^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 207 guests and no members online

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ28 ጥሪ 2018 ስሩዕ ኣኼባ ከም ዘካየደ ኣፍሊጡ

ኣቦ-መንበር እቲ ሰልፊ ብ/መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ፡ ኣብ ሃገርናን ዞባናን ዝረአ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታትን ከመይነት ኣገጣጥማኡን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ከም ዝሃበ፡ ድሕሪ መብርሂ ብ/መንግስተኣብ ናይ ትሸዓተ ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጸብጻብ ስራሕ ቀሪቡ ከምዝተዘተየሉ፡ ቤት ጽሕፈት ዜና እቲ ሰልፊ ብ29 ጥሪ 2018 ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ፡ ንምሕዳስ ሰልፊ ኣመልኪቱ ድሕሪ ምምይያጥ ናይ ኣተገባብራ ጉዳያት መሰረት ብምግባር ኣገደስቲ ውሳነታት ከም ዘመሓላለፈ፡ ከምኡ’ውን ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሰልፊ ንዝቐረበሉ ንምምሕዳራዊ ጉዳያት ዝምልከት ተመያይጡ ንከመይነት ኣወጋግናኡ ዝምልከት ውሳነ ከም ዝሃበን ኣረዲኡ።

 

መሬት ከም ናይ ውድብ ኣባልነት ካርድ ምጥቃም፡ ኣብ መንጎ ነበርቲ ከቢድ መዘዝ ከምዘኸትል ስዒቡ ተገሊጹ።

 

መሬት ምስ ህይወትን ቀጻልነትን ወዲ-ሰብን ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎ፡ ናይ ዜጋታት ሓባራዊ ሃብቲ ክንሱ፡ ጉጅለ ህግደፍ ከም ናይ ውድባዊ መለለዪ ኣባልነት ካርድ ንዝበዝሑ ኣግሊሉ፡ ንውሑዳት ይዕድሎ ከም ዘሎ እዚ ኣብ ቀጻሊ ኣብ’ቲ ብሓባር ዝነብር ህዝቢ ዘስዕቦ መዘዝ ከቢድ ምዃኑን ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ከም’ቲ ኣብ ካልእ ኣብ ጋላ ነፍሒ ብምርድዳእ እቶም ነበርቲ ዓዲ ዘይኮነ፡ ብቀጥታዊ ትእዛዝ ካድራ ህግደፍ “ግቡኦም ንዘማልኡ ሰብ መሰል” ብዝብል ንልዕሊ 500 ዝኾኑ ፍሉያት ናብ ህግደፍ ቅርበት ዘለዎም ሰባት መሬት ጤሳ ከም ዝተዓደለ፡ እዚ ኣገባብ’ዚ ኣብ ነበርቲ ዓዲ ንሕናኸ ኣበይ ክነብር? ደቅና ኣበይ ክዓብዩ? ካብ ናይ ሞት ፍርዲ ዘይንእስ ዓመጽ’ዩ ዝብል መሪር ቁጠዐ ፈጢሩ ከም ዘሎ፡ መጻኢ ሓደጋኡ ኣብ ህዝቢ ኣሰካፊ ምዃኑን ገሊጾም።

 

መንግስቲ ሩዋንዳ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንምቕባል ምስ እስራኤል ዝገበርክዎ ወግዓዊ ስምምዕ የለን ምባሉ፡ ኣብ ኤርትራውያን ግዝያዊ ኣፎይታ ፈጢሩ ምህላው ተሓቢሩ።

ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ናብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ክትባረሩ ኢኹም እንተዘይኮነ ድማ ክትእሰሩ ኢኹም ዝብል ሐበሬታ ካብ ዝተቓልሓሉ ግዜ ጀሚሮም ኣብ ከቢድ ጭንቀት’ዮም ዝነብሩ ዘለው።

ካብ ዘለዎም ስግኣት ተበገሶም ድማ፡ ሰብኣዊ ሓላፍነት ንዝጎደሎ ውሳኔ መንግስቲ ቤኒያሚን ናታንያሁ ብምቅዋም፡ ምስ ግዱሳት እስራኤላውያን ኮይኖም ብ22 ጥሪ 2018 ኣብ ቴል ኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሩዋንዳ ንሕና ባሮት ኣይኮናን ኣይንሽየጥን ዝብል ጭርሖ ሒዞም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ድሕሪ’ዚ መንግስቲ ሩዋንዳ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኡ ኣቢሉ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ብምስጢር ናይ ዝኾነት ሃገር ስደተኛ ክንቅበል ኣይተሰማማዕናን ዝብል መግለጺ ሂቡ። ቀጺሉ ፕረሲደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ ምስ ናታንያሁ ተራኺቦም ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ዝተዘራረብሉ፡ ሩዋንዳ ካብ እስራኤል ዝምለሱ ስደተኛታት ክትቅበል እንተደኣ ኮይና፡ ንስደተኛታት ዝምልከት ኣድማሳዊ ቻርተር ብዝፈቕዶን ብወግዕን ‘ምበር ብስውሩ ኣይትቕበልን ምባሉ፡ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ከፊላዊ ኣፎይታ ፈጢሩ ከም ዘሎ ምንጭታትና ይሕብሩ።

 

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣድሒኑ።

ብሓሙሽተ ዘይተኣማምና ጃላቡ ተሳፊሮም ካብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ናብ ምድሪ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝተበገሱ፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻነት፣ ነብሰ ጾራት፣ ሕሙማት ዝርከብዎም ኣስታት 800 ዝኾኑ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብ27 ጥሪ 2018 ንስክላ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከም ዘድሓነ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓይሊ ባሕሪ ቁጽሪ ናይ’ቶም ስደተኛታት ክብገሱ እንከለው ክንደይ ነይሩ ጭቡጥ ሓበሬታ ከምዘይረኸበ፡ እንተኾነ ኣብ መንጎ እቶም ብህይወት ዝደሓኑ ናይ ክልተ ሰብ ሬሳ ከም ዝረኸበ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ኣዝዮም ዝተሃስዩ ንህጹጽ ሕክምናዊ ክንክን ብሄሊኮፕተር ናብ ሆስፒታል ከም ዝወሰደ ምግላጹን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 31-01-2018

ህግደፍ ዙረት ባጤራ ናቕፋ ብምቁጽጻሩ ንህዝቢ ጎዲኡ ‘ምበር ፍታሕ ከምዘይምጸአ ተፈሊጡ።

ሃገር ብበይናዊ ድሌትን ውሳነን ዝመርሕ ዘሎ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ክብሪ ሃገራዊ ባጤራ ናቕፋ ንምሕላው ናይ ወጻኢ ሸርፊ

Read more: መራሒ ህግደፍ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ...

መንግስቲ ሱዳን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ዝተረኽበ ሸቐጣት ብወግዒ ክህግር ጀሚሩ።

መንግስቲ ሱዳን ጥቡቕ ምቁጽጻር ክገብረሉ ዘይጸንሐ ብመሓውር ህግደፍ ካብ ሃገሩ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ሸቐጣት ብወግዒ ክህግሮ ከም ዝጀመረ፡ እዚ ግብራዊ ስጉምቲ ድሕሪ

Read more: መንግስቲ ሱዳን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ...

መንግስቲ ሱዳን መንግስታት ኤርትራን ግብጽን ብሓባር  ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ሃገረይ ጸጥታዊ ሽግር ይፈጥሩ ኣለው ክብል ወቒሱ።

ጸጥታዊ ኩነታት ንኤርትራን ሱዳንን ዘራኽብ ዶባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተበላሸወ መጺኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብትእዛዝ

Read more: ውሽጣዊ ጉዳይ ቤተ-ክርስትያን...

መንግስቲ ሱዳን፡ ህግደፍ ብዝተፈላለየ ጉልባብ ኣብ ስለያዊ ስራሓት ኣዋፊርዎም ዘሎ ሰባት ይሃድን ከም ዘሎ ተገሊጹ።

ህግደፍ ልክዕ ከም ግዝኣቱ ናይ ጸጥታን ዘይሕጋዊ ንግድን መሓዋራቱ ዘርጊሑ፡ ብቁጠባ ክምዝምዛ፡ ብጸጥታ ኣብ ልዕሊ

Read more: ማእከላይ መደበር ናይ’ቲ ኣብ መሬት...

ብዞባን ዓለምን ደረጃ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝረአ ዘሎ ምፍኽኻር፡

ንፍትሓዊ ቃልሲ ናይ ህዝብታት ይጎድእ ኣሎ ክብል ፈጻሚ ኣካል ደግሓኤ ገሊጹ።

ካብ 30 ታሕሳስ 2017 ክሳብ 2 ጥሪ 2018 ኣብ ዝነበረ መዓልታት ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ዘሰላሰለ ፈጻሚ ኣካል

Read more: ብዞባን ዓለምን ደረጃ ኣብ መንጎ...

ፖሊስ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ን95 ኤርትራውያን ካብ ነጋዶ ሰብ ነጻ ኣውጺኦም።

ፖሊስ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ነዊሕ ግዜ፣ ጻዕርን ወጻኢታትን ዝሓተተ ኣንጻር ነጋዶ ሰብ ከካይድዎ ኣብ ዝጸንሑ ተፍትሽ፡ ብጅሆ

Read more: መንግስቲ ሱዳን ክሊ ማያዊ ግዝኣተይ...

ኣብ ኣስመራ ሃገራዊ ቅዋምን ሃገራዊ ባይቶን ኣብ ዘይብሉ ዕውት ኣኼባ ዞባዊ ባይቶ ተኻይዱ ተባሂሉ።

ኣብ ደሞክራስያውያን ሃገራት ኣብ ኩሉ ደረጃታት ዝጣየሱ ወይ ዝምስረቱ ህዝባዊ ባይቶታት ሃገራዊ ቅዋም መሰረት ዝገበሩን ንፖሊሲታትን ኣዋጃትን ሕጋዊ ሃገራዊ ባይቶ ተኸቲሎም ዝኸዱ

Read more: ብኲናት ሕድሕድ ትሕመስ ኣብ ዘላ...

ኣደ መንበር ህግደፋዊት ሃማደኤ ዝተመጠወላ ስልጣን ንምዕቃብ ኣብ ባይታ ካብ ዘሎ ሓቂ ወጻኢ ሓሶት ትዘርእ ከም ዘላ ተገሊጹ

 

ተኽኣ ተ/ሚካኤል ዝተባህለት ኣደ-መንበር ስማዊት ህግደፋዊት ማሕበር ሃማደኤ፡ ብስም ደቂ-ኣንስትዮ ብተዘዋዋሪ ካብ ኢሳያስ ንመጋበርያነት ንዝተዋህባ ስልጣን ንምዕቃብን፡ ተፈታውነት ንምርካብን ነተን በቲ ስርዓት ድከተን ዝበልዓ ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ፡

Read more: ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዝተወሰኑ...

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox