሉ ዓዲ ሃሎ፡ ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም ዝተፈላለዩ ኣሕምልቲ ብምፍራይ ህይወቶም ክመርሑ ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ኣብ ትሕቲ ዋንነቶም ዝነበረ ጀራዲን ተሓዲጎም ብሓደ ሽሕ ናቕፋ ወርሓዊ ክፍሊት ኣብ’ቲ ጀራዲን ክሰርሑ ይግደዱ ኣለው።

ኣብ ከባቢ ዓዲ ሃሎ ሸውዓተ ዓድታት ከምዘለዋ፡ ነበርቲ ናይ’ተን ዓድታት ድማ፡ ከክንዲ ዝዓቕሞም ኣብ’ቲ ጀራዲን ኣፍርዮም ናብራኦም ክመርሑ ምጽናሖም፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ግን መሬት ናይ መንግስቲ’ዩ ብዝብል ምኽንያት ትሕጃኦም ዝነበረ ጀራዲን ከም ዝተመዝዑ፡ ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ክቃወሙ ከም ዝፈተኑ፡ ከም’ቲ ልሙድ ድማ ብወተሃደራት ኣፍኩም ሓዙ ዝብል ታህዲድ ተገይርሎም ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ ረድዮ ኤረና ብ4 ጥሪ 2018 ኣቃሊሓ።

ብካልእ ዜና፡ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ካብ ዘለው መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት፡ በስገዳድ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት ሩዋንዳን ኡጋንዳን ክጥርዞም’ዩ ተባሂሉ ንዝናፈስ ዘሎ ወረ መሰረት ብምግባር፡ ሚኒስተር ድኤታ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኡጋንዳ፡ ሄንሪ ኦርየም ኦኬሎ ምስ ማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ በቲ ዝበሃል ዘሎ ጉዳይ ብምግራም ኣሉታ ከም ዝሃበሉ ሬድዮ ኤረና ወሲኻ ሓቢራ።

ዝምድና መንግስቲ ሱዳንን ህግደፍን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተበላሸወ ይኸይድ ከም ዘሎ፡

ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ዶባት ዘይርጉእ ኩነታት ይምዕብል ምህላውን ምንጭታት ይሕብሩ።

ከካብ ውሽጣዊ ሽግራቶም ተበጊሶም ከከም ኩነታቱ ዝረስንን ዝዝሕልን ዘይመትከላዊ ዝድምና ፈጢሮም ክኸዱ ዝጸንሑ፡ ህግደፍን መንግስቲ ሱዳንን፡ ብቐንዱ ጉጅለ ህግደፍ ብዘርእዮ ዘሎ ገልበጥበጥ ተበላሽዩ ሓደገኛ ኣንፈት ይሕዝ ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብ ሱዳን ሓቢሮም።

ኣብ መንጎ ግብጽን ሱዳንን ነዊሕ ግዜ ዘቑጸረ ሓላይብ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ከም ዘሎ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ድማ ብምኽንያት ዲጋ ኣባይ ከምዘይተቓደዋ፡ ግብጺ ምስ ንግስነት ስዑዲያ ብምዃን ኣብ ማያት ግዛኣት ሱዳን ናይ ዋንነት ምልክት ከም ዝገበረት፤ ብተወሳኺ መንግስቲ ግብጺ ኣብ’ቲ ምስ ሱዳን ዘዳውብ መሬት ኤርትራ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ንጥፈታት የካይድ ከም ዘሎ፡ መንግስቲ ሱዳን ካብ’ዚ ስግኣታት’ዚ ዝተበገሰ ከም ዝኾነ ዝግመት ኣብ’ቲ ከባቢ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣውጺኡ ምህላውን ዝገለጹ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ዝምድና ህግደፍን መንግስቲ ሱዳንን ተራ ሓላፊ መንገዲ ብዝርደኦ ሓርፊፉ ኣሎ ክብሉ ኣረዲኦም።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 08-01-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox