^ንላዕሊ ይመለሱ/ሳ

foto1 foto2 foto3 foto4 foto5


ኣንጻር ህግደፍን ሰዓብቱን ንሱር ነቀላዊ ለውጢ

ንምቋም ግዝኣት ሕጊ ዘኽብር ቅዋማዊ መንግስቲ

ንማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን

ንምኽባር መባእታዊ ሰብእዊ መሰላትን ቅሳነትን

ጸረ ሰብ ብሰብ ምዝመዛን ቁጠባዊ ማዕርነትን ትቃለስ

Side Module

ችድድድድድድድድድድድድ ድድድ ድድድድ This is a module where you might want to add some more information or an image, a link to your social media presence, or whatever makes sense for your site.

You can edit this module in the module manager. Look for the Side Module.

ክንደይ ጊዜ ተሪፉዎ

..ግዜ ሓሊፉ - : o'clock

Countdown
expired


Since



Kubik-Rubik Joomla! Extensions

ኣብ መስመር ዘለዉ

We have 110 guests and no members online

ኻሕሳይ ይሕደጎብጻይ ካሕሳይ ይሕደጎ ንህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝምልከቱ ነጥብታት ዘለካ ርእይቶ ከተካፍለና ንዘቕረብናልካ ሕቶ፡ ኣወንታዊ መልሲ ሂብካ ኣብ’ዚ ብምምጻእካ ብስም ሰማዕትና ኣመስግነካ። ቃለ-መጠይቕና በቲ ቀንዲ ዝርገተ ሰላም ፖለቲካ ሃገርና ዝኾነ ስርዓት ክንጅምሮ’ሞ ብናትካ ሚዛን ስርዓት ህግደፍ ከም ስርዓት ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ?

መልሲ፡ ብመጀመርያ ንኣዳለውቲ እዚ መደብ ስለቲ ሓሳባይ ክገልጽ ዝሃብኩሙኒ ዕድል ኣመስግን። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ደረጃ ወዓለት ሓደረት ኩነታት’ዩ ዝርከብ ዘሎ። ሓደ ኣብ ኣፍ ደገ ሞት ዝበጽሐ ስርዓት ዝገብሮ ጻዕረሞታዊ ቀልባዕባዕ የካይድ ኣሎ። ከም ስርዓት ጠጠው ከብሎ ዝኽእል ኣዕኑድ ማህሚኑ፡ ኣብ መንጎ ሞትን ሕየትን ኮይኑ ይሰሓግ ከም ዘሎ ንኹሉ ብሩህ ይመስለኒ። ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከብ ዘረጋግጸልና፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሃላልውኡ፣ ኣብ ቁጠባ ኣተሃላልውኡ፣ ኣብ ማሕበራዊ ኣተሃላልውኡ ብዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑ ናብ ዓይኒ ዘለዎ ሬሳ ተቐይሩ ኣሎ እንተበልኩ ኣየጋነንኩን። ስርዓት ህግደፍ ከም ስርዓት ጸረ-ሰላም፡ ጸረ-ደሞክራስን ጸረ-ህዝብን ከም ምዃኑ መጠን፡ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ውሽጢ ህዝብታት ኤርትራ ኣትዩ ብሓሶት ከደናግር ጸኒሑ’ዩ። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ግን ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ ኩሉ ናይ ምድንጋር ሜላታቱ ፈሊጡ ፎእ ኣብ ዝበለሉ ወቕቲ በጺሕና ኣለና። እዚ ኣረሜናዊ ጉጅለ ኣብ ድሮ ውድቀት በጺሑ ከም ዘሎ ንሕና ጥራሕ ዘይኮነ ንሱ’ውን ሕርሕራይ ጌሩ ዝተረደኦ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ድሕሪ 40 ዓመታት ዝኽሪ ኣኼባ ዝጀመርኩሉ ኢሉ ፈስቲቫል ቦሎኛ ክውድብ ምሕሳቡ ቀቢጸ ተስፋነቱ ዘመልክት’ዩ። ስለዚ ከም ስርዓት ህይወት ዘሪኡ ክቕጽል ዘኽእሎ መዋጽኦታት ዝጸንቀቐ’ዩ ዝብል ሚዛን ኣለኒ።

ሕቶ፡- ከም ስርዓት ተንጠልጢልሉ ዝጸንሐ ወተሃደራውን ጸጥታውን ትካሉ፡ ከምኡ ድማ ሚዲያ’ዩ። ኣብ’ዚ ዘለናዮ ወቕቲ ግን እዚ ትካላት ንገዛእ ርእሱ ሩሕ የብሉን። ወተሃደራቱ ገዲፈሞ ይሃድሙ ኣለው። ብዙሓት ፍሉይ ሞያ ዝነበሮም ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ብተመሳሳሊ ነናብ ዝጥዕሞም ይኸዱ፡ ገለ ከኣ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ስለዘለው ተዳኺሙ’ዩ ዝብል ዕላላት ኣብ ባይታ ይስማዕ’ዩ ኣብ’ዚ እንታይ ርእይቶኻ ኣዕሙቕ ኣቢልካ ንሰማዕትና እንተትገልጸልና?

መልሲ፡ “ሓሶትን ስንቅን እንዳሓደረ ይፈኩስ” ከም ዝበሃል ሓሶታት ህግደፍ እንዳተቓለዐ ስለ ዝመጸ፡ ገለ ካብ’ቶም ናቱ እሙናት ዝነበሩ ከይተረፈ፡ ከም’ቲ ዝበልካዮ በብዝጥዕሞም ራሕሪሐሞ ይስደዱ ኣለው። ገለ ከኣ ኣብ ኣብያተ ድጓና ኣትዮም ይማስኑ ኣለው። እዚ ስርዓት ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ናይ ሓሶት ካርታታት ኩሉ ብህዝቢ ተፈሊጡ ይጽንቀቕ ስለዘሎ፡ ከም’ቲ “እንተዘየድማዕኩስ ኣይጽይቕንዶ በለት ደርሆ” ዝበሃል ከም ኩሎም መለኽቲ ስርዓታት ብዓይኒ ዕሙት ናብ ዓመጻዊ ፍታሓት ገጹ ከማዕዱ ባህሪያዊ’ዩ ዝኸውን።

ሕቶ፡- ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ እዚ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ብህዝብታት ኤርትራ ተፈንፊኑ’ዩ፡ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ድማ ተነጺሉ’ዩ ኢሎም ክገልጽዎ ይስምዑ፡ እዚ ርእይቶ’ዚ ሚዛኑ ዝሓለወ ድዩ?

መልሲ፡- ብትኽክል ስርዓት ህግደፍ ብህዝብታት ኤርትራ ከም ዝተፈንፈነ ዘርእየካ፡ ሃብታማት ዓዶም ገዲፎም፣ ምሁራት ዓዶም ገዲፎም፣ ሸቃሎ ዓዶም ገዲፎም፣ ሓረስቶት ዓዶም ገዲፎም ኣብ ስደት ከርተት ይብሉ ምህላዎም’ዩ። ሃገር ከም ሃገር ናብ ጸልማት ተቐይራ፡ ከም መብራህትን ማይን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ቀረባት ተሳኢኑ ከተማታትና ናብ ቁሸት ተቐይረን ነበርተን እንጀራ ኣብሲሎም ንምዕንጋል ዝተጸገምሉ ኩነታት’ዩ ነጊሱ ዘሎ። እዚ ከኣ ኣብ ናይ መወዳእታ ስዕረቱ ምህላው ዘረጋግጽ’ዩ።

ሕቶ፡- እዚ ብመልክዕ ኮንትሮ ባንድ ጌረዮ ዝብሎ ዝምድናታት ንጎኒ ገዲፍና፡ ከም ሓደ ንሃገር ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ መጠን፡ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘራኽብ፡ ብግሉጽ ፕሮቶኮላዊ ውዑላትን ስምምዓትን ዝኸይድ ዝምድና ኣለዎ’ዶ?

መልሲ፡- ኣገዳሲ ሕቶ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ብሕግን ስርዓት ዝኸይድ መንግስቲ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ሸናኻት ከም’ቲ ኣብ ካልእ ዓውድታት ድኻ’ዩ። ኣለውኒ ዝብሎም ፈተውቲ ወይ መሓዙት፡ ብባህሪ ንዓኡ ዝመስሉ፡ ኣብ ሃሃገሮም ተመሳሳሊ ጸገማት ዘለዎም ዝጠፈሹ መንግስታትን ውልቀ መለኽትን’ዮም። ኣብ’ተን ብሕግን ስርዓት ዝኸዳ ሃገራት፡ ኣብ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዝኽበረለን፡ መራሕተን ብናይ ምርጫ ካርድ ዝሰቕላን ዘውርዳን፡ ኣብ’ተን ብልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ዝምራሕ ሃገራትን መንግስታተንን ኣብ እከለ ወይ ምስ እከለ፡ በዚ ዕለትን ዓመትን እዚ ዝተበጽሐ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ምክብባርን ዝምርኮስ ግሉጽ ዝምድና ኣለዎ ትብሎ የለን። እንኮ ቅዋም ዘይብላ፡ ህዝባዊ ምርጫ ሪኣ ዘይትፈልጥ፡ ህላወ ኣብዝሓ ሰልፍታት ዝተዓጽወላ ሃገር ኣላ እንተተባሂላ ድሕሪ ሰሜን ኮርያ ትስራዕ ኤርትራ’ያ። “ኣደ እንተሓብአት ሓበላ ዓይኒ ነይቲ ሓብእ” ከም ዝበሃል እዚ ብዝኾነ ክሕባእ ዘይኽእል ዓለም ትዛረበሉ ዘላ ሓቂ’ዩ።

ሕቶ፡- ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2014 ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ዝሃለቕሉን ንቡር ስርዓተ ቀብሪ ኣብ ዘይረኸብሉን ሃገረ ኢጣልያ፡ ጽንብል መበል 40 ዓመት ቦሎኛ ዝብል ብሓያል ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ሕፍረት ተጎልቢቡ ዝተመልሰሉ መደብ ኣካይዱ ኔሩ። ምስ’ዚ ተታሓሒዙ ዘዛርብ ሓደ ልኡኽ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ድሮ’ቲ ፈስቲቫል ናብ ኤርትራ ከይዱ ኔሩ። ኣብ መዓልቲ ፈስቲቫል ድማ መንግስቲ ጣልያን ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ኣዋፊሩ፡ ንማዕበል ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክከላኸለሉ ተራእዩ። እዚ መንግስቲ ጣልያን ምስ መንግስቲ ህግደፍ ዝምድና ከም ዘለዎ’ዶ ኣየመልክትን?

መልሲ፡- መጀመርያ ክፍለጥ ዘለዎ መንግስቲ ጥልያን ጸጥታኡ ከኽብር ግድን’ዩ። ፈስቲቫል ክገብሩ ስለምንታይ ፈቒደምሎም፡ ንደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕጋት’ከ ስለምንታይ ፈቲኖም ንዝብል፡ ከም ደሞክራስያዊ መንግስቲ ፈስቲቫል ክንገብር ደሊና ኢሎም ምስሓተትዎ ክፈቕደሎ ይኽእል’ዩ። እቲ ናብ ፈስቲቫል ዝመጸ ደጋፊ ህግደፍን ንዕኡ ዝቃወም ዝነበረ ደላዪ ለውጥን ዘይመጣጠን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ህግደፋውያን ስጉምቲ ከይውሰድ ደም ምፍሳስ ከየስዕብ ጸጥታኦም ከኽብሩ ቅኑዕ’ዩ ዝመስለኒ። ከምኡ ስለ ዝገበሩ ምስ መንግስቲ ህግደፍ ዝምድና ኣለዎም ዝብል ግን ክእመን ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጣልያን ኣካል ሕብረት ኤውሮጳ’ያ፡ ብሕጊ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድማ ተቐይዱ ዝኸይድ መንግስቲ’ዩ ዘለዋ። እቲ ሓቂ ከምኡ ስለዝኾነ’ዩ ከኣ ነቲ ማዕበላዊ ተቓውሞ ናይ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ጸጥታኡ ብምኽባር ጥራሕ ዘተኣናገዶ። ስለዚ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ መንግስቲ ጥልያን ምስ መንግስቲ ህግደፍ ጥዑይ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣለዎ ዝብል እምነት የብለይን። እቲ ኣብ ድሮ ፈስቲቫል ናብ ኤርትራ በጺሑ ዝበልካዮ ልኡኽ ጥልያን ድማ ነቲ ኣብ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ መቕዘፍትን ገና ዝቕጽል ዘሎ ማዕበል ስደትን ኣመልኪቱ ከዛራርቦን ከጠንቅቖን’ዩ ከይዱ ዝኸውን ዝብል ግምት ኣለኒ።

ሕቶ፡- ብ/ካሕሳይ መንግስቲ ጣልያን ኣብ ድሮ ፈስቲቫል ናብ ኤርትራ ሓደ ልኡኽ ምስዳዱ፡ ጸኒሑ ድማ እቲ ዝገለጽካዮ ማዕበል ናይ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ሳንዱቕ ሬሳ ተሰኪሞም ብመጉልሒ ድምጺ ተጠቒሞም ተቓውሞኦም ኣብ ዘስምዕሉ ዝነበሩ ግዜ፡ ወተሃደራት ኣዋፊሩ ክዓግቶ ምፍታኑ ብዙሓት ሕቶታት ከተልዕል ዝገብር’ዩ። ምኽንያቱ እቶም ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ዝተቐዝፉ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ግዳያት ሬሳኦም ናብ ሃገሩ ኣይተመልሰን። መንግስቲ ጣልያን እቲ መቕዘፍቲ ምስ ኣጋጠመ ብሰብኣውነቱ ከም ሃገር መዓልቲ ሓዘን ዝኣወጀሉ’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ቦሎኛ ዝነበረ ኩነታት ግን ናብ ህግደፍ ዘጉነዐ ይመስል ዝብሉ ኣለው፡ ኣይፋል እዚ ሓሶት’ዩ፡ መንግስቲ ጣልያን ከም ሓደ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ምስ ሓደ መላኺ ናይ ዝምድና ቃል ኪዳን ክኣስር ኣይክእልን ዝብሉ ርእይቶታት’ውን ኣብ ባይታ ኣሎ’ዩ። እዚ ክልተ ርእይቶታት’ዚ ከመይ ክዕረቕ ይኽእል?

መልሲ፡- ህዝብን መንግስትን ጥልያን ንህዝብታት ኤርትራ ደቂቅ ኣፍልጦ ኣለዎም’ዩ። ኣብ’ቲ ዝገለጽካዮ ጃምላዊ ህልቂት ናይ 3 ጥቕምቲ 2013 ምስ ኣጋጠመ ህይወት ኤርትራውያን ግዳያት ንምድሓን ብሓላፍነታዊ ዓይኒ ጠሚቱ ግቡኡ ዝገበረ’ዩ። ስለዚ ፖለቲካሊ ምስ ህግደፍ ዘኺዶ ነገር ዘሎ ኣይመስለንን። እቶም ብመንገዲ ሊብያ ኣቢሎም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝኣትው ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት መጀመርያ ካብ ሓደጋ ባሕሪ ድሒኖም ምድሪ ኤውሮጳ ዝረግጹላ ሃገረ ጣልያን ከም ምዃና መጠን፡ ነዚ ጾር’ዚ ካብ መሰረቱ ዝደርቀሉ ምስቲ ጠንቂ ንምዝርራብ’ዩ ከይዱ ዝኸውን ‘ምበር ሽግር ህዝብታት ኤርትራ ጥልያን ቅድሚ ካልእ ሃገርን መንግስትን ትርደኦን ትፈልጦን። ቀልጢፎ ንመንግስቲ ህግደፍ ካብ ዘለለዩ መንግስታት ሓደ ምዃኑ ካብ ነዊሕ እንዳተኸታተልናዮ መጺእና ኢና። ካብ’ዚ ወጻኢ ዝመዝን ማለት ዝምድና ኣለዎ ኢሉ ዝርዳእ ወገን እንተሃልዩ ግን ፖለቲካዊ የዋህነት ዘበገሶ’ዩ ክኸውን ዝኽእል።

ሕቶ፡- ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ካብ 4-6 ነሓሰ 2014 ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ ፈላሚ ዋዕላ ኣመሪካን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ተኻይዱ ኔሩ፡ ኣብ ብዙሓትን ናይ ምትሕግጋዝ ነጥብታት ከም ዝተዛተዩ’ውን ተገሊጹ። ኤርትራ ግን ከም ሃገር ኣብ’ዚ ዋዕላ’ዚ ኣይተሳተፈትን እዚ እንታዩ ዘመልክተና?

መልሲ፡- እዚ ሓደ ዘሕዝንን ዘቖጥዕን ተወሳኺ ተረኽቦ’ዩ። ንተነጽሎ ኤርትራ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከኣ የመልክት። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ’ዚ ጠንቃም ጉጅለ ካብ ኣፍሪቃዊ መድረኻት ካብ ዓለማዊ መድረኻት ተነጺሉ ምውዓሉ ኣዝዩ የተሓሳስበኒ። እቲ ዝያዳ ዘተሓሳስብን ዘጨንቕን ህዝብና ሕውስ ምስ ኩሉ ተሰማሚዑ ዝኸይድ፡ ጻዕራም ብሃፈ ጻምኡ ዝነብር፡ ደላዪ ሰላም ህዝቢ ክነሱ፡ ህግደፍ ብኣንጻሩ ከም ትምክሕተኛ፣ ደላዪ ጽልእን ኲናትን፣ መሲሉ ክግለጽ ዝገብሮ ዘሎ ኣዕናዊ ኣገባባት’ዩ። እዚ ጉጅለ ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኣብ ኮሮሻ ስልጣን ደይቡ ኣሎ። ስለዚ ንኤርትራ ከም ነጻን ልዑላዊት ሃገር መጠን፡ ህግደፍ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘካይዶ ዘሎ ተዂታዂ ተግባራት ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክንጽሎ እንከሎ፡ ገለ ወገናት ነቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ምስኡ ኣላጊቦም ዝመዝንሉን ብኣሉታ ዝገልጽሉን ኣጋጣሚታት እንክዕዘብ ይጭነቕ። “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ከም ዝበሃል እዚ ህዝቢ ኣይባህሪኡን ኣይኢዱን ግን ብዘይካ ቃልሲ’ሞ እንታይ ኣሎ ኢለ ድማ ናብ ነብሰይ እምለስ። ኣእምሮኡ ዝሰሓተ እንተዘይኮይኑ ዋላ ጥዑይ ኣኣምሮ ኣለኒ ዝብል ኣባል ህግደፍ’ውን ከይተረፈ እዚ ጉዳይ ክጭነቐሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ብዋጋ ህዝቢ ሓደ ውሱን ብረብሓ ዝተኣሳሰረ ጉጅለ ኣስተርህዩ ክነብር፡ ህዝቢ ድማ ኣብ ውሽጡ ሰላም ስኢኑ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክንጸል፡ ክሳተፎ ካብ ዝግባእ መድረኻት ክቦኩር ኣበይ ኣለና፡ ናበይ ንኸይድ ኣለና፡ ካብ’ዚ ብኸመይ ክንወጽእ ንኽእል ኢሉ ሓሳባት ዘየውርድን ዘየደይብን ኤርትራዊ እንተሃልዩ ዳርጋ ዘየለ’የ ክብሎ ዝኽእል። ሎሚ ነብስ ወከፍ ኤርትራዊ’የ ዝብል ስምዒት ዘለዎ ሰብ ካብ’ዚ ዓዘቕቲ’ዚ ንምውጻእ ጭዋዳታቱ ገቲሩ ፍልልያቱ ኣጻቢቡ ሕብረት ፈጢሩ ክረባረብ እዋኑ’ዩ።

ሕቶ፡- ከምቲ ዝገለጽካዮ ብሰንኪ’ዚ ጻሕታሪ ኲናት ስርዓት ህግደፍ ኤርትራ ካብ’ዚ ዓቢን ፈላምን ዋዕላ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ተገሊላ ተሪፋ ኣላ፡ እዚ ተነጽሎ’ዚ ኣብ ህግደፍ ኣብ ባዕሉ”ከ እንታይ የዕርፈሉ?

መልሲ፡- እዚ ተነጽሎ’ዚ፡ ንኹሉ ሰብ ከም ዝርደኦ ሓንቲ ሃገር ከም ሃገር ኣብ ዝቖመትሉ፡ ሓደ ህዝቢ ከም ህዝቢ ደዊ ኢለ ኣለኹ ኣብ ዝበለሉ፡ ኣፍሪቃ ከም ናይ ዓለም ማርኬት /ዕዳጋ/ ኣብ ትጥመተሉ ዘላ ወቕቲ፡ ሃገርና ከም ኣብ ኣገዳሲ ስተራተጂካዊ ቦታ ተደኲናት ትርከብ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ካብ’ዚ ከም’ዚ ዝበለ መድረኽ ተነጺላ ምውዓላ ዓቢ ጽፍዒት ንህግደፍ። ጽቡቕ ፖለቲካዊ መሳርሒ ንደምበ ደለይቲ ለውጢ ዝፈጥር ኮይኑ ይማዕኒ። ዝተበላሸወ ፖለቲካ ሃገርና ናብ ባህሪያዊ ቦታኡ ንምምላስ ኣብ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ይሃስየና ከም ዘሎ ከም ጨቡጥ መረዳእታ ኮይኑ ዘገልግል’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ክሳብ ብግቡእ ኣብ ባይታ ወሪድና ህዝብና ከነረድኣሉ ዝኸኣልና ማለት’ዩ። ብኸምዚ ዘለናዮ ኣብ ተነጽሎ ክነብር ከምዘይንኽእል፡ እዚ ጉዳይ ክንቅይሮ ዘለና ድማ ንሕና ባዕልና ምዃና፡ ነዚ ክንቅይሮ፡ ፖለቲካዊ መልክዕና ናብ ባህሪያዊ ቦታኡ ክምለስ ድማ፡ ሽዑ ንሽዑ ህግደፍ ክውገድ ኣለዎ ማለት ስለዝኾነ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንለውጢ ንገብሮ ቃልሲ ብዝተዓጻጸፈ ሜላ ከነቃላጥፎ ከም ዘለና ክሕብር እፈቱ። ህዝብና ንስርዓት ህግደፍ ከም ዝጸልኦን ከም ዝፈንፈኖን፡ መንእሰያት፣ ሽማግለታት፣ ኣከላ ስንኩላን፣ ስድራ-ቤታት፣ ህጻውንቲ ዓዶም ራሕሪሖም ክስደዱ እንከለው ጭቡጥ ኣብነት’ዩ።

ሕቶ፡- ብ/ካሕሳይ ስርዓት ህግደፍ በዚ ዝኽተሎ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ፡ ከም ስርዓት ደው ከብሎ ዝኽእል ምንጪ ቁጠባ ካብ ኣታዊታት ውሽጢ ሃገር ክረክብ ስለዘይኽእል፡ መንግስታዊ ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ጎይቶት እናቐያየረ ብዋጋ ዓስቡ ብዝረኽቦ ገንዘባውን ዓይነታውን ደገፋት እናተሓገዘ ከም ዝመጸ ይግለጽ’ዩ። ዝተፈላለዩ መንጭታት ቅድም ክብል ካብ ቀጠር፣ ሊብያ፣ ግብጺ ይሕገዝ ምንባሩ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም። ሎሚ ግን እንተወሓደ ካብ’ዘን ዝተጠቅሳ ሃገራት ክረኽቦ ዝጸንሐ ጠቕሚ ከም ዝጎደለ፡ ካልእ ምንጪ ካልእ ጎይታ ንምርካብ ማዕጾ ራሻ ክኹሕኩሕ ጀሚሩ ምህላው ይስማዕ’ዩ። እሞ ብከም’ዚ ዓይነት ኣብ ለኣኽን ተለኣኽን ዝተመስረት ተንበርካኺ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክሳብ ክንደይ ክሕገዝን ክቕንን ይኽእል ትብል?

መልሲ፡- ኣዝዩ ኣገዳስን ዓቢን ሕቶ’ዩ። መጀመርያ ሓደ ሃገር ከም ሃገር፡ ሓደ ህዝቢ ከም ህዝቢ፡ ኣንፈተ ምዕባለ ክሕዝ እንተደኣ ኮይኑ፡ ካብ ውሽጣዊ ኩነታቱ’ዩ ዝብገስ። ካብ ናይ ደገ ተጸባዪ ምዃን ተንበርካኺ ምዃን፡ ጽግዕተኛ ምዃን ድማ መርኣያ ፍሽለት ሓደ ስርዓት’ዩ። ስርዓት ህግደፍ እቲ ንሃልኪ ህዝባዊ ርክባት ኢሉ ዝነዝሖ መደብ ርእሰ ምርኮሳ ዝብል ግዝያዊ ፕሮፖጋንዳ ገዲፋና፡ ብግስ ካብ ዝብል ጀሚሩ መሰረተ ምዕባለና ካብ ውሽጣዊ ሰላምና፡ ስኒትናን ጸጋታት ኢሉ፡ ሰሪሑ ዘስርሕ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅዲ ወይ ውጥን ተኸቲሉ ኣይፈልጥን። ኩሉ ግዜ ሕጋዊ ኣገባብ ዘይተኸተለ፡ ግልጹነት ዘይብሉ፡ ኣብ ኮንትሮባንድ፣ በለጽ፡ ስስዕትን ምትላልን ዝተመርኮሰ መንገዲ ሒዙ’ዩ ክኸይድ ጸኒሑን ዘሎን። እዚ ሎሚ ዘማዕበሎ ኣይኮነን። ኣብ ሳሕል እንከሎ ዝጥቀመሉ ዝነበረ፡ ብኢደ-ወኑን ፖለቲካዊ ስልጣን ምስተቖጻጸረ ድማ ከም መትከል ሒዙ ዝሰርሓሉ ዘሎን’ዩ። ብሓጺሩ ህግደፍ ዘይሕጋዊ መኽሰባት ኣብ ዘርክቡ ጉዳያት ካብ ምውፋር ሓሊፉ፡ ቅኑዕን ስነ-ፍልጠታዊ ቁጠባዊ መርሆ ተኸቲሉ ኣይፈልጥን። እንተደለዮ’ውን ባህሪኡ ስለዘይፍቅደሉ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ ሕቖ ኣለዎም ተሰማዕነት ኣለዎም፡ ሃብቲ ኣለዎም ንዝብሎም ገዛ ክኹሕኩሕ ኣብ ቅርዓት ክወጻእ ሕፍረት ዘይስመዖ፡ ዕለታዊ ድራሩ ጥራሕ ዘናዲ፡ ፍሹል ስርዓት ምዃኑ ብተግባር ኣመስኪሩ’ዩ። እንተን ቅድሚ ሕጂ ክለኣኸን ዝጸንሐ ሃገራትን መንግስታትን፡ ገለ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሽጢ ቅልውላው ስለዝኣተው፡ ገሊኦም ከኣ መንነቱ ፈሊጦም ዘይቅኑዕን ተበላጽን ምዃኑ ተረዲኦም ዝጸንሖም ዝምድናታት ቀስ-ብቐስ እናሰሓቡ ስለ ዝኸዱ፡ ናይ ግድን’ዩ ኣብ ካልእ ኣይፈልጠንን ዝብሎ ከይዱ ማዕጾ ክኹሕኩሕ። ንመሰልን ረብሓን ህዝብናን ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ሃገርናን ኣሕሊፉ ክህብ ዝገብሮ ፈተነታት ዝጸንሐ’ዩ። ሕሉፍ ሓሊፉስ ኣበይ ኣላ ግርጭት እንዳበለ ከሸትት፡ ብህይወት ዜጋታትና ካብትን ካብትን ኣደናጊሩ ገንዘብ ክቕርምን መጀመርይኡ ኣይኮነን። ክሳብ ዕለተ ሞቱ ድማ ብኡ ክቕጽል’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣብ ቅድሚና ዘሎ እንኮን ቀዳማይን ጸላኢና ንሱ ምዃኑ ፈሊጥና ለኻኪሙና ከይከይድ ክንቃለስ ጥራሕ’ዩ ዘለና። ብዝተረፈ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ከም ባህሪ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምትእምማን ስለዘይብሉ፡ ኣብ ትሕቲ ካልኦት ተጎንቢሑ ክመጻደቕ መቐጸልታ ደኣምበር መጀመርያ ከም ዘይኮነ ብግቡእ ምርዳእ ኣገዳሲ ይመስለኒ።

ሕቶ፡- ስርዓት ህግደፍ ኣብ ገምገም ውድቀት በጺሑ ከም ዘሎ ዘረጋግጹ ብዙሓት ጭብጥታት ኣለው፡ ልዕሊ ኩሉ ህዝቢ ከዲፍዎ ይስደድ ኣሎ፡ ሕጂ ዘላቶ ዕድል፡ ናይ ደገ ጎይቶት ረኺቡ፡ እሙን ተለኣኣኺ ኮይኑ ንሶም ብዝተኹብሉ ገንዘብ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ዝተፈጥረ ግርጭታት ኢዳካ እናእተኻ ምንባር ዝብል ውጥን ዝሓዘ ይመስል። እሞ እዚ ሕጂ ምስ ራሻ ዝምድና ይፈጥር ኣሎ ተባሂሉ ብፍላይ ብወገን ደገፍቱን ወድዓውያን ተሓባበርቱን ዝዘረበሉ ዘሎ ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ?

መልሲ፡- “ዝጨነቖ ቆልዓስ መቓብር ኣቦኡ ፈሓረ” ዝበሃል ምስላ ኣሎ። ከም ሓፈሻዊ ባሕሪ መለኽቲ ብዙሕ መዓጹ ኳሕኲሑ ምስተዓጸዎ ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ሓድሽ ማዕጾ እንተደለየ፡ እቲ ጎይታ ኩነኒ ዝብሎ ዘሎ መንግስቲ ጥራሕ’ዩ ሓድሽ ‘ምበር፡ እቲ ባህሪ ዝጸንሐ ስለ ዝኾነ፡ ሓድሽ ክኾነና ኣይብሉን። ኣብ ድሮ ውድቀት ኣሎ ክንብል እንከላ’ኮ ተቓወምቱ ስለዝኾና ፈጢርና ንብሎ ዘለና ኣይኮነን። እታ ሃገር ሃገር’ያ። እቲ ህዝቢ ከም ሰብኣዊ ፍጡር ንክነብር ዘድልዮ ኣለኽቲ ነገራት ከም መንግስቲ መጠን ከቕርብ ኣለዎ። ካብ ዓቕሙን ንላዕሊ ንዝኾነ ከኣ ብጭብጢ ምኽንያቱ ንህዝቢ እንዳሐበረን መፍትሒታት እናናደየን ክኸይድ ኔርዎ። ብተግባር ኮይኑ ዘሎ ግን፡ ንሰራዊቱን ሰራሕተኛታቱን ጻማ ርሓጾም ክኸፍል ኣብ ዘይኽእለሉ፡ ማይን መብራህትን ከቕርብ ኣብ ዘይኽእለሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ግቡእ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ምሃብ ተሳኢንዎ ምህላው፡ ቀይሕ መብራህቲ ዝወለዐ ቁጠባዊ ዝቕባበ ኣጋጢሙ ከም ዘሎን ክሒዱ፡ ዘይከም ካልኦት ንሕና ኣብ ጽቡቕ ምረሻ ቁጠባዊ ምዕባለ ንርከብ ኣለና ዝብል ባዶ ጎስጓሳት የካይድ ምህላው’ዩ። ስለዚ በዚ ኣብ ራሻ ይቕጽለሉ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ምጉንባሕ ዕድመ ክረክብ’ዩ ዝብል እንተሃልዩ ፖለቲካዊ የዋህነት ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ህግደፍ ተሪፍዎ ዘሎ ዕድል መዓስ ይውገድ ጥራሕ’ዩ። ንቀጻልነቱ ዘውሕስ ዝኾነ ምኽንያት የለን። ገለ የወሃት ክሳብ እቲ ስልጣን ናብ ወዱ ከሰጋግሮ’ዩ ክብሉ ይስምዑ’ዮም። በቲ ኣብ ማይ ቤቱ ኣብ ህግደፍ ኣረጋጊጽዎ ዘሎ እንኮ ሰባዊ ገባሪ ሓዳግነትን መወዳድርቲ ዘይብሉ ጽምኣት ስልጣንን ንሱ ከምኡ ኣይሓልምን ኣይደልን ክበሃል ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ከም ቃሕትኡ ሚኒስተራት ኢሉ ይሸይም፡ የደስክል፡ የውርድ፡ ይኣስር፡ ብተመሳሳሊ ጀነራላት ይሸይም የውርድ፡ የደስክል፡ ይኣስር ካብ ውሽጥና ሓሊፉ ዓለም ትዕዘብ ስለዘላ ደረት ኣልቦ ስልጣኑ ተጠቒሙ ንወዱ ናቱ መተካእታ ክኾኖ ኣይዓጽን ኣይበሃልን። እዚ ግን ሕልሚ ይመስለኒ።

                                   ካልኣይ ክፋሉ ይቕጽል

ኣድራሻ መቓልሕ

Job Mekaleh pobox