^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 35 guests and no members online

ኣብ ከተማ ካለ ፈረንሳ ኤርትራውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን ተባኢሶም ኣርባዕተ ሰባት ብከቢድ ተጎዲኦም።

መበገሲ ምኽንያት ብልክዕ ዘይተፈልጠ ኣብ መንጎ ኣብ ወደባዊት ከተማ ካለ ፈረሳይ ተዓቚቦም ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ኣፍጋኒስታንን ብዝተፈጥረ ባእሲ ኣርባዕተ ብከቢድ ዝተሃስዩ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከም ዝቖሰሉ ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ብ 2 ለካቲት 2018 ኣብ ዘቃልሓቶ ዜና ኣፍሊጣ።

እቲ ግጭት ብዕለት 1 ለካቲት 2018 ከም ዘጋጠመ፡ ኣባትር፡ ጠራሙስን ካልእ በላሕቲ ነገራት ከም ዝተጠቕሙ፡ መን ዝተኮሶ ዘይተፈልጠ ብጥይት ዝተሃረሙ ከም ዘለውዎም፡ ፖሊስ ፈረንሳ ኣብ መንጎ ኣትዩ ነቲ ሓደገኛ መልክዕ ሒዙ ዝነበረ ግጭት ደው ከም ዘበሎ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ዠራርድ ኮሎምብ ብኣካል ኣብ’ቲ ቦታ ከይዱ ከም ዝተዓዘቦን ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘራኽቦ ዶብ ድሕሪ ምዕጻው፡ ኣብ ኤርትራ ሕጽረትን ክብርን ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ተገሊጹ

ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ካብ ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ህዝቢ ዓለታዊ ዝጥቀመሎም ሃለኽቲ ነገራት ብወሳኒ መልክዑ ካብ ሱዳን’ዩ ክኣቱ ጸኒሑ፡ ሃላሊ ጉጅለ ህግደፍ መጋበያ መንግስቲ ግብጺ ብምዃን ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ዝተፈላለየ ሽርሕታት ከካይድ ምስ ጀመረ ግን፡ መንግስቲ ሱዳን ልኡላውነቱ ንምኽባር ደረጃ ብደረጃ ዝተፈላለዩ ስጉሚታት ክወስድ ተገዲዱ።

ካብ ኩሉ ዝተረረን ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ስንብራት ዝፈጠረን ስጉምቱ ከኣ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2018 ምስ ኤርትራ ኣብ ዘራኽቦ ቦታት ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኣዋፊሩ፡ ደቡ ብወግዒ ዓጽዩ፡ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ኣብ መንገዲ ዝነበረ ዝተፈላለየ ሸቐጣት ምህጋሩ’ዩ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ  ብሕጽረትን ክብርን ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቁ ከም ዝርከብ ሓቢሮም።

ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ሱዳን ሕጋዊ ጉልባብ ዘለዎን ዘይብሉን ዝተፈላለየ ንግዳዊ ሽቐጣት ብምእታው፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን መኽሰብ ክረክብ ምጽናሑ፡ ሕጂ ግን እዚ ኩሉ ምስተዓጽወን ዝምድና ግብጽን ሱዳንን ድማ ዘይከምቲ ንሱ ዝሓሰቦ እናለዘበ ምምጻኡን ኣብ ከቢድ መዋጥር ኣትይሉ ዘሎ ወቕቲ’ዩ ክብሉ ኣረዲኦም።

ግዱሳት እስራኤላውያን መንግስቶም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ንዝገብሮ ጸቕቲ ተቓውሞኦም ይቅጽሉ ኣለው።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ትሑት ደረጃ ዘለዎ ስራሓት ተዋፊሮም ብረሃጾምን ንዝነበሩ፡ ኣስታት 40 ሽሕ ከም ዝኾኑ ዝግመቱ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ብሓይሊ ንምብራር ንዝሓዞ መደብ በብውዳቤታቶም ወይ ማሕበሮም ኣብ ጎኒ’ቶም ስደተኛታት ብምዃን ብወግዒ ተቓውመኦም ይቕጽሉ ኣለው።

ሃገረ ስራኤል ብስደት ዝተመስረተት፡ ፈራሚት ናይ’ቲ ንመሰል ስደተኛታት ዝምልከት ኣድማሳዊ ቻርተርን ክንሳ፡ ኣብ ሃገሮም ብሰላም ምንባር ስኢኖም ህይወቶም ከዕቅቡ ናብ ሃገራ ንዝተኣው ግዳያ ፖለቲካ ዝኾኑ መሳኪን ዝበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብወግዓውን ዘይወግዓውን ብምብራርን ማእሰርቲ ንትፍጽሞ ዘላ በደል እስራኤላውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል፣ ጠበቓታት፣ ትካላት መራኸቢ ብዙሓን፣ ኣብ ረርቲ ነፈርቲ ተቓውሞኦም ከስምዑ ካብ ዝጸንሑ ወገናት ክኾኑ እንከለው፡ ሕጂ ድማ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሓካይም ነቲ ናይ ምብራር መደብ ዝቃውም ደብዳቤ ናብ መንግስቶም ከም ዘቕረቡ ይግለጽ ኣሎ።

እቶም ዝቃወሙ ዘለው ሓካይም፡ ንሚኒስትሪ ጥዕና ብምውካል ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ወይ ኤሜግሬሽን ንዝነጥፍ ዘሎ ዶክተር ካብ ሞያዊ ስነ ምግባር ወጻኢ ስደተኛታት ካብ’ታ ሃገር ንምብራር ካብ ዝዋስኡ ዘለው ሓደ ብምዃኑ ኣይውክለናን ክሳብ ምባል ከም ዝበጽሑ፡ ሃገሮም መሰል ስደተኛታት ከተኽብር፡ ናይ ዕቑባ ሕቶኦም ክትሰምዕን ጸዊዖም ኣለው።  ምንጪ፡ መርበብ ኣሰና።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 05-02-2018

     

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox