^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 53 guests and no members online

ነጻነት መራኸቢ ብዙሓን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ከም ዘሎ ተገሊጹ፡

ነጻነት መራኸቢ ብዙሓን ሓደ ኣካል ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ምዃኑ፡ ይኹን ግን፡ ኣብ ዓለምና ብሓፈሻ፡ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ ሓደገኛ እናኾነን እናደኻመን ይመጽእ ምህላው፡ ብ3 ግንቦት 2018 ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለ፡ መዓልቲ ነጻ መራኸቢ ብዙሓን ከም ዝተገልጸ ምንጭታት ሓቢሮም። 

መንግስቲ ህግደፍ ብዘርእዮ ዘሎ ዓይኒ መርፍኡ ዝጠፍኦ ዓፈና፡ ኤርትራ ካብ ዓለም ድሕሪ’ታ ብዝኸፍአ ጥሕሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልን ምግዳብ ነጻነት መራኸቢ ብዙሓንን እትውቀስ ሃገረ ሰሜን ኮርያ ከም እተሰርዐት፡

እቲ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ 180 ሃገራት ከም ዝተኻየደ፡ ኤርትራ ድማ ኣብ መበል 179 ከም ዘቐመጣ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተባህሉ ኣሁጉራዊ ጽልዋ ዘለዎም ትካላት ከም ዝሓበሩን ተፈሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ኤሚግረሽን ሽወደን ንኤርትራውያን ግዝያዊ ፓስፖርት ክህብ ምዃኑ ምሕባሩ ተፈሊጡ።

 ቤት ጽሕፈት ኤሚግረሽን ሽወደን ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ምስ ስድራ ቤቶም ክራኸቡ ዘኽእሎም ናይ ምንቅስቓስ ዕድላት ንምሃብ፡ ካብን ናብን ዝንቀሳቐስሉ ግዝያዊ ፓስፖርት ክህብ ዘኽእሎ ውሳነ ብ25 ሚያዝያ 2018 ከም ዘመሓላለፈ፡ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ30 ሚያዝያ 2018 ገሊጹ።

እዚ ከም’ዚ ዝበለ ግዝያዊ ፓስፖርት፡ ብወግዒ ናይ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎም ግን ከኣ ፓስፖርትን ንዘይብሎም ወጻእተኛታት ዝወሃብ ፍሉይ ኣገባብ ምዃኑ፡ መንነቶም ብዝተፈላለየ ምርመራ ዝተረጋገጹ ኤርትራውያን ናብ ሽወደን ናይ ምእታው ዕድል ተራሕይሎም ከም ዘሎን ወሲኹ ሓቢሩ ኣሎ።

ቤትጽሕፈትኤሚግረሽንሽወደንቅድምክብልናብሃገሩንዝኣተውኤርትራውያንስድራቤትኩምከተምጽኡእንተደኣኮይንኩም፡ካብኤምባሲናይኤርትራመረጋገጺኣምጽኡዝብል፡ምስኣብኤርትራ ዘሎሓቂታትዘይቃዶሕቶብምቕራብሽግርክፈጥርምጽንሑ፡ነዚብሓላፍነትጠሚቱቤትፍርዲጉዳያትኤሚግረሽንብዝሃቦውሳነመሰረትግንግዝያዊፍታሕተገይሩምህላውንቤትጽሕፈትዜናሰልፊደሞክራሲህዝቢኤርትራኣረጋጊጹ።

ጉጅለ ህግደፍ ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘቕረቦ ጸብጻብ

ግዜኡ ዝሓለፎን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን’ዩ ተባሂሉ።

መንግስቲ ህግደፍ፡ እታ ሃገር ዳግም ኣባል ቻርተር ኣፍሪቃ 1999 ካብ እትኸውን ክሳብ ሕጂ ብናቱ ምርጫን ውሳነን ንኣስታት 17 ዓመታት ርሒቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘቕረቦ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ፡ ብብዙሓት ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግዜኡ ዝሓለፎን ሓቅነት ዘይብሉ ዝብል መልሲ ይወሃቦ ከም ዘሎ ረድዮ ኤረና ጸብጺባ።

እቶም ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣተሓሓዛ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን መሊሱ እናኸፍአ ይኽየድ ከም ዘሎ፡ ካብ ሞት ከምልጡ ዝስደዱ ዘለው ኤርትራውያን ከምኡ’ውን ብዘይ ዝኾነ መስርሕ ሕጊ ዝእሰሩን ንዓመታት ደሃዮም ዘጥፍኡን ዜጋታት እታ ሃገር ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ዘይገልጽን ዘይውክልን ክብሉ ይቃወምዎ ኣለው።

ኣብቲ ንመበል 62 ግዜ ኣብ ሞሪታንያ ዝተኻየደ ዋዕላ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ሓልዮት ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተባህለ ማሕበር ብወገኑ፣ እዚ ጸብጻብ ድሕሪ 17 ዓመታት ምቕራቡ ንገዛእ ርእሱ ሕቶ ዘልዕል’ዩ ከም ዝበለን ረድዮ ኤረና ገሊጻ።

ብካልእ ዜና፡ መንግስቲ ሱዳን ኣብ የመን ዘሎ ሰራዊቱ ብዝቕልጠፈ ከውጸኦ፡ ወከልቲ ዝተፈላለየ ውድባት ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ከም ዝሓተቱ እታ ረድዮ ወሲኻ ሓቢራ።

ኣብ ሊብያ ብፈጣሪ ራዕዲ 12 ሰባት ሞይቶም።Share on WhatsApp

ኣብ ሊብያ ከተማ ትሪፖሊ ብ2 ግንቦት 2018 ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ምርጫ’ታ ሃገር፡ ብኣድራጋ ተዂስን ነብሰ ቅትለትን ብዝተፈጸመ ዝተዋደደ መጥቓዕቲ 12 ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ሰበ ስልጣን ሊብያ ምርግጋጾም፡ ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ ድማ ናይ’ቲ ፍጻሜ ሓላፍነት ከም ዝወሰደን ካብ’ታ ሃገር ዝተቓለሐ ዜና ኣረጋጊጹ።

ሃገረ ሊብያ መንግስቲ መሓመድ ቓዛፊ ብጉልባብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብውዲትን ቀጥታዊ ወተሃደራዊ መጥቃዕትን ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ 2011 ካብ ዝፈረሰሉ ግዜ፡ እታ ሃገር ኣብ ሓውሲ መንግስቲ ኣልቦ ወዲቓ፡ ብዝተፈላለዩ ንገዛእ ርእሶም ከም መንግስቲ ዝፈልጡ ጉጅለታት ተመቓቒላ፡ ዕለታዊ ህይወት ደቂ-ሰብ ዝቕዘፈላ ኮይና ምህላዋ ዝፍለጥ’ዩ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ካባና ገንዘባዊ ደገፍ ዝረኽቡ መንግስታት፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ብድምጺ ክድግፉና ግዴታ ኣለዎም እንተዘይኮነ ግን… ክብል ዘውጸኦ መግለጺ ግሉጽ ተቓውሞ ገጢምዎ።

ሃገሩ ክታማ ካብ ዘንበረትሉን ክትሰርሓሉ ካብ ዝጸንሐትን ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ስምምዓት ብምውጻእ፡ ኣሜሪካ ትቕደም ብዝብል ቴማ ተመሪሑ ንበይኑ ዝጎዓዝ ዘሎ ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ሃገርና ብገንዘብ ትድግፈን ሃገራት፡ ድምጺ ኣብ ዘድልዮ ኣህጉራዊ መድረኻት ንዓና ክድግፋ ግዴታ ኣለወን ኣይፋል እንተኢለን ግን ሓገዝና ደው ከነብል ኢና ክብል ንዝሃቦ ዘይለባም መግለጺ፡ መንግስታት ደቡብ ኣፍሪቃን ዙምባብዌን ብወግዕን ብሰንጠቕን ተቓዊመሞ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝገበር ዝምድና ኣብ ክልተኣዊ ረብሓን ምክብባርን ተመርኲሱ ደኣምበር ብግቦ ኣይሰርሕ ብዝብል ክቃወሞ እንከሎ፡ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዙምባብዌ ብወገኑ፡ ናይ ኣግራሞትን ላግጽን ሰሓቕ ኣቐዲሙ፡ ንሕና ብትካቦ ገንዘብ ዘይኮነ ብመትከል ኢና እንምራሕ ክብል መሊስሉ።

ሃገራት ደቡባዊ ክፍሊ ኣፍሪቃ ዝኾና ደቡብ ኣፍሪቃን ዙምባብዌን ኣብ ሰላማዊ ምስግጋር ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብነት ዝኸውን ተግባር ከም ዝፈጸማ፡ ሕጂ ድማ ነቲ ሓንሳብ ንህዝብታት ኣፍሪቃ ብሕብሪ ቆርበቶምን ድኽነቶም ዘቆናጽብ፡ ካልእ ግዜ ከኣ ገንዘብ ክንህበኩም ዝበልናኩም ፈጽሙ ዝብል ብዕሉግ ፖለቲካዊ መግለጺ መንግስቲ ኣሜሪካ ብወግዒ ተመጣጣኒ መልሲ ምሃቦም፡ ንህዝብታት ኣፍሪቃ ሓበን፡ ፖለቲካዊ ወሻሽም ኣብ ምቅይያር ንዝመስዮ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍን መሰልቱን ከኣ ጽፍዒት’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 04-05-2018

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox