^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 80 guests and no members online

ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ጥሜት፡ ናህሪ ዕዳጋን ሕጽረት ገንዘብን ተወሲኽዎ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ከም ዝርከብ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።

ህዝብታት ኤርትራ ካብ ካልእ ግዝያት ብዝኸፍአ፡ ብዛዕባ ሽግሮም ኣመት ዝገብር ኣካል ኣብ ዘይብሉ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ተነጺሎም ብሓያል ጥሜት ይግረፉ ከም ዘለው፡ ጉጅለ ህግደፍ ድማ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ጥሜት ኣብ እዝኒ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ከይበጽሕ ንምሕባኡ፡ ብጸጥታ ብምቁጽጻር፡ ብምፍርራሕን መብጸዓ ብምእታውን ዝከኣሎ ኩሉ ይገብር ምህላዎን እሙናት ምንጭታትና ገሊጾም።

እቲ ጥሜት ሃገር ከደን’ዩ። ኣብ ገጠራት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ ‘ውን ኣብ ከቢድ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላው’ዩ ዝርከብ ዝበሉ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ኣብ ርእስ’ቲ ደርቅን ስእነት ስራሕን ዝመንቀሊኡ ሃገራዊ ጸገም፡ ሰባት ከክንዲ ዝዓቕሞም ገንዘቦም ከይንቀሳቕሱ ብምኽልካሎምን፡ መንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘራኽቦ ዶብ ምዕጻው ዝተፈጥረ ናህሪ ሸቐጣትን ተደማሚሩ ህዝቢ ብተደራረብቲ ጸገማት ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ወዲቑ ከም ዝርከብ ኣረዲኦም።

ገለ ጥሪት ዘለዋኦም ሓረስቶት ጥሪቶም ብዝሓሰረ ዋጋ ክሸጥወን ይግደዱ ከም ዘለው፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ጣዕሚ ዘለዎ ህይወት ዝነብሩ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብናይ ግበታ ሰንሰለት ዝተኣሳሰሩ፡ ሰበ ስልጣን ህግደፍ፡ ቀረባ ስድራ ቤቶም፡ መጋበርያታቶምን ናብኦም ቅርበት ዘለዎም ውሱናት ነጋዶን ከም ዝኾኑ፡ ኣብ ወጻኢ ብዘለው ስድራ ቤቶም ዝሕገዙ ወገናት’ውን ካብ’ቲ ኣብዘሓ ሓፋሽ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም ዝርከቡ፡ ይኹን ግን ገንዘብ ከመይ ረኺብክሞ፡ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ቤተሰብኩም ኣባል ህግደፍ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ምክትታልን ጸቕጥን ስለ ዝግበረሎም፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ስግኣት ከም ዝነበሩን ሓቢሮም።

 

ካብ ቁሸት ባድመ፡ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ቅሉዕ ጥሕሰት ሕጊ ከም ዝዓቢ ተገሊጹ።

ዶብ ጉልባብ ጌርካ ኣብ መንጎ ኣሓዋት ህዝብታት ኤርትራ ኢትዮጵያን ዝተወለዐ ኣብራሲ ኲናት፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብመንገዲ ገለ ምእዙዛት ስማውያን ጀነራላት ኣቢሉ ኮነ ኢሉ ከም ዝወለዖ፡ ኣብ 2001 ከካብ ዝነበርዎ ተኣርዮም ዝተዳጎኑ፡ ብደረጃ ግንባር ኮነ መንግስቲ ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ዝነበሩ ላዕለዎት መራሕቲ ብወግዒ ዝኣመንሉ፡ ብፍቓድ ናይ ክልቲኣቶም ወገናት ዝተጣየሰ ኮሚሽን ካሕሳ ብጭቡጥ መርተዖ ኣደጊፉ ህግደፍ ጀማርን ወራርን ምዃኑ ኣረጋጊጽዎ ዝሓደረን ክንሱ፡ እዚ ጉጅለ ኣብ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ መሰረታዊ ጥሕሰት ሕጊ ከየሰከፎ፡ ሕጊ ይከበር ማለቱ ከም ዘገረሞም፡ ንስለ ድሕነት ስድራ ቤቶም ኣስማቶም ክግለጽ ዘይደለዩ ኤርትራውያን ካብ ሱዳን ሓቢሮም።

ንሳቶም ጉዳይ ዶብ በቲ ዝጀመሮ መስርሕ ሕግን ዝተዋህበ ፍርድን ኣብ ግብሪ ተተርጒሙ ክፍታሕ ኣለዎ፡ ይኹን ግን፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ህዝቢ ዓፊኑ ብዘይ ሕግን ሕጋዊ ተሓታትነትን ከም ቃሕታኡ እናመሓደር፡ ንግኡዝ መሬት ቅድሚ ክብሪ ሰብ ሰሪዑ፡ ንጹህ ብዱል ክመስል ኣብ ኤርትራ ጥሕሰት ሕጊ ተፈጺሙ ኣሎ፡ ሕጊ ይከበር ኢሉ ከእዊ ምስማዕ ስጊንጢርነቱ ዘነጽር’ዩ። ምኽንያቱ ካብ ቁሸት ባድመ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝዓብን ዝቕድምን፡ ባዕሉ ኮነ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝፍጽሞ ዘሎ ቅሉዕ ገበናዊ ተግባራት ተኣሪሙ እንተዝሓትት መምሓረሉ ክብሉ ገሊጾም።

 

መራሒ እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ፡ ኣብ ከመይነት ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት

ምስ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ዝገበሮ ስምምዕ ጠሊሙ።

ድሕሪ ናይ ብዙሓት ኣወንታዊ ምሕጽንታን ጸቕጥን፡ ምስ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዘራሪቡ፡ ካብ’ቶም ልዕሊ 36 ሽሕ ዝኾኑ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ከም ዝኾኑን ዝተነግረሎም ኣብ ሃገሩ ዝነብሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ነቶም 16 ሽሕ ኣስማተን ናብ ዘይተገልጸ ሃገራት ምዕራብ ከሰጋገሮም፡ እቶም ዝተረፉ ከኣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ረኺቦም ኣብ እስራኤል ክነብሩ ዝገበሮ ስምምዕ ሳልስቲ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ከም ዘፍረሶ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ኣፍሊጡ።

ናታንያሁ ብ2 ሚያዝያ 2018 ቀትሪ ተሰማሚዑ፡ ኣብ’ቲ ዕለት ናይ ምሸት ስለ ዘፍረሶ፡ ተስፋኦም ናብ ጓሂ ዝተቐየረ ስደተኛታትን ግዱሳት ዜጋታት እስራኤልን፡ ናታንያሁ ቃሉ ከሐድስ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ በ4 ሚያዝያ 2018 ከም ዘካየዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብካልእ ምስ ስደትን ስደተኛታትን ዝተኣሳሰረ ዜና፡ ስዊዘርላንድ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ዘቕርብዎ ሕቶ ፖለቲካዊ ዕቑባ ተቐባልነት ዘይረኸቡ ኣስታት 3200 ኤርትራውያን ተዋሂብዎም ዝነበረ ግዝያዊ ፍቓድ ብምስራዝ፡ ናብ ኤርትራ ክባርሩ ኣብ ውሳነ በጺሑ ምጽራያቱ የጻፍፍ ምህላውን SRF ዝተባህለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ብ4 ሚያዝያ 2018 ንዘመሓላለፎ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ረድዮ ኤረና ብ6 ሚያዝያ 2018 ኣቃሊሓ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 09-04-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox