^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 116 guests and no members online

TeweldeGhebreselassieሕቶ፡- ከም’ቲ ዝበልካዮ እዚ ምጥፋእ መርሆ ዝበሃል ንኹሉ ውድባት ብማዕረ ዘይምልከቶ ክኸውን ይኸእል’ዩ። ግን ይብል ህዝቢ ኣብ ባይታ መብዛሕቲኡ ስሩዕ ውድባዊ ህይወት ዘየሕልፍ፡ ጸላኢ ብዝገብሮ ሓንሳብ ዝረስን ጸኒሑ ዝዝሕል ኣካይዳ ኣለዎ፡ መደባቱ ኣይትግብርን ዝኣተዎ ቃል ኣብ ተግባር ኣይፍጽምን ተባሂሉ’ዩ ዝዝረብ።

እዚ ጨሪሱ ሓቅነት የብሉን ናብ ዝብል ዝወስደካ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ግንባራትና ካብ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ጀሚርካ፡ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ቀጺሉ ድማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ በቲ ዝደለ ደረጃ ንቕድሚት ክስጉሙ ኣይተራእዩ። እሞ እዚ ካብ ምጥፋእ መርሆ ወጻኢ እንታይ ፖለቲካዊ መግለጺ ክወሃቦ ይኽእል?

መልሲ፡ ደምበ ተቓውሞ ብጠቕላላ ኣብ ምንታይ’ዩ ተሸጊሩ ዘሎ ዝብል ክምለስ ኣለዎ። ደምበ ተቓውሞ ከም ኣሰራርሓ፡ ብሓደ መርሆ ይኸይድ የለን ንኹሉ ዘሰማምዕ ነጥቢ’ዩ። ደምበ ተቓውሞ ከም ደምበ ተቓውሞ ኣብ’ቲ ዘራኽቦ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ብሓደ መርሆ ከይከይድ ዝገብሮ ዘሎ ምኽንያት ድማ፡ ብውሽጣዊ ግርጭታት ይበላላዕ ስለዘሎ’ዩ። ውሽጣዊ ሽግሩ ዘይፈትሐ ወግሓ-ጸብሓ ሕድሕዱ ዝራጋሕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ንህዝቢ ብቕኑዕ መንገዲ ኣለዓዒሉ ኣብ’ቲ ዝድለ ሸቶ ከብጽሕ ኣይክእልን’ዩ። ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ገጢምዎ ዘሎ ጸገም፡ መንጸብረቕታ ናይ’ቲ ኣብ ውድባት ዘሎ ዘይምስምማዕ’ዩ። እቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ነቲ ውድዕነት ብሓደ ኣንፈት ይደፍኦ የለን። ድሕሪ’ቲ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ኣስመራ ዝተራእየ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ፡ ከምኡ’ውን ብ3 ጥቕምቲ 2013 ኣብ ላፐንዱዛ ዘጋጠመ ጀምላዊ መቕዘፍቲ ናይ ኣማኢት ዜጋታትናን ኣብ ደገ ሓድሽ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት ተፈጢሩ’ዩ። ህዝቢ ነቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜና ናይ’ቲ ስርዓት ዝተገበረ ፈተነ፡ ብቲቪ ኤረ ዝተመሓላለፈ ናይ ለውጢ መቓልሕ፡ ኣብኡ ዝተኸፍለ መስዋእትን ደጊፉ ብሓያል ስምዒት ምልዕዓሉ፡ ንጃምላዊ መቕዘፍቲ ግዳያት ላምፐዱዛን ሓዚኑ፡ ብትዕቢት ዝተባዕጠ ካብ ሰብኣውነት ዝረሓቐ ናይ ኣሽካዕላል መግለጺ ናይ ስርዓት ህግደፍን ተቖጢዑ ተቓውሞኡ ክገልጽ ምብጋሱ ኣወንታዊ’ዩ። እቲ ሓይልታት ነብሱ ወዲቡ ብሓደ ኣንፈት ክኸይድ ስለዘይጸንሐ ግን፡ እቲ ዝተላዕለ ሓድሽ ምንቅስቓሳት፡ ብዝተበታተኸ ኣገባብ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ውህደት ዘይብሉ ብሓደ መርሆ ዘይኸይድ ተቓውሞ ድማ ኣድማዒ ክኸውን ኣይኽእልን።

እቲ ሓድሽ ምስተፈጥረ ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ግጉይ ተመክሮ ክወጽእ ኣለዎ። ንዕኡ ግደግም የብሉን። ምስ’ቲ ቅድሚኡ ዝጸንሐ ሓይልታት ሓቢሩን ተኸባቢሩን ኣንጻር ጸላኢ ብሓብር ዝምክተሎ መርሆ ተኸቲሉ’ዩ ክኸይድ ዝግባእ። ግን ብተግባር ይረአ ከም ዘሎ ካብ’ቲ ዝጸንሐ ጌጋታት ኣወጸን። እቲ ሓድሽ ዝፍጠር ምንቅስቓሳት ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ግጉይ ተመክሮ ስለዘይመሃር፡ ነዊሕ ተጓዒዙ ብተግባር ምስተለሓሐጸ’ዩ ደው ኢሉ ዝርእን ናብ ሓደ ዝመጽእን። ናቱ ውደባ ይፍጠር ጸገም ኣይኮነን። ግን ምስ’ቲ ቅድሚኡ ዝጸንሐ ውድባት ብጎቦ ዓይኒ እንዳተጠማመተ ዘይኮነ ተደጋጊፉ ክሰርሕ ቅሩብ ክኸውን ኣለዎ። ብተግባር ንሪኦ ዘለና ግን፡ እቲ ገለ ብንጽህና ብስምዒት ተደፋፊኡ፡ እቲ ገለ ድማ ኮነ ኢሉ ብዕላማ ኣብ ደንበርበር ይኣቱ። እዚ ብርግጽ ሓጥያት ናይ’ቲ ሓድሽ ምንስቓሳት ኣይኮነን። እቲ ውድባትን ግንባራት ኣቐዲሙ ክፈጥሮ ዝነበሮ ኣንፈት ብዘይምፍጣሩ ስዒቡ ዝመጸ’ዩ። እዚ ጉዳይ ኢደይ ኢድካ ዘድልዮ’ዩ። ናተይ ዓቕምን ኣጽተዋጽኦን እዚኣ’ያ ንስኻ ድማ ክንድ’ቲ ጭቡጥ ዓቕምኻ ዘፍቅደልካ ገለ ኣበርክት ክንብሃሃል ኣይከኣልናን ኣለና። ኣነ ብቑዕ’የ ትብል እንተኾይንካ’ኮ ነቲ ዝደሓረ ዘይበቕዐ ሓውኻ ከተብቀዖ ክትጽዕር’ዩ ዝህልወካ። ኣብ ጉዳይ ሃገር ነንበይንኻ ጎይኻ ትግብሮ ነገር የለን። ስለዚ እቲ መርሆ ምጥፋእ ኢሎም ዝገልጽዎ ጠቕላላ ነቲ ደምበ ተቓውሞ ማለት ዘይኮነስ፡ እቲ ዝተወደበ ሓይልታት ነቲ ሓድሽ ዝፍጠር ምንቅስቃሳት ኣንፈት ከትሕዞ ስለዘይከኣለ ተበታቲኹ ይኸይድ ስለዘሎ ካብኡ ተበጊሶም ዝብልዎ ዘለው ክኸውን ይኽእል። በዚ መንጽር እንተተወሲዱ ሓቅነት ኣለዎ። እቲ ዝገርም ገለ ሰባት ብሓባር ዝቃልስ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን እንዳሃለወ’ዩ እቲ ምርባሕን ምፍልላይን ዝረአ ዘሎ። እዚ ተመክሮ ናይ ሰውራ ኤርትራ’ዩ። ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብዘይ ግዜኡ ክትረክብ ክትብል፡ ናትካ ጉጅለ ክትፈጥር እዚ ዝወለዶ ጸገም’ዩ እቲ ዕንቅፋት ዝኸውን ዘሎ። ካብ’ዚ ከም’ዚ ዓይነት ዓንቃፍ ኣተሓሳስባ ክንወጽእ ኣለና። ክንወጽእ ድማ ነብስ ወከፍና በታ ዘለትና ዓቕሚ ተኸባቢርና ንቕድሚት ክንደፍእ ኣለና። ዘንኩለን ናይ ኣብ ዙርያ ደምበ ተቓውሞ ኮይነን ኣንጻር ምልኪ ዘቃላሓ ዘለዋ መራኸቢታት ንኣብነት ካብ በበይነን ብሓባር እንተዝሰርሓ ዝያዳ መድመዓ። ተወዳደርቲ ምኾና። ጉባኤና’ውን ብዕምቆት ዝረኣዮን ብውሳኔ ደረጃ ዘመሓላለፎን’ዩ።

ሕቶ፡ ክሳብ ሕጂ ብዝተሓተ መሰማምዒ ነጥቢ ካብ ዝተመስረቱ ሰፋሕቲ ግንባራት፡ ኣፍካ መሊእኻ ክትዛረበሉ ዘኽእል ንለውጢ ዝድርኽ ንህዝቢ ዝማረኽ ዕውት መደባት ኣብ ባይታ ኣይተረእየን ዝብል ኣብ ህዝቢ ዝደጋገም መረረታት ኣሎ። ምስ’ዚ መረረ’ዚ ትሰማማዕ ዲኻ መልስኻ እወ እንተኾይኑ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ እንተተብረሃልና?

መልሲ፡- መጀመርያ ንህዝቢ ዝማርኽ ሓያል ዝኾነ ስራሓ ተሰሪሑ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን፡ እዚ ሓቂ’ዩ። ምሕዝነት ምስ ተመስረተ ኩሉ ደላዪ ለውጢ፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ስቪክ ማሕበራትን ካልኦት መሻርኽቲ ወገናትን በብዓቕሙ ኣጽተዋጽኦ ዝገብረሉ፡ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ክረአ ዝጀመረሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኔሩ’ዩ። ግን በቲ ዝጀመሮ ኣይቀጸለን። እቲ ፖለቲካዊ ምትእስሳራት ሰፊሑ’ዩ። ንኣብነት ብመንገዲ ሃገራዊ ዋዕላ ኣቢልካ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስይዊ ለውጢ ክምስረት ተኻኢሉ’ዩ። ኣብ ዓውደ ተግባርን ግን ከም’ቲ ዝበሃል ዘሎ ዘድምዕ ስራሕ ኣይተሰርሐን። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ሕጂ ድማ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ንምቛም ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ኣወንታዊ’ዩ። እዚ ኩሉ ግን ናብ ሓያል ኣድማዒ ወቓዒ ሓይሊ ዝተሰጋገረ ኣይኮነን።

ሕቶ፡ ብፍላይ ካብ 2001 ንነጀው ዝበዝሕ ህዝቢ ከበሃል ዝከኣል ድልውነት ንለውጢ ኣሎ’ዩ። ወድዓዊ ኩነታት በሲሉ’ዩ ካብ ዝበሃል ነዊሕ ግዜ ጌሩ ኣሎ። እዞም ተጠርኒፎም ዝበሃሉ ዘለው ሓይልታት ግን ከም’ቲ ዝተባህለ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሑ ይረኣዩ የለውን። እቲ ጸገም ናብ ህዝቢ ኣይወርድን። ኣብ’ቲ ላዕሊ ዝተፈጥረ ጸገም ናብ ታሕቲ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ክመዝን ዘኽእሎ ርጡብ ዝኾነ መልእኽቲ ኣይመሓላለፈን። ኣብ መሪሕነታዊ ዓንኬላ’ዩ ተሓጺሩ ዝተርፍ። እዚ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ጸገም’ዩ ዝብሉ ወገናት ኣለው። ነዚከ መልስኻ እንታይ’ዩ?

መልሲ፡- ብመሰረቱ እቲ ጸገም ነገራት ኣብ ኣወጋግናኦም ዘሎ ጸገም’ዩ ዝመስለኒ። ገለ ጉዳይ ክፍጠሩ እንከለው ይቃልዑ’ዮም። ገለ ከኣ ነዊሕ ይጸንሕ። ህዝቢ ነቲ ኩነታት ክርኢ ክግምግም እንተኾይኑ ግን ሰፋሕቲ መድረኻት የድልዮ። እዚ ኣብ ፍረ ክበጽሕ ናይ ምጽውዋር ባህሊ ክጉልብት ኣለዎ። ምኽንያቱ ገለ ሰባት ወይ ውድባት ንዕኦም ትምልከት እንተደኣ ኮይና፡ እንታ እዚ ከም’ዚ እንተዝኸውን ወይ ኣብ ከምዚ ጉድለት ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ከተቕርብ እንከለኻ፡ ብዓይኒ ጽልኢ ጌሩ ዝመዝኖ ኣሎ’ዩ። ከም’ቲ ዝተባህለ ኣዐርዩ ምስተቛሰለ’ዩ ዝዝረበሉ። ብኣጋ ኣብ ውሽጥኻ ንምፍታሕ ብርግኣት ብሓላፍነታዊ ዓይኒ ዝኽየደሉ ብዙሕ ኣይኮነን። ኣብ መወዳእታ ድማ ህዝቢ ክፈልጥ ርእይቶ ክህብ መሰል ኣለዎ ኢልካ ብወግዒ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ምውራድ’ውን ጸገም ኣሎ። ነገራት ምስተ ወድኡ ኣብ ክዕረይሉ ዘይክእሉ ብርኪ ምስ በጽሑ በበመንገዱ ይወርድ ስምዒታት ድማ ይሃሲ። ስለዚ ኣብ መንጎ ውድባት ድዩ ግንባራት ኣፈላላያት እንክፍጠሩ እሞ ኣብ ላዕሊ ንምእላይ ኣብ ዘይከኣለሉ፡ ብወግዒ ብእሩም ኣገባብ ናብ ህዝቢ ክወርድ ሕማቕ ኣይኮነን። ግን ኣብ ኣወጋግና ዘሎ ጸገም ዝፈጠሮ ይመሰለኒ።

ሕቶ፡- ካብ ወርሒ ነሓሰ 2013 ጀሚሩ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ንምምስራት ዝተበገሰ ንጥፈታት ኣሎ። እዚ ካብ’ቶም ካልኦት ሰፋሕቲ ግንባራት ብባህርን በሰራርሓን እንታይ ዝፍለ ኣለዎ፡ እቶም ኣብ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝነበሩን ዘለውን መራሕቲ፡ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ዝብል ስም ብምቕያር እንታይ ለውጢ ከምኡ ትጽቢት ይግበር?

መልሲ፡- ምቛም ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ዝተደልየሉ ምኽንያት ካብ’ቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ክንድሕን ዝብል’ዩ እቲ ዕላማ። ኣብ ዝሓለፈ ኣብ እዋን ሃገራዊ ዋዕላ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ካብ ኪዳን ወጻእን ኢልና ዝገጠመ ጸገም ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ። እቲ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ጸጋጠም ጸገማት ናብ ስቪክ ማሕበራት’ውን ልሒሙ ኣሉታዊ ጽልዋታት ፈጢሩ’ዩ ኣብ እዋኑ። ስለዚ መጀመርያ እቶም ፖለቲካዊ ውድባት ውሽጣዊ ጸገማትና ኣመሓዲርና፡ ኣብ’ቲ ሃገራዊ ጉዳይ ብሓደ ክንሓስብ ብሓደ ክንግምግም ብሓደ ኣንፈት ክንመርሖ ዘኽእለና ባይታ ንምፍጣር’ዩ። ካብ’ቲ ዝጸንሐ ግንባራት ዝተፈልየ እንታይ ለውጢ ከምጽእዩ ንዝብል ሕቶ፡ ነቲ ዝተሰማማዕናሉ በሰራርሓ ብሓደ ኣንፈት ክንወስዶ ይሕግዝ’ዩ። ካብ’ቲ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተመክሮታት’ውን ክንወጽእ የኽእለናዩ ዝብል’ዩ እቲ ማእከል። ኣቦ-መንበራት ፖለቲካዊ ሓይልታት ተራኺብና ናይ 6 ወርሒ ገምጋም ኣብ ዝገበርናሉ፡ ናብ ሓያል ወቓዒ ሓይሊ ዘይተሰጋገርናሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፡ ኣበይ’ዩ ጸገምና ርኢና ንምፍትሑ ድማ ጻዕርታት ክንገብር ኣለና ተባሂሉ ዝኸይድ ዘሎ ሓይሊ’ዩ። ንቕድሚት ኣብ ዓውደ ተግባር ከመይ ክሰርሕ’ዩ ክፍተን’ዩ። ናብ ምግባር ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ገጽና ንኸይድ ኣለና። በዚ ሕጂ ዘለናዮ ዘይስጡም ዝተበታተነ ኣተሃላልዋ ክዕወት ኣጸጋሚ’ዩ። ከም ፖለቲካዊ ውድባት፡ ኣብ ውዳቤኡ፣ ቻርተሩ፣ ቅዋሙ፣ ቅርጹ፣ ኣሰራርሕኡ፣ መሪሕነቱ ከመይ ይኹን ዝብል ኣቐዲሙ ሓደ ኣገንዝቦ ክተሓዘሉ ኣለዎ። ኣብ ሰውራ ኤርትራ ሕቶ መሪሕነት ማእከል ናይ ግርጭታት’ዩ። ስለዚ ነዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ኣቐዲሙ ክውገኖ ኣለዎ። እቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተማእኪሉ ዝኸደሉ ኣገንዝቦን ኣሰራርሓን ምስ ፈጠረ፡ ምስ ስቪክ ማሕበራትን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ድማ ኣብ’ቲ ናይ ሓባር ጉዳይ ትዝቲ ትረዳዳእ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ሰፊሕ ግንባር’ዩ። ናይ ሓደ ወገን ኣይኮነን ናይ ኩሉ’ዩ። ተራን ግደን ፖለቲካዊ ሓይልታት እንታይ ይኹን ተራን ግደን ናይ’ቶም ካልኦት መሻርኽቲ ወገናት’ከ ብልክዕ ክቕረጽ ኣለዎ። እዚ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ጸገማት ጽፉፍ ውሁድ ቅድመ ምድላዋት ስለይተገብረሉ’ዩ።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝበሃል ምሉእ ግዜኡ ነቲ ግንባር ዝህብ ክኸውን ኣለዎ። ምሉእ ግዜኦም ዝሰርሑ ኣባላት ፈጻሚት ካብ 8-9 ኣይበዝሑን። እቲ ካልእ ምሉእ ግዜኡ ዝሰርሕ ኣይኮነን። እዚ ክመዓራረ ኣለዎ። ኣብ ካልእ ክፍልታት’ውን ከምኡ። ኣብ’ቲ ዕጡቕ ክፍልታት ብሓደ ናይ ሓባር ስትራተጂን ወተሃደራዊ ኮማንድ እናተመርሐ ዝረባረበሉ ባይታ ክፍጠር ኣለዎ። ብሓጺሩ ናይ ተግባር ስራሕ ክንሰርሕ ኣለና’ዩ እቲ ዕላማ።

ሕቶ፡ ብመርሆ ደረጃ ከም’ቲ ዝበልካዮ ፖለቲካዊ ውድባት ሓደ ዝተወደቡ’ዮም፡ ናትና ዝብልዎ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት’ውን ስለዘለዎም ንሳቶም ክቀራረቡ ዝጽላእ ኣይኮነን ክስረሓሉ’ውን ኣለዎ። ብተግባር ግን እዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ዳርጋ ዓመቱ ጌሩ ኣሎ። ሕጂ ኣብ ከመይ ኣሎ ከም መበገሲ ክኸውን ስለ ዝኽእል ኣብ ውሽጢ’ዚ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ፡ ነዚ ክትገልጾ ዝጸናሕካ ከዐውት ዝኽእል ቅሩቡነት ኣለዎ’ዶ?

መልሲ፡- እቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ካብ’ቲ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተመክሮታት እናተማህረ ዝመጸ’ዩ። ጸገማት የብሉን ማለት ግን ኣይኮነን። ጸገማት ኣለውዎ’ዮም። እቲ ቃልሲ ቃጻሊ’ዩ። ሕጂ ካልኣይ ኣኼብኡ ጌሩ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ፖለቲካዊ ሓይልታት መዚዙ፡ መደብ-ዕዮን ሕገ-ህንጻ ሪኣ ኣላ። ብዝተፈላለየ ውሽጣዊ መንቀሊታት ቅልቅል ውጥን ዝብል ጸገማት ግን ኣሎ’ዩ። ክንድቲ ክኸዶ ዝኽእል ክኸይድ ምድፋእ’ዩ። ድሮ ሕጂ፡ እቲ ሰነዳት ናብ ኣባል ፖለቲካዊ ሓይልታት ወሪዱ ክትዕ ክግበረሉ’ዩ። እዚ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ’ዩ። በቲ ተታሒዙ ዘሎ መደብ መሰረት ተጻፊፉ እንተደኣ ከይዱ ሓጋዚ ተራ ክጻወት’ዩ። ሓያል ጻዕሪ ግን ይሓትት።

ሕቶ፡- ደምበ ደለይቲ ደሞክራስይዊ ለውጢ ብሓሳብ ንጸላኢ ስዒርዎ’ዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ውሽጣዊ ባዕላዊ ጸገማቱ ኣብ ምፍታሕን ምጽራይን ግን ኣይተዓወተን። ብወሳኒ መልክዑ ወድዓዊ ኩነታት በሲሉ ህዝቢ ንለውጢ ድልውነቱ ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ተቓሊሶም ከቃልሱ ኣብ ስልጣን ዝደየቡ መራሕቲ ሎሚ ዝወሰንዎ ከየተግብሩ፡ ብቀምሽ ኣደይ ዓንቂፉኒ ስንኩል ምኽንያትት ነቲ ቃልሲ ኣብ ኮለል የንብርዎ ኣለው ዝብል ዘረባ ይስማዕ’ዩ። እዚ ጸገማት’ዚ ንምፍታሕ እንታይ ክገበር ኣለዎ ኢልካ ትርኢ?

መልሲ፡- ከም’ቲ ዝበልካዮ ባዕላዊ ኩነታት በሲሉ ኣሎ። እንተኾነ ግን ብውሽጣዊ ኩነታቱ ሰጢሙ ኣብ ምኻድ ብዙሕ ይተርፎ። ነዚ ትምክሕትን ጽበትን ድሑር ኣረኣእያታት ዝፈጥሮ’ዩ። ናይ ደሞክራስያዊ ሓድነት ኣገንዝቦታት ኣይጎልበተን ኣሎ። ሓድነትን ደሞክራስን ነጻጺልካ ዝረአ ኣይኮነን። ሓድነት ኣብ ድሕረት ኣይትበቁል ኣብ ደሞክራሲ’ያ ትበቁልን ትፈርን። ግቡኡን መሰልን እንተረኺበ’የ ኣና ብምሉእ ዕግበት ዝሰርሕ። ነዚ ዓንቃፊ ኣረኣእያታት ንምልዋጥ ብቐጻሊ ምቅላስ’ዩ። ኣብ ሕብረ-ተሰብና ዘሎ ኣተሓሳስባ መንጸብረቕታ’ዩ እቲ ኣብ ውድባት ዘሎ። እቲ ተቓላሳይ ተስፋ ክቖርጽ የብሉን። ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ክቕየር ኣለዎ። እዚ ድሑር ኣረኣእያታት ንብሎ ዘለና ኣብ ዝነቕሐ ሕብረ-ተሰብ ቦታ የብሉን። ኣብ ዘይነቕሐ ሓፋሽ’ዩ ዝሕባእ። ስለዚ ፖለቲካዊ ንቕሓት ናይ ሕብረ-ሰብና ንምቕያር ጽዑቕ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ምህብ የድሊ።

ሕቶ፡ ዝኽበርካ ብ/ተወልደ ገ/ስላሴ ጸላኢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ጸረ-ህዝቢ ባህሪኡ ዝዓደሎ፡ ሕድሕዱ እንዳተባለዐ ካብ ህዝቢ ተቐባልነት እንዳሰኣነ፡ ናብ ምሉእ ውድቀት ገጹ የመርሕ ኣሎ፡ ብካልእ ሸነኽ ድማ ኣካል ናይ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኢና ዝብሉ፡ ኣብ ክንዲ ብህዝቦም ብውድባዊ ተመክሮኦም ብዝያዳ ዝገደሱ ወገናት፡ ጠቕሊሉ ከይወድቕ ተጸጊኑ ክቕጽል ዝጽዕሩ ውድባት ኣለው፡ ነዚኦም እንታይ ክትመኽሮም ትኽእል?

መልሲ፡- ስርዓት ህግደፍ ኣብ ክጽገን ዘይኽእለሉ ውድዕነት’ዩ ዘሎ። እቶም ከምኡ ዝብሉ ዘለው ኣካላት ናይ ኣገንዝቦ ምትዕርራይ ክገብሩ ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ ኩነታት ብጽገና ዝፍታሕ ነገር ኣይኮነን። ካብ መሰረታዊ ለውጢ ወጻኢ ዝተወሰኑ ሰባት ካብ ስልጣን ብምውራድ ወይ ቦታ ብምቕያር ነቲ ህዝቢ ዘምጸኣሎ ፍታሕ የለን። ኢሳያስን ገለ ካብ ጀነራላት ብምውራድ እቲ ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን ትካላት ከምዘለዎ ክቕጽል’ሞ ክጥቀመሉ ምድላይ ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ። እቲ ሓፋሽ ሰራዊት ንጹህ’ዩ። እቲ ወሳኒ ናይ ጭቆና ትካላት ብመሰረታዊ ለውጢ ክቕየር እንተዘይክኢሉ ግን “መለሳ ቆሎ ጥጡቖ”’ዩ።

ሕቶ፡ ካብ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ከወጻእና፡ እቲ ጽገና ገለ ርእሰ ሓያላን መንግስታት’ውን ከም ዝደልያኦ ገለ ምልክታት ኣሎ’ዩ። ብመሰረቱ እዚ ተዘሪጉ ዘሎ ፖለቲካ ኤርትራ ብጽገና ህይወት ክዘርእ ይኽእል ድዮ?

መልሲ፡ ጽገና ብውሽጢ ይበገስ ብደገ ይምጻእ ዘምጸኦ ለውጢ የለን። ጽገና ነቲ ሕመረት ወይ ኮር ናይ’ቲ ሽግር ክውግዶ ኣይክእልን። ጽገና ንግዝያዊ ጠቕምታት ናይ’ቶም ተዋሳእቲ ዘገልግል ደኣምበር ቀጻሊ ረብሓ ናይ’ቲ ሓፋሽ ማእከል ዝገበረ ኣይኮነን። መሰረታዊ ረብሓታት ናይ’ቲ ሓፈሽ ዘይገበረ ለውጢ ድማ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ናይ ምብርዓን ዕድል ጥራሕ’ዩ ዘለዎ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተገበረ ፈተነ ቀሊል ኣይነበረን። ክንደይ ዋጋ ተኸፊልዎ ኩሉ ዝተዓዘቦ’ዩ። ብተግባር ናበይ የምርሕ ኣሎ ድማ ዕለታዊ ንከታተሎ ዘለና’ዩ። ካብ’ዚ ትምህርቲ ክውሰድ ዘለዎ ይመስለኒ።

ሕቶ፡ ሰራሕን መራሕን ጉጅለ ህግደፍ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ብባህሪኡ ጽገዕተኛን ዕሱብን ምዃኑ ፍልጥ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገምገም ውድቀት ምስ በጽሐ ኣብ ውሽጡ ዳግመ ውደባ ክገብር፡ ምንዳፍ ቅዋም ክጅምር ምስ ዓለም ድማ ተዓጻጺፉ ክሰርሕ ከምዝኾነ ገለ በጨቕታ የስምዕ ኣሎ። ጽገና ንህግደፍ ደኣምበር ንህዝቢ ከምዘይጠቕም ድማ ርዱእ ነገር’ዩ። ነዚ ዓጺፍካ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ እንታይ ክገበር ኣለዎ ኢልካ ትርኢ?

መልሲ፡- ብመሰረቱ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ደሞክራስያዊ ሃዋህው’ዩ ዝንደፍን ዝጸድቕን። ደሞክራስያዊ ሃዋህው ኣብ ዘይብሉ ደሞክራስያዊ ቅዋም ክቕረጽ ኮነ ክጸድቕ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ቅዋም 1997 እንዳበሉ ክዝረበሉ ዝጸንሐ ደሞክራስያዊ ሃውህው ኣብ ዘይብሉ ሰብ ሸለብ ገለብ እንዳበለ እንከሎ’ዩ ተቐሪጹ። ህዝቢ ገለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ገለ ናይ ሕልና እሱር እንዳሃለወ ቅዋም ኣይንደፍን ኣይጸድቕን። ነቲ ቅዋም ዘይትገብሩ ዝብል ካብ ደገ ዝመጾ ተጽዕኖታት ኣፎም ንምዕባስ ኢሉ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ዝገበሮ’ዩ። ካብ’ዚ ወጻኢ ካልእ ፋይዳ ዘለዎ ኣይኮነን። ብኸምዚ ሰብ ከተልል’ውን ዝከኣል ኣይመስለንን።

ሕቶ፡- ሕራይ ብ/ተወልደ ገ/ስላሴ ዘየልዓልናዮ ገለ ክትብሎ ትደሊ ሓሳባት እንተለካ ዕድል ክበካ?

መልሲ፡- ኣነ ክጠቕሶ ዝደሊ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዘመሓላለፍዎ ታሪኻዊ መልእኽቲ’ዩ። እዚ መልእኽቲ’ዚ ህዝብን ሃገርን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ጫፍ ኣብ ዝበጽሕሉ ዝተሃርመ ደወል’ዩ ብናተይ እምነት። ነብስ-ወከፍ ዜጋ ብኽብደት ክሓስብ ብኡ መጠን ከኣ ሓላፍነት ክስከም ዝጽውዕ ቃጭል’ዩ። ሃይማኖታዊ እምነቶም ማእከል ጌሮም ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ምርብራብ ከምዘድሊ ዝሕብር’ዩ። ስለዚ ነዚ ክንለዓዓል ኣለና። እምነት ንገዛእ ርእሱ ክሰርሕ እንተኾይኑ ካብ ህዝቢ ወጻኢ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ እምነተ ሃይማኖት ክህሉ መጀመርያ ሰብ ክህሉ ኣለዎ። ኣብ ትሕቲ ኣረሜናዊ መንግስቲ ህግደፍ ኮይኖም ንህይወቶም ከይሰስዑ ብድፍረት ከም’ዚ ዝበለ መግለጺ ከውጽኡ እንከለው በጺሕናዮ ዘለና ደረጃ ዘመልክት’ዩ። እቲ ከባቢ 100 ዓመት ሃገር ንኽትህልወና ዝገበርናዮ ቃልሲ ባዶ ዘትርፍ ሃገር ከይህልወና ዝገብር ውድዕነት ይፍጠር ኣሎ ኢሎም’ዮም ዘእውዩ ዘለው። ስለዚ ነዚ ንምዕዋት ኩሉ ግዱስ ክረባረብ ኣለዎ እብል።

ብ/ተወልደ ንስለቲ ዝሃብካኒ ሃናጺ ሓሳባት ኣመግነካ። የቐኒየለይ።

ኣነ’ውን ንስለቲ ርእይቶይ ክህብ ዝተዋህበኒ ዕድል ደጊመ ኣመስግን።

                     ወርሒ ሓምለ 2014

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox