^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 79 guests and no members online

ብሞት ብጻይ ዑቕባይ፡ ኣብ ስድራ ቤቱን ናይ ቀረባ ብጾቱን ዝፈትዎም ኣዕሩኽቱን ወረዱ ዘሎ መሪር ሓዘን፡ ምሉእ ብምሉእ ተኻፈልቲ ምዃንና እናገለጽና፡ ንመላእ ስድራቤትን ኣዕሩኽትን ናይ ቀረባ ብጾቱን ድማ ጽንዓት ክገብሩ ነተባብዕ።

 

2015 01 01ዕቑባይናይ ሓዘን ተኻፈልቲ ጥራሕ ዘይኰንናስ ብጻይ ዑቕባይ ብፖለቲካዊ መልክዕ መን ምንባሩን ኣብ ቃልሲ ህዝብና ድማ እንታይ ዝበለ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ ንተዓዘብቲ ክንሕብር‘ውን ሓላፍለትና እዩ። ሰብ ኣብ‘ዛ ዓለምና ንዝተወሰነ ዕለት ከም ዝነበር ፍሉጥ እኳ እንተዀነ፡ ሓደ መዓልቲ መወትቲ ምዃንና ብመብዛሕትና ይርሳዕ‘ሞ፡ እታ ዕለት ኣብ ዝኣኸለትሉ ክንጉሂ ባህርያዊ ነገር ኰይኑ ንረኽቦ። ካብ‘ዚ ዝተላዕለ ከኣ መቓልሕን መሳርሕታን፡ ብሕልፈት ብጻይ ዑቕባይ ዓሚቝ ሓዘን“ዩ ተሰሚዑና።

ብጻይና ሓሙስ ባሕቲ ጥሪ 2015 ብዝወረዶ ሕማም ካብ‘ዛ ዓለም ንዅላህና ብሰላም ተፈልዩና፡ ኣብ ርእሲኡ ዝነበረናን ዘሎናን ልዑል ኽብረት ንምምስካርን ንምፍናውን ከምኡ‘ውን ንቤተ ሰቡን ንቀረባ ብጾቱን ድማ ጽንዓት ክገብሩ ንምትብባዕን ብዕለት 5 ጥሪ 2015 ወከልትናን ኣገደስቲ መራሕትናን ኣብ ቀብሪ ስነ ስርዓቱ ተረኺቦም ነበሩ።

ካብ ዝሰማዕናዮ ምስክርነት ብጻይ ኢዮብ ከኣ „ዑቕባይ ብዕለት 22 ጥቕምቲ 1946 ካብ ኣደኡ ወይዘሮ ኣብርሀትን ኣቦኡ ኣቶ ገብረማርያምን ኣብ ከተማ ኣስመራ ተወልደ። ዕድሜኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ ኣብ ናይ መባእታ ትምህርቱ ክሳዕ ሻምናይ ክፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኮምቦኒ (ኮምቦኒ ኮለጅ) ተማህረን ድሕሪኡ ክሳዕ ዓስራይ ክፍሊ ኣብ ኮምቦልቻ ከም ዝቐጸለን፡ ጸኒሑ ኣብ ፖሊተክኒክ ኢንስቲትዩት ናይ ባህርዳር ትምህርቱ ኪቅጽል ከም ዝኸደን ተሓበረ።“

„ብ1971 ኣብ ሃገር ጣልያን ኣብ ፊደንዛ ዝተባህለ ከተማ፡ ንትምህርቲ መጺኡ ምስ ጣልያናዊ ዓርከብኡ፡ ተቐመጠ“። ጸኒሑ‘ውን ብስራሕ ምኽንያት ምቕማጡ ናብ ሚላኖ ቀየረ። ከም ዝዝክሮ „ብጻይ ዑቕባይ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ህርኩትን ናይ ርሑቕ ሃሳብን ነበረ“ ይብል፡ ብምቕጻል እውን „ከም መብዛሕትኡ ናይ‘ቲ ግዜ‘ቲ መንእሰይ፡ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቡን ዝነበሮ ተገዳስነት ልዑል ብምንባሩ ዝኣክል ኣብ ምምስራት ይኹን ምምራሕ ናይ‘ታ ኣብ‘ቲ ግዜ‘ቲ ብኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሃገር ጣልያንን ጸኒሑ ድማ ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ኤውሮጳን (ኤናኤ) ትስመ ዝነበረት ማሕበር ሰራሕተኛታትን ተመሃሮን፡ ዓብይን ዘይከሓድን ተራ ዝተጻወተ ብምዃኑ ካብ ልቢ ዝሕበነሉ ብጻየይ እዩ“ ይብል እዮብ። ኣብ ምምስራት ናይ‘ቲ ሎሚ ኣብ‘ዛ ቀረባ እዋን፡ ናይ ዝኽሪ በዓል ብምድላው፡ ብዙሓት ብዘይወዓልዎን ዘይገበርዎን፡ ዝዀርዕሉን ዝሕበንሉን ዝነበሩ ፈስቲቫ ቦሎኛ‘ውን፡ ምስ ኵላቶም ዘለዉን ዝሓለፉን ብጾቱ ብምትሕብባር፡ እቲ ዓብይ ፕሮጀክት‘ቲ ክዉን ንምግባር ኣዝዩ ዝነኣድ እጃም ከም ዘበርከተ እውን እዩ“ እናበለ ብጻይ እዮብ ገሊጹ።

ብጻይ ዑቕባይ፡ ኣባል ናይ‘ቲ ሽዑ ዝነበረ ኤርትራዊ ውድብ ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ‘ታ ብሮበርቶ ነግሪኒ ክሳዕ ግዜ መስዋእቱ እትምራሕ ዝነበረት ናይ ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ፈደረሽን ኣብ ሃገር ጣልያን እውን ንጡፍ ኣባል ብምዃን ንነዊሕ እዋን ዘይሕለል እጃሙ ዘበርከተ ብጻይ ከም ዝዀነ እውን ዝፍለጥ እዩ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን፡ ብፍላይ ከኣ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኣብ ሃገር ጣልያን፡ በቲ ኣብ‘ቲ እዋን‘ቲ ዝነበረ ደርቢ ቡርጅዋ፡ ዝወርድ ዝነበረ ምዝመዛን ሓሓሊፉውን ጭቆናን እንተዀ ደው ንኽብልን፡ መሰል ሰራሕተኛታት ደቂ ሃገርና ኣብ ዝመሓየሸሉ ደርጃ ንምብጻሕን፡ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ነዊ ዓመታት ቃልሲ እውን፡ ከም ብዙሓት ብጾቱ ግላዊ ዋኒነይ ይኣኽለኒ ከይበለ ግዝይኡ ከይቆጠበ ድኻሙ‘ውን ከይጸብጸበ፡ ግብኡ ዘበርከተ ብጻይ ምዃኑ፡ እንተወሓደ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ፡ ኪምስክረሉ ዝግባእ እዩ። „ከም ፊሎዞፊካዊ ይኹን ኣይዲዮሎጂካዊ ኣተሓሳስባ ግን“ ይብል ናይ ነዊሕ ዓመታት መቓልስቱ ጣልያናዊ ብጻይ ኦዝቫልዶ ፐሸ „ካብ‘ቶም ብዙሓት ዘይዀነስ ካብ‘ቶም ዝተጓነፉኒ ኣዝዮም ውሑዳት ተቓለስቲ ኤርትራውያን ሓደ እዩ ዝነበር“። ብርግጽ ከኣ ከምኡ ከም ዝዀነ መቓልሕ እውን ብግዜኣ እትምስክሮ እዩ።

ታሪኽ ብጻይ ዑቕባይ በዚ ጥራሕ ዝድምደም ኣይኰነን። ነቲ ፍልጠቱ እናዓመቘን እናሰፍሐን ዝኸይድ ዝነበረ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝቕመጥ ኤርትራዊ፡ ብዛዕባ ሃገሩ ኣማዕቢሉዎ ንዝነበረ ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ደምሲሶም፡ ኣብ ትሕቲ ቀጽጽሮም ብምእታው፡ ኣብ ናይ ከበሮን ዳንኬራን ዕንክሊል ንክጸምድዎ፡ ሓንጎል ኤርትራዊ ብ„ኢሎሞ“ ኣናተባህለ ብስዉር ምእንቲ ኪምራሕን፡ ሸፋቱ ኣካየድቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ንሓፋሽ ከም ድላዮም ንምዝዋሩ ንኽጥዕሞምን፡ ንወዮ ሓውሲ ነጻ ዝነበረ ኮቦሮን ዳንኬራን ዘይፈልጥ ማሕበር፡ ኣካል ናይ‘ቲ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ኣመራርሕኦም ዝነበረ ግንባር፡ ቖሪኖምዎ እዮም። ነዚ እከይ ተግባር ንምፍጻም ክህንደዱ ክብ ዝጀመሩሉ እዋን ክሳብ ምዝዛሞም‘ውን፡ ሓደ ካብ‘ቶም ተቢዑ ዝተቓወመን ዝመከተን እዩ። ኣብ‘ቲ ናይ 1975፡ ኣብ ፓላሶ ረ ኤንዞ ዝተበህለ ኣብ ፒያሳ ማጆረ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ቦሎኛ፡ ዝወዓለ ጉባኤ ኤናኤ ከኣ፡ ተቓውሞና ኣስሚዕና ካብ ኣዳራሽ እንክንወጽእ፡ መራሕ እታ ውኪል ጉጅለ ህግሓኤ ዝነበረ ሃይለ መንቆርዮስ „ኣትን ቆልዑ ግደፋ ሕሰባሉ ምስ በለና“ ዑቕባይ ድማ ትቕብል ኣቢሉ „ንስኻትኩም ብዘይካ ምቕታል ካልእ ኣይትኽእሉን፡ ኸምኡውን ሓንቲ ኣይትፈልጡን ኢኻትኩም፡ ክልተ ወርሓት ዝእክል ጥራይ ዕድል ንርከብ‘ምበር ካብኡ ንደሓርስ ኣይትኽእሉናን ኢኻትኩም በሎም“ ይብል ብጻይ እዮብ። ርግጽ ድማ ደድሕሪቶም ብ“መንካዕ“ ዝሰመይዎም ገስገስቲ ተቓወምቶም፡ „ሓርብርኛታት ኤርትራውያን“ ውዕዉዕ ተቓውሞኦም ቀጸሉ።

ኣብ‘ቲ ግዜ‘ቲ እዩ ከኣ „ብዕለት 10.08.1975 እቶም ብመንካዕ ዝሰየምዎ በዓል ሙሴን ዮውሃንስ(ጆን)ን ብጾቶምን ዝተረሸንሉ እዋን ዝነበረ። ታሕሳስ 1976 ከኣ እታ ምስ ህዝባዊ ግንባር ዝፈላለዮም ትንታኔ ዝሓዘት „ኤርትራ፡ስሙር ግንባር ኣንጻር ክልተ ርእሰ ሓያላን ሶቭየትሕብረትን ኣሜሪካን ንሓቀኛ ሃገራዊ ናጽነት“ ብዝብል ዝተሰምየት መጽሓፍ ዘሕተሙ።

እነሆ ድማ ከም‘ታ ሽዐ፡ 35 ዓመታት ይገብር፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ 1975 ዝተመዝነት፡ ኤርትራ ብርእያቶ ዘይትፈልጥ ዲክታቶር ክትጭፍለቕን፡ ህዝብና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናጋደደ ብዝኸይድ ኣደዳ ጭቖናን ግፍዕን ምዝመዛን ህግደፍ ዀይኑ ትርከብ ምህላዉ፡ ብጻይ ዑቕባይን ብጾቱን ጥራሕ ዘይኰኑስ፡ ሎሚ ብዘይካ‘ቶም ረብሓ ዘለዎም ደገፍቲ ህግደፍ፡ ሕልና ዘለዎ ኤትራዊ ሓቅነት ናይ‘ቲ ሚዛን‘ቲ ምስክር ኰይኑ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኰነን።

ብጻይ ዑቕባይ፡ ነታ ካብ ንእስነቱ ዘዕበየቶ ሞራላዊ ኣገባብ ስለ ዝኽተል ዝነበረ፡ ፖለቲካዊ እምነቱ ብዘየገድስ፡ ኤርትራዊ ተጸጊሙ ክርኢ ዘይፈቅድ ምንባሩ፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዝተጓነፍዎ ግለ ሰባት ከም ዝፈልጡ ኣይንርስዕን ኢና። ኣብ‘ቲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ኤርትራውያን ናይ ምንባር ሕቶ፡ እቲ ማእለያ ዘይብሉ ንእሽቱ ጉዳያት ሓዲግካ፡ ሓድሓደ ንምጽብጻብ ንኣ. ናይ ቪያ ደል ኦርሶ፡ ካርሶ ሎዲ . . . . ቃልስታት ናቱ ድሙቕ ኣሰር ከም ዝነበሮ ነረጋግጽ። ብሓፈሻኡ ንደሞክራሲያዊ መሰልን ፍትሕን ኤርትራውያን ኣብ‘ዚ ኣብ ሃገር ጣልያን እውን ተዓጢቑ ይቀለስ ምንባሩ እቶም ብሕይወት ዘለዉ ናይ ነዊሕ እውን መናብርቲ ብጻይና ናይ ሽዑ ሰባትውን ዝዕዘብዎ ምንባሮም ንፈልጥ። ንሱ ዝገብሮ ዝነብረ ኣዝዩ ብዙሕ ኣብ‘ዚ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ጽቡቕን ኣብነታውን ስርሓት ዝሰርሐ ብጻይ ሰላማዊ ዕረፍቲ እናተመነናሉ መልእኽትና ንድምድም።

መቓልሕ

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox