^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 72 guests and no members online

መንግስቲ ሱዳን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ዝተረኽበ ሸቐጣት ብወግዒ ክህግር ጀሚሩ።

መንግስቲ ሱዳን ጥቡቕ ምቁጽጻር ክገብረሉ ዘይጸንሐ ብመሓውር ህግደፍ ካብ ሃገሩ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ሸቐጣት ብወግዒ ክህግሮ ከም ዝጀመረ፡ እዚ ግብራዊ ስጉምቲ ድሕሪ ምዕጻው ዶብ ብምዃኑ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ኣዝዩ ዘቐንዙ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጽፍዒት’ዩ ይብሉ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ኣብ ዝሰደድዎ ሓበሬታ።

መራሒ ህግደፍ ኣብ’ቲ ብ14 ጥሪ 2018 ዝገበሮ ጭኑቕ ቃለ-መጠይቕ ምስ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ሓርፋፍ ዝምድና ከምዘየለ ኣምሲሉ ብምቕራብ፡ ገለ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ሱዳን ዘለው ጉጅለታት ንረብሓኦም ክብሉ ዝፈጥርዎ ዘለው’ዩ ብምባል’ኳ እንተገለጾ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ግን፡ ሓደ መንግስቲ ከም መንግስቲ ኣብ እዋን ምብልሻው ዝምድና ክወስዶ ዘለዎ’ዩ ዝወሰድ ዘሎ ኢሎም።

ተወሳኺ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ስሩዕ ስራዊት ናብ’ቲ ቦታ ተጸጊዑ፡ ዝተፈላለየ ሃለኽቲ ኣቑሑት ጽዒነን ደው ኢለን ፍታሕ ክጽበያ ዝጸዓና ሎሪታት ንድሕሪት ተመሊሰን ከራግፋን ክህገራን ምግባር ናይ ዝተበትከ ዝምድና ምልክት ደኣምበር ናይ ጉጅለታት ምትዕንቕፋ ኣይኮነን። ቀጥታውን ቅሉዕን መንግስታዊ ስጉምቲ’ዩ ክብሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንዝሃብዎ ሓበሬታ ምርኩስ ጌሮም ብ18 ጥሪ 2018 ኣፍሊጦም።

ብካልእ ዜና መንግስቲ ሱዳን ብ14 ን 15 ጥሪ 2018 ካብ 70 ክሳብ 90 ዝኾና ዝተፈላለየ ኣጽዋር ዝጸዓና ወተሃደራዊ መካይን ናብ’ቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ከምዘንቀሳቐሰ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ሃገረይ ምስ ኣሕዋት ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ኲናት ናይ ምእታው መደብ የብላን ክብል ገሊጹ።

መንግስቲ ግብጺ ብመጋበርያነት ንኤርትራዊ ጉጅለ ህግደፍ ተጠቒሙ፡ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ይገብር ኣሎ፡ ንተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ይምህር የዕጥቕን የሰልጥንን ኣሎ ተባሂሉ ብሰፊሑ ኣብ ዝግለጸሉን፡ መንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘራኽቦ ዶብ ዓጽዩ፡ ስሩዕ ሰራዊ ኣብ ዶባት ኣሰሊፍሉ ኣብ ዘሎ እዋን ብ15 ጥሪ 2018 ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ሃገሩ ቀሪቡ፡ ነቲ ዝውረ ኣሉታ ከም ዝሃበሉ ኣልጀዚራ ሓቢራ።

ኣል ሲሲ ኣብ መግለጺኡ ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጥራሕ ዘይኮነ ምስ ዝኾነት ሃገር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ከምዘይትኣቱ ገሊጹ።

እንተኾነ ግን፡ ዋላ’ኳ ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ኣይእመነሉን ንዂናት ድልዊ ኣይኮንኩን ዝብል መልሲ ይሃበሉ ‘ምበር፡ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ይንቀሳቐሱ ከም ዘለው’ዮም ምንጭታትና ዘረጋግጹ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ንጽዩፍ መደረ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣመልኪቱ ዝተሰመዖ ቅሬታ ገሊጹ

ርእሰ ሓያል ሃገር ኣሜርካ ካብ ትምረሓሉ ፖሊሲታት ወጻኢ ይኸይድ ኣሎ ተባሂሉ ዝሕመ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ኢሜግሬሽን ኣብ ዝተረኽብሉ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ስለምንታይ ኢና ካብ’ዛ ረሳሕ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ሀይቲን ኤልሳልቫዶርን ዝመጽኡና ድኻታትን ረሰሓትን ስደተኛታት ንቕበል፡ ኣውጽኦም ካብ ኖርወይ ዝመጽኡ ስደተኛታት ንቀበል ክብል ንዘመሓላለፎ ሕሱር መልእኽቲ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ዝበሎ ብምኹናን ብወግዒ ይቕረታ ክሓተሉ ከም ዘለዎ ኣብ ኣሜሪካ ብዝርከብ ወኪሉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ዝኸዶ ንክብሪ ሃገሩ ዘዋርድ፡ ንካልኦት ድማ ዘናሹን ዝህድድን ቃላት ካብ ምድርባይ ድሕር ዘይብል፡ መራሒ ዘመሓላለፎ ውዱቕ ሓሳብ ብሕብረት ኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ክልቲኡ ዓበይቲ ሰልፍታት ኣሜሪካ፣ ሓያሎ ውሩያት ማዕከናት ዜና ዓለም ብቐጥታ ዓሌታዊ፡ ክብሪ ሰብ ዘይብሉ ዝብል ነቔፍታ ይቐርበሉ ኣሎ። ጆን ፍለይ ዝተባህለ ኣብ ፓናማ ዝነበረ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ድማ ንከም’ዚ ዝበለ ፕረሲደንት ከገልግል ፍቓደኛ ኣይኮንኩን ብምባል ቀጥታ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡19-01-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox